ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 4ሀ

“ነቶም ህያዋን ፍጡራት ክጥምቶም ከለኹ”

“ነቶም ህያዋን ፍጡራት ክጥምቶም ከለኹ”

ህዝቅኤል ኣብ ኣፍ ደገታት ኣብያተ መንግስትን ኣብያተ መቕደስን ከም ሓለውቲ ጌርካ ዚርኣዩ ኣኽናፍን ርእሲ ሰብን ዘለዎም ገዘፍቲ ሓወልትታት ኣብዑርን ኣናብስን ርእዩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ብዘሎ ጥንታዊት ኣሶርን ኣብ ብዘሎ ጥንታዊት ባቢሎንያን ከምዚ ዝኣመሰሉ ሓወልትታት ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ከም ኵሎም ካልኦት ተዓዘብቲ፡ ነቶም ገሊኦም ዳርጋ 6 ሜተር ዝቝመቶም ዓበይቲ ፍጡራት ብምግራም ጠሚትዎም ኪኸውን ኣለዎ። እዞም ፍጡራት እዚኦም ሓያላት እኳ እንተ መሰሉ፡ ካብ እምኒ እተጸርቡ ብምንባሮም ህይወት ኣይነበሮምን።

እቶም ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣዮም ኣርባዕተ ፍጡራት ግና፡ “ህያዋን ፍጡራት” እዮም ነይሮም። እዝስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ፍልልይ ኰን እዩ ነይሩ! እዚ ትርኢት እዚ ንህዝቅኤል ዓብዪ ጦብላሕታ ስለ ዝሓደገሉ፡ ኣብ መእተዊ እቲ ትንቢቱ ነተን “ህያዋን ፍጡራት” ዚብላ ቓላት 11 ሳዕ ጠቒስወን ኣሎ። (ህዝ. 1:5-22) ህዝቅኤል ኣብቲ ዝረኣዮ ራእይ፡ እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ኣብ ትሕቲ ዝፋን ኣምላኽ ብስምረት ኪንቀሳቐሱ ምርኣዩ፡ የሆዋ ንዅሎም ፍጥረታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዚቈጻጸሮም ብርቱዕ ጦብላሕታ ሓዲጉሉ ኪኸውን ኣለዎ። ሎሚ፡ እዚ ራእይ እዚ ንዕቤትን ንሓይልን የሆዋ ዀነ ንግርማ ልዑላውነቱ እዩ ብንጹር ዜጕልሓልና።—1 ዜና 29:11