ሰብ ስለምንታይ ይመውት?
ሰብ ስለምንታይ ይመውት ?
8 የሆዋ ኣምላኽ ፣ ወዲ ሰብ ንምልእቲ ምድሪ ሓንቲ ውቅብትን ኩሎም ዝሕጎሱላን ገነት እዩ ኪገብራ ደልዩዋ ዝነበረ ። — ዘፍጥረት 1 : 28
ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ተኣዚዞም ነይሮም እንተዝኾኑ ሰባት ንዘልኣለም ኪነብሩ ምኸኣሉ ነይሮም ። ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ከይበልዑ ተነጊሮም እዮም ። — ዘፍጥረት 2 : 15 – 17
9 ሓደ ካብቶም መላእኽቲ ዓለወ እሞ ብተመን ገይሩ ንኣዳምን ሄዋንን ሕጊ ኣምላኽ ከም ዝጥሕሱ ገበሮም ። — ዘፍጥረት 3 : 1 – 6
10 እቲ ንሄዋን ዘታለላ መልኣኽ “እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ፣ ሰይጣን ዲያብሎስ” ተባሂሉ ተሰምየ ። — ራእይ 12 : 9
11 የሆዋ ነቶም ዘይእዙዛት ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ገነት ኣውጽኦም ።—12 ኣዳምን ሄዋንን ቆልዑ ወለዱ ፣ እንተኾነ ግን ሕጉሳት ስድራ ቤት ኣይነበሩን ።— ዘፍጥረት 3 : 17, 18
13 ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ኪኣርጉን ኪሞቱን ነበሮም ።— ዘፍጥረት 3 : 19 ፤ ሮሜ 5 : 12
14 ስለዚ ሰብ ከም እንስሳ መዋቲ ኮነ ።
ኩለን ኣብ ምድሪ ዘለዋ ነፍሳት ይሞታ ።— መክብብ 3 : 18 – 20 ፤ ህዝቅኤል 18 : 4