ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 11

ከመይ ጌርካ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእል፧

ከመይ ጌርካ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእል፧

ሓደ ዓብዪ ዕዮ ንምጅማሩ ኸቢዱካዶ ይፈልጥ፧ እቲ ዕዮ እቲ ምእንቲ ኪቐልለካ፡ ናብ ንኣሽቱ ዕዮታት መቓቒልካዮ ትኸውን። ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከምኡ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ‘ካበይ ክጅምር፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ኣብዚ ትምህርቲ እዚ፡ ንንባብን ንመጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ክትፈትዎ ዚሕግዘካ ቐሊል ነጥብታት ክንርኢ ኢና።

1. ንመጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ከነንብቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ወይ ን“ሕጊ የሆዋ” ብስሩዕ ዜንብቦ ሰብ፡ ሓጐስን ኣሳልጦን ይረክብ እዩ። (መዝሙር 1:1-3 ኣንብብ።) ኣብ ፈለማ፡ ኣብ መመዓልቲ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ኣንብብ። ንቓል ኣምላኽ ብዝያዳ ብዝፈለጥካዮ መጠን፡ ብንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ብዝያዳ ኽትሕጐስ ኢኻ።

2. ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ እንታይ ይሕግዘካ፧

ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ብዛዕባ እቲ እነንብቦ ሓንሳእ ደው ኢልና ኽንሓስብ ኣሎና። ስለዚ፡ ንቓል ኣምላኽ ኣንብቦ፡ ከምኡ እውን “ኣስተንትኖ።” (እያሱ 1:8፡ እግረ ጽሑፍ) ከተንብብ ከለኻ ኸኣ፡ ‘እዚ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ እንታይ ይነግረኒ፧ ነዚ ኣብ ህይወተይ ብኸመይ ክትግብሮ እኽእል፧ ነዚ ፍቕድታት እዚ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ ክጥቀመሉ እኽእል፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።

3. ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ መዓስ ግዜ ኽትምድብ ትኽእል፧

ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ግዜ ትስእን ዲኻ፧ ብዙሓት ግዜ ይስእኑ እዮም። እምበኣር፡ ነቲ “ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ” ዚብል ምኽሪ ዕየየሉ። (ኤፌሶን 5:16) ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ግዜ ብምምዳብ፡ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ሰባት ንግሆ እዮም መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብቡ። ገሊኦም ከኣ ምስ ቀተረ፡ ንኣብነት ኣብ እዋን ምሳሕ እዮም ዜንብቡ። ገሊኦም ድማ ምሸት ቅድሚ ምድቃሶም እዮም መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብቡ። ንዓኻኸ መዓስ እዩ ዚጥዕመካ፧

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኸመይ ጌርካ ብዝያዳ መሳጢ ኽትገብሮ ኸም እትኽእል ፍለጥ። ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ብዝያዳ ጥቕሚ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ከመይ ጌርካ ኣጸቢቕካ ኽትዳሎ ኸም እትኽእል ርአ።

ከምቲ በበይኑ ዓይነት ምግቢ ኽንለምድ እንኽእል፡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ክንፈትዎ ንኽእል ኢና

4. ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ፍተዎ

ኣብ መጀመርታ፡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ከምቲ ሓደ ሰብ ንሓድሽ ምግቢ ናይ ምስትምቓር ክእለቱ ዜማዕብል፡ ንሕና እውን ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ክንብህጎ’ ንኽእል ኢና። 1 ጴጥሮስ 2:2 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ እንተ ኣንቢብካ፡ እናሓደረ እትፈትዎን እትብህጎን ኰይኑዶ ይስምዓካ፧

ገሊኦም ሰባት ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝፈተውዎ ንምርኣይ ነዛ እትስዕብ ቪድዮ ኣጻውት። ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ቪድዮ፡ እቶም መንእሰያት እንታይ ዕንቅፋታት እዮም ሰጊሮም፧

  • ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ሸቶኦም ኪስዕቡ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

  • ንንባብ መጽሓፍ ቅዱሶም ብዝያዳ መሳጢ ዝገበርዎ ብኸመይ እዮም፧

ንምጅማር ዚሕግዝ ምኽሪ፦

  •   ዜተኣማምንን ዘመናዊ ቛንቋ ዚጥቀምን ትርጉም ምረጽ። ብቛንቋኻ ዚርከብ እንተ ዀይኑ፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ተጠቐም።

  •   ፈለማ፡ ካብቲ ብዝያዳ ዚስሕበካ ኽፋል ጀምር። ኣብዚ መዳይ እዚ ሓሳባት እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ “ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ጀምር” ዘርእስቱ ሰሌዳ ርአ።

  •   ንንባብካ ተኸታተሎ። ነቲ ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ “ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ተኸታተሎ” ዘርእስቱ ሰሌዳ ተጠቐም።

  •   ኣፕሊኬሽን JW Library®ተጠቐም። በዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ጌርካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብተሌፎንካ ወይ ብኻልእ መሳርሒ ኸተንብብን ክትሰምዕን ትኽእል ኢኻ።

  •   ነቲ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዘሎ መመላእታ ጽሑፍ ተጠቐመሉ። ኣብኡ ኸኣ ንንባብካ መሳጢ ኺገብሮ ዚኽእል ካርታታትን ሰሌዳታትን ማህደረ ቓላትን ኣሎ።

5. ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተዳሎ

መዝሙር 119:34 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንባብካ ወይ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምድላውካ፡ ምጽላይ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ ኵሉ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቕካ ኽትጥቀም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ኣብዚ መጽናዕቲ እዚ ንሓደ ትምህርቲ ኽትዳለወሉ ኸለኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ሜላ ፈትኖ፦

  1. ሀ. ነቲ ኣብ መእተዊ እቲ ትምህርቲ ዘሎ ሕጡብ ጽሑፋት ኣንብቦ።

  2. ለ. ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቦ፣ ምስቲ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ከኣ ክትርዳእ ፈትን።

  3. ሐ. ነቲ መልሲ ሕቶታት ዝዀነ ቐንዲ ቓላት ወይ ሓረጋት ኣስምረሉ ወይ ኣድምቆ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ምስ መምህርካ እትገብሮ ምይይጥ ኪሕግዘካ እዩ።

ትፈልጥዶ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በበይኑ ዓይነት ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ይጥቀሙ እዮም። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ልክዕ፡ ንጹር፡ ስም ኣምላኽ እውን ዚጥቀም ብምዃኑ፡ ኣብሊጽና ንፈትዎ ኢና።—ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ርእሶም መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ ዘለዎም፧ ዘርእስቱ ዓንቀጽ ወብ ርአ።

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከቢድ እዩ። ንዕኡ ዚኸውን ግዜ ወይ ጕልበት የብለይን።”

  • እንታይ ይመስለካ፧

ጽማቝ

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ ንምንባቡ ግዜ መድብ፡ ነቲ ዘንበብካዮ ምእንቲ ኽትርድኦ ጸሊ፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ተዳለወሉ።

ክለሳ

  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትጥቀም እንታይ ይሕግዘካ፧

  • መዓስ ኢኻ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን ከተጽንዕን እትኽእል፧

  • ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምድላው ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ብዝያዳ ኽትጥቀም ዜኽእለካ ሓሳባት መርምር።

“ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዝያዳ ተጠቐም” (ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 1 2017)

ምኩራት ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሃብዎ ሓሳባት ርአ።

ውጽኢታዊ ብሕታዊ መጽናዕቲ (2:06)