ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 7ለ

ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዚርከብ ኣገዳሲ ሓረጋት

ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዚርከብ ኣገዳሲ ሓረጋት

“ወዲ ሰብ”

ልዕሊ 90 ሳዕ

ህዝቅኤል ልዕሊ 90 ሳዕ፡ “ወዲ ሰብ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ህዝ. 2:1) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንህዝቅኤል ዓብዪ መሰላት እኳ እንተ ሃቦ፡ ምድራዊ ሰብ ምዃኑ ኣዘኻኸሮ። ኣብ ወንጌላት ድማ፡ የሱስ ኣስታት 80 ሳዕ “ወዲ ሰብ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ስጋ ዝለበሰ መልኣኽ ዘይኰነስ፡ ምሉእ ብምሉእ ሰብ ምንባሩ የመልክት።—ማቴ. 8:20

“ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም”

ልዕሊ 50 ሳዕ

ህዝቅኤል ልዕሊ 50 ሳዕ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ሰባት፡ “ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም፡” ወይ “ኪፈልጡ እዮም፡” ወይ “ክትፈልጣ ኢኽን” ኢሉ ኸም እተዛረበ መዝጊቡ ኣሎ። እዚ ኸኣ ንየሆዋ በይኑ ጥራይ ንጹህ ኣምልኾ ኺውሃብ ከም ዚግባእ የመልክት።—ህዝ. 6:7

“ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ”

217 ሳዕ

እቲ፡ “ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ” ዚብል ሓረግ 217 ሳዕ ይርከብ፣ እዚ ድማ ንመለኮታዊ ስም ዚግብኦ ኣኽብሮት ይህቦ፣ ኵሉ ፍጥረት ኣብ ትሕቲ የሆዋ ምዃኑ እውን የጕልሕ።—ህዝ. 2:4