ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 2ለ

ናብራን ግዜን ህዝቅኤል

ናብራን ግዜን ህዝቅኤል

ህዝቅኤል ማለት “ኣምላኽ የበርትዕ” ማለት እዩ። ትንቢታቱ ብዙሕ መጠንቀቕታታት ዝሓዘ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መልእኽቱ ግና ምስ ትርጉም ስሙ ዚሰማማዕን ንእምነት እቶም ንኣምላኽ ንጹህ ኣምልኾ ኬቕርቡ ዚደልዩ ሰባት ዜበርትዕን እዩ ነይሩ።

ብግዜኡ ዝነበሩ ነብያት

  • ኤርምያስ

    ካብ ዓሌት ካህናት እዩ ነይሩ፣ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ የሩሳሌም ኣገልጊሉ (647–580 ቅ.ክ.)

  • ሑልዳ

    ኣብ ከባቢ 642 ቅ.ክ.፡ መጽሓፍ ሕጊ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ እተረኽበሉ እዋን ተገልግል ነይራ

  • ዳንኤል

    ካብቲ ኻብ ነገድ ነገስታት ዝዀነ ይሁዳ እዩ ነይሩ፣ ናብ ባቢሎን ድማ ብ617 ቅ.ክ. ተወሲዱ

  • ኣንባቆም

    ኣብ ይሁዳ፡ ኣብ መጀመርታ ግዜ ንግስና ዮያቂም የገልግል ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ

  • ኦብድያ

    ኣንጻር ኤዶም ተነብዩ፣ ነዚ ድማ ብግዜ ጥፍኣት የሩሳሌም ተነብይዎ ኪኸውን ኣለዎ

መዓስ ተነብዮም፧ (ኵሉ ኣቈጻጽራ ቅ.ክ.)

ብግዜ ህዝቅኤል እተፈጸመ ቐንዲ ፍጻመታት(ኵሉ ኣቈጻጽራ ቅ.ክ.)

  1. ከ.643፦ ተወልደ

  2. 617፦ ብምርኮ ናብ ባቢሎን ተወስደ

  3. 613፦ ኪንበ ጀመረ፣ ራእይ የሆዋ ረኣየ

  4. 612፦ ኣብ ቤተ መቕደስ ብዛዕባ ዘሎ ኽሕደት ራእይ ረኣየ

  5. 611፦ ንየሩሳሌም ኪዅንና ጀመረ

  6. 609፦ ሰበይቱ ሞተት፣ የሩሳሌም ከኣ ንመወዳእታ ግዜ ተኸብበት

  7. 607፦ የሩሳሌም ከም ዝጠፍአት ወረ በጽሖ

  8. 593፦ ራእይ ቤተ መቕደስ ረኣየ

  9. 591፦ ነቡካድነጻር ንግብጺ ኸም ዚወርራ ተነበየ፣ ንመጽሓፉ ወድኣ

ነገስታት ይሁዳን ባቢሎንን

  1. 659-629፦ ዮስያስ ንጹህ ኣምልኾ ኣስፋሕፍሐ፣ ግናኸ ብፈርኦን ኔኮ ኣብ ውግእ ተቐትለ

  2. 628፦ ዮኣሓዝ ንሰለስተ ወርሒ ሕማቕ ኣገዛዝኣ ገዝአ፡ ብፈርኦን ኔኮ ድማ ተታሕዘ

  3. 628-618፦ እቲ ኽፉእ ዝነበረ ንጉስ ዮያቂም ንፈርኦን ኔኮ ተገዝኦ

  4. 625፦ ነቡካድነጻር ንሰራዊት ግብጺ ሰዓሮ

  5. 620፦ ነቡካድነጻር ንይሁዳ ንመጀመርታ ግዜ ወረራ፣ ንዮያቂም ከኣ ኣብ ትሕቲኡ ዀይኑ ንየሩሳሌም ኪገዝእ ሸሞ

  6. 618፦ ዮያቂም ካብ ነቡካድነጻር ዓለወ፣ ባቢሎናውያን ንምድሪ ተስፋ ኻልኣይ ግዜ ኣብ ዝወረሩሉ እዋን ግና ሞይቱ ኪኸውን ኣለዎ

  7. 617፦ እቲ የኮንያ እውን ተባሂሉ ዚፍለጥ ዮያኪን ዚብሃል ክፉእ ንጉስ ንሰለስተ ወርሒ ነገሰ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንነቡካድነጻር ኢዱ ሃበ

  8. 617-607፦ እቲ እኩይን ጃጃውን ዝነበረ ጼዴቅያስ፡ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ኰይኑ ይገዝእ ነበረ

  9. 609፦ ጼዴቅያስ ካብ ነቡካድነጻር ዓለወ፣ ነቡካድነጻር ድማ ንይሁዳ ሳልሳይ ሳዕ ወረራ

  10. 607፦ ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ኣጥፍኣ፣ ንጼዴቅያስ ኣዒንቱ ኣዕዊሩ ናብ ባቢሎን ወሰዶ