ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓበሬታ ንወለዲ

ሓበሬታ ንወለዲ

ንውሉዳትካ ኽትህቦም እትኽእል ዝበለጸ ህያብ እንታይ እዩ፧ ከም ፍቕርኻን መምርሒኻን ዕቝባኻን ዝኣመሰለ ብዙሕ ዜድልዮም ነገራት ኪህሉ ይኽእል እዩ። እቲ ኽትህቦም እትኽእል ዝኸበረ ህያብ ግና፡ ፍልጠት የሆዋን ፍልጠት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታትን እዩ። (ዮሃንስ 17:3) ከምዚ ዝበለ ፍልጠት፡ ንውሉዳትካ፡ ንየሆዋ ንኼፍቅርዎን ካብ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም ብምሉእ ልቦም ንኼገልግልዎን ኪሕግዞም እዩ።—ማቴዎስ 21:16

ብዙሓት ወለዲ ኸም ዚገልጽዎ፡ ቈልዑ ሓጺር ትምህርትን ንጥፈታትን እዮም ዚፈትዉ። ስለዚ፡ ነዛ ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኸነቕርበልካ ኸለና ባህ እዩ ዚብለና። ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ፡ ብቐሊል መገዲ እዩ ዚምህር። እቲ ስእልታትን እቲ ጽሑፍን፡ ብፍላይ ደቂ ሰለስተ ዓመትን ትሕቲኡን ንዝዀኑ ቘልዑ ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ብዘይካዚ፡ ምስቲ ትምህርቲ፡ ንጥፈታት እውን ተጠቓሊሉ ኣሎ። እዛ ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእስታ ጽሕፍቲ፡ መጻወቲት ቈልዑ ኣይኰነትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንውሉዳትካ ንኸተንብበሎምን ምሳታቶም ሓሳብ ንሓሳብ ንኽትለዋወጥን ተባሂላ እያ ተዳልያ።

እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ንደቅኻ ‘ኻብ ሕጻንነቶም’ ኣትሒዝካ ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትምህሮም ከለኻ ኸም እትሕግዘካ ርግጸኛታት ኢና።—2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15

ኣሕዋትካ፡

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር