ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተወሳኺ ሓበሬታ

ተወሳኺ ሓበሬታ
  1.  መንነት እታ ዓባይ ባቢሎን

  2.  መሲሕ መዓስ ከም ዚመጽእ እዩ ተገሊጹ፧

  3.  ምስ ደም እተተሓሓዘ መስርሓት ሕክምና

  4.  ምፍልላይ ሰብ ሓዳር

  5.  በዓላትን ጽምብላትን

  6.  ተላባዒ ሕማም

  7.  ንግዳዊ ዋኒንን ሕጋዊ ጕዳያትን

 1. መንነት እታ ዓባይ ባቢሎን

እታ “ዓባይ ባቢሎን” ንዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ከም እተመልክት ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧ (ራእይ 17:5) ነዚ ዚስዕብ ረቛሒታት ርአ፦

  • ኣብ ብዘላ ዓለም ትርከብ። ዓባይ ባቢሎን ኣብ “ብዙሕ ሰብን ኣህዛብን” ተቐሚጣ ኸም ዘላ ጌርካ እያ ተገሊጻ። “ኣብ ልዕሊ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ” ኸም ዘለዋ እውን ተገሊጹ ኣሎ።—ራእይ 17:15, 18

  • ፖለቲካዊ ወይ ንግዳዊ ሓይሊ ኽትከውን ኣይትኽእልን እያ። “ነገስታት ምድሪ” ዀኑ “ነጋዶ” ምስኣ ኸም ዘይጠፍኡ ተጠቒሱ ኣሎ።—ራእይ 18:9, 15

  • ንኣምላኽ ዘይስሙ ትህቦ። ገንዘብ ወይ ካልእ ረብሓታት ንምርካብ ኢላ ምስ መንግስትታት ስለ እትሻረኽ፡ ኣመንዝራ ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ። (ራእይ 17:1, 2) ንዅሎም ኣህዛብ ተስሕቶም እያ። ብሞት ብዙሓት እውን ተሓታቲት እያ።—ራእይ 18:23, 24

ናብ ትምህርቲ 13 ነጥቢ 6 ተመለስ

 2. መሲሕ መዓስ ከም ዚመጽእ እዩ ተገሊጹ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ እቲ መሲሕ ዚመጽእ 69 ሰሙን ከም ዚኸውን ተነብዩ እዩ።—ዳንኤል 9:25 ኣንብብ።

  • እተን 69 ሰሙን መዓስ ጀሚረን፧ ብ455 ቅ.ክ. እየን ጀሚረን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነህምያ እቲ ሹም ንየሩሳሌም ‘ኪሕድስን ዳግም ኪሃንጽን’ ናብታ ኸተማ መጸ።—ዳንኤል 9:25፣ ነህምያ 2:1, 5-8

  • ንውሓት 69 ሰሙን ክንደይ እዩ፧ ኣብ ገሊኡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዓልቲ ንዓመት ትውክል እያ። (ዘሁልቍ 14:34፣ ህዝቅኤል 4:6) ስለዚ፡ ሓንቲ ሰሙን ንሸውዓተ ዓመት ተመልክት። ኣብዚ ትንቢት እዚ፡ 69 ሰሙን 483 ዓመት (69 ሰሙን x 7 መዓልቲ) ይኸውን።

  • እተን 69 ሰሙን መዓስ ተወዲአን፧ ካብ 455 ቅ.ክ. ኣትሒዝና 483 ዓመት እንተ ቘጺርና፡ ኣብ 29 ድ.ክ. ኢና እንበጽሕ። a ብልክዕ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ድማ፡ የሱስ ተጠሚቑን መሲሕ ኰይኑን እዩ።—ሉቃስ 3:1, 2, 21, 22

ናብ ትምህርቲ 15 ነጥቢ 5 ተመለስ

 3. ምስ ደም እተተሓሓዘ መስርሓት ሕክምና

ብደም ተሓካሚ ጌርካ ዚግበር መስርሓት ሕክምና ኣሎ። ገሊኡ መስርሓት ሕክምና፡ ንኣብነት ምልጋስ ደም ወይ ንመጥባሕቲ ተባሂሉ እተኸዘነ ገዛእ ደምካ ናይ ምጥቃም መስርሕ፡ ብክርስትያናት ቅቡል ኣይኰነን።—ዘዳግም 15:23

ገሊኡ መስርሓት ግና ቅቡል ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ መርመራ ደም፡ ሄሞዳያሊሲስ፡ ሄሞዳይሉሽን፡ ሰል ሳልቨጅ፡ ወይ ማሽን ልቢ-ሳንቡእ የጠቓልል። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብቲ መስርሕ ሕክምና፡ ኣብ ሕክምናዊ መርመራ፡ ወይ ኣብ እዋናዊ ፍወሳ ደሙ ብኸመይ ኪትሓዝ ከም ዘለዎ ኺውስን ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ሓኪም ነዚ መስርሓት እዚ፡ ካብ ናይ ካልእ ቍሩብ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ኺዓይየሉ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ዝዀነ ዓይነት መስርሕ መጥባሕቲ፡ መርመራ፡ ወይ ፍወሳ ቕድሚ ምቕባሉ፡ ደሙ ብኸመይ ኪትሓዝ ከም ዘለዎ ብልክዕ ኪፈልጥ ኣለዎ። እምበኣር፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰበሉ፦

  • ገለ ኻብ ደመይ ካብ ሰብነተይ ከም ዚወጽእ እንተ ተገይሩ እሞ ዑደቱ ንእተወሰነ ግዜ ደው ዚብል እንተ ዀይኑ፡ ሕልናይ ነዚ ደም እዚ ኸም ክፍሊ ሰብነተይ ገይሩ ይርእዮ ድዩ፧ ነቲ “ናብ ምድሪ ኣፍስሶ” ዚብል ስርዓትከ ኸም ዘይምልከተኒ ገይሩ ይርእዮ ድዩ፧—ዘዳግም 12:23, 24

  • ኣብ መስርሕ ሕክምና ደመይ ተወሲዱ ገለ ምትዕርራይ ተገይሩሉ ናብ ሰብነተይ ምስ ዚምለስ፡ እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናይ ሕርኽርኽ ይብሎ ድዩ፧ ወይስ ነዚ ክቕበሎ እኽእል ድየ፧

ናብ ትምህርቲ 39 ነጥቢ 3 ተመለስ

 4. ምፍልላይ ሰብ ሓዳር

ቃል ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ከይፈላለዩ እዩ ዚምዕድ፣ እንተ ተፈላልዮም ከኣ፡ ዋላ ሓዲኦም ኪምርዓዉ መሰል ከም ዘይብሎም እዩ ብንጹር ዚገልጽ። (1 ቈረንቶስ 7:10, 11) ኰይኑ ግና፡ ገሊኦም ክርስትያናት ኣብዚ ዚስዕብ ኵነታት ኪፋላለዩ ይውስኑ ይዀኑ፦

  • ኰነ ኢልካ ዘይምሕላይ፦ ሰብኣይ ንስድራ ቤቱ ብስጋ ዜድልዮም ዘበለ ዘየማልእ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ እታ ስድራ ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ምስ እትስእን።—1 ጢሞቴዎስ 5:8

  • ከቢድ ኣካላዊ ማህሰይቲ፦ ሓደ ኻብቶም መጻምድቲ ኣደዳ ማህሰይቲ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ኣካላዊ ጥዕናኡ ወይ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኸም ዝኣተወ ምስ ዚስምዖ።—ገላትያ 5:19-21

  • ምስ የሆዋ ዘሎ ርክብ ጠሪሱ ኣብ ሓደጋ ምስ ዚኣቱ፦ ሓደ ሰብ ንመጻምድቱ፡ ንየሆዋ ኼገልግል ከም ዘይክእል ምስ ዚገብሮ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

ናብ ትምህርቲ 42 ነጥቢ 3 ተመለስ

 5. በዓላትን ጽምብላትን

ክርስትያናት ንየሆዋ ባህ ዘየብል በዓላት ኣየብዕሉን እዮም። እንተዀነ ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ነቲ ኣብ ከምዚ ዝበለ በዓላት ዚልዓል ኵነታት ብኸመይ ከም ዚሕዞ ንምውሳን በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ኺጥቀም ኣለዎ። ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ፦

  • ሓደ ሰብ ሰናይ በዓል ኪዀነልካ ትምኒቱ ይገልጽ። “አመስግነካ” ጥራይ ኢልካ ኽትምልሰሉ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሰብ ብዝያዳ ኺፈልጥ ዚደሊ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ በዓል እቲ ስለምንታይ ከም ዘይተብዕሎ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ።

  • ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ መጻምድትኻ ኣብ እዋን በዓል ምስ ኣዝማድኩም ክትምስሑ ወይ ክትድረሩ ይዕድመካ። ክትከይድ ሕልናኻ እንተ ፈቒዱልካ፡ ኣብቲ ዕድመ ኣረማዊ ልምድታት ምስ ዚህሉ ኣብኡ ኸም ዘይትሳተፍ፡ ኣቐዲምካ ንመጻምድትኻ ኽትገልጽ ትኽእል ኢኻ።

  • ኣስራሒኻ ኣብ ቅነ በዓላት መቝሽሽ ይህበካ። እሞኸ ነቲ መቝሽሽ ምቕባል ክትኣብዮ ድዩ ዘሎካ፧ መልሲ እዛ ሕቶ በቲ ዅነታት እዩ ዚጽሎ። ኣስራሒኻ ነቲ መቝሽሽ ከም ክፍሊ እቲ በዓል ድዩ ዚርእዮ፡ ወይስ ስለቲ ጽቡቕ ስራሕካ መግለጺ ምስጋናኡ ኸም ዝዀነ ጥራይ ገይሩ እዩ ዚርእዮ፧

  • ሓደ ሰብ ኣብ ቅነ በዓላት ህያብ ይህበካ። ኪህበካ ኸሎ ድማ፡ “በዓል ከም ዘይተብዕል እፈልጥ እየ፣ ነዛ ህያብ ክህበካ ግና እደሊ እየ” ይብለካ ይኸውን። ምናልባት ሰናይ ኪገብር ኢሉ ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ንእምነትካ ኺፍትኖ ወይ ኣብቲ በዓል ኬሳትፈካ ኢሉ ደዀን ይኸውን፧ ብዛዕባ እዚ ድሕሪ ምሕሳብካ፡ ነቲ ህያብ ምቕባሉ ወይ ምእባዩ ናትካ ውሳነ እዩ። ኣብ ኵሉ ውሳነታት፡ ሰናይ ሕልና ኺህልወናን ንየሆዋ እሙናት ክንከውንን ንደሊ ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 23:1

ናብ ትምህርቲ 44 ነጥቢ 1 ተመለስ

 6. ተላባዒ ሕማም

ንሰባት ስለ እነፍቅር፡ ተላባዒ ሕማም ከይነመሓላልፍ ኣመና ንጥንቀቕ ኢና። ብተላባዒ ሕማም ኣብ እንተሓዘሉ እዋን ኰነ ብእኡ ኸም እተለኸፍና ኣብ እንጥርጥረሉ እዋን፡ እዚ ጥንቃቐታት እዚ ንገብር ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ኢሉ ስለ ዚእዝዘና፡ ከምኡ ንገብር ኢና።—ሮሜ 13:8-10

ነዚ ትእዛዝ እዚ ኸም እንሕሉ ኸመይ ጌርና ብግብሪ ነርኢ፧ ሓደ ብሕማም እተለኽፈ ሰብ ፍቕሩ ንምግላጽ ብተበግሶኡ ንኻልኦት ኣይሓቍፍን ወይ ኣይስዕምን እዩ። ገሊኦም ሰባት ንስድራ ቤቶም ካብ ዘለዎም ሓልዮት ተላዒሎም ናብ ቤቶም እንተ ዘይዓዲሞምዎ ድማ፡ ቅር ኪብሎ የብሉን። ቅድሚ ምጥማቑ ኸኣ፡ ብዛዕባ ሕማሙ ንኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ኪነግሮ ይግባእ፣ በዚ ኸምዚ ነቶም ዚጥመቑ ኻልኦት ካብ ሕማም ንምሕላው ግቡእ መሰናድዎ ኺግበር ይከኣል። ብዘይካዚ፡ ንተላባዒ ሕማም ተቓሊዑ ኪኸውን ዚኽእል ሰብ፡ ሓዳር ንምግባር ምስ ኣንጻር ጾታ ኺቀራረብ ቅድሚ ምጅማሩ ብወለንታኡ ናይ ደም መርመራ ይገብር እዩ። ከምዚ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ” ዚብል ምኽሪ ብምስዓብ ንሰባት ከም እትሓሊ ተርኢ ኢኻ።—ፊልጲ 2:4

ናብ ትምህርቲ 56 ነጥቢ 2 ተመለስ

 7. ንግዳዊ ዋኒንን ሕጋዊ ጕዳያትን

ኵሉ ገንዘባዊ ውዕላት፡ እንተላይ እቲ ምስ ካልእ ክርስትያን እንገብሮ ውዕል ኣብ ጽሑፍ ብምስፋር፡ ካብ ብዙሕ ጸገማት ክንስተር ንኽእል ኢና። (ኤርምያስ 32:9-12) ኰይኑ ግና፡ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ብገንዘብ ወይ ብኻልእ ነገራት ንኣሽቱ ዘይምርድዳእ ኪፍጠር ይኽእል እዩ። ዘይምርድዳእ ኬጋጥም ከሎ፡ እዚ ብቕልጡፍን ብሰላምን ብስቱርን ኪፍታሕ ኣለዎ።

ኰይኑ ግና፡ ከም ምትላል ወይ ሕሜት ዝኣመሰለ ኸቢድ ጕዳያት ብኸመይ ክንፈትሖ ይግባእ፧ (ማቴዎስ 18:15-17 ኣንብብ።) የሱስ ክንስዕቦ ዚግባእ ሰለስተ ስጕምቲ ዘርዚሩ ኣሎ፦

  1. ነቲ ጕዳይ ኣብ መንጎኹም ክትፈትሖ ጽዓር።—ፍቕዲ 15 ርአ።

  2. እዚ እንተ ዘይሰሊጡ፡ ሓደ ወይ ክልተ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ብሱላት ሒዝካ ኺድ።—ፍቕዲ 16 ርአ።

  3. እቲ ጕዳይ እንተ ዘይተፈቲሑ፡ ድሕርዚ ጥራይ ኢኻ ናብ ሽማግለታት ክትቀርብ ዘሎካ።—ፍቕዲ 17 ርአ።

ንኣሕዋትና ናብ ቤት ፍርዲ ምውሳድ፡ ንስም የሆዋን ንስም ጉባኤን ዜውቅስ ብምዃኑ፡ ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ንኣሕዋትና ናብ ቤት ፍርዲ ኽንወስዶም የብልናን። (1 ቈረንቶስ 6:1-8) ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ሕጋዊ መዕለቢ ንምርካብ፡ ንሓደ ጕዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ንምውሳድ ዜድልየሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ፣ ንኣብነት፡ ምስ ፍትሕ፡ መጕዚነት ውሉድ፡ ክፍሊት ፍትሕ፡ ካሕሳ መድሕን፡ ጕዳይ ጥፈሻ፡ ምርግጋጽ ለበዋ እተተሓሓዘ ጕዳይ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ሓደ ክርስትያን ነቲ ነገር ብሰላማዊ መገዲ ኼደቅሶ ኢሉ ብቤት ፍርዲ እንተ ተጠቒሙ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣይጠሓሰን።

ከም ጾታዊ ዓመጻ፡ ህስያ ቘልዑ፡ መጥቃዕቲ፡ ከቢድ ስርቂ፡ ወይ ቅትለት ዝኣመሰለ ኸቢድ ገበን ኣብ ዚፍጸመሉ እዋን፡ ሓደ ክርስትያን ነዚ ገበን እዚ ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን እንተ ሓቢሩ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣይጠሓሰን።

ናብ ትምህርቲ 56 ነጥቢ 3 ተመለስ

a ካብ 455 ቅ.ክ. ክሳዕ 1 ቅ.ክ. 454 ዓመት እዩ። ካብ 1 ቅ.ክ. ክሳዕ 1 ድ.ክ. ሓደ ዓመት እዩ (ዜሮ ዓመት ኣይነበረን)። ካብ 1 ድ.ክ. ክሳዕ 29 ድ.ክ. ከኣ 28 ዓመት እዩ። እዚ ዅሉ ብድምር 483 ዓመት ይኸውን።