ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 9ረ

“ግዜ ምምላስ ኵሉ”

“ግዜ ምምላስ ኵሉ”

ግብሪ ሃዋርያት 3:21

ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ግዜ ምምላስ ኵሉ” ኺብል ከሎ፡ ካብቲ ክርስቶስ ዚነግሰሉ እዋን ኣትሒዙ ኽሳዕ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት ብዛዕባ ዚህሉ ዜደንቕ እዋን እዩ ዚንበ ነይሩ።

  1. 1914​—የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ነጊሱ። ብ1919 መንፈሳዊ ምምላስ ህዝቢ ኣምላኽ ጀሚሩ

    ዳሕሮት መዓልትታት

  2. ኣርማጌዶን​—ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ይጅምር፡ “ግዜ ምምላስ ኵሉ” ድማ ኣብ ምድሪ ንዚነብሩ እሙናት ሰባት ስጋዊ በረኸት የምጽኣሎም

    ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት

  3. መወዳእታ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት​—የሱስ ንዅሉ ናይ ምምላስ ዕዮ ይውድእ፡ ነታ መንግስቲ ኸኣ ንኣቦኡ የረክባ

    ዘለኣለማዊት ገነት

ግዝኣት የሱስ ዜምጽኦ በረኸት

  • ክብሪ ንስም ኣምላኽ

  • ጥዕና ንዝሓመሙ

  • ንእስነት ንዝኣረጉ

  • ህይወት ንዝሞቱ

  • ፍጽምና ንእሙናት ደቂ ሰብ

  • ገነት ንምድሪ