ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድሕሪት ገበር

ድሕሪት ገበር

ድሕሪት ገበር

ኣየናይ ካልእ መጽሓፍ ኢዩ

• ኣብ ሕጊ እውን ከይተረፈ ዓሚቝ ጽልዋ እናገበረ: ነቲ ዝዓበየ ናይ ዓለም ስነ⁠-​ጥበብ: ስነ⁠-​ጽሑፍ: ከምኡውን ሙዚቃ ዝጸሉ፧

• ብኢድ ሰብ እናተቐድሐ ንኣሽሓት ዓመታት ዝቐጸለ: ገና ድማ ከምቲ እተጻሕፎ ኰይኑ ክሳዕ ግዜና ዝጸንሐ፧

• ናይ ዘይምስሳዕ መንፈስ ስለ ዘለዓዕል ገሊኣቶም ንኽትርጕምዎ መከራ ከሕልፉ: አረ ህይወቶም እውን ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ፍቓደኛታት ከም ዝዀኑ ዝገበሮም፧

• ልዕሊ 90 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ዓሌት ሰብ ክረኽብዎ ከም ዝኽእሉ ኰይኑ: ናብ ልዕሊ 2,100 ቋንቋታት እተተርጐመ፧

• ንብዙሕ ክፍለ⁠-​ዘበናት ከይተረኽበ ዝጸንሐ ስነ⁠-​ፍልጠታዊ ሓቂ ዝጠቅስ፧

• ንዝዀነ ይኹን ዓሌታዊ: ቀቢላዊ: ከምኡውን ሃገራዊ መበቈል ዘለዎም ሰባት ናብርኦም ንኸማዕብሉ ክሕግዞም ዝኽእል: ግዜ ዘይሓጽሮ መምርሒታት ዝሓዘ፧

• ብታሪኻዊ መርትዖታት ሓቂ ምዃኑ እተረጋገጸ ንጹር ትንቢታት ዝሓዘ፧

ከምዚ ዝበለ መጽሓፍ ክትምርምሮ ዝበቅዕዶ ከይኰነ፧