ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት እንደገና ኬጥፍኦም ድዩ?
ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት እንደገና ኬጥፍኦም ድዩ ?
22 ሕጂ ዘለዉ ሰባት እውን ኣዝዮም እኩያት እዮም ። እንታይ እኩይ ነገራት እዩ ኣብዚ ስእሊዚ ዝግበር ዘሎ ?
23 ኣምላኽ ኣይትቕተል ኢሉ ኬብቅዕ ሰብ ከኣ ንኻልእ ሰብ ይቐትል ።— ዘጸኣት 20 : 13 ፤ 1 ዮሃንስ 3 : 11, 12
24 ኣምላኽ ኣይትስረቕ በለ ። ገሊኦም ግን ይሰርቁ ።—25 ገለ ሰባት ብዙሓት ኣንስቲ ይምርዓዉ ። ካልኦት ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ምስ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣንስቲ ይነብሩ ። ብጀካዚኦም ድማ ካልኦት ብሕጊ ከይትመርዓዉ ኣብኡ ከለዉ ብዘይ ንቡር ተኣኻኺቦም ብሓንሳእ ይነብሩ ። እዚ ኹሉ ኣንጻር እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ እዩ ። — ማቴዎስ 19 : 4 – 6 ፤ 1 ቈረንቶስ 7 : 1 – 4 ፤ 1 ጢሞቴዎስ 3 : 1, 2
26 ኣምላኽ ንኣዳም ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ከም ዝሃቦስ ትዝክሩዶ ?— ዘፍጥረት 2 : 22, 24
ዘጸኣት 20 : 4, 5፤ ኢሳይያስ 44 : 9 – 17፤ 1 ዮሃንስ 5 : 21
27 ኣምላኽ ንጣኦታት ኮነ ንምስልታት ኣይተምልኹ ኢሉ ። ገሊኦም ግን ንጣኦታት የምልኹ ።—28 የሆዋ ነዞም ለውጢ ዘይርኣዩ ዓመጸኛታት ኬጥፍኦም እዩ ።— መዝሙር 37 : 9, 10 ፤ ሉቃስ 13 :5፤ 1 ቈረንቶስ 6 : 9, 10