ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 4

“እቶም ኣርባዕተ ዝገጾም ህያዋን ፍጡራት” መን እዮም፧

“እቶም ኣርባዕተ ዝገጾም ህያዋን ፍጡራት” መን እዮም፧

ህዝቅኤል 1:15

ኣትኵሮ፦ እቶም ህያዋን ፍጡራትን ንዓታቶም ብምጽናዕ እንምሃሮ ትምህርትን

1, 2. የሆዋ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ኣገልገልቱ ሓቅታት ኪገልጸሎም ከሎ፡ ሓድሓደ ግዜ ዚርአ ነገራት ዚጥቀም ስለምንታይ እዩ፧

ቈልዑ ዘለዉዎም ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ሰደቓ ኾፍ ኢሎም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። እቲ ኣቦ ነቶም ቈልዑ፡ ሓደ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ምእንቲ ኼረድኦም ኢሉ፡ ቀለልቲ ስእልታት ስኢሉ የርእዮም። እቲ ኣብቶም ቈልዑ ዚንበብ ፍሽኽታን እቲ ውዕዉዕ ተሳትፎኦምን ድማ፡ እቲ ኣቦ ዕላማኡ ይወቅዕ ከም ዘሎ ዚሕብር እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ዚዛረቦ ቓላት፡ ስእልታት ብምውሳኹ፡ ነቲ እቶም ቈልዑ ብዛዕባ የሆዋ ኺርድኦም ዘይክእል ዝነበረ ትምህርቲ ኼረድኦም ክኢሉ እዩ።

2 የሆዋ እውን ንሰብኣውያን ደቁ፡ ነቲ ኺርድኦም ዘይክእል ዝነበረ ዘይርአ ነገራት ኬስተውዕሉ ንምሕጋዝ፡ ዚርአ ነገራት ይጥቀም እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዓሚቝ ሓቅታት ንምግላጽ፡ ንህዝቅኤል መሳጢ ምስልታት ዘለዎ ራእይ ኣርእይዎ እዩ። ኣብ ዝሓለፈት ምዕራፍ፡ ሓደ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምስሊ ርኢና ኔርና ኢና። ሕጂ ኸኣ ኣብ ሓደ ኽፋል እቲ መሳጢ ራእይ ነተኵር እሞ፡ ንትርጉሙ ምርዳእና ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ንርአ።

“ከም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ዝበሉ” ረኣየ

3. (ሀ) ብመሰረት ህዝቅኤል 1:4, 5፡ ህዝቅኤል ብራእይ እንታይ እዩ ርእዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ብዛዕባ እቲ ህዝቅኤል ነቲ ዝረኣዮ ዝመዝገበሉ መገዲ እንታይ ኣስተብሂልካ፧

3 ህዝቅኤል 1:4, 5 ኣንብብ። ህዝቅኤል ትርኢት መልኣኽን ሰብን እንስሳን ዝነበሮም “ከም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ዝበሉ” ኸም ዝረኣየ ገሊጹ ኣሎ። ህዝቅኤል ነቲ ዝረኣዮ ብልክዕ ኪገልጽ ከሎ፡ “ከም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ዝበሉ” ኸም ዝበለ ኣስተብህለሉ። ነቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 1 ዚርከብ ራእይ ከተንብቦ ኸለኻ፡ እቲ ነብዪ ብተደጋጋሚ፡ “ከም፡” “ዚመስል” ዚብል ቃላት ተጠቒሙ ኸም ዘሎ ኸተስተብህል ትኽእል ኢኻ። (ህዝ. 1:13, 24, 26) እምበኣር፡ ህዝቅኤል ምስሊ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ዘይርአ ነገራት ይርኢ ኸም ዘሎ ተገንዚቡ እዩ።

4. (ሀ) እቲ ራእይ ንህዝቅኤል እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩሉ፧ (ለ) ህዝቅኤል ብዛዕባ ኪሩቤል እንታይ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፧

4 ህዝቅኤል ብትርኢትን ብደሃይን እቲ ራእይ ፍርሃት ሓዲርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ትርኢት እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ከም “ጕሁር ጓህሪ ሓዊ” እዩ ነይሩ። እቲ ፈጣን ምንቅስቓሶም ድማ ከም “በርቅታት” እዩ ነይሩ። ደሃይ ኣኽናፎም ከኣ “ከም ደሃይ ብርቱዕ ማያት” እዩ ነይሩ፣ ምንቅስቓሳቶም እውን “ከም ደሃይ ሰራዊት” እዩ ነይሩ። (ህዝ. 1:13, 14, 24-28፣ “ነቶም ህያዋን ፍጡራት ክጥምቶም ከለኹ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ህዝቅኤል ደሓር ኣብ ዝረኣዮ ራእይ፡ ነዞም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት፡ “ኪሩቤል” ኢሉ ጸዊዕዎም እዩ፣ ኪሩቤል ድማ ሓያላት መላእኽቲ እዮም። (ህዝ. 10:2) ህዝቅኤል ካብ ዓሌት ካህናት ስለ ዝዀነ፡ ኪሩቤል ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ቦታ ኸም ዚርከቡን ንዕኡ ኸም ዜገልግልዎን ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—1 ዜና 28:18፣ መዝ. 18:10

“ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገጽ . . . ነበሮ”

5. (ሀ) እቶም ኪሩቤልን ኣርባዕቲኡ ገጾምን ነቲ ብሉጽ ሓይልን ክብርን የሆዋ ዜንጸባርቑ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) እዚ ኽፋል ራእይ እዚ ንትርጉም ስም ኣምላኽ ዜዘኻኽረና ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

5 ህዝቅኤል 1:6, 10 ኣንብብ። ህዝቅኤል ቀጺሉ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ኣርባዕተ ገጽ፡ ማለት ገጽ ሰብን ገጽ ኣንበሳን ገጽ ብዕራይን ገጽ ንስርን ከም ዝነበሮ ገሊጹ ኣሎ። ነዚ ኣርባዕተ ገጽ እዚ ምርኣዩ፡ ብዛዕባ እቲ ብሉጽ ዕቤት ሓይልን ክብርን የሆዋ ዓሚቝ ጦብላሕታ ሓዲጉሉ ኪኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ ከምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ፡ ኵሎም እቶም ኣብቲ ገጻት ተጠቒሶም ዘለዉ ፍጡራት ንግርማን ንብርታዐን ንሓይልን ዜመልክቱ እዮም። ኣንበሳ ብግርማኡ ዚፍለጥ ኣራዊት እዩ፣ ብዕራይ ብርቱዕ እንስሳ ዘቤት እዩ፣ ንስሪ ሓያል ዑፍ እዩ፣ ሰብ ድማ ካብ ምድራዊ ፍጥረት ኣምላኽ እቲ ዝበለጸን ገዛኢ ዅሎም ካልኦት ፍጥረታት ምድርን እዩ። (መዝ. 8:4-6) ኣብቲ ራእይ ግና፡ ህዝቅኤል ንዅሎም እዞም ብኣርባዕተ ገጽ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ እተገልጹ ንፍጥረት ዚውክሉ ኣርባዕተ ሓያላት ኣብ ትሕቲ ዝፋን እቲ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዑል ዝዀነ የሆዋ ዀይኖም ረኣዮም። እዚ ኸኣ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ፍጥረቱ ኸም ዚጥቀም ዜርኢ ብቑዕ መግለጺ እዩ። * እወ፡ ከምቲ ሓደ ዘማሪ ብዛዕባ የሆዋ ዝበሎ፡ “ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ምድርን ሰማይን እዩ።”—መዝ. 148:13

እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን እቲ ኣርባዕተ ገጾምን ብዛዕባ ሓይልን ክብርን ባህርያትን የሆዋ እንታይ ይገልጸልና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 5, 13 ርአ)

6. ህዝቅኤል፡ እቲ ኣርባዕተ ገጽ ንምንታይ ከም ዜመልክት ንምስትውዓል እንታይ ሓጊዝዎ ኪኸውን ይኽእል፧

6 እተወሰነ ግዜ ምስ ሓለፈ እሞ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ዝረኣዮ ምስ ኣስተንተነ፡ ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንእንስሳታት ብምስስል ከም እተጠቕሙሎም ዘኪሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ያእቆብ ንወዱ ይሁዳ ምስ ኣንበሳ ኣመሳሲልዎ እዩ፡ ንወዱ ቢንያም ከኣ ምስ ተዅላ ኣመሳሲልዎ እዩ። (ዘፍ. 49:9, 27) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣንበሳን ተዅላን ኣብቶም ሰባት እቲኦም ጐሊሑ ዚርአ ዓይነት ባህርያት ኣለዎም። ስለዚ፡ ህዝቅኤል ነቲ ሙሴ ብድራኸ መንፈስ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ዚርከቡ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣብነታት ድሕሪ ምዝካሩ፡ ገጻት እቶም ኪሩቤል ንባህርያት ከም ዜመልክት ደምዲሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ነየናይ ባህርያት እዩ ዜመልክት፧

ባህርያት የሆዋን ሰማያዊ ስድራኡን

7, 8. እቲ ኣብቶም ኪሩቤል ዘሎ ኣርባዕተ ገጽ ንምንታይ ባህርያት የመልክት፧

7 ቅድሚ ህዝቅኤል ዝነበሩ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣንበሳን ንንስርን ንብዕራይን ምስ እንታይ ባህርያት እዮም ኣተኣሳሲሮምዎም፧ ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓረጋት እሞ ኣስተብህለሉ፦ “ከም ልቢ ኣንበሳ ዝልቡ ተባዕ ሰብኣይ።” (2 ሳሙ. 17:10፣ ምሳ. 28:1) “ንስሪ ናብ ላዕሊ [ይነፍር]፡” “ኣዒንቱ ናብ ርሑቕ ይጥምታ።” (እዮ. 39:27, 29) “ሓይሊ ብዕራይ . . . ብዙሕ እኽሊ የፍሪ።” (ምሳ. 14:4) ጽሑፋትና ኣብዚ ጥቕስታት እዚ ተመርኲሱ፡ ገጽ ኣንበሳ ብትብዓት ንዚግበር ፍትሒ፡ ገጽ ንስሪ ኣርሒቑ ንዚጥምት ጥበብ፡ ገጽ ብዕራይ ከኣ ዓጋቲ ንዘይብሉ ሓይሊ ኸም ዜመልክት ብዙሕ ሳዕ ኪጠቅስ ጸኒሑ ኣሎ።

8 እቲ “ናይ ሰብ ገጽ” ደኣኸ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ህዝ. 10:14) ኣብ እንስሳታት ዘይኰነስ፡ ኣብቶም ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንዚርአ ባህርይ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍ. 1:27) እቲ ኣብ ምድሪ ኣብ ሰባት ጥራይ ዚርአ ባህርይ፡ በቲ ኣምላኽ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝሃቦ ትእዛዝ ጐሊሑ ኣሎ፦ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻ . . . ኣፍቅሮ፡” “ንብጻይካ ኸኣ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።” (ዘዳ. 6:5፣ ዘሌ. 19:18) ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ብምርኣይ ነዚ ትእዛዛት እዚ ምስ እንሕሉ፡ ፍቕሪ የሆዋ ኢና እነንጸባርቕ። ከምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝጸሓፎ፡ “ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕና እውን ነፍቅር ኢና።” (1 ዮሃ. 4:8, 19) ስለዚ፡ “ናይ ሰብ ገጽ” ንፍቕሪ እዩ ዜመልክት።

9. እቲ ምስ ገጻት እቶም ኪሩቤል ዚተሓሓዝ ባህርያት ናይ መን እዩ፧

9 እዚ ባህርያት እዚ ናይ መን እዩ፧ እቲ ገጻት ናይ ኪሩቤል ስለ ዝዀነ፡ እቲ ባህርያት ድማ ናይቶም ኣብቲ ራእይ እተራእዩ ኪሩቤል ዚውክልዎ፡ ማለት ናይቶም ብእሙናት መንፈሳውያን ፍጡራት ዝቘመ ሰማያዊ ስድራ የሆዋ እዩ። (ራእ. 5:11) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ነቶም ኪሩቤል ምንጪ ህይወቶም ስለ ዝዀነ፡ ምንጪ ባህርያቶም እውን እዩ። (መዝ. 36:9) እምበኣር፡ ገጻት እቶም ኪሩቤል ንናይ የሆዋ ባህርያት የመልክት እዩ። (እዮ. 37:23፣ መዝ. 99:4፣ ምሳ. 2:6፣ ሚክ. 7:18) ገለ ኻብቲ የሆዋ ነዚ ጕሉሕ ባህርያቱ ዘርኣየሉ መገድታት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧

10, 11. ካብቲ ኣርባዕተ ቐንዲ ባህርያት የሆዋ እተገልጸሉ መገዲ ብኸመይ ንጥቀም ኣለና፧

10 ፍትሒ። የሆዋ “ፍትሒ ይፈቱ እዩ፣” ስለዚ፡ “ዘየዳሉ” ኣምላኽ እዩ። (መዝ. 37:28፣ ዘዳ. 10:17) እምበኣር፡ ኣገልጋሊኡ ናይ ምዃንን ዘለኣለማዊ በረኸት ናይ ምርካብን ኣጋጣሚ፡ ማሕበራዊ ደረጃና ወይ ድሕረ ባይታና ብዘየገድስ፡ ንዅላትና ኽፉት እዩ። ጥበብ። የሆዋ “ጥበበኛ ዝልቡ” ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ “ግብራዊ ጥበብ” ዝመልኦ መጽሓፍ ሂቡና ኣሎ። (እዮ. 9:4፣ ምሳ. 2:7) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ፡ መዓልቲ መዓልቲ ንዜጋጥመና ጸገማት ክንሰግርን ትርጉም ዘለዎ ህይወት ክንነብርን ንኽእል ኢና። ሓይሊ። የሆዋ “ብዓል ዓብዪ ሓይሊ” ስለ ዝዀነ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ይህበና እዩ። እዚ ኸኣ ንዜጋጥመና ዘበለ ኸቢድን ዜሳቕን ፈተናታት ክንክእሎ የበርትዓና እዩ።—ናሆ. 1:3፣ 2 ቈረ. 4:7፣ መዝ. 46:1

11 ፍቕሪ። የሆዋ “ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ” ስለ ዝዀነ፡ ንእሙናት ኣምለኽቱ ኸቶ ኣይሓድጎምን እዩ። (መዝ. 103:8፣ 2 ሳሙ. 22:26) ስለዚ፡ ብሰንኪ ሕማም ወይ እርጋን ከምቲ ኣቐዲምና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንገብሮ ዝነበርና ኽንገብር ብዘይምኽኣልና እኳ እንተ ጐሃና፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብፍቕሪ ተደሪኽና ዝገበርናዮ ግብሪ ኸም ዚዝክሮ ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ። (እብ. 6:10) እምበኣር፡ ካብቲ የሆዋ ፍትሕን ጥበብን ሓይልን ፍቕርን ዚገልጸሉ መገዲ ብዙሕ ተጠቒምና ኢና፣ ኣብ መጻኢ እውን ካብዚ ኣርባዕተ ቐንዲ ባህርያት እዚ ኽንጥቀም ኢና።

12. ብዛዕባ እቲ ንባህርያት የሆዋ እንርድኣሉ ዓቕሚ እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

12 ይኹን እምበር፡ እቲ ንሕና ሰባት ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ እንርድኦ መጠን፡ “ጫፍ መገድታቱ ጥራይ” ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። (እዮ. 26:14) “ነቲ ዅሉ ዚኽእል ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና፣” ከመይሲ፡ “ዕቤቱ ዘይምርመር እዩ።” (እዮ. 37:23፣ መዝ. 145:3) ስለዚ፡ ባህርያት የሆዋ ኪቝጸር ወይ ክንድዚ ኺብሃል ኣይከኣልን እዩ። (ሮሜ 11:33, 34 ኣንብብ።) ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ እውን እንተ ዀነ፡ ባህርያት ኣምላኽ ብብዝሕን ብስፍሓትን ዘይድሩት ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 139:17, 18) እንታይ መዳይ እቲ ራእይ ደኣሉ ነዚ ኣገዳሲ ሓቂ እዚ ዜጕልሕ፧

“ኣርባዕተ ገጽ . . . ኣርባዕተ ኽንፊ . . . ኣርባዕተ ሸነኽ”

13, 14. እቲ ኣርባዕተ ገጽ እቶም ኪሩቤል ንምንታይ የመልክት፧ ስለምንታይከ ኢና ናብዚ መደምደምታ እዚ እንበጽሕ፧

13 ህዝቅኤል ኣብ ራእዩ፡ እቶም ኪሩቤል ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽ ከም ዝነበሮም ርእዩ እዩ። እዚ እንታይ የመልክት፧ ኣብ ቃል ኣምላኽ ቍጽሪ ኣርባዕተ ብዙሕ ግዜ ንእተማልአ ነገር፡ ንዅሉ ንዚሓቍፍ፡ ወይ ንምሉእ ነገር እዩ ዜመልክት። (ኢሳ. 11:12፣ ማቴ. 24:31፣ ራእ. 7:1) ኣብዚ ራእይ እዚ ኸኣ፡ ህዝቅኤል ንቝጽሪ ኣርባዕተ 11 ሳዕ ጠቒስዋ ኣሎ። (ህዝ. 1:5-18) ካብዚ ደኣ እንታይ ኢና ኽንድምድም እንኽእል፧ ከምቲ ኣርባዕተ ኪሩቤል ንዅሎም እሙናት መንፈሳውያን ፍጡራት ዜመልክት፡ ኣርባዕተ ገጽ እቶም ኪሩቤል ብሓንሳእ ኪርአ ኸሎ ድማ፡ ንዅሉ ባህርያት የሆዋ የጠቓልል ወይ የመልክት። *

14 ትርጉም እቲ ኣርባዕተ ገጽ እቶም ኪሩቤል ካብቲ ኣርባዕተ ባህርያት ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል ምእንቲ ኺርድኣና፡ ነቲ ኣብቲ ራእይ ዘሎ ኣርባዕተ መንኰርኰር እስከ ንሕሰበሉ። እቲ መንኰራዅር በብውልቂ ማራኺ እዩ፣ ኣርባዕተ መንኰርኰር ብሓባር ክንርኢ ኸለና ግና፡ ኣርባዕተ ዜደንቕ መንኰርኰር ጥራይ ዘይኰነስ፡ መሰረት እታ እተደንቕ ሰረገላ እዩ ዚኸውን። ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ ነቲ ኣርባዕተ ገጽ ብሓንሳእ ክንርእዮ ኸለና፡ ኣርባዕተ ዜደንቕ ባህርያት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መሰረት እቲ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ እዩ ዚኸውን።

የሆዋ ንዅሎም እሙናት ኣገልገልቱ ቐረባኦም እዩ

15. ህዝቅኤል ካብቲ ቐዳማይ ራእዩ እንታይ ዜተባብዕ ሓቂ እዩ ተማሂሩ፧

15 ህዝቅኤል በዚ ቐዳማይ ራእይ ኣቢሉ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ኣገዳስን ዜተባብዕን ሓቂ ተማሂሩ እዩ። እዚኸ እንታይ እዩ፧ እቲ ሓቂ እቲ፡ ኣብ መእተዊ እታ ንሱ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ተሓቢሩ ኣሎ። ህዝቅኤል “ኣብ ምድሪ ከለዳውያን” ምንባሩ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ሽዑ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብኡ ኸኣ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ መጸት” ኢሉ ኣሎ። (ህዝ. 1:3) ህዝቅኤል ነቲ ራእይ ኣብ የሩሳሌም ዘይኰነስ፡ ኣብኡ ማለት ኣብ ባቢሎን ከም ዝረኣዮ ኣስተብህል። * እሞ ደኣ እዚ ንህዝቅኤል እንታይ እዩ ገሊጹሉ፧ ካብ የሩሳሌምን ካብ ቤተ መቕደሳን ዝረሓቐ ኣትሒትካ ዚርአ ምሩኽ እኳ እንተ ነበረ፡ ካብ የሆዋን ካብ ኣምልኾኡን ግና ከም ዘይተፈልየ እዩ ገሊጹሉ። የሆዋ ንህዝቅኤል ኣብ ባቢሎን ካብ ተገልጸሉ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ ቦታ ወይ ደረጃ እተመርኰሰ ኸም ዘይኰነ ኺርአ ይከኣል እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ኵነታት ልቢ ህዝቅኤልን ኣብቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዘለዎ ድሌትን እዩ ዚምርኰስ።

16. (ሀ) ካብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ እንታይ ዜጸናንዕ ነገር ክንረክብ ንኽእል፧ (ለ) ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻ ንምግልጋል እንታይ ይድርኸካ፧

16 እቲ ህዝቅኤል እተማህሮ ሓቂ ንዓና እውን ብዙሕ ዜጸናንዓና ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ እንነብረሉ ቦታ፡ ዚስምዓና ጭንቂ፡ ወይ ኣብ ህይወትና ዘሎ ዅነታት ብዘየገድስ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ኽሳዕ ዘገልገልናዮ፡ ንሱ እውን ቀረባና ኸም ዝዀነ የረጋግጸልና እዩ። (መዝ. 25:14፣ ግብ. 17:27) የሆዋ በቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ብተኣማንነት ዜርእዮ ብዙሕ ፍቕሩ ተደሪኹ፡ ብኣና ቐልጢፉ ተስፋ ኣይቈርጽን እዩ። (ዘጸ. 34:6) እምበኣር፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ኽንረኽበሉ ዘይንኽእል ቦታ ወይ ኵነታት የልቦን። (መዝ. 100:5፣ ሮሜ 8:35-39) ብተወሳኺ፡ እዚ ንቕድስናን ንዓብዪ ሓይልን የሆዋ ዜርኢ ራእይ እዚ፡ የሆዋ ኣምልኾ ንምውሳድ ብቑዕ ምዃኑ የዘኻኽረና ይኸውን። (ራእ. 4:9-11) የሆዋ ብኸምዚ ዝበለ ራእያት ገይሩ ብዛዕባ ርእሱን ብዛዕባ ባህርያቱን ኣገዳሲ ሓቅታት ዜረድኣና ምዃኑ ብሓቂ ኸነመስግን ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ባህ ዜብል ባህርያት የሆዋ ብዝያዳ ብእተረድኣና መጠን፡ ንዕኡ ብዝያዳ ንቐርቦ፡ ብዅሉ ልብናን ብዅሉ ሓይልናን ድማ ከነገልግሎ ንድረኽ ኢና።—ሉቃ. 10:27

ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ኽንረኽበሉ ዘይንኽእል ቦታ ወይ ኵነታት የልቦን (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

17. ኣብ ዚስዕባ ምዕራፋት እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

17 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ብግዜ ህዝቅኤል ንጹህ ኣምልኾ ረኺሱ እዩ ነይሩ። እዚ ኸመይ ኢሉ ዀይኑ፧ የሆዋ ብዛዕባ እዚ እንታይ ገይሩ፧ እዚ ጥንቲ ዝዀነ ነገራትከ ሎሚ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ዚስዕባ ምዕራፋት ክንምርምሮ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 5 ህዝቅኤል ብዛዕባ እዞም ፍጡራት ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ የሆዋ ዚብል “የኽውን” ዝትርጉሙ ኢልና እንርድኦ ስም ኣምላኽ የዘኻኽረና እዩ። ሓደ መዳይ እቲ ስም እቲ ኸም ዚገልጾ፡ የሆዋ ንፍጥረቱ፡ ዕላማኡ ንምፍጻም ዜድሊ ዘበለ የዅኖ ወይ ከም ዚኸውን ይገብሮ እዩ።—ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ4 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 13 ኣብ ጽሑፋትና ኣስታት 50 ባህርያት የሆዋ ተገሊጹ ኣሎ።—ኣብ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ፡ ኣብ ትሕቲ “የሆዋ፡” ኣብ ትሕቲ፡ “ዝርዝር ባህርያት (Qualities by Name)” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 15 ሓደ ወሃብ ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ኣብኡ” እትብል ቃል፡ “ካብ ካልእ ንላዕሊ ናይታ ህሞት እቲኣ እተደንቕ ነገር ሒዛ ኣላ። . . . ኣምላኽ ኣብኡ ኣብ ባቢሎን እዩ ነይሩ! እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።