ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክለሳ 4ይ ክፋል

ክለሳ 4ይ ክፋል

ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ምስ መምህርካ ተመያየጠሉ፦

  1. ምሳሌ 13:20 ኣንብብ።

    • ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ኽትመርጽ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

      (ትምህርቲ 48 ርአ።)

  2. መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ዚስዕቡ እንታይ ምኽሪ ይህብ፧

  3. እንታይ ዓይነት ዘረባ እዩ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ፧ እንታይ ዓይነት ዘረባ እዩ ዜጕህዮ፧

    (ትምህርቲ 51 ርአ።)

  4. እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ብዛዕባ ትርኢትና ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና፧

    (ትምህርቲ 52 ርአ።)

  5. ንየሆዋ ባህ ዜብሎ መዘናግዒ ብኸመይ ክትመርጽ ትኽእል፧

    (ትምህርቲ 53 ርአ።)

  6. ማቴዎስ 24:45-47 ኣንብብ።

    • እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” መን እዩ፧

      (ትምህርቲ 54 ርአ።)

  7. ከመይ ጌርካ ኢኻ ብግዜኻን ብጕልበትካን ብጥሪትካን ጌርካ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ኽትድግፍ እትኽእል፧

    (ትምህርቲ 55 ርአ።)

  8. መዝሙር 133:1 ኣንብብ።

    • ገለ ኻብቲ ንሓድነት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸተበርክተሉ እትኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧

      (ትምህርቲ 56 ርአ።)

  9. ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና፡ ብኸመይ ሓገዝ የሆዋ ኽንረክብ ንኽእል፧

    (ትምህርቲ 57 ርአ።)

  10. ቀዳማይ ዜና መዋእል 28:9 እግረ ጽሑፍን ኣንብብ።

    • ካልኦት ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺጻረርዎ ኸለዉ ወይ ካብ ሓቂ ኺወጹ ኸለዉ፡ “ምሉእ ብምሉእ ውፉይ” ምዃንካ ብኸመይ ተርኢ፧

    • ወትሩ ንየሆዋ እሙን ምእንቲ ኽትከውንን ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምእንቲ ኽትፍለን፡ ለውጥታት ክትገብር የድልየካዶ፧

      (ትምህርቲ 58 ርአ።)

  11. ንመስጐጕቲ ብኸመይ ክትዳሎ ትኽእል፧

    (ትምህርቲ 59 ርአ።)

  12. ብቐጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር እንታይ መዲብካ ኣለኻ፧

    (ትምህርቲ 60 ርአ።)