ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰማያዊ ንጉስ ንምድሪ በረኸት የምጽኣላ

ሰማያዊ ንጉስ ንምድሪ በረኸት የምጽኣላ

ሰማያዊ ንጉስ ንምድሪ በረኸት የምጽኣላ

የሆዋ ንየሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ ገበሮ ።—ኢሳይያስ 9 : 6 ዳንኤል 7 : 13, 14 ግብሪ ሃዋርያት 2 : 32 – 36

42 ኣብ ብዘላ ምድሪ ኪገዝእ እዩ ።— ዳንኤል 7 : 14 ማቴዎስ 28 : 18

43 እቶም እኩያት ሰባት እንታይ ከም ዝወርዶም ትዝክሩዶ ?— መዝሙር 37 : 9, 10 ፤ ሉቃስ 13 : 5

44 ስም እቲ ንመጀመሪያ ዝሓጥአ መልኣኽ ትዝክሩዎዶ ? የሱስ ንእኡን ነቶም ብጾቱ እኩያት መላእኽትን ኬልግሶም እዩ ። ጣኦታቶምን ምስልታቶምን ከኣ ኬጥፍእ እዩ ።— እብራውያን 2 : 14 ፤ ራእይ 20 : 2, 10

45 የሱስ ነቶም እዙዛት ሰባት ብዙሕ ሰናይ ነገራት ኪገብረሎም እዩ ።— እብራውያን 5 : 9

46 ድሕሪ ደጊም ሓደ እኳ ይኹን ኣይክሓምምን እዩ ።— ኢሳይያስ 33 : 24 ራእይ 22 : 1, 2

የሱስ ብኸመይ ንሕሙማት የሕውዮም ከም ዝነበረስ ትዝክሩዶ ?

47 ነፍሲ ወከፍ ጽቡቕ ነገር ኪህልዎ እዩ ።— ኢሳይያስ 65 : 17, 21 – 23

48 ኣምላኽ ነቶም ሞይቶም ዘሎዉ ከይተረፈ ኪዝክሮም እዩ ። ብየሱስ ገይሩ እንደገና ህይወት ከም ዝረኽቡ ኪገብሮም እዩ ። ትንሳአ ዝበሃል ከኣ እዚ እዩ ።— ዮሃንስ 5 : 28, 29 ፤ ዮሃንስ 11 : 25

49 ኩሎም እኩያት ሰባት ምስ ተቐትሉ ብድሕሪኡ ሓደኳ ኣይኪመውትን እዩ ። እቶም ኣራዊት ከይተረፉ ኣይኪጓድኡን እዮም ። ነፍሲ ወከፍ ንዘልኣለም ሕጉስ ኪኸውን እዩ ።— ራእይ 21 : 4 ኢሳይያስ 65 : 25 መዝሙር 37 :11, 29