ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ሓጢኣትን ሞትን ብኸመይ ከም ዝደሓንና

ካብ ሓጢኣትን ሞትን ብኸመይ ከም ዝደሓንና

ካብ ሓጢኣትን ሞትን ብኸመይ ከም ዝደሓንና

እቲ ቀዳማይ ሰብ ማለት ኣዳም ከም ዝሓጥአዶ ትዝክሩ ? ህይወትን ገነትን እዩ ኣጥፊኡ ። ንሕናውን ዘርኡ ስለ ዝኾንና ኩላትና ንመውት አሎና ።— ሮሜ 5 : 12 ፤ ሮሜ 3 : 23

36 ሓደ ካልእ ፍጹም ሰብ ህይወቱ ብምሃብ ካብ ሞት እንተድኣ ተበጅዩና ነዛ ፍጽምቲ ህይወት እንደገና ክንረኽባ ንኽእል ኢና ።— 1 ቈረንቶስ 15 : 45 ፤ ሮሜ 5 : 19, 21

37 የሱስ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ ። ፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ ። ኣይሓጥአን ከኣ ።— እብራውያን 5 : 9 ፤ እብራውያን 7 : 26

38 በቶም ንኣምላኽ ዘየፍቅሩ ሰባት ኪቕተል ፍቓደኛ ኮነ ።— ግብሪ ሃዋርያት 2 : 23

እዚ ምእንታና ዘቕረቦ መስዋእቲ እዩ ።— 1 ጢሞቴዎስ 2 : 6

39 የሱስ ኣብ ሓደ በዓቲ መሰል መቓብር እዩ ተቐቢሩ ። ንሰለስተ መዓልቲ ሞይቱ ። ብድሕሪኡ ኣምላኽ ኣተንስኦ ።— ግብሪ ሃዋርያት 2 : 24

40 ናብ ሰማይ ተመልሰ ። ሕጂ ንሱ ነቶም ንኣምላኽ ዝእዘዙ ዘበሉ ንኽሕግዞም ናብ ኣምላኽ ይልምነሎም ።— እብራውያን 9 : 24 ፤ 1 ዮሃንስ 2:1, 2