ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መን ፈጠረካ?

መን ፈጠረካ?

መን ፈጠረካ ?

1 ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ገበረ ። — ዘፍጥረት 1 : 1

2 ኣምላኽ ስም ኣሎዎ ። ስሙ ኸኣ የሆዋ እዩ ።— መዝሙር 83 : 18 ብእንግሊዝኛ

የሆዋ ኣብ ሰማይ ይነብር ። መንፈስ እዩ ። ክትርእዩዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም ።— ኢሳይያስ 66:1 ፤ ዮሃንስ 1 : 18ዮሃንስ 4:24

3 የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ብዙሓት መላእኽቲ ፈጢሩ እዩ ። ንሳቶምውን መንፈሳውያን እዮም ። ኩሎም ፍጹማት እዮም ነይሮም ። ቅድም ሓድሓደ ጊዜ መልክዕ ሰብ ለቢሶም ንሰባት ክርእዩዎም ይኽእሉ ነይሮም ።— እብራውያን 1 : 7

4 የሆዋ ቅድሚ ሰብ ምፍጣሩ ኣቐዲሙ እንስሳታት ፈጠረ ።— ዘፍጥረት 1 : 25

5 የሆዋ ኣዳም ዝበሃል ሰብኣይን ሄዋን እትብሃል ሰበይቱን እውን ፈጠረ ።— ዘፍጥረት 1 : 27

ኣምላኽ ኣብ ሓንቲ ጽብቕቲ ገነት (ስፍራ ኣታኽልቲ ) ኣቐመጦም ። ንኣዳም ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ገበረሉ ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ምስታ ሰበይቱ ጥራይ ኪነብር ነበሮ ።— ዘፍጥረት 2 : 8, 21, 22, 24

6 ሰብ ነፍሲ እዩ ።— ዘፍጥረት 2 : 7

7 እንስሳታት ነፍሲ እዮም ።— ዘፍጥረት 1 : 24