ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ መድሓኒ ሂቡና ኣሎ

የሆዋ መድሓኒ ሂቡና ኣሎ

የሆዋ መድሓኒ ሂቡና ኣሎ

29 እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ኹሉ ዝፈጠሮ መንፈሳዊ ፍጡር ንእኡ ከም ቦኽሪ ወዱ እዩ ።

ኣምላኽ ንወዱ ብዙሕ እዩ ዜፍቅሮ ። ንእኩያት ኬጥፍእ ነቶም እዙዛት ኬድሕን ስልጣን ሂቡዎ ኣሎ ።— ዮሃንስ 3 : 16, 36

30 የሆዋ ንወዱ ኣብ ምድሪ ኪውለድ ለኣኾ ። ስሙ የሱስ እዩ ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ማርያም እዩ ።— ሉቃስ 1 : 30 – 35

31 የሱስ ምስ ዓበየ ብዙሕ ሰናይ ነገራት ምሂሩ እዩ ። የሆዋ ኣምላኽ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ ምሂሩ እዩ ።— ማርቆስ 12 : 29, 30

የሱስ ንየሆዋ በይኑ ጥራይ ከነምልኾ ኣሎንና በለ ። — ማቴዎስ 4 : 10 ፤ ዮሃንስ 4 : 23, 24

ንሰባት እውን ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ መሃሮም ። — ሉቃስ 17 : 20, 21

32 የሱስ ንሕሙማት ኣሕወየ ፣ ብዙሕ ካልእ ሰናይ ነገራት ከኣ ገይሩ እዩ ። ክፉእ ነገር ኣይገበረን ። — ግብሪ ሃዋርያት 10 : 38 ፤ 1 ጴጥሮስ 2:21, 22

ግን ካብ ሞትን ሓጢኣትን ድኣ ከመይ ገይሩ ኬድሕነና እዩ ?

33 ነቶም ሰናይ ዝገብሩ ሰባት ንምድሓን ኣብ ኣምላኽ መስዋእቲ ኬቕርብ ነይሩዎ ። ቅድም ኣምላኽ ምእንቲ ሓጢኣቶም እንስሳታት ኪስውኡ ከም ዘሎዎም ንሳባት ነጊሩዎም ነይሩ ።— እብራውያን 7 : 25, 27

34 የሱስ እንስሳታት ኣይሰውአን ። ምእንታና ኪብል ድኣ ንነፍሱ እዩ ከም መስዋእቲ ዘቕረበ ። — ማቴዎስ 20 : 28 ፤ እብራውያን 10 : 12

ስለምንታይ ምዃኑኸ ትፈልጡዶ ?