ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እንታይ ክትገብሩ ይግብኣኩም?

እንታይ ክትገብሩ ይግብኣኩም?

እንታይ ክትገብሩ ይግብኣኩም ?

50 ኣብታ ጽብቕቲ ዝኾነት ገነት ንዘልአለም ክትነብሩ ትደልዩዶ ?

ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝበሎ ነገራት እምበኣር ብዙሕ ተመሃሩ ።— ዮሃንስ 17 : 3 ፤ ራእይ 1 : 3

51 ብዛዕባ የሱስ ብዙሕ ተመሃሩ ።— ዘዳግም 18 : 18, 19 ፤ ዮሃንስ 3 : 16 ፤ ግብሪ ሃዋርያት 3 : 19 – 23

52 ሰናይ ነገራት ጥራይ ንምግባር ፈትኑ ። ንየሆዋ ኸኣ ተኣዘዙ ።— ሮሜ 6 : 17, 18, 22

53 የሆዋ ሰብ ኣይትቕተሉ ከም ዝበለ ዘክሩ ።— ዘጸኣት 20 : 13 ፤ 1 ዮሃንስ 3 : 11, 12

54 ጥሪት ናይ ካልኦት ሰባት ክንወስድ ኣይግብኣናን ።— ዘጸኣት 20 : 15 ፤ ኤፌሶን 4 : 28

55 ሓደ ሰብኣይ ምስታ ብሕጊ ሰበይቱ እንተዘይኮይኑስ ምስ ካልእ ሰበይቲ ኪነብርን ኪድቅስን ኣይግብኦን እዩ ።— ዘጸኣት 20 : 14, 17 ፤ 1 ተሰሎንቄ 4 : 3

56 ኣምላኽ ንሰብኣይ ክንደይ ኣንስቲ ከም ዝፈቐደሉ ትዝክሩዶ ? ሓደ ሰብኣይከ ምስ ሰበይቱ ንኽንደይ ጊዜ እዩ ኪጸንሕ ዘሎዎ ?— ዘፍጥረት 2 : 22, 24 ማቴዎስ 19 : 5, 6 1 ቈረንቶስ 7 : 2, 10, 11

57 ንየሆዋ በይኑ ጥራይ ከነምልኾ ከም ዝግብኣና ዘክሩ ።— ማቴዎስ 4 : 10 1 ቈረንቶስ 8 : 6

58 ጣኦታትን ምስልታትን ኣይሕግዙናን እዮም ። ስለምንታይ ?— 1 ቈረንቶስ 8 : 4

ጣኦታት ኪህልዉኻ ጽቡቕ ድዩ ?— ዘዳግም 27 : 15 ፤ 1 ዮሃንስ 5 : 21

59 ናይ ጥንቁልና መሳርያታት ኪህልወና ዘይግባእሲ ስለምንታይ እዩ ? — ዘዳግም 18 : 10 – 13 ፤ ራእይ 21 : 8

60 እቶም እኩያት መላእኽቲ ወይ ኣጋንንቲ ካብ ኣምላኽ ዓልዮም እዮም ። ንሰባት ኬስሕቱ ኸኣ ብጠንቆልቲ ይጥቀሙ ።— ግብሪ ሃዋርያት 16 : 16

61 ኣብ ኣምላኽ ክንጽሊ ይግብኣና ። ጸሎት ፣ ምስ ኣምላኽ ምዝራብ ማለት እዩ ። እዚ ኸኣ ከነገልግሎ ምዃንና ክንነግሮ ካብኡ ድማ ሓገዝ ክንረክብ ክንልምኖ እዩ ።—ፊልጲ 4:6, 7

62 ንየሱስ ክንእዘዞን ክንኣምኖን ይግባእ ። — እብራውያን 5 : 9 ፤ ዮሃንስ 3 : 16

63 ንድሕነትና ኢሉ ከም ዝሞተ ዘክሩ ።— ሮሜ 5 : 8

64 የሱስ ብዓይኒ ስጋ ዘይርአ ንጉስና ምዃኑ ዘክሩ ። ክንእዘዞ ኣሎንና ።—ፊልጲ 2 : 9 – 11 ፤ ራእይ 19 : 16

65 የሱስ ብዛዕባ እቲ ዝተመሃርካዮ ሰናይ ነገራት ንኻልኦት ክትነግር ከም ዝግበኣካን ፣ እቶም ንኣምላኽ ኬልግሉ ዝደልዩ ኪጥመቑ ከም ዘሎዎምን ገለጸ ።— ማቴዎስ 28 : 19, 20 ፤ ዮሃንስ 4 : 7 – 15

66 ስለዚ ብዛዕባ እዚ ሰናይ ነገራት ነዕርኹኩም ክትነግሩዎም ትኽእሉ ኢኹም ።— ማቴዎስ 10 : 32

67 ጽቡቕ ጌርኩም ከተንብቡ እንተድኣ ተለማሚድኩም ብዙሕ ትመሃሩ ። ብዝበለጸ ኸኣ ንኻልኦት ትሕግዙ 2 ጢሞቴዎስ 2 : 15

68 የሱስ ንኣሽቱ ቆልዑ እውን ንኣምላኽ ክእዘዙዎ ከም ዝግባእ መሃሮም ። ምሳታቶም ኪዛረብ እውን ኣራኽቦ ነይሩዎ እዩ ።— ማቴዎስ 19 : 13 – 15

69 ውሉዳት ንኣምላኽ ክእዘዙዎን ኬፍቅሩዎን ወለዲ ኩሉ ጊዜ ኪምህሩዎም ይግባእ ።— ዘዳግም 6 : 6, 7 ፤ ምሳሌ 6 : 20 – 22 ኤፌሶን 6 : 4

70 ብዙሓት ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናት ኣሎዋ ። መብዛሕትኡ ትምህርተን ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ አይኮነን ። የሆዋ ካብተን ሓቂ ዘይምህራ ሃይማኖታት ክንፍለ ይነግረና እዩ ።— ራእይ 18 : 4 ፤ ዮሃንስ 4 : 23, 24

71 የሆዋ ብዛዕባኡ ኪምህርኹም ዝኽእሉ ህዝቢ ኣብ ምድሪ ኣሎዉዎ ። መን ምዃኖም ትፈልጡዎምዶ ?— ግብሪ ሃዋርያት 15 : 14 ፤ ሮሜ 10 : 14, 15

72 ንሳቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ሰላም ኣሎዎም ። ስለምነታይ ምዃኑኸ ትፈልጡዎዶ ? ንሓድሕዶም ስለ ዝፋቐሩ እዮም ።— ኢሳይያስ 43 : 10 – 12 ፤ ዮሃንስ 13 : 34, 35

73 ንየሆዋ ስለ ዘፍቅሩዎ እውን ተጠሚቖም እዮም ። እቲ እኩይ መገዶም ገዲፎም ንኣምላኽ ኬገልግሉ ህይወቶም ከም ዝወፈዩ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዜርእዩ በዚ ኸምዚ እዮም ።— ግብሪ ሃዋርያት 2 : 41

74 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብታ ጽብቕቲ ዝኾነት ሓዳስ ገነት ንኺነብሩ ተስፋ ኣሎዎም ።— መዝሙር 37 : 9 – 11, 29

ምሳታቶም ኣብኡ ምእንቲ ክትነብሩ እንታይ ክትገብሩ ምኸኣልኩም ?— ያእቆብ 1 : 22, 25ያእቆብ 2 : 20 – 26

75 ንየሆዋ ንምግልጋል ክትመሃሩ ምሳታቶም ተራኸቡ ። ንሳቶም ንየሆዋን ንየሱስ ክርስቶስን የፍቅሩዎምን ይእዘዙዎምን እዮም ። ንስኻትኩምከ ተፍቅሩዎምዶ ? ካልኦት ብዛዕባ ኣምላኽ ኪፈልጡስ ክትሕግዙዎም ፍቓደኛታት ምኾኑኩምዶ ?— ዮሃንስ 6 : 45 – 47

76 የሆዋን የሱስ ክርስቶስን የፍቅሩኹም እዮም ። ኣብ ገነት ንዘልኣለም ክትነብሩ ኸኣ ይደልይኹም እዮም ።— ዮሃንስ 3 : 16

እቲ ኣብዛ ንእሽቶ ጽሕፍቲ እዛኣ ዘሎ ስእልታትን ሓበሬታን ዝቐሰምኩምዎ ትምህርቲ ንዘልኣለም ኣብ ምድሪ ብሓጎስ ክትነብሩ ብርግጽ ባህጊ ኣሕዲሩልኩም ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ዝያዳ ክትመሃሩ ፍቓደኛታት እንተድኣ ኴንኩም ድማ ምስ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዘሎኹምዎ ቦታ ዘሎዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትዛረቡ ነማሕጽነኩም ። ወይ ድማ ከምቲ ኣብ ገጽ 2 ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ዘሎ ኣድራሻታት ኣብቲ ዝቐርበኩም ቤት ጽሕፈት ክትጽሕፉ ወይ ብኻልእ ጌርኩም ክትጽሕፉ ትኽእሉ ኢኹም ።