ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 4

ትምህርቲ 4

ዝናም ምስ ዘነመ፡ ሚካል በለት፦

“ኣብ ገዛ ተዓጽየ፡

ስለምንታይ እዩ ዘየቋርጽ፧

ኣነስ ክወጽእ ደልየ።”

ድሕሪኡ ግና ብሃንደበት

ጸሓይ ወጸት።

ዝናም ኣቋረጸ።

ሚካል ተሓጐሰት።

ሚካል እናጐየየት ናብ ደገ ወጸት፡ ባህ ዜብል ዜገርም ትርኢት ረኣየት።

ሚካል ድማ በለት፦ “ኣይነበረንን ፍልጠት፡ ዝናም ከም ዜዕቢ እተፈላለየ ዕምባባታት።”

ንጥፈታት

ንውሉድካ ኣንብበሉ፦

ግብሪ ሃዋርያት 14:17

ውሉድካ ናብዚ ዚስዕብ ነገራት ከም ዜመልክት ግበር፦

መስኰት ዑፍ ሚካል

ኦም ዕምባባታት

ሕቡእ ነገራት ርኸብ።

ሕንዚዝ ነፋሪት

ንውሉድካ ሕተቶ፦

የሆዋ፡ ዝናም ዝፈጠረ ስለምንታይ እዩ፧