ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 19ለ

እቲ ቐስ ኢሉ ዚውሕዝ ማይ፡ ብርቱዕ ውሒዝ ይኸውን!

እቲ ቐስ ኢሉ ዚውሕዝ ማይ፡ ብርቱዕ ውሒዝ ይኸውን!

ህዝቅኤል ካብ መቕደስ የሆዋ ቐስ ኢሉ ዚውሕዝ ማይ ርእዩ እዩ፣ እቲ ማይ ከኣ ኣስታት ክልተ ኪሎ ሜተር ጥራይ ኣብ ዚኣክል ርሕቀት ብተኣምራዊ መገዲ ዕምቈት ዘለዎ ብርቱዕ ውሒዝ ኰይኑ እዩ! ኣብ ገማግም እቲ ውሒዝ ድማ፡ ንምግብን ንፈውስን ዚኸውን ልሙዕ ኣእዋም ርእዩ እዩ። እዚ ዅሉ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

እቲ ውሒዝ በረኸት የምጽእ

ጥንቲ፦ እቶም ምሩኻት ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ እሞ ኣብታ ቤተ መቕደስ ንንጹህ ኣምልኾ ናብ ቀደሙ ንምምላስ ኪሳተፉ ምስ ጀመሩ፡ በረኸት ውሒዙሎም እዩ

ኣብዚ ግዜና፦ ብ1919 ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቀደሙ ተመሊሱ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ መንፈሳዊ በረኸት ናብ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪውሕዝ መገዲ ተኸፊቱ እዩ

ኣብ መጻኢ፦ ድሕሪ ኣርማጌዶን፡ ካብ የሆዋ ስጋውን መንፈሳውን በረኸት ኪውሕዝ እዩ

ህይወት ዚህብ ማይ

ጥንቲ፦ የሆዋ ንእዙዛት ህዝቡ፡ ቍጽሮም እናወሰኸ ኪኸይድ ከሎ እኳ፡ ብመንፈሳዊ ኸም ዚብልጽጉ ብምግባር ብዙሕ ባሪኽዎም እዩ

ኣብዚ ግዜና፦ ኣብቲ ዚምዕብል ዘሎ መንፈሳዊ ገነት፡ ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሰባት ካብቲ እናሰፍሐ ዚኸይድ ዋሕዚ መንፈሳዊ በረኸት የሆዋ ይጥቀሙን ብመንፈሳዊ መዳይ ህያዋን ይዀኑን ኣለዉ

ኣብ መጻኢ፦ ነቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ሰባት ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ብዙሓት ሚልዮናት ሰባት ኪውሰኽዎም እዮም፣ በረኸት የሆዋ ድማ ንዅሎም ኪኣክል እዩ

ንምግብን ንፈውስን ዚኸውን ኣእዋም

ጥንቲ፦ ብመንፈሳዊ መዳይ፡ የሆዋ ንእሙናት ህዝቡ ኣብታ ናብ ቀደማ እተመልሰት ዓዶም መጊብዎም እዩ፣ ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዜሳቕዮም ዝነበረ መንፈሳዊ ሕማሞም እውን ኣሕውይዎም እዩ

ኣብዚ ግዜና፦ እኹል መንፈሳዊ ምግቢ ዚረኽቡ ዘለዉ ሰባት፡ በቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ መንፈሳዊ ሕማምን ጥሜትን ኣይጥቅዑን እዮም

ኣብ መጻኢ፦ ክርስቶስን እቶም 144,000 መጋዝእቱን ንዅሎም እዙዛት ደቂ ሰብ፡ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑን ንዘለኣለም ጥዕና ረኺቦም ኪነብሩን ኪሕግዝዎም እዮም!