ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 35

ጽቡቕ ውሳነታት ብኸመይ ትገብር፧

ጽቡቕ ውሳነታት ብኸመይ ትገብር፧

ኵላትና ውሳነታት ክንገብር ኣሎና። ሓያሎ ኻብዚ ውሳነታት እዚ፡ ኣባናን ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነትን ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኣበይ ከም እንነብር፡ ገንዘብ ብኸመይ ከም እንረክብ፡ ወይ ክንምርዖ እንተ ዄንና ንውስን ንኸውን። ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ዜሐጕስ ህይወት ይህልወና፡ ንየሆዋ እውን ባህ ነብሎ ኢና።

1. ከመይ ጌርካ ኢኻ ብሓገዝ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ውሳነታት ክትገብር እትኽእል፧

ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ፡ ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ ጸሊ፡ ኣረኣእያኡ ንምፍላጥ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምርምር ግበር። (ምሳሌ 2:3-6 ኣንብብ።) ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ የሆዋ ንጹር ትእዛዝ ይህብ እዩ። ከምኡ ምስ እትረክብ፡ ነቲ ትእዛዝ እቲ ኽትስዕቦ እንተ ወሲንካ ኢኻ ብሉጽ ውሳነ እትገብር።

እንታይ ከም እትገብር ንጹር ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘየልዩኸ፧ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ እውን፡ የሆዋ “በታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ” ይመርሓካ እዩ። (ኢሳይያስ 48:17) ብኸመይ፧ ኪመርሓካ ዚኽእል ስርዓታት ኣዳልዩልካ ኣሎ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪብሃል ከሎ፡ ሓሳባትን ስምዒታትን ኣምላኽ ዚገልጽ መሰረታዊ ሓቅታት ማለት እዩ። ብዙሕ ግዜ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓደ ዛንታ ኸነንብብ ከለና፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ከመይ ከም ዚስምዖ ንምሃር ኢና። የሆዋ እንታይ ከም ዚስምዖ ምስ እነስተውዕል፡ ንዕኡ ባህ ዜብሎ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና።

2. ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ እንታይ ረቛሒታት ኣብ ግምት ከተእቱ ኣሎካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጐራሕ . . . ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን” ይብል። (ምሳሌ 14:15) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባርና፡ ብዛዕባ ምርጫታትና ግዜ ወሲድና ኽንሓስብ ኣሎና ማለት እዩ። ንዅሉ ኣማራጺታትካ ኽትግምግም ከለኻ፡ ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ነዚ ዚምልከት እንታይ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧ እንታይ ኣማራጺ እዩ ናይ ኣእምሮ ሰላም ዚህበኒ፧ ውሳነይ ንኻልኦት ብኸመይ ይጸልዎም፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ኼሐጕሶ ድዩ፧’—ዘዳግም 32:29

የሆዋ ጽቡቕን ክፉእን ኪነግረና መሰል ኣለዎ። ንሕግታቱን ንስርዓታቱን ኣጸቢቕና እንተ ፈሊጥናዮን ክንስዕቦ እንተ ቘሪጽናን፡ ሰናይ ሕልና ነማዕብል ኢና። ሕልና፡ ቅኑዕን ጌጋን ዚፈሊ ውሽጣዊ ስምዒት እዩ። (ሮሜ 2:14, 15) ዝሰልጠነ ሕልና፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ይሕግዘና እዩ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ውሳነ ኽትገብር ከለኻ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ሕልናን ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ብደቂቕ መርምር።

3. ብመጽሓፍ ቅዱስ ተመራሕ

ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪመርሓካ ይኽእል፧ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ናይ ምምራጽ ናጽነት እንታይ እዩ፧

  • የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዝሃበና ስለምንታይ እዩ፧

  • ንናይ ምምራጽ ናጽነትና ብዝበለጸ ምእንቲ ኽንጥቀመሉ ኢሉ እንታይ ሂቡና ኣሎ፧

ሓደ ኣብነት ዚዀነና ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርኣይ፡ ኤፌሶን 5:15, 16 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ከመይ ጌርካ ‘ግዜኻ ብዝበለጸ ኸም እትጥቀመሉ’ ተመያየጡሉ፦

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ምንባብ

  • ዝሓሽካ መጻምድቲ፡ ወላዲ፡ ወይ ውሉድ ምዃን

  • ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብ

4. ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባር፡ ሕልናኻ ኣሰልጥን

ኣብ ሓደ ጕዳይ ንጹር ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ ኪህሉ ኸሎ፡ ቅኑዕ ውሳነ ምግባር ቀሊል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቀጥታዊ ትእዛዝ ኣብ ዘይህልወሉኸ፧ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ቪድዮ፡ እታ ሓብቲ ንሕልናኣ ንምስልጣንን ንየሆዋ ባህ ዜብል ውሳነ ንምግባርን እንታይ ስጕምትታት እያ ወሲዳ፧

ካልኦት ነቲ ንሕና ኽንገብሮ ዚግባእ ውሳነታት ኪገብሩልና ኽንሓትት ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ እብራውያን 5:14 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ካልኦት ውሳነታት ኪገብሩልና ምሕታት ዝቐለለ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ንሕና ግና ባዕልና እንታይ ናይ ምፍላይ ክእለት እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

  • ሕልናኻ ኸተማዕብልን ጽቡቕ ውሳነታት ክትገብርን ዚሕግዘካ እንታይ ኣሎ፧

ሕልናና ኸም ካርታ ኣብ ህይወትና ናበይ ከም እንኸይድ ክንውስን ይሕግዘና

5. ሕልና ኻልኦት ኣኽብር

እተፈላለዩ ሰባት በበይኑ ውሳነታት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ንሕልና ኻልኦት ከም እነኽብር ከመይ ጌርና ኸነርኢ ንኽእል፧ ክልተ ዅነት እስከ ንርአ፦

ኵነት 1፦ ምኵሕሓል እትፈቱ ሓብቲ፡ እዚ ነገር እዚ ዚርብሸን ብዙሓት ኣሓት ናብ ዘለዋሉ ጉባኤ ትግዕዝ።

ሮሜ 15:1 1 ቈረንቶስ 10:23, 24ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ብመሰረት እዚ ጥቕስታት እዚ፡ እታ ሓብቲ እንታይ ክትውስን ትኽእል፧ ምስ ሓደ ንዓኻ ሕልናኻ እናፈቐደልካ ኸሎ ሕልናኡ ዚኽልክሎ ሰብ ክትከውን ከለኻ፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

ኵነት 2፦ ሓደ ሓው፡ ኣልኮላዊ መስተ ብመጠኑ ምስታይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይክልክል ይፈልጥ፣ ኰይኑ ግና፡ ጠሪሱ ኸይሰቲ ይውስን። ድሕርዚ፡ ናብ ሓደ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ይዕደም፣ ኣብኡ ድማ ኣሕዋት ኣልኮላዊ መስተ ኺሰትዩ ይርኢ።

መክብብ 7:16 ሮሜ 14:1, 10ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ብመሰረት እዚ ጥቕስታት እዚ፡ እቲ ሓው እንታይ ኪውስን ይኽእል፧ ሓደ ሰብ ሕልናኻ ዚኽልክለካ ነገር ኪገብር ከሎ እንተ ርኢኻ፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

 እንታይ ስጕምታት እዩ ናብ ጽቡቕ ውሳነ ዚመርሕ፧

1. እንታይ ከም እትገብር ንምውሳን፡ ንየሆዋ ለምኖ።ያእቆብ 1:5

2. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ነቲ ጕዳይካ ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ምርምር ግበር። ምኩራት ክርስትያት እውን ከተማኽር ትኽእል ኢኻ።

3. እቲ ውሳነ ኣብ ሕልናኻን ኣብ ሕልና ኻልኦትን ኪህልዎ ዚኽእል ጽልዋ ኣብ ግምት ኣእቱ።

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ዝደለኻዮ ኽትገብር መሰልካ እዩ። እንታይ ዓጢጡካ እዩ ብዛዕባ ሰባት እትሓስብ፧”

  • ስምዒት ኣምላኽን ስምዒት ሰባትን ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ጽማቝ

ፈለማ፡ የሆዋ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ እንታይ ከም ዚስምዖ፡ ድሕሪኡ ድማ ተግባራትና ንኻልኦት ዚሕግዞም ወይ ዚጐድኦም እንተ ዀይኑ ኣብ ግምት እንተ ኣእቲና፡ ጽቡቕ ውሳነታት ንገብር ኢና።

ክለሳ

  • ከመይ ጌርካ ኢኻ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ውሳነታት ክትገብር እትኽእል፧

  • ከመይ ጌርካ ኢኻ ሕልናኻ ኸተሰልጥን እትኽእል፧

  • ከመይ ጌርካ ኢኻ ንሕልና ኻልኦት ከተኽብር እትኽእል፧

ሸቶ

ዳህስስ

ከመይ ጌርካ ኢኻ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ዕርክነት ዜደልድል ውሳነታት ክትገብር እትኽእል፧

“ንኣምላኽ ዜኽብር ውሳነታት ግበር” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ሚያዝያ 2011)

ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓና ምኽሪ ዚህበሉ መገድታት ዘሎካ ግንዛበ ኣስፍሕ።

የሆዋ ንህዝቡ ይመርሖ (9:50)

ሓደ ሰብኣይ ኣጸጋሚ ውሳነ ኺገብር ዝሓገዞ ረቛሒታት ርአ።

የሆዋ ጽቡቕ ከም እንረክብ ውሕስነት ኣትዩልና (5:46)

የሆዋ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ንጹር መምርሒ ኣብ ዘይሃበሉ መዳያት፡ ከመይ ጌርካ ባህ ከም እተብሎ ተምሃር።

“ወትሩ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዝ ክወሃበካ ዲኻ እትጽበ፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ታሕሳስ 2003)