ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 18ሀ

የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዓብዪ ውግእ ዝሃቦ መጠንቀቕታታት

የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዓብዪ ውግእ ዝሃቦ መጠንቀቕታታት

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዅሎም እቶም ንዕኡን ንህዝቡን ዚጻረሩ ዚድምስሰሉ ናይ መወዳእታ ውግእ ሓያሎ ትንቢታት ሒዙ ኣሎ። ገለ ኻብቲ ትንቢታት ኣብዚ ተዘርዚሩ ኣሎ። ነቲ ኣብዚ መጠንቀቕታታት ዘሎ ምስስል ኣስተብህለሉ፣ ኵሎም ደቂ ሰብ ነዚ ሰሚዖም ስጕምቲ ምእንቲ ኺወስዱ፡ የሆዋ ኣጋጣሚ ኸም ዝሃቦም እውን ተመልከት።

ብግዜ ጥንታዊት እስራኤል

ህዝቅኤል፦ “‘ኣብ ኵሉ ኣኽራነይ ኣብ ልዕሊኡ [ኣብ ልዕሊ ጎግ] ሰይፊ ኽጽውዕ እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”—ህዝ. 38:18-23

ኤርምያስ፦ “[የሆዋ] ንዅሉ ሰብ ባዕሉ ኺፈርዶ እዩ። ንእኩያት ድማ ንሰይፊ ኺምጥዎም እዩ።”—ኤር. 25:31-33

ዳንኤል፦ “ኣምላኽ ሰማይ . . . መንግስቲ ኬቕውም እዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ . . . ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ።”—ዳን. 2:44

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.

የሱስ፦ “ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘይኰነ . . . ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ።”—ማቴ. 24:21, 22

ጳውሎስ፦ “የሱስ . . . ምስ ሓያላት መላእኽቲ . . . ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎ . . . ሕነ ኺፈድዮም እዩ።”—2 ተሰ. 1:6-9

ጴጥሮስ፦ “መዓልቲ የሆዋ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፣ . . . ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን እውን ኪቕላዕ እዩ።”—2 ጴጥ. 3:10

ዮሃንስ፦ “ካብ ኣፉ [ካብ ኣፍ የሱስ] ድማ ንኣህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ነዊሕ ሰይፊ ይወጽእ።”—ራእ. 19:11-18

ኣብዚ ግዜና

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ካብ ኵሉ ንላዕሊ እተተርጐመን እተዘርግሐን መጽሓፍ እዩ

ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ . . .

  • ብኣማእታት ቋንቋታት፡ ብቢልዮናት ዚቝጸር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ይዕድሉ ኣለዉ

  • ኣብ ዓዓመት ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸር ሰዓታት ንስብከት ይውፍዩ ኣለዉ