ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 22

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከተበስር ትኽእል፧

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከተበስር ትኽእል፧

ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትምሃር ምስ ጀመርካ፡ ‘ነዚ እሞ ዅሉ ኺፈልጦ ኣለዎ!’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ሓቅኻ፡ ኵሉ ሰብ ኪፈልጦ ኣለዎ! ኰይኑ ግና፡ ንሰባት ብዛዕባ እቲ እተምሃርካዮ ምንጋር የፍርሃካ ይኸውን። ነቲ ፍርሂ እቲ ብኸመይ ከም እተሰንፎን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብስራት ብኸመይ ተሓጒስካ ንሰባት ምንጋር ከም እትጅምርን እስከ ንርአ።

1. ነቲ እተምሃርካዮ ኸመይ ጌርካ ንእትፈልጦም ሰባት ክትነግር ትኽእል፧

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ “ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” ኢሎም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:20) ንሓቂ ኣዝዩ ልዑል ኣኽብሮት ስለ ዝነበሮም፡ ብእተኻእሎም መጠን ንብዙሓት ሰባት ኪነግሩ ደልዮም ነይሮም እዮም። ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ እተምሃርካዮ ንቤተ ሰብካን ንፈተውትኻን ብኣኽብሮት እትነግረሉ ኣጋጣሚታት ኣናዲ።—ቈሎሴ 4:6 ኣንብብ።

ገለ ኻብቲ እትጅምረሉ መገድታት

  •   ምስ ኣባል ቤተ ሰብካ ኽትዛራረብ ከለኻ፡ “ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ተማሂረ” ኢልካ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርእሰ ነገር ኣበግስ።

  •   ንዝሓመመ ወይ ንእተጨነቐ ፈታዊኻ ሓንቲ እተተባባዕ ጥቕሲ ንገሮ።

  •   “ትማሊ ኸመይ ሓሊፉ፧” ንዚብሉኻ መሳርሕትኻ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ እተምሃርካዮ ንገሮም።

  •   ንፈተውትኻ ወብ ሳይት jw.org ኣርእዮም።

  •   ንእትፈልጦም ሰባት ኣብ መጽናዕትኻ ኾፍ ኢሎም ኪሰምዑ ዓድሞም፡ ወይ ከኣ ኣብ jw.org ብኸመይ መጽናዕቲ ዚሓትቱሉ ፎርም ኪመልኡ ኸም ዚኽእሉ ኣርእዮም።

2. ምስ ጉባኤ ሓቢርካ ምስባኽ ኣገዳሲ ሸቶ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዚፈልጥዎም ሰባት ካብ ምንጋር ንላዕሊ እውን ይገብሩ ነይሮም እዮም። የሱስ “በብኽልተ ገይሩ፡” ኪሰብኩ “ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማ” ልኢኽዎም ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 10:1) እቲ እተወደበ ኣሰራርሓ ኸኣ፡ ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ብስራት ኪሰምዑ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም እዩ። ብዘይካዚ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብሓንሳእ ኰይኖም ብምስባኾም፡ ብዙሕ ተሓጒሶም እዮም። (ሉቃስ 10:17) እሞ ደኣ ምስ ጉባኤ ሓቢርካ ምስባኽ፡ ሸቶኻ ኽትገብሮ ትኽእልዶ፧

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ንፍርህኻ ኣሰኒፍካ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር ዜምጽኦ ሓጐስ ብኸመይ ከም እትጥዕሞ ርአ።

3. የሆዋ ምሳኻ ኪኸውን እዩ

ገሊኦም ኪሰብኩ ዚደልዩ ሰባት፡ “ሰብ እንታይ ክብለኒ እዩ፧” ወይ “እንታይ ኪገብረኒ እዩ፧” ዚብል ሓሳብ የፍርሆም እዩ።

  • ብዛዕባ እቲ እተምሃርካዮ ንሰባት ምንጋር የፍርሃካዶ፧ ስለምንታይ፧

ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እዞም መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፍርሆም ዘሰነፉ ብኸመይ እዮም፧

ኢሳይያስ 41:10 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ንምስባኽ ክትፈርህ ከለኻ፡ ጸሎት ብኸመይ ይሕግዘካ፧

ትፈልጥዶ፧

ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ኪነግሩ ዚኽእሉ ኣይመስሎምን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሰርጌ ዚብሃል ሰብ፡ ዘይረብሕ ኰይኑ ይስምዖን ሓሳቡ ንምግላጽ ይሽገርን ነይሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዐ ግና፡ “እፈርህ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ዝምሃሮ ዝነበርኩ ነገራት ክነግሮም ጀመርኩ። እቲ ዜገርም ድማ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ምንጋረይ ምትእምማን ኣሕደረለይ፣ ነቲ ዝምሃሮ ዝነበርኩ ሓቂ ኣብ ልበይ ከም ዚሰርጽ እውን ገበረ” ይብል።

4. ብኣኽብሮት ተዛረብ

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ክትነግር ከለኻ፡ እንታይ ከም እትብል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ከም እትዛረብ እውን ሕሰበሉ። 2 ጢሞቴዎስ 2:24 1 ጴጥሮስ 3:15ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ምስ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዛራረብ ከለኻ፡ ነዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትትግብሮ ትኽእል፧

  • ገሊኦም ኣባላት ቤተ ሰብካ ወይ ፈተውትኻ ምሳኻ ኣይሰማምዑን ይዀኑ። እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ እንታይከ ኽትገብር የብልካን፧

  • ተሪር ዘረባ ኣብ ክንዲ ምዝራብ፡ ብሜላ ሕቶታት ምሕታት ዝሓሸ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5. ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር የሐጕሰና

የሆዋ ንየሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምንጋር ዕዮ ሂብዎ እዩ። የሱስ ነቲ ዕዮ ብኸመይ ርእይዎ፧ ዮሃንስ 4:34 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ጥዑም ምግቢ ምስ እንምገብ ንዕንገልን ንሕጐስን ኢና። የሱስ ንምግባር ፍቓድ ኣምላኽ፡—እንተላይ ንስብከት እቲ ብስራት፡—ምስ ብልዒ ዘመሳሰሎ ስለምንታይ እዩ፧

  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር እንታይ ሓጐስ ዘለዎ ይመስለካ፧

ምኽሪ

  •   ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን፡ ምስ ሰባት ዝርርባት ከተጀምረሉ እትኽእል መገድታት ተዓዘብ።

  •   ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን፡ ተምሃራይ ንምዃን ሕሰበሉ። ንተምሃራይ ዚውሃብ ክፍልታት፡ ንሰባት ብዛዕባ እቲ እተምሃርካዮ ንምንጋር ኬዳልወካ ይኽእል እዩ።

  •   ኣብዛ ጽሕፍቲ ዘሎ “ገሊኦም ከምዚ ይብሉ” ዚብል ክፋል፡ ነቲ ልሙድ ሕቶታት ወይ ተቓውሞታት እንታይ ኢልካ ኸም እትምልስ ንምድላው ተጠቐመሉ።

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ፧”

  • ነቲ ኸምዚ ዚብለካ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽናዕትኻ እተምሃርካዮ ንምንጋር፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧

ጽማቝ

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ምንጋር ሓጐስ የምጽእ እዩ፣ ነዚ ምጅማር ከኣ ካብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ቐሊል ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ክለሳ

  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ክትነግሮም ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

  • ነዚ ብኣኽብሮት ክትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

  • ብዛዕባ ስብከት ዘሎካ ፍርሂ ኸተሰንፍ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ብካርድ ኣድራሻ jw.org ጌርካ ነቲ ብስራት ክትነግረሉ እትኽእል ኣርባዕተ ቐሊል መገድታት ርአ።

መርኣዪ ካርድ ኣድራሻ jw.org (1:43)

ብዛዕባ እቲ ኣብ ስብከት እቲ ብስራት ኪሕግዘካ ዚኽእል ኣርባዕተ ባህርያት ተምሃር።

“ገፋፍ ሰብ ክትከውን ተዳሊኻ ዲኻ፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ መስከረም 2020)

ዋላ እውን ንኣሽቱ እንተ ዀንና፡ ሓንቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰት ኣብነት ነቲ ብስራት ንምስባኽ ብኸመይ ትብዓት ክትህበና ኸም እትኽእል ርአ።

የሆዋ ኼትብዓካ እዩ (11:59)

ብዛዕባ የሆዋ ንዘይፈልጡ ኣባላት ቤተ ሰብካ ብኸመይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዛረቦም ከም እትኽእል ፍለጥ።

“ንልቢ እቶም ዘይኣመንቲ ኣዝማድካ ኽትንክፎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 መጋቢት 2014)