ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 20ሀ

ኣመቓቕላ እታ ምድሪ

ኣመቓቕላ እታ ምድሪ

እቲ ብልክዕ እተዓቀነ ዶባት ነቶም ምሩኻት፡ እታ ዚፈትውዋ ዓዶም ብርግጽ ናብ ቀደማ ኸም እትምለስ ኣረጋጊጹሎም እዩ። ሎሚ ንሕና ኻብቲ ራእይ እቲ እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ ክልተ መዳያት እቲ ራእይ እስከ ንርአ፦

ውሑስ ቦታን ኣገዳሲ ዕዮን

እቶም እተመልሱ ምሩኻት ነፍሲ ወከፎም ኣብታ ናብ ቀደማ እተመልሰት ምድሪ ተስፋ ርስቲ ኺረኽቡ ምዃኖም ተገሊጹ እዩ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብታ መንፈሳዊት ገነት ቦታ ኣለዎም። ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎና ግደ ኣዝዩ ንእሽቶ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብታ መንፈሳዊት ምድሪ ውሑስ ቦታን ኣገዳሲ ዕዮን ኣሎና። የሆዋ ንዅሎም ኣገልገልቱ ብማዕረ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም።

ማዕረ ምቅሊት

ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ ኵሉ እቲ ኣብታ ምድሪ ተስፋ እተዋህበ ብጽሒት ነቶም ነበርቲ ኻብቲ ጸጋ ብማዕረ ተኻፈልቲ ይገብሮም ነይሩ እዩ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንዅሎም ኣገልገልቱ ኻብታ መንፈሳዊት ገነት ብማዕረ በረኸት ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ።