ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 9መ

ትንቢታት ምርኮን ምምላስን

ትንቢታት ምርኮን ምምላስን

መብዛሕትኡ እቲ ኣይሁድ ኣብ ትሕቲ ምርኮ ጥንታዊት ባቢሎን ከም ዚኣትዉ ዚገልጽ ትንቢታት፡ ነዊሕ ጸኒሑ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ትሕቲ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ምስ ኣተወት ብዝዓበየ ደረጃ ተፈጺሙ እዩ። ገሊኡ ኣብነታት ንርአ።

1. መጠንቀቕታታት

2. ምርኮ

3. ምምላስ

ቀዳማይ ፍጻመ

ቅድሚ 607 ቅ.ክ.—ኢሳይያስን ኤርምያስን ህዝቅኤልን ንህዝቢ የሆዋ ኣጠንቀቕዎም፣ ግናኸ፡ ክሕደት ኣስፋሕፍሐ

607 ቅ.ክ.—የሩሳሌም ጠፍአት፣ ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ባቢሎን ተማረኹ

537 ቅ.ክ.ን ድሕሪኡን—እሙናት ተረፍ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ፡ ቤተ መቅደስ ዳግም ሃነጹ፡ ንጹህ ኣምልኾ ድማ ናብ ቀደሙ ተመልሰ

ዝዓበየ ፍጻመ

ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.—የሱስን ጳውሎስን ዮሃንስን ነታ ጉባኤ ኣጠንቀቕዋ፣ ግናኸ፡ ክሕደት ኣስፋሕፍሐ

ካብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ንደሓር—ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ኣተዉ

1919 ድ.ክ.ን ድሕሪኡን—እሙናት ቅቡኣት ኣብ ትሕቲ ንግስና የሱስ፡ መንፈሳዊ ምርኮ ኼብቅዕን ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቀደሙ ኺምለስን ከሎ ረኣዩ