ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 14ሀ

ካብታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ዚርከብ ትምህርትታት

ካብታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ዚርከብ ትምህርትታት

ንጹህ ኣምልኾ ልዕል ይብል፡ ዕቝባ እውን ይረክብ

እታ ብራእይ እተራእየት ቤተ መቕደስ ኣብ “ኣዝዩ ነዊሕ ከረን” እያ ልዕል ኢላ ነይራ (1)። ንሕናኸ ንንጹህ ኣምልኾ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ብምሃብ ልዕል ነብሎዶ ኣለና፧

እቲ ኣብ ዙርያ ዚርከብ መንደቕ (2) ነቲ ኣብ ከባቢ እቲ ብምሉኡ ህንጻታት ቤተ መቕደስ ዘሎ ሰፊሕ ቦታ ሓጺርዎ ነይሩ (3)። እዚ ኸኣ ዝዀነ ይኹን ነገር ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ኼበላሽዎ ኸነፍቅድ ከም ዘይብልና የዘኻኽረና። “ተራ” ነገራት እኳ ኻብ ንጹህ ኣምልኾ ኺርሕቕ ዚግባእ ካብ ኰነ፡ ርኹስ ወይ ብዕሉግ ነገር ግዳ ኻብ ህይወት ንየሆዋ ዜምልኽ ሰብ ብዙሕዶ ኺርሕቕ ኣይግባእን!—ህዝ. 42:20

ዘለኣለማዊ በረኸት

ካብታ መቕደስ ዚውሕዝ ማይ እናበዝሐ ኸይዱ ነታ ምድሪ ህይወትን ፍርያምነትን ዜምጽእ ውሒዝ ይኸውን (4)። እቲ በረኸት ኣብ ምዕራፍ 19 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኺግለጽ እዩ።

ንዅሉ ሕደ መለክዒታት

እቲ ነዋሕቲ ናይ ወጻኢ ኣፍ ደገታትን (5) ናይ ውሽጢ ኣፍ ደገታትን (9)፡ የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ዚሳተፉ ልዑል መለክዒታት ከም ዘለዎ የዘኻኽረና። እቲ ናይ ወጻእን እቲ ናይ ውሽጥን ኣፍ ደገታት፡ ኵሉ ዓቐኑ ማዕረ እዩ። እዚ ኸኣ ኣገልገልቲ የሆዋ ዘለዎም ሓላፍነት ወይ ዜገልግሉሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ የሆዋ ኻብ ኵሎም ኣገልገልቱ ዚጽበዮ ብቕዓታት ጽድቂ ሕደ ምዃኑ የዘኻኽረና።

መኣዲ የሆዋ

እቲ መመገቢ ኽፍልታት (8)፡ ብግዜ ጥንቲ ሰባት ካብቲ ዘምጽእዎ መስዋእቲ ኺበልዑ ይኽእሉ ምንባሮም የዘኻኽረና፣ ብኻልእ ኣበሃህላ ምስ የሆዋ ኣብ መኣዲ ይቕመጡ ነይሮም እዮም። ኣብታ ሎሚ ክርስትያናት ዜምልኹላ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ግና ድሮ “ሓደ መስዋእቲ” ስለ ዝቐረበ፡ እቲ ነገር ከምኡ ኣይኰነን። (እብ. 10:12) ይኹን እምበር፡ መስዋእቲ ውዳሰ ነቕርብ ኢና።—እብ. 13:15

ኣምላኽ ዝኣተዎ ውሕስነት

እቲ ኣብቲ ራእይ ብዝርዝር እተለክዐ ዓቐናት፡ ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ኺመስለና ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ይምህረና እዩ፦ ከምቲ እቲ ዓቐናት ልክዕን ዘይቅየርን ዝዀነ፡ እቲ የሆዋ ንንጹህ ኣምልኾ ናብ ቀደሙ ንምምላስ ዝዓለሞ ዕላማ እውን ርግጽን ዘየጠራጥርን ምዃኑ ውሕስነት ይዀነና። ህዝቅኤል ኣብቲ ራእዩ ሰባት ከም ዝረኣየ እኳ እንተ ዘይጠቐሰ፡ የሆዋ ንኻህናትን ንሹማምንትን ንህዝቡን ዝሃቦም ሓያል ምኽሪ መዝጊቡ ኣሎ። ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ቕኑዕ መለክዒታቱ ኺድግፉ ኣለዎም።