ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 7ሀ

ኣብ ከባቢ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣህዛብ

ከ. 650-300 ቅ.ክ.

ኣብ ከባቢ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣህዛብ

ሰሌዳ ግዜ (ኵሉ ኣቈጻጽራ ቅ.ክ.)

  1. 620፦ ባቢሎን ንየሩሳሌም ክትገዝኣ ጀመረት

    ነቡካድነጻር ንንጉስ የሩሳሌም ኣብ ትሕቲኡ ዀይኑ ዚገዝእ ገበሮ

  2. 617፦ ባቢሎን ካብ የሩሳሌም ቀዳሞት ምሩኻት ወሰደት

    ገዛእትን ጀጋኑን ኢደ ጥበበኛታትን ናብ ባቢሎን ተወስዱ

  3. 607፦ ባቢሎን ንየሩሳሌም ኣጥፍኣታ

    እታ ኸተማ ምስ ቤተ መቕደሳ ብሓዊ ነደደት

  4. ድሕሪ 607፦ ኣብ ቀንዲ መሬት እትርከብ ክፋል ከተማ ጢሮስ

    ነቡካድነጻር ንጢሮስ ን13 ዓመት ኣጥቅዓ። ነታ ኣብ ቀንዲ መሬት እትርከብ ክፋል ከተማ ጢሮስ ሰዓራ፣ እታ ኣብ ደሴት እትርከብ ግና ተረፈት

  5. 602፦ ዓሞንን ሞኣብን

    ነቡካድነጻር ንዓሞንን ንሞኣብን ወረረን

  6. 588፦ ባቢሎን ንግብጺ ሰዓረታ

    ነቡካድነጻር ኣብ መበል 37 ዓመት ንግስናኡ ንግብጺ ወረራ

  7. 332፦ ኣብ ደሴት እትርከብ ክፋል ከተማ ጢሮስ

    ብእስክንድር እቲ ዓብዪ ዚእዘዝ ሰራዊት ግሪኽ ነታ ኣብ ደሴት እትርከብ ክፋል ከተማ ጢሮስ ኣጥፍኣ

  8. 332 ወይ ቅድሚኡ፦ ፍልስጥኤም

    እስክንድር ነታ ርእሲ ኸተማ ፍልስጥኤም ዝዀነት ጋዛ ሰዓራ

ኣብ ካርታ ዘሎ ቦታታት

  • ግሪኽ

  • ዓብዪ ባሕሪ

  • (ባሕሪ መዲተራነያን)

  • ጢሮስ

  • ሲዶን

  • ጢሮስ

  • ሰማርያ

  • የሩሳሌም

  • ጋዛ

  • ፍልስጥኤም

  • ግብጺ

  • ባቢሎን

  • ዓሞን

  • ሞኣብ

  • ኤዶም