ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 19

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ክርስትያናት ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ክርስትያናት ድዮም፧

ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዝዀንና ኢና እንኣምን። ስለምንታይ፧ ነዚ ምኽንያት ዝዀነና፡ መሰረት እምነትናን ካብ ካልኦት ዚፈልየና ስምን ንሓድሕድና ዘሎና ፍቕርን እስከ ንርአ።

1. እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምንታይ እተመስረተ እዩ፧

የሱስ፡ “ቃል [ኣምላኽ] ሓቂ እዩ” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 17:17) እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ እዩ። ዘመናዊ ታሪኽና እሞ ንርአ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ መበል 19 ዘመን፡ ሓደ ጕጅለ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዕቱብ ኬጽንዕዎ ጀመሩ። እምነቶም ካብ ሰረተ እምነታት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዚፍለየሉ ኣጋጣሚታት እኳ ኸይተረፈ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተሰረተ እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ኬካፍልዎም ጀመሩ። a

2. ስለምንታይ ኢና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂልና እንጽዋዕ፧

ኣምለኽቲ የሆዋ ብዛዕባኡ ሓቂ ስለ ዚነግሩ፡ የሆዋ ንዓታቶም መሰኻኽሩ ኸም ዝዀኑ ገይሩ እዩ ዚጽውዖም። (እብራውያን 11:4–12:1) ንኣብነት፡ ብግዜ ጥንቲ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ፡ “ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም” ኢልዎም እዩ። (ኢሳይያስ 43:10 ኣንብብ።) የሱስ ድማ “እሙን ምስክር” ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ። (ራእይ 1:5) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብ1931 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂልና ኽንጽዋዕ ወሲንና። በዚ ስም እዚ እንጽዋዕ ምዃንና የሐብነና እዩ።

3. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም የሱስ ፍቕሪ ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኻብ ዝነበሮ ፍቕሪ እተላዕለ፡ ከም ስድራ ቤቱ ገይሩ እዩ ዚርእዮም ነይሩ። (ማርቆስ 3:35 ኣንብብ።) ብተመሳሳሊ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም ሓድነት ዘለዎም ስድራ ቤት እዮም። ስለዚ ድማ ኢና ንሓድሕድና “ሓውና” “ሓብትና” እናተባሃሃልና እንጸዋዋዕ። (ፊልሞን 1, 2) ነቲ፡ “ንዅሎም ኣሕዋት ኣፍቅሩ” ዚብል ትእዛዝ እውን ንሕልዎ ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:17) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ፍቕሪ እዚ ብብዙሕ መገድታት የርእዩ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ እተፈላለየ ዅርናዕ ዓለም ዘለዉ ክርስትያናት ብጾትና ኺሽገሩ ኸለዉ፡ ንሕግዞም ኢና።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መርምር እሞ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃኖም ተወሳኺ መርትዖ ኽትርኢ ኢኻ።

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንእምነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይምስርትዎ፡ ብዛዕባ እምነቶም እውን ንሰባት ይነግሩ

4. እምነትና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዩ

የሆዋ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኸም ዚግለጽ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ዳንኤል 12:4ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ህዝቢ ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪምርምርዎ ኸለዉ እንታይ እዩ “ኺበዝሕ” እተባህለሉ፧

ጕጅለ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንተላይ ቻርለስ ራስል፡ ንቓል ኣምላኽ ብኸመይ የጽንዕዎ ኸም ዝነበሩ ርአ። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ቪድዮ፡ ቻርለስ ራስልን ብጾቱ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ዚገብሩ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

ትፈልጥዶ፧

ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ገሊኡ እምነታትና ምትዕርራይ ጌርና ኢና። ስለምንታይ፧ ከምቲ ጸሓይ እናበረቐት ምስ ከደት እቲ እንርእዮ ነገራት በብቝሩብ ዚንጽረልና፡ ኣምላኽ እውን ብዛዕባ ቓሉ ዘሎና ግንዛበ በብቝሩብ እዩ ዜስፍሓልና። (ምሳሌ 4:18 ኣንብብ።) ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይቅየር እኳ እንተዀነ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ርድኢት እናተመሓየሸ ምስ ከደ ግና እምነታትና ነዐሪ ኢና።

5. ከም ስምና ኢና እንነብር

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዚብል ስም ክንጽዋዕ ዝወሰንና ስለምንታይ ኢና፧ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስም ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ መሰኻኽሩ ዚዀኑ ህዝቢ ዝሓረየ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባኡ ብዙሕ ሓሶት ስለ ዚንገር፡ ንሳቶም ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ይምስክሩሉ እዮም። ክልተ ኻብዚ ሓሶት እስከ ንርአ።

ገሊአን ሃይማኖታት ንኣባላተን፡ ኣምላኽ ኣብ ኣምልኾኦም ምስልታት ኪጥቀሙ ኸም ዚደልዮም ይምህራ። ይኹን እምበር፡ ዘሌዋውያን 26:1 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • እቲ ሓቂ ግና እንታይ እዩ፧ የሆዋ ብዛዕባ ጣኦታት እንታይ ይስምዖ፧

ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት፡ የሱስ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይምህሩ። ይኹን እምበር፡ ዮሃንስ 20:17 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • እቲ ሓቂ ግና እንታይ እዩ፧ ኣምላኽን የሱስን ሓደ ኣካል ድዮም፧

  • የሆዋ ንመሰኻኽሩ ብዛዕባኡን ብዛዕባ ወዱን ኪሰብኩ ምልኣኹ እንታይ ስምዒት ይፈጥረልካ፧

6. ንሓድሕድና ንፋቐር ኢና

መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ምስ ኣካላት ሰብነት የመሳስሎም እዩ። 1 ቈረንቶስ 12:25, 26 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ገሊኦም ኣሕዋቶም ኪሳቐዩ ኸለዉ እንታይ እዩ ዚስምዖም፧

  • ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ዘሎ ፍቕሪ እንታይ ተዓዚብካ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓደ ኽፋል ምድሪ ምስ ዚሳቐዩ፡ ኣብ ኵሉ ዓለም ዘለዉ ብጾቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኡብኡ ኺሕግዙ ይጽዕሩ እዮም። ሓደ ኣብነት ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዕዮ ረድኤት መርትዖ ፍቕሪ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንእተሸገሩ ፍቕሪ የርእይዎም

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሽ ሃይማኖት እዮም።”

  • የሆዋ ንኣምለኽቱ ኻብ መዓስ ኣትሒዙ እዩ “መሰኻኽረይ” ኢሉ ኺጽውዖም ጀሚሩ፧

ጽማቝ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኢና። እምነትና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰረትናን ብዛዕባ የሆዋ ሓቂ እነፍልጥን ዓለምለኻዊ ስድራ ቤት ኣምለኽቲ ኢና።

ክለሳ

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዚብል ስም ክንጽዋዕ ዝወሰንና ስለምንታይ ኢና፧

  • ንሓድሕድና ዘሎና ኣተሓሕዛ ኸመይ እዩ፧

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝዀኑዶ ይመስለካ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንናይ ሓሶት ትምህርትታት ብኸመይ ከም ዜቃልዑ ዚሕብር ሓደ ኣብነት ርአ።

ህዝቢ ኣምላኽ ንስም ኣምላኽ የኽብርዎ (7:08)

ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘሎካ ሕቶታት መልሲ ርኸበሉ።

“ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት” (ገጽ ወብ)

ስቲቨን ብዓሌታዊ ጽልኢ ተደሪኹ ኣብ ዓመጻ ይሳተፍ ነይሩ እዩ። እንታይ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝረኣዮ ነገር ለውጢ ኺገብር ከም ዝደረኾ ኣንብብ።

“ህይወተይ ናብ ዝገደደ ትኸይድ ነበረት” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሓምለ 2015)

a ግምቢ ዘብዐኛ እትብሃል ቀንዲ መጽሔትና፡ ካብ 1879 ኣትሒዛ ብቐጻሊ ትሕተም ኣላ።