ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዘልኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጎሱ!

ንዘልኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጎሱ!

ንዘልኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጎሱ !

እዛ ንእሽቶ ጽሕፍቲ እዚኣ ፣ ምድርን ነቲ ኣብኡ ዘሎ ኩሉ ነገራትን መን ከም ዝገበሮ ንምፍላጥ ክትሕግዘኩም ተባሂላ እያ ተሓቲማ ዘላ ። ምስ ኣንበብኩምዋ ፣ እዚ ንምድሪ ዝገበረ ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ ክትፈልጡ ኢኹም ። ኣብ ርእሲኡ እውን ኣምላኽ ስለምንታይ ሰብ ከም ዝፈጠረን ፣ ብኸመይ ኣብ ምድሪ ብምንባር ክትሕጎሱ ከም እትኽእሉን ገሊጽና ኣሎና ።

እቲ ኣብኡ ዘሉ ብዙሕ ስእልታትውን ፣ ነዚ ነገር እዚ ኣጸቢቕኩም ንኽትርድኡዎ ከም ዝሕግዘኩም ንኣምን ኢና ። ብዙሕ ምእንቲ ክትጥቀሙ ድማ ፣ ነቲ ኣብ ጎድኒ እቲ ስእሊ ዘሎ ጥቕስታት ኣንብቡዎ እሞ እቲ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣተስፍዩዎ ዘሎ ተስፋታትን ንመፈጸምታ እዚ ተስፋታት እዚ ንምርካብ ከኣ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝበለን ባዕልኻትኩም ክትርድኡዎ ኢኹም ።

እዛ ንእሽቶ ጽሕፍቲ እዚኣ ንኻልኦት ንምሕጋዝውን ክትጥቀሙላ ትኽእሉ ኢኹም ። ውሉዳት እንተድኣ ኣልዮምኹም እውን በዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ጌርኩም ብዛዕባ ኣምላኽ ክምሃሩ ሓግዙዎም ። ኣብቲ ብዙሓት ከንብቡ ዘይኽእሉ መሃይም ዘሎዉዎ ቦታ እትቕመጡ እንተድኣ ኴንኩም ፣ በቲ ኣብኡ ዘሎ ስእልታት ጌርኩም ዕላማ ኣምላኽ ንኽርድኡዎ ሓግዙዎም ። ንሳቶምውን ብወገኖም ንኻልኦት ብጾቶም ኪሕግዙዎም ይኽእሉ ።

ነዚ ኣብዛ ንእሽቶ ጽሕፍቲ እዚኣ ዘሎ ሓሳብ እንተድኣ ብግቡእ ኣጽኒዕኩምዎ ብዙሕ በረኸታት ንምቕባል መገዲ ከም ዝኽፈተልኩም ካብኡ ሓሊፉ እኳ ድኣ ንኻልኦትውን ብኸመይ ኣብ ምድሪ ንዘልኣለም ኪነብሩ ከም ዝኽእሉ ክትሕብሩሎም ከም እትኽእሉ ናይ ሓቂ ተስፋ ኣሎንና ።