ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 10ሐ

ብኣእጋርና ደው ክንብል ዚውሃበና ሓገዝ

ብኣእጋርና ደው ክንብል ዚውሃበና ሓገዝ

ነቲ ኣብ ህዝቅኤል 37:1-14 ዚርከብ ራእይ ምስ እነስተንትነሉ፡ ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና፣ ነቲ ኻብኡ እንረኽቦ ትምህርቲ ኸኣ ኣብ ብሕታዊ ዅነታትና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል ኢና። እቲ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧

ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥመና ጸቕጥታትን ፈተናታትን ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ዀይኑ ይስምዓና እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት ግና፡ ነቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ምምላስ ዝረኣዮ ራእይ ምስ እነስተንትነሉ፡ ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ስለምንታይ ከምኡ ንብል፧ ካብቲ ትንቢት እቲ፡ እቲ ንምዉታት ኣዕጽምቲ ትንፋስ ህይወት ኪህብ ዚኽእል ኣምላኽ፡ ነቲ ብሰብኣዊ ኣዘራርባ ዘይስገር ዚብሃል ዕንቅፋታት እኳ ንምስጋር ዜኽእል ብርታዐ ብርግጽ ኪህበና ከም ዚኽእል ክንምሃር ንኽእል ኢና።—መዝሙር 18:29 ኣንብብ፣ ፊል. 4:13

ካብ ግዜ ህዝቅኤል ሓያሎ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ነብዪ ሙሴ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብርታዐኡ ንምጥቃም ዓቕሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ድሌት እውን ከም ዘለዎ ኺሕብር ከሎ፡ “ካብ ጥንቲ፡ ኣምላኽ መዕቈቢ እዩ፡ ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ ኣብ ትሕቴኻ እየን” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 33:27) እወ፡ ብግዜ ጭንቂ ናብ የሆዋ እንተ ተጸጊዕና፡ ንሱ ነተን ሓለይቲ ቐላጽሙ ኣብ ትሕቴና ገይሩ ብለውሃት ኬልዕለና፡ ብኣእጋርና ደው ክንብል ድማ ኪሕግዘና እዩ።—ህዝ. 37:10