ድሕሪት ገበር
ድሕሪት ገበር
ኣየናይ ካልእ መጽሓፍ ኢዩ
• ኣብ ሕጊ እውን ከይተረፈ ዓሚቝ ጽልዋ እናገበረ: ነቲ ዝዓበየ ናይ ዓለም ስነ-ጥበብ: ስነ-ጽሑፍ: ከምኡውን ሙዚቃ ዝጸሉ፧
• ብኢድ ሰብ እናተቐድሐ ንኣሽሓት ዓመታት ዝቐጸለ: ገና ድማ ከምቲ እተጻሕፎ ኰይኑ ክሳዕ ግዜና ዝጸንሐ፧
• ናይ ዘይምስሳዕ መንፈስ ስለ ዘለዓዕል ገሊኣቶም ንኽትርጕምዎ መከራ ከሕልፉ: አረ ህይወቶም እውን ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ፍቓደኛታት ከም ዝዀኑ ዝገበሮም፧
• ልዕሊ 90 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ዓሌት ሰብ ክረኽብዎ ከም ዝኽእሉ ኰይኑ: ናብ ልዕሊ 2,100 ቋንቋታት እተተርጐመ፧
• ንብዙሕ ክፍለ-ዘበናት ከይተረኽበ ዝጸንሐ ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂ ዝጠቅስ፧
• ንዝዀነ ይኹን ዓሌታዊ: ቀቢላዊ: ከምኡውን ሃገራዊ መበቈል ዘለዎም ሰባት ናብርኦም ንኸማዕብሉ ክሕግዞም ዝኽእል: ግዜ ዘይሓጽሮ መምርሒታት ዝሓዘ፧
• ብታሪኻዊ መርትዖታት ሓቂ ምዃኑ እተረጋገጸ ንጹር ትንቢታት ዝሓዘ፧
ከምዚ ዝበለ መጽሓፍ ክትምርምሮ ዝበቅዕዶ ከይኰነ፧