ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዓለም ዝገዝኣ ዘሎስ መን ኢዩ?

ንዓለም ዝገዝኣ ዘሎስ መን ኢዩ?

ንዓለም ዝገዝኣ ዘሎስ መን ኢዩ ?

ብዙሓት ሰባት ነዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ሕቶ : ኣሕጽር ኣቢሎም ብሓንቲ ቃል ጥራይ ኣምላኽ ዝብል መልሲ ምሃቡላ ። ይኹን እምበር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ክርስቶስ ይኹን ኣቦኡ ናይዛ ዓለም እዚኣ ገዛእቲ ኢዮም ዝብል ፈጺሙ ኣይርከብን ኢዩ ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ : የሱስ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ክድርበ እዩ” በለ ። ወሲኹ ኸኣ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ ኣሎ እሞ : ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን” በለ ። — ዮሃንስ 12 : 31 ፣ 14 : 30 ፣ 16 : 11

ስለዚ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ኣንጻር የሱስ ኢዩ ። እዝስ መን ኮን ይኸውን ?

ካብ ኵነታት ዓለም ኣንፈት ምርካብ

ሽሕኳ ሰናይ ሃቐናታት ዘለዎም ሰባት ጻዕርታት ኣካይዶም እንተኾኑ : ዓለም ኣብ ኵሉ እቲ ዝሓለፈ ዛንትኣ ዘስካሕክሕ ስቓይ ኣሕሊፋ ኢያ ። እዚ ኸኣ ነቶም ተመራመርቲ ሰባት ዘተሓሳስቦም ኮይኑ ኢዩ ተረኺቡ ። ሓደ ካባታቶም መዋቲ ዴቪድ ላውረንስ ዝተባህለ ናይ ርእሰ ኣንቀጽ ጸሓፊ ዝነበረ ኸምዚ በለ :- “ሰላም ኣብ ምድሪ ክህሉ : ዳርጋ ኵሉ ሰብ ዝደልዮ ኢዩ ። ‘ኣብ መንጎ ሰባት ሰናይ ፍቓድ’ ክህሉ ኸኣ : ዳርጋ ኵሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ህዝብታት ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ስምዒት ኢዩ ። እሞ እንታይ ጉድለት ደኣ ተረኽበ ? ውሽጣዊ ባህጊ ናይ ህዝብታት እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ስለምንታይ ኢዩ ውግእ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ?”

እዝስ ግርምቢጥ ኢዩ ዝመስል : ኣይኮነንዶ ? ባህርያዊ ባህጊ ናይ ህዝብታት ብሰላም ምንባር ክነሱ : ንሓድሕዶም ኣበርቲዖም ይጻልኡን ይቃተሉን ። ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ካብ መጠን ዝሓለፈ ንሕስያ ዘይብሉ ኣራዊታዊ ጭካኔ እሞ ሕሰብ ። ደቅሰብ ንሓድሕዶም ብዘይ ምሕረት ንምስቓይን ንምትሕርራድን ኢሎም ናይ ጋዝ ክፍልታት : ናይ መዳጎኒ ደምቤታት : ተወንጫፊ ሃልሃልታ : ናፓልም ቦምብን ካልእ ባርባራዊ ኣገባባትን ተጠቒሞም ኢዮም ።

ናይ ሰላምን ሓጎስን ባህጊ ዘለዎም ሰባትሲ ካብ ርእሶም ኣንቂሎም ኣብ ንሓድሕዶም ክንድዚ ዝኣክል ጽዑቕ እከይ ክፍጽሙ ክእለት ኣለዎም ኢልካ ትኣምንዶ ? ንሰባት ኣብ ከምዚ ዝመሰለ ዘጸይፍ ተግባራት ንኽኣትዉ ዝደፋፍኦም : ወይውን ከምዚ ዝመሰለ ግብረ ጭከና ክፍጽሙ ኣብ ዝደፋፍኡሉ ኵነታት ዘብጽሕዎም : እንታይ ሓይልታት ኮን ይህልዉ ? ከምዚ ዝመሰለ ግብረ ዓመጻ ንኽፍጽሙ ተጽዕኖ ዝገብረሎም ሓደ እኩይ ዘይርአ ሓይሊ ዶኾን ይህሉ ይኸውን ?

ገዛእቲ ዓለም ተፈሊጦም

እቲ ጉዳይ ግምት ዘድልዮ ኣይኮነን : ከመይሲ ሓደ ምስትውዓል ዘለዎ ዘይርአ ኣካል ንሰባትን ንሃገራትን ይቆጻጸሮም ከም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ኢዩ ዝሕብረና ። ከምዚ ይብል :- “ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተታሒዛ ኣላ :” መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ መንነቱ ኣነጺሩ ክገልጾ ኸሎ :- “እቲ ንብዘላ ዓለም ዘስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል” ይብሎ ። — 1 ዮሃንስ 5 : 19 ፣ ራእይ 12 : 9

ሓደ ግዜ የሱስ “ብድያብሎስ ምስ ተፈተነ ” ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ከም ገዛኢ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ ግደ ዝገልጽ ሓሳብ ኣብ ሕቶ ኣየእተዎን ። ነቲ ሽዑ ዝተፈጸመ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይገልጾ :- “ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሲዱ መንግስታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርኣዮ እሞ ፍግም ኢልካ እንተሰጊድካለይ : እዚ ኹሉ ክህበካ እየ : በሎ ። ሽዑ የሱስ ኪድ ርሓቕ ሰይጣን :” በሎ ። — ማቴዎስ 4 : 1, 8 – 10

እስከ ብዛዕባዚ ሕሰብ ። ሰይጣን ንየሱስ “መንግስታት ኵላ ዓለም ” ክህበካ ኢየ ብምባል ኢዩ ፈቲንዎ ። ይኹን እምበር ሰይጣን ብርግጽ ገዛኢ ናይዘን መንግስታት እዚኤን እንተዘይነብርሲ እቲ ወፈይኡ ብሓቂ ፈተና ምኾነዶ ነይሩ ? ኣይፋሉን : ኣይምኾነን ። የሱስውን ኵለን እዘን ዓለማውያን መንግስታት እዚአን ናይ ሰይጣን ምዃነን ኣሉታ ከም ዘይሃበሉ ኣስተብህል : ሰይጣን ኣብ ልዕሊአን ምልኪ እንተዘይህልዎ ነይሩ ኸኣ ብርግጽ ምተቓወሞ ነይሩ ። ስለዚ እምበኣር : ሰይጣን ድያብሎስ ብሓቂ እቲ ዘይርአ ገዛኢ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኢዩ ። አረ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ኢዩ ዝጽውዖ ። (2 ቈረንቶስ 4 : 4) ይኹን እምበር : ከምዚ ዝመሰለ እኩይ ፍጥረትሲ ኣብ ከምዚ ዝመሰለ ሓያል ስልጣን ክበጽሕ ዝኽኣለስ ከመይ ኢሉ ኢዩ ?

እቲ ሰይጣን ናብ ምዃን ዝበጽሐ ኣካል ሓደ ግዜ ብኣምላኽ እተፈጥረ መልኣኽ ኢዩ ነይሩ : እንተኾነ ግን ንስልጣን ኣምላኽ ቀኒኡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ምግዛእ መሰል ተቓወሞ ። ነዚ ንምፍጻም ድማ ንሄዋን ነታ ቀዳመይቲ ሰበይቲ ከስሕት ኢሉ ንተመን ከም ኣፈኛ ተጠቕመሉ : በዚ ኸምዚ ኸኣ ንዓኣን ንሰብኣያን ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ዝእዘዙ ናቱ ትእዛዝ ከም ዝፍጽሙ ገበሮም ። (ዘፍጥረት 3 : 1 – 6 ፣ 2 ቈረንቶስ 11 : 3) ከምኡውን ነቶም ገና ዘይተወልዱ ኵሎም ደቂ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ከርሕቖም እኽእል እየ በለ ። ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ንሰይጣን ነቲ ዘቕረቦ ሕቶ ሓቅነት እንተ ኣልዩዎ ክፍትን ኢሉ ግዜ ፈቐደሉ : ሰይጣን ግን ኣይተዓወተን ። — እዮብ 1 : 6 – 12 ፣ 2 : 1 – 10

ሓደ ከገድሰና ዘለዎ ጉዳይ ድማ ሰይጣን ንዓለም ዝገዝኣ ዘሎ ንውልቁ ከም ዘይኮነ ኢዩ ። ንሱ ንገለ ካብቶም ካልኦት መላእኽቲ ኣብቲ ኣንጻር ኣምላኽ ዝተገብረ ዕልወት ክሓብርዎ ሓባቢልዎም ኢዩ ። እዚኦም ድማ እኩያት መንፈሳውያን ተሓባበርቱ ብምዃን : አጋንንቲ ኾኑ ። መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ክምዕዶም ከሎ ብዛዕብኦም ከምዚ ይብል :- “እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር : ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ : ንፍሕሶ ሰይጣን [ተቓወምዎ] ።” — ኤፌሶን 6 : 11, 12

ንመናፍስቲ እከይ ተቓወሞም

እዞም ዘይርኣዩ እኩያት ገዛእቲ ዓለም ንኹሎም ደቅሰብ ካብ ኣምልኾ ናይ አምላኸ ብምርሓቕ ከስሕትዎም ቆሪጾም ኢዮም ተላዒሎም ዘለዉ ። ሓደ ካብቲ እዞም እኩያት መናፍስቲ ነዚ ዝፍጽሙሉ ኸኣ : ሽሕ’ኳ ቃል ኣምላኽ ምዉታት ስምዒት ከም ዘይብሎም ኣነጺሩ ዝገልጽ እንተኾነ : ምስ ሞትካ ብህይወት ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ ዝብል ሓሳብ ብምምስራትን ተቐባልነት ከም ዝረክብ ብምግባርን ኢዩ ። (ዘፍጥረት 2 : 17 ፣ 3 : 19 ፣ ህዝቅኤል 18 : 4 ፣ መዝሙር 146 : 3, 4 ፣ መክብብ 9 : 5, 10) ስለዚ ኸኣ ሓደ እኩይ መንፈስ ንድምጺ ናይ ሓደ ዝሞተ ሰብ ኣምሲሉ : ብጠንቆልቲ ኣቢሉ ወይ ካብቲ ዘይርአ ግዝኣት “ድምጺ” ከም ዝስማዕ ብምግባር ምስቶም ኣዝማድ ወይ ኣዕሩኽ ናይቲ መዋቲ ክዛረብ ይኸእል ኢዩ ። እቲ “ድምጺ” ናይቲ ብሞት ተፈልዩ ዘሎ ሰብ ኢዩ ዝጥዕም : ይኹን እምበር ብርግጽ ሓደ ጋኔን ኢዩ !

ስለዚ ምናልባሽ ከምዚ ዝበለ “ድምጺ” እንተሰማዕካ አይትታለል ኢኻ ። ዝኾነ ይኹን ብኸምዚ ዝስማዕ ቃላት ከምቲ ናይ የሱስ “ኪድ ርሓቕ ሰይጣን” ብምባል ወጊድ በሎ ። (ማቴዎስ 4 : 10 ፣ ያእቆብ 4 : 7) ብዛዕባ እቲ ዘይርአ ግዝኣት ክፈልጥ ኣሎኒ ዝብል ምህንጣይ ኣብ ጉዳይ ናይ እኩያት መናፍስቲ ኢድካ ከም እተእቱ ክገብረካ አይተፍቅደሉ ። ኣብ ከምዚ ዝመሰለ ጉዳይ ኢድካ ምእታው ሓተታ መናፍስቲ ኢዩ ዝበሃል : ኣምላኽ ከኣ ነቶም ዘምልኽዎ ካብዚ ነገር እዝን ካብ ዝኾነ ይኹን ምስኡ ዝተኣሳሰረ ኵነታትን ፈጺሞም ክርሕቁ ኢዩ ዘጠንቅቖም ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዝኾነ ይኹን “መውደቕ ዛዕጐል . . . መናፍስቲ ዝጥይቕ : ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዝጥይቕ” ሰብ ይኹንኖ ኢዩ ። — ዘዳግም 18 : 10 – 12 ፣ ገላትያ 5 : 19 – 21 ፣ ራእይ 21 : 8

ሓተታ መናፍስቲ ንሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ናይ ኣጋንንቲ ዘምጽኦ ካብ ኮነ : ዋላ’ኳ ዘስሕቕ ወይውን ዘነቓቕሕ መሲሉ ይርኤ ብዘየገድስ ንኹሉ ተግባራቱ ተቓወሞ ። እዚ ተግባራት እዚ ከም ኣብ ሓንቲ ብሓቒቕ ዝተሰርሐት ኵዕሶ ተኲርካ ምጥማት : ናይ ኦጃ ሰሌዳ : ምዕዛም : ግናዕ ኢድ ምምርማርን ቆጸራ ከዋኽብትን ዘጠቓለለ ኢዩ ። ኣጋንንቲ ኣብቲ ዝመለኽዎ ገዛውቲ ድምጽን ካልእ ተርእዮታትንውን ከም ዝፍጸም ገይሮም ኢዩም ።

ኣብ ርእስዚ : እኩያት መናፍስቲ ብዕሉግን ዘይባህርያውን ጾታዊ ጠባያት ዘጋንን ጽሑፋትን ፊልምታትን ናይ ቴለቪዥን መደባትን እናኣማዕበሉ በቲ ሓጥእ ዝንባሌ ናይ ደቅሰብ ይብለጹ ኣለዉ ። ኣጋንንቲ ግጕይ ሓሳባት ካብ ኣእምሮ እንተዘይተሰሪዙ ንሰባት ከምቲ ናይቶም ኣጋንንቲ ብብዕልግና ከም ዝመላለሱ ዝገብሮም ዘይሕከኽ ጦብላሕታ ክሓድገሎም ከም ዝኽእል ይፈልጡ ኢዮም ። — ዘፍጥረት 6 : 1, 2 ፣ 1 ተሰሎንቄ 4 : 3 – 8 ፣ ይሁዳ 6

ሓቂ’ዩ ነቲ እዛ ዓለም እዚኣ ብእኩያት መናፍስቲ ኢያ እትግዛእ ዘላ ዝብል ሓሳብ ብዙሓት ከባጭዉሉ ይኽእሉ ይኾኑ ኢዮም ። ይኹን እምበር እቲ ዘይምእማኖም ዘገርም ኣይኮነን : ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ሰይጣን ንርእሱ መልኣኽ ብርሃን የምስል ኢዩ” ይብል ኢዩ ። (2 ቈረንቶስ 11 : 14) እቲ ቀንዲ በሊሕ ምትላሉ ኸኣ ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ናቱን ናይቶም ኣጋንንቱን ናይ ሓቂ ህላዌ ከም ዘይቅበልዎ ገይሩ ከዕውሮም ብምኽኣሉ ኢዩ ። ንስኻ ግን ኣይትታለል ! ድያብሎስን ኣጋንንቱን ብሓቂ ኣለዉ : ከየቋረጽካ ድማ ክትቃወሞም ከድልየካ ኢዩ ። — 1 ጴጥሮስ 5 : 8, 9

ሰይጣንን ጭፍርኡን ካብ ህላዌ ዘልግስሉ ግዜ ሕጂ ቀሪቡ ስለ ዝኾነ ዘሐጕስ ኢዩ ! መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለም [ምስቶም ዝገዝእዋ ዘለዉ ኣጋንንቲ] ትሓልፍ ኢያ ። . . . እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ የረጋግጸልና ። (1 ዮሃንስ 2 : 17) እዚ እኩይ ተጽዕኖ እዚ ኣልጊሱ ክትርእስ ኣየ ከመይ ዝበለ ቅሳነት ኮን ክኸውን ኢዩ ! እምበኣርከስ ንሕና ኣብ መንጎ እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብሩን ኣብታ ጻድቕ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም እናተሓጎሱ ንዘልኣለም ዝነብሩን እንኸውን ይግበረና ። — መዝሙር 37 : 9 – 11, 29 ፣ 2 ጴጥሮስ 3 : 13 ፣ ራእይ 21 : 3, 4

ፍልይ ዝበለ መግለጺ ዝተዋህቦም ጥራይ እንተዘይኰይኑ ኩሎም ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ካብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

እዘን ኵለን መንግስታት ዓለም ናይ ሰይጣን እንተዘይነብራስ ንየሱስ ክውፍየሉ ምኽኣለዶ ነይሩ ?