ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 53

ንየሆዋ ባህ ዜብሎ መዘናግዒ ምረጽ

ንየሆዋ ባህ ዜብሎ መዘናግዒ ምረጽ

የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11) ሕጉሳት ክንከውንን ህይወት ከነስተማቕርን ይደልየና እዩ። ካብ ስራሕ ኣዕሪፍና ኽንዘናጋዕ ከለና ባህ ይብሎ እዩ። ኣብዚ ትምህርቲ እዚ፡ እቲ ኣብ መዘናግዒ እነሕልፎ ግዜ፡ ብኸመይ ሓጐስን ዕግበትን ከም ዜምጽኣልና፡ ብኸመይ ከኣ ንየሆዋ ባህ ከም ዜብሎ ኽንርኢ ኢና።

1. መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

ከተዕርፍ ከለኻ እንታይ ምግባር ኢኻ እትፈቱ፧ ገሊኦም ናይ ምዝንጋዕ ግዜኦም ጸጥታ ኣብ ዝሰፈኖ ገዛኦም ኰይኖም መጽሓፍ እናኣንበቡ፡ ሙዚቃ እናሰምዑ፡ ፊልም እናረኣዩ፡ ወይ ኢንተርነት እናዳህሰሱ ኼሕልፍዎ እዮም ዚመርጹ። ገሊኦም ከኣ ምስ ኣዕሩኾም ብእግሮም እናተዛወሩ፡ እናሓምበሱ፡ ወይ ጸወታ እናተጻወቱ ኼሕልፍዎ እዮም ዚመርጹ። እንመርጾ መዘናግዒ እዚ ይኹን እቲ፡ ምርጫና “ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ” ምዃኑ ኸነረጋግጽ ኣሎና። (ኤፌሶን 5:10) ኣብ ሓያሎ መዘናግዒ ኸም ዓመጻን ጾታዊ ርኽሰትን መናፍስትነትን ዝኣመሰለ የሆዋ ዚጸልኦ ነገራት ስለ ዘሎ፡ ንዕኡ ዜጕሂ ዘይምዃኑ ኸነረጋግጽ ኣሎና። (መዝሙር 11:5 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ኣብ መዘናግዒ ጥበባዊ ምርጫ ኽንገብር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

ንየሆዋ ዜፍቅሩ ኣዕሩኽ እንተ መሪጽና፡ ኣባናን ኣብ ናይ መዘናግዒ ምርጫናን ጽቡቕ ጽልዋ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ትምህርቲ ዝረኣናዮ፡ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን።” በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ምስቶም ንመለክዒታት ኣምላኽ ዘይፈትዉ ሰባት ኣዘውቲርና ግዜ ነሕልፍ እንተ ዄንና፡ ‘ክፉእ ንረክብ’ ኢና።—ምሳሌ 13:20

2. ስለምንታይ ኢና ነቲ ኣብ መዘናግዒ እነሕልፎ ግዜ ኽንቈጻጸሮ ዜድሊ፧

ዋላ እውን ጥዑይ መዘናግዒ ድሕሪ ምምራጽና፡ ኣብኡ እምብዛ ብዙሕ ግዜ ኸይነሕልፍ ክንጥንቀቕ ኣሎና። እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዝያዳ ኣገዳሲ ንዝዀነ ንጥፈታት እኹል ግዜ ኣይህልወናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ” ኢሉ የተባብዓና እዩ።—ኤፌሶን 5:15, 16 ኣንብብ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ብዛዕባ መዘናግዒ ብኸመይ ጽቡቕ ውሳነታት ከም እትገብር ተምሃር።

3. ካብ ዘይጥዑይ መዘናግዒ ርሓቕ

መዘናግዒና ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ጥንቲ ሮማውያን ዚርእይዎ ዝነበሩ ቓልስታት ምስ ገሊኡ ዘመናዊ መዘናግዒ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧

  • ኣብታ ቪድዮ፡ ዳኒ ብዛዕባ መዘናግዒ እንታይ ተማሂሩ፧

ሮሜ 12:9 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እዛ ፍቕዲ እዚኣ ንናይ መዘናግዒ ምርጫና ብኸመይ ክትጸልዎ ይግባእ፧

ገለ ኻብቲ የሆዋ ዚጸልኦ ነገራት እንታይ እዩ፧ ምሳሌ 6:16, 17 ገላትያ 5:19-21ን ኣንብብ። ካብዚ ጥቕስታት ሓዲኡ መምስ ኣንበብካ፡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እንታይ ኣብዚ ፍቕድታት እተጠቕሰ ነገራት እዩ ኣብ ናይ ሎሚ መዘናግዒ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ፧

 ከመይ ጌርካ መዘናግዒ ብጥበብ ትመርጽ፧

ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

  • እንታይ፧ የሆዋ ዚጸልኦ ነገር ኣለዎዶ፧

  • መዓስ፧ ዝያዳ ኣገዳሲ ኻብ ዝዀነ ንጥፈታት ግዜ ይወስደለይዶ፧

  • መን፧ ንየሆዋ ምስ ዘየፍቅሩ ሰባት የቀራርበኒ ወይ ወትሩ የራኽበኒ ድዩ፧

ብእተኻእለ መጠን ካብ ሓደጋ ኣጸቢቕና እንተ ረሓቕና ይሓይሽ። ስለዚ፡ ካብቲ ጽቡቕ ከም ዘይኰነ እንጥርጥሮ መዘናግዒ ኽንርሕቕ ኣሎና

4. ግዜኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ

ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እቲ ኣብታ ቪድዮ ዘሎ ሓው ዘይጥዑይ ነገር ይርኢ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ግዜኡ ዜሕልፈሉ መገዲ ግና ብኸመይ ይጸልዎ ነይሩ፧

ፊልጲ 1:10 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ኣብ መዘናግዒ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም እነሕልፍ ክንውስን እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

5. ጥዑይ መዘናግዒ ምረጽ

ገሊኡ መዘናግዒ ንየሆዋ ዜጕህዮ እኳ እንተ ዀነ፡ ንዕኡ ዘየጕህዮ ባህ ዜብል ብዙሕ መዘናግዒ ግና ኣሎ። መክብብ 8:15 ፊልጲ 4:8ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እንታይ ጥዑይ መዘናግዒ ኢኻ እትፈቱ፧

ብጥዑይ መዘናግዒ ኽትዛነ ትኽእል ኢኻ

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ኣነ ኽሳዕ ዘይገበርክዎ፡ ከም ዓመጻ፡ ርኽሰት፡ ወይ መናፍስትነት ዘለዎ መዘናግዒ ምርኣይ ጌጋ የብሉን።”

  • እንታይ ምበልካ፧

ጽማቝ

የሆዋ ጥዑይ መዘናግዒ ኽንመርጽን ብእኡ ኽንሕጐስን ይደልየና።

ክለሳ

  • እንታይ መዘናግዒ እዮም ክርስትያናት ኬወግዱ ዘለዎም፧

  • ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኣብ መዘናግዒ ኸም እነሕልፍ ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ስለምንታይ ኢኻ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ መዘናግዒ ኽትመርጽ እትደሊ፧

ሸቶ

ዳህስስ

መዘናግዒና ናይ ምምራጽ ሓላፍነት ናይ መን ምዃኑ ኣስተብህል።

“ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚእግድዎ ፊልም፡ መጽሓፍ፡ ወይ ሙዚቃ ኣሎዶ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ብዛዕባ መዘናግዒ ኸመይ ጌርካ ጽቡቕ ውሳነታት ከም እትገብር ኣንብብ።

“መዘናግዒኻ ጠቓሚ ድዩ፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ጥቅምቲ 2011)

“ነቲ ንጸዓዱ ዝነበረኒ ጽልኢ እኳ ኣወገድክዎ” ኣብ ዘርእስቱ ታሪኽ፡ ሓደ ሰብኣይ ናይ መዘናግዒ ምርጫኡ ስለምንታይ ከም ዝቐየረ ርአ።

“መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ለካቲት 2010)

ሓንቲ ኣደ፡ ናይ መናፍስቲ ዓለም ዘለዎ መዘናግዒ ብዛዕባ ምርኣይ እንታይ ጽቡቕ ውሳነ ኸም እትገብር ርአ።

መናፍስትነት ካብ ዜርኢ መዘናግዒ ርሓቕ (2:02)