ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካልኣይ ክፋል

“ንመቕደሰይ ስለ ዘርከስክዮ”—ንጹህ ኣምልኾ ተበላሽዩ

“ንመቕደሰይ ስለ ዘርከስክዮ”—ንጹህ ኣምልኾ ተበላሽዩ

ህዝቅኤል 5:11

ኣትኵሮ፦ ይሁዳን የሩሳሌምን ብመንፈሳውን ብስነ ምግባራውን መዳይ ተበላሽየን

የሆዋ ንእስራኤላውያን የፍቅሮምን ይሓልየሎምን ብምንባሩ፡ “ዘኽብሮ ገንዘበይ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ። (ዘጸ. 19:5፡ እ.ጽ.) ንሳቶም ግና ኣብታ ስሙ ዚጽውዓላ ቤተ መቕደስ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ብምምላኽ፡ ክፉእ እዮም ፈድዮምዎ! ንልቡ ኣጕህዮምዎ፡ ንዕኡ ድማ ኣጽሪፎምዎ። ስለምንታይ እዮም እስራኤላውያን ክንድዚ ተበላሽዮም፧ ካብ ትንቢት ህዝቅኤል ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ካብቲ እስራኤል ምስቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ኣህዛብ ዝነበሮ ርክብከ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ምዕራፍ 5

“ዚገብርዎ ዘለዉ እከይን ፍንፉን ነገራትን ርአ”

ህዝቅኤል ንመንፈሳዊ ውድቀት ብዘሎ እቲ ህዝቢ ዜንጸባርቕ ዜሰምብድ ትርኢታት ድማ ረኣየ።

ምዕራፍ 6

“ሕጂ መወዳእታ ኣብ ልዕሌኺ እዩ”

ትንቢታዊ ተዋስኦ ህዝቅኤል ንመግለጺ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም እተቘጥዖ ቝጥዓ ዚንበ ነበረ።

ምዕራፍ 7

ኣህዛብ “ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም”

እቶም ንስም የሆዋ ዘካፍኡ፡ ንህዝቡ ድማ ዝሰጐጉ ወይ ዘበላሸዉ ኣህዛብ፡ ካብ ሳዕቤናት ተግባራቶም ኣይኬምልጡን እዮም። ካብቲ እስራኤል ምስቶም ኣህዛብ ዝነበሮ ርክብ እንታይ ንምሃር፧