ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 10ለ

እቶም “ንቑጻት ኣዕጽምቲ” ምስቶም “ክልተ መሰኻኽር” እንታይ ዝምድና ኣለዎም፧

እቶም “ንቑጻት ኣዕጽምቲ” ምስቶም “ክልተ መሰኻኽር” እንታይ ዝምድና ኣለዎም፧

ብ1919 ክልተ ተዛማድነት ዘለዎ ትንቢታት ተፈጺሙ እዩ፣ እዚ ድማ እቲ ቐዳማይ ብዛዕባ “ንቑጻት ኣዕጽምቲ” ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብዛዕባ እቶም “ክልተ መሰኻኽር” እዩ ነይሩ። እቲ ራእይ እቶም “ንቑጻት ኣዕጽምቲ” ብዛዕባ ኣዝዩ ነዊሕ እዋን ዚንበ ዀይኑ (ፍጻመኡ ሓያሎ ዘመናት ዝወሰደ)፡ ብዙሓት ህዝቢ ኣምላኽ ህያዋን ምስ ኰኑ እዩ ኣብቂዑ። (ህዝ. 37:2-4፣ ራእ. 11:1-3, 7-13) እቲ ብዛዕባ እቶም “ክልተ መሰኻኽር” እተዘርበ ትንቢት ብዛዕባ ሓጺር እዋን ዚንበ ዀይኑ (ካብ ኣጋ መወዳእታ 1914 ክሳዕ ኣጋ መጀመርታ 1919 እተፈጸመ)፡ ሒደት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ህያዋን ምስ ኰኑ እዩ ኣብቂዑ። ክልቲኡ ትንቢታት ብዛዕባ ምሳልያዊ ትንሳኤ እዩ ዚገልጽ፣ ክልቲኡ ትንቢታት ድማ ብ1919 የሆዋ ንቕቡኣት ኣገልገልቱ ‘ብኣእጋሮም ደው ምስ ኣበሎምን’ ካብ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ምስ ኣውጽኦምን ኣብ ጉባኤ ምስ ኣከቦምን እዩ ዘመናዊ ፍጻመኡ ረኺቡ።—ህዝ. 37:10

ኣብ መንጎ ፍጻመ እዚ ኽልተ ትንቢታት እዚ፡ ኣገዳሲ ፍልልይ ከም ዘሎ ግና ኣይንረስዕ። ትንቢት እቶም “ንቑጻት ኣዕጽምቲ፡” ኵሎም ኣባላት እቶም ተረፍ ቅቡኣት ኣምላኽ ህያዋን ከም ዚዀኑ እዩ ዚንበ። ትንቢት እቶም “ክልተ መሰኻኽር” ግና፡ ገለ ኣባላት እቶም ተረፍ ቅቡኣት ኣምላኽ፡—እቶም ነቲ ውድብ ዚመርሑ ዝነበሩን “እሙንን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዀይኖም እተሸሙን፡—ህያዋን ከም ዚዀኑ እዩ ዚንበ።—ማቴ. 24:45፣ ራእ. 11:6 *

“ጐልጐል ስንጭሮ . . . ኣዕጽምቲ መሊእዋ”—ህዝ. 37:1

  1. ድሕሪ 100 ድ.ክ.

    ካብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ንደሓር፡ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብምሳልያዊ መገዲ ምስ ተቐትሉ፡ እታ “ጐልጐል ስንጭሮ” ብ“ኣዕጽምቲ” መልአት

  2. ኣጋ መጀመርታ 1919

    1919፦ እቶም “ንቑጻት ኣዕጽምቲ” ህያዋን ኰኑ፣ እዚ ዝዀነ ድማ የሆዋ ንዅሎም ቅቡኣት ካብ ዓባይ ባቢሎን ምስ ኣውጽኦምን ኣብታ ተመሊሳ ዝቘመት ጉባኤ ምስ ኣከቦምን እዩ

“ክልተ መሰኻኽር”—ራእ. 11:3

  1. ኣጋ መወዳእታ 1914

    “ማቕ ተኸዲኖም” ይሰብኩ

    1914፦ እቶም “ክልተ መሰኻኽር” ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን “ማቕ ተኸዲኖም” ሰበኹ። ኣብ መወዳእታ እቲ እዋን እቲ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ተቐትሉ

  2. ምሳልያዊ ሞት

  3. ኣጋ መጀመርታ 1919

    1919፦ እቶም “ክልተ መሰኻኽር” ህያዋን ኰኑ፣ እዚ ዝዀነ ድማ እቶም ነቲ ውድብ ዚመርሕዎ ዝነበሩ ሒደት ቅቡኣት ኣሕዋት “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዀይኖም ምስ ተሸሙ እዩ

^ ሕ.ጽ. 4 ናይ መጋቢት 2016 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።