ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 6

“ሕጂ መወዳእታ ኣብ ልዕሌኺ እዩ”

“ሕጂ መወዳእታ ኣብ ልዕሌኺ እዩ”

ህዝቅኤል 7:3

ኣትኵሮ፦ የሆዋ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝፈረዶ ትንቢታዊ ፍርዲ—ብኸመይ ከም እተፈጸመ

1, 2. (ሀ) ህዝቅኤል እንታይ ዜደንጹ ጠባይ እዩ ኣርእዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ብተግባሩ እንታይ እዩ ዚንበ ነይሩ፧

ብዛዕባ እቲ ነብዪ ህዝቅኤል ዜርእዮ ዝነበረ ዘይተለምደ ጠባይ፡ ኣብቶም ኣብ ባቢሎን ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁድ ተወርየ። ንሓደ ሰሙን ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት ተዓኒዱ ተቐሚጡ ነበረ፣ ብሃንደበት ከኣ ኣብ ውሽጢ ቤቱ ተዓጽወ። ድሕርዚ፡ ካብ ቤቱ ወጸ እሞ እቶም ዝደንጸዎም ጐረባብቱ እናተዓዘብዎ ሕጡብ ወሲዱ ኣብ ቅድሚኡ ኣንበሮ፣ ኣብቲ ሕጡብ ድማ ስእሊ ቐረጸሉ። ቀጺሉ፡ ቃል ከየውስአ ንእሽቶ መንደቕ ሃነጸ።—ህዝ. 3:10, 11, 15, 24-26፣ 4:1, 2

2 እቶም ብዝሖም እናወሰኸ ዚኸይድ ዝነበረ ዝዓጐጕዎ ተዓዘብቲ፡ ‘እዚ ዅሉ እንታይ ማለት እዩ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ምሩኻት ኣይሁድ፡ እቲ ዜደንጹ ጠባይ ነብዪ ህዝቅኤል ንዚመጽእ ዜስካሕክሕ ፍጻመ ኸም ዜመልክት ሽዑ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኦምን ነይሩ። እቲ ፍጻመ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽ ግቡእ ቍጥዓኡ ዝገለጸሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። እቲ ፍጻመ ግና እንታይ እዩ ነይሩ፧ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል ብኸመይ ጸልይዎም፧ ሎሚ ንዘለዉ ንጹሃት ኣምለኽቲኸ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

“ሕጡብ፡” “ስርናይ፡” “በሊሕ ሰይፊ” ውሰድ

3, 4. (ሀ) ህዝቅኤል እንታይ ሰለስተ መዳይ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ ኣርእዩ፧ (ለ) ህዝቅኤል ንኸበባ የሩሳሌም ከመይ ገይሩ እዩ ብተዋስኦ ገሊጽዎ፧

3 ኣብ ከባቢ 613 ቅ.ክ.፡ የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዚመጽእ ሰለስተ መዳይ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ብምልክታት ገይሩ ኺገልጾ መምርሒ ሃቦ። እቲ ሰለስተ መዳይ እቲ ፍርዲ ኸኣ፡ ከበባ እታ ኸተማ፡ መከራ እቶም ነበርታ፡ ከምኡ ድማ ጥፍኣት እታ ኸተማን ህዝባን እዩ ነይሩ። * ነዚ ሰለስተ መዳይ እዚ ብዝርዝር እስከ ንርኣዮ።

4 ከበባ የሩሳሌም። የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “ሕጡብ ውሰድ፣ ኣብ ቅድሜኻ ድማ ኣንብሮ” በሎ። እታ ሕጡብ ንኸተማ የሩሳሌም እያ እተመልክት ነይራ። ኣስዒቡ ኸኣ፡ “ንዓኣ ኽበባ” በሎ። (ህዝቅኤል 4:1-3 ኣንብብ።) ኣብዚ ህዝቅኤል ነቶም የሆዋ ዚጥቀመሎም ዝነበረ ሰራዊት ባቢሎን እዩ ዜመልክት ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ህዝቅኤል ንእሽቶ መንደቕ ኪሃንጽ፡ ዕርዲ ኸበባ ኪዅምር፡ መፍረስ መካበብያ እውን ኪሰርሕ ተነግሮ። ድሕሪኡ ኸኣ ነዚ ኣብ ዙርያ እታ ሕጡብ ኪገብሮ ነበሮ። እዚ ድማ ነቲ ጸላእቲ የሩሳሌም ነታ ኸተማ ኸቢቦም ኬጥቅዕዋ ኸለዉ ዚጥቀሙሉ ናውቲ ውግእ የመልክት ነበረ። እቶም ወተሃደራት ጸላኢ ኸም ሓጺን ዝበለ ብርታዐ ኸም ዘለዎም ንምምልካት፡ ህዝቅኤል ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እታ ኸተማን “መቕሎ ሓጺን” ኪገብር ነበሮ። ቀጺሉ፡ “ገጽካ ናብኣ ኣቢልካ ግበር” ተባሂሉ ተነግሮ። እዚ ተግባራት እዚ ኸኣ፡ እቲ ዘይሕሰብ ከም ዚኸውን፡ “ንቤት እስራኤል ምልክት” እዩ ነይሩ። የሆዋ ብሰራዊት ጸላኢ ገይሩ ነታ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዚርከበላ ኣውራ ኸተማ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበረት የሩሳሌም ኪኸብባ ምዃኑ እዩ ዚግለጽ ነይሩ።

5. ህዝቅኤል ብዛዕባ ነበርቲ የሩሳሌም እንታይ ኢሉ ኸም እተነበየ ግለጽ።

5 መከራ ነበርቲ የሩሳሌም። የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “ስርናይን ስገምን ባልደንጓን ብርስንን ብልቱግን ዓለስን [ዓይነት ስርናይ] ውሰድ፣ . . . ንዓኻ እውን እንጌራ ግበሮ” በሎ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኣብ መዓልቲ 20 ሲቃል ምግቢ መዚንካ ኽትበልዕ ኢኻ” በሎ። ድሕርዚ፡ “ቀረብ ምግቢ ኣብ የሩሳሌም አቋርጽ ኣለኹ” ኢሉ ገለጸሉ። (ህዝ. 4:9-16) ኣብዚ ትርኢት እዚ፡ ህዝቅኤል ድሕሪ ደጊም ንሰራዊት ባቢሎን ኣይውክልን እዩ፣ የግዳስ፡ ንነበርቲ የሩሳሌም ዚውክል እዩ ዀይኑ። እቲ ተግባሩ ኸኣ፡ ብሰንኪ እቲ ዚመጽእ ከበባ ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ቐረብ ምግቢ ኸም ዚንኪ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እንጌራ ንምርካብ ቅድሚኡ ዘይሓዋውስዎ ዝነበሩ ዓይነት ኣእካል ኪሓዋውሱ ምዃኖም እዩ ተነብዩ፣ እዚ ድማ እቶም ህዝቢ ዝረኸብዎ ዘበለ ኸም ዚበልዑ ዜመልክት እዩ። እሞኸ እቲ ጥሜት ክሳዕ ክንደይ ብርቱዕ እዩ ዚኸውን፧ ህዝቅኤል ንነበርቲ የሩሳሌም ከም ዚዛረብ ዘሎ ዀይኑ፡ “ኣብ መንጎኺ ዘለዉ ኣቦታት ንደቆም ኪበልዑ፡ ደቂ እውን ንኣቦታቶም ኪበልዑ እዮም” በለ። ኣብ መወዳእታ፡ ብዙሓት ብ“ዚቐትል ፍላጻታት ጥሜት” ከም ዚሳቐዩ፡ ሰባት ከኣ “ኪምህምኑ” ምዃኖም ተነበየ።—ህዝ. 4:17፣ 5:10, 16

6. (ሀ) ህዝቅኤል ብሓንሳእ እንታይ ክልተ ግደ ሒዙ እዩ እተዋስአ፧ (ለ) እቲ፡ “ነቲ ጸጕሪ ኽትመዝኖን ክትመቕሎን ከኣ ሚዛን ውሰድ” ዚብል ትእዛዝ ኣምላኽ እንታይ የመልክት፧

6 ጥፍኣት የሩሳሌምን ህዝባን። ኣብዚ ኽፋል ትንቢታዊ ተዋስኦ እዚ፡ ህዝቅኤል ብሓንሳእ ክልተ ግደ ሒዙ እዩ ተዋሲኡ። ቀዳማይ፡ ህዝቅኤል፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚገብር ተዋስአ። የሆዋ ኸኣ፡ “ከም መላጸ ላጻዪ ኽትጥቀመሉ በሊሕ ሰይፊ ንዓኻ ውሰድ” በሎ። (ህዝቅኤል 5:1, 2 ኣንብብ።) እታ ሰይፊ ዝሓዘት ኢድ ህዝቅኤል ነታ ብሰራዊት ባቢሎን ኣቢላ እተገልጸት ኢድ የሆዋ፡—ማለት ንፍርዱ፡—እያ እተመልክት ነይራ። ካልኣይ፡ ህዝቅኤል፡ ኣይሁድ እንታይ ከም ዚዀኑ ተዋስአ። የሆዋ ድማ፡ “ርእስኻን ጭሕምኻን ተላጸ” በሎ። ህዝቅኤል ርእሱ ምልጻዩ፡ ኣብ ኣይሁድ መጥቃዕቲ ኸም ዚፍኖን ከም ዚድምሰሱን እዩ ዜመልክት ነይሩ። ብተወሳኺ ድማ፡ እቲ፡ “ነቲ ጸጕሪ ኽትመዝኖን ክትመቕሎን ከኣ ሚዛን ውሰድ” ተባሂሉ እተዋህቦ ትእዛዝ፡ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዜውርዶ ፍርዲ፡ ብኣጋጣሚ ዘይኰነስ፡ ኰነ ተባሂሉ ብእተማልአ መገዲ ኸም ዚፍጸም እዩ ዚሕብር ነይሩ።

7. የሆዋ ንህዝቅኤል ነቲ ጸጕሪ ኣብ ሰለስተ መቒሉ፡ ኣብ ሰለስቲኡ እተፈላለየ ነገራት ኪገብር ዝኣዘዞ ስለምንታይ እዩ፧

 7 የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ነቲ ዝላጸዮ ጸጕሩ ኣብ ሰለስተ መቒሉ፡ ኣብ ሰለስቲኡ እተፈላለየ ነገራት ኪገብር ዝኣዘዞ ስለምንታይ እዩ፧ (ህዝቅኤል 5:7-12 ኣንብብ።) ህዝቅኤል ንተዓዘብቲ፡ ገሊኦም ነበርቲ የሩሳሌም ኣብታ ኸተማ ኸም ዚሞቱ ንምርኣይ፡ ንገሊኡ ምቃል እቲ ጸጕሪ “ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማ” ብሓዊ ኣንደዶ። ገሊኦም ነበርቲ ኻብታ ኸተማ ወጻኢ ኸም ዚቕተሉ ንምምልካት ከኣ፡ ንገሊኡ ምቃል እቲ ጸጕሪ “ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ” ብሰይፊ ወቕዖ። ገሊኦም ነበርቲ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ከም ዚብሉ ንምምልካት ድማ፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ምቃል እቲ ጸጕሪ ናብ ንፋስ ፋሕ ኣበሎ። ግናኸ፡ “ሰይፊ” “ደድሕሪኦም [ከም] ዚሰጕጎም” ተገልጸ፣ እዚ ኸኣ እቶም ዚድሕኑ ኣብ ዝኸዱ ይኺዱ፡ ሰላም ከም ዘይረኽቡ ዜመልክት ነበረ።

8. (ሀ) እቲ ህዝቅኤል እተዋስኦ ትንቢታዊ ተዋስኦ፡ እንታይ እተወሰነ ተስፋ ሒዙ ኣሎ፧ (ለ) እቲ ብዛዕባ እቲ “ሒደት ዝቝጽሩ” እተነግረ ትንቢት ከመይ ኢሉ እዩ ተፈጺሙ፧

8 ይኹን እምበር፡ እቲ ህዝቅኤል እተዋስኦ ትንቢታዊ ተዋስኦ፡ እተወሰነ ተስፋ እውን ሒዙ ኣሎ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ህዝቅኤል ዝላጸዮ ጸጕሪ ኺዛረብ ከሎ፡ “ካብኡ ሒደት ዝቝጽሩ ውሰድ እሞ ብዕጻፍ ክዳንካ ጠቕልሎ” በሎ። (ህዝ. 5:3) እቲ ትእዛዝ እቲ ኸኣ፡ ሒደት ካብቶም ኣብ ኣህዛብ ፋሕ ዚብሉ ኣይሁድ ከም ዚድሕኑ ዜመልክት እዩ ነይሩ። ገለ ኻብቶም “ሒደት ዝቝጽሩ” ተባሂሎም ዘለዉ ድማ፡ ካብቶም ድሕሪ እቲ ናይ 70 ዓመት ምርኮ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም እተመልሱ ምሩኻት እዮም። (ህዝ. 6:8, 9፣ 11:17) እቲ ትንቢት እቲኸ ተፈጺሙዶ፧ እወ። ነብዪ ሃጌ ድሕሪ ምውዳእ ምርኮ ባቢሎን እተወሰነ ዓመት ጸኒሑ፡ ገሊኦም ፋሕ ዝበሉ ኣይሁድ ናብ የሩሳሌም ከም እተመልሱ ጽሒፉ ኣሎ። ንሳቶም “ነታ ቐዳመይቲ ቤት [ማለት ንቤተ መቕደስ ሰሎሞን] ዝረኣዩ ኣረገውቲ” እዮም ነይሮም። (እዝ. 3:12፣ ሃጌ 2:1-3) የሆዋ ድማ ከምቲ ዘተስፈዎ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚዕቀብ ገይሩ እዩ። ኣብ ምዕራፍ 9 እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቀደሙ እተመልሰሉ ዅነት ብዝርዝር ክንርኢ ኢና።—ህዝ. 11:17-20

እዚ ትንቢት እዚ ብዛዕባ ዚመጽእ ፍጻመታት እንታይ ይነግረና፧

9, 10. እቲ ትንቢታዊ ተዋስኦ ህዝቅኤል፡ እንታይ ብዛዕባ መጻኢና ብትንቢት እተነግረ ኣገዳሲ ፍጻመታት እዩ ዜዘኻኽረና፧

9 እቲ ትንቢታዊ ተዋስኦ ህዝቅኤል፡ ነቲ ቓል ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢና ዚንበዮ ኣገዳሲ ፍጻመታት እዩ ዜዘኻኽረና። ገለ ኻብኡ እንታይ እዩ፧ ከምቲ ኣብ ልዕሊ እታ ጥንታዊት ከተማ የሩሳሌም ዝዀነ፡ የሆዋ ብሓይልታት ዓለም ገይሩ ዘይሕሰብ ነገር ኪገብር እዩ፣ እወ፡ ኣብ ልዕሊ ዅለን እተን ኣብ ምድሪ ዘለዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ውድባት መጥቃዕቲ ኸም ዚፍኖ ኺገብር እዩ። (ራእ. 17:16-18) ከምቲ ጥፍኣት የሩሳሌም “ፍሉይ መዓት” ዝነበረ፡ እቲ ንውግእ ኣርማጌዶን ዜጠቓልል “ብርቱዕ ጸበባ” እውን ክሳዕ ሽዑ “ዘይኰነ” ኪኸውን እዩ።—ህዝ. 5:9፣ 7:5፣ ማቴ. 24:21

10 ኣብቲ ዚመጽእ ጥፍኣት ሃይማኖታዊ ውድባት፡ ገሊኦም ደገፍቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብህይወት ከም ዚተርፉ ቓል ኣምላኽ ይሕብረና እዩ። እቶም ብህይወት ዚተርፉ ውልቀ ሰባትን ካልኦት ሰባትን ከኣ ብፍርሂ ተዋሒጦም መሕብኢ ኺደልዩ እዮም። (ዘካ. 13:4-6፣ ራእ. 6:15-17) እቲ ዅነታቶም ድማ ነቶም ካብ ጥፍኣት ጥንታዊት የሩሳሌም ዝደሓኑ እሞ “ናብ ንፋስ” ፋሕ ዝበሉ ነበርታ ዘጋጠሞም ነገር እዩ ዜዘኻኽረና። ኣብ  ሕጡብ ጽሑፍ 7፡ ህይወቶም እኳ እንተ ተናሕፈት፡ የሆዋ “ደድሕሪኦም ዚሰጕጎም ሰይፊ” ኸም ዝመልሐ ርኢና ኔርና ኢና። (ህዝ. 5:2) ብተመሳሳሊ ድማ፡ እቶም ካብቲ ኣብ ሃይማኖት ዚወርድ መጥቃዕቲ ዚድሕኑ ሰባት ዚሃድሙሉ ዘበለ መሕብኢ፡ ካብ ሰይፊ የሆዋ ኣይኬዕቍቦምን እዩ። ኣብ ኣርማጌዶን፡ ምስቶም ኵሎም ካልኦት ብኣጣል እተመሰሉ ሰባት ኪቕተሉ እዮም።—ህዝ. 7:4፣ ማቴ. 25:33, 41, 46፣ ራእ. 19:15, 18

ብስራት ብምንጋር ዝመጸ፡ ንሕና እውን “ዓባሳት” ክንከውን ኢና

11, 12. (ሀ) ነቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ኸበባ የሩሳሌም እተነበዮ ትንቢት ምርዳእና፡ ነቲ ብዛዕባ ኣገልግሎትና ዘሎና ኣረኣእያን ነቲ ንዕኡ እንፍጽመሉ ናይ ህጹጽነት መንፈስን ብኸመይ ይጸልዎ፧ (ለ) ኣብ ዕዮ ስብከትናን ኣብ መልእኽትናን እንታይ ለውጢ ኺህሉ እዩ ዚኽእል፧

11 ነዚ ትንቢት እዚ ምርዳእና፡ ነቲ ብዛዕባ ኣገልግሎትና ዘሎና ኣረኣእያን ነቲ ንዕኡ እንፍጽመሉ ናይ ህጹጽነት መንፈስን ብኸመይ ይጸልዎ፧ ሎሚ ንሰባት ሓጊዝና ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ዚዀኑ ንምግባር ዚከኣለና ዘበለ ኽንጽዕር እዩ ዜለዓዕለና። ስለምንታይ፧ ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር’ ሓጺር ግዜ እዩ ተሪፉና ዘሎ። (ማቴ. 28:19, 20፣ ህዝ. 33:14-16) መጥቃዕቲ እታ “በትሪ” (ሓይልታት ዓለም) ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ምስ ጀመረ፡ መልእኽቲ ድሕነት ኣይክንሰብኽን ኢና። (ህዝ. 7:10) ብስራት ብምንጋር ዝመጸ፡ ከምቲ ህዝቅኤል ዓባስ ዝዀነ፡ ወይ ኣብ ኣገልግሎቱ መልእኽቱ ምእዋጅ ደው ዘበለ፡ ንሕና እውን “ዓባሳት” ክንከውን ኢና። (ህዝ. 3:26, 27፣ 33:21, 22) ልክዕ እዩ፡ ድሕሪ ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ ሰባት ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ “ካብ ነብዪ” ኣጸቢቖም “ራእይ ኪደልዩ” እዮም፣ ህይወት ዜድሕን ትምህርቲ ግና ኣይኪውሃቦምን እዩ። (ህዝ. 7:26) ከመይሲ፡ እቲ ነቲ ትምህርቲ ኪቕበሉሉን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑሉን ዚኽእሉ ዝነበሩ ግዜ ኼምልጦም እዩ።

12 ኰይኑ ግና፡ ከም ሰበኽቲ መጠን እንዓይዮ ዕዮ ኣይኬቋርጽን እዩ። ስለምንታይ፧ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ከም መዓት በረድ ዝበለ መልእኽቲ ፍርዲ ንእውጅ ንኸውን። እቲ መልእኽቲ እቲ ድማ፡ መወዳእታ እታ እክይቲ ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ከም ዚመጽእ ዜርኢ ንጹር ምልክት ኪኸውን እዩ።—ራእ. 16:21

“እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ”

13. የሆዋ ንህዝቅኤል ብጸጋማይ ጐድኑን ብየማናይ ጐድኑን በጥ ኪብል ዝኣዘዞ ስለምንታይ እዩ፧

13 ህዝቅኤል፡ የሩሳሌም ብኸመይ ከም እትጠፍእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መዓስ ከም እትጠፍእ እውን ብተዋስኦ ተነብዩ እዩ። የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ብጸጋማይ ጐድኑ 390 መዓልቲ፡ ብየማናይ ጐድኑ ኸኣ 40 መዓልቲ በጥ ኪብል ኣዘዞ። ሓንቲ መዓልቲ ንሓንቲ ዓመት እያ እትውክል ነይራ። (ህዝቅኤል 4:4-6 ኣንብብ፣ ዘሁ. 14:34) እቲ ህዝቅኤል ንእተወሰነ ኸክፋል መዓልቲ ተዋሲኡሉ ኪኸውን ዘለዎ ተዋስኦ፡ ናብቲ እታ የሩሳሌም እትጠፍኣሉ ዓመት ብልክዕ ዜመልክት እዩ ነይሩ። እቲ 390 ዓመት ዝንውሓቱ ስሕተት እስራኤል፡ ብ997 ቅ.ክ.፡ እታ ብ12 ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ኣብ ክልተ ኽትምቀል ከላ ጀሚሩ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ነገ. 12:12-20) እቲ 40 ዓመት ዝንውሓቱ ሓጢኣት ይሁዳ ኸኣ፡ ብ647 ቅ.ክ. ጀሚሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ በታ ዓመት እቲኣ፡ ኤርምያስ ንመንግስቲ ይሁዳ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዝነበረ ጥፍኣት ብንጹር ኬጠንቅቕ ተመዚዙ እዩ። (ኤር. 1:1, 2, 17-19፣ 19:3, 4) በዚ ኸምዚ፡ ክልቲኡ እዋናት ብ607 ቅ.ክ.፡ ማለት በታ የሩሳሌም ከምቲ የሆዋ እተነበዮ ዝወደቐትላን ዝጠፍአትላን ዓመት እዩ ተዛዚሙ። *

ህዝቅኤል ናብታ የሩሳሌም እትጠፍኣላ ዓመት ብልክዕ ዘመልከተ ብኸመይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

14. (ሀ) የሆዋ ነቲ ዝመደቦ ግዜ ብልክዕ ከም ዚሕልዎ፡ ህዝቅኤል እምንቶ ኸም ዝነበሮ ብኸመይ ኣርእዩ፧ (ለ) ቅድሚ ጥፍኣት የሩሳሌም እንታይ እዩ ኪኸውን ዝነበሮ፧

14 ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ 390 መዓልትን 40 መዓልትን ትንቢት ኣብ እተቐበለሉ እዋን፡ መወዳእታ የሩሳሌም ብልክዕ ዚመጸሉ ዓመት ኣየስተውዓለን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ናብቲ ጥፍኣት ኣብ ዜምርሕ ዓመታት፡ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ፍርዲ ኣምላኽ ንኣይሁድ ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቕዎም እዩ። “ሕጂ መወዳእታ ኣብ ልዕሌኺ እዩ” ኢሉ ኣዊጁ እዩ። (ህዝቅኤል 7:3, 5-10 ኣንብብ።) የሆዋ ነቲ ዝመደቦ ግዜ ብልክዕ ከም ዚሕልዎ፡ ህዝቅኤል ጥርጣረ ኣይነበሮን። (ኢሳ. 46:10) ቅድሚ ጥፍኣት የሩሳሌም እንታይ ከም ዚኸውን ኪንበ ኸሎ ድማ፡ “ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ጥፍኣት . . . ኪመጽእ እዩ” ኢሉ ተነብዩ እዩ። እዚ ኸኣ ናብ ምፍራስ ማሕበራውን ሃይማኖታውን መንግስታውን መዋቕር ዚመርሕ እዩ ነይሩ።—ህዝ. 7:11-13, 25-27

እታ እተኸብበት ከተማ ኸም ‘እተሰኽተተ ቝራዕ’ ኰነት (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. እንታይ ክፋል ትንቢት ህዝቅኤል እዩ ኻብ 609 ቅ.ክ. ኣትሒዙ ኺፍጸም ዝጀመረ፧

15 ህዝቅኤል ብዛዕባ ውድቀት የሩሳሌም ድሕሪ ምእዋጁ ሒደት ዓመታት ጸኒሑ፡ እቲ ትንቢት ኪፍጸም ጀመረ። ብ609 ቅ.ክ.፡ ህዝቅኤል ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም መጥቃዕቲ ኸም እተጀመረ ፈለጠ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ነበርቲ ንኸተማኦም ምእንቲ ኺከላኸሉላ መለኸት ተነፊሑ እዩ፣ ከምቲ ህዝቅኤል እተነበዮ ግና፡ “ሓደ እኳ ናብ ውግእ ዚኸይድ” ኣይነበረን። (ህዝ. 7:14) ነበርቲ የሩሳሌም ነታ ኸተማ ንምክልኻልን ምስቶም ወረርቲ ባቢሎናውያን ንምውጋእን ኣይተኣከቡን። ገሊኦም ኣይሁድ፡ የሆዋ ኸም ዜናግፎም ሓሲቦም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣሶራውያን ንየሩሳሌም ምስ ኣስግእዋ እሞ መልኣኽ የሆዋ ንመብዛሕትኡ ኽፋል ሰራዊቶም ምስ ደምሰሰ፡ የሆዋ ኣናጊፍዎም ነይሩ እዩ። (2 ነገ. 19:32) ካብ ባቢሎናውያን ግና፡ መልኣኽ መጺኡ ኣየናገፎምን። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እታ እተኸብበት ከተማ ኸም ‘እተሰኽተተ ቝራዕ’ ኰነት፣ እቶም ነበርታ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ቝራዕ ከም ዘለዉ “እተመትረ ስጋ” ዀኑ። (ህዝ. 24:1-10) ድሕሪ እቲ ንዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ዝቐጸለ ሕማቕ ከበባ፡ የሩሳሌም ጠፍአት።

“ኣብ ሰማይ መዛግብቲ ኣክቡ”

16. ሎሚ የሆዋ ነቲ ዝመደቦ ግዜ ብልክዕ ዚሕልዎ ምዃኑ እምንቶ ኸም ዘሎና ኸመይ ጌርና ነርኢ፧

16 ካብዚ ኽፋል ትንቢት ህዝቅኤል እንታይ ንምሃር፧ እዚኸ ምስ መልእኽቲ ኣገልግሎትናን ምስቲ ሰባት ንስብከትና ዚህብዎ ምላሽን ምትእስሳር ኣለዎዶ፧ እቲ ዚቐርብ ዘሎ ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት መዓስ ከም ዚመጽእ የሆዋ ወሲኑ ኣሎ፣ ኣብዚ እውን ነቲ ዝመደቦ ግዜ ብልክዕ ኪሕልዎ እዩ። (2 ጴጥ. 3:9, 10፣ ራእ. 7:1-3) እታ ዕለት መዓስ ምዃና ኣይንፈልጣን ኢና። ከም ህዝቅኤል ግና፡ ነቲ የሆዋ ንሰባት ብተደጋጋሚ፡ ‘ሕጂ መወዳእታ ኣብ ልዕሌኹም እዩ’ እናበልና ኸነጠንቅቕ ዝሃበና መምርሒ ንፍጽም ኣለና። ነዚ መልእኽቲ እዚ ኽንደጋግሞ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ካብቲ ህዝቅኤል ኪደጋግም ዘድለየሉ እተፈልየ ምኽንያት የብልናን። * መብዛሕትኦም እቶም ንሱ ብዛዕባ ውድቀት የሩሳሌም ዚገልጽ ትንቢት ኣምላኽ ዝኣወጀሎም ሰባት ኣይኣመንዎን። (ህዝ. 12:27, 28) ጸኒሖም ግና፡ ገሊኦም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ኣይሁድ፡ ቅኑዕ ልቢ ኸም ዘለዎም ኣርእዮምን ናብ ዓዶም ተመሊሶምን እዮም። (ኢሳ. 49:8) ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ እዛ ዓለም ናብ መወዳእታ ትቐርብ ከም ዘላ ዚንገሮም ሓሳብ ኣይቅበልዎን እዮም። (2 ጴጥ. 3:3, 4) ይኹን እምበር፡ ደቂ ሰብ ንመልእኽቲ ኣምላኽ ኪቕበሉሉ ዚኽእሉ ግዜ ኽሳዕ ዜብቅዕ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ነታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ምእንቲ ኺረኽቡ ኽንሕግዞም ንደሊ ኢና።—ማቴ. 7:13, 14፣ 2 ቈረ. 6:2

ብዙሓት እኳ እንተ ዘይሰምዑ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ነናዲ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

ነበርቲ ጥንታዊት የሩሳሌም ‘ብሩሮም ኣብ ጐደናታት ዝደርበዩ’ ስለምንታይ እዮም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. ኣብቲ ዚመጽእ ብርቱዕ ጸበባ እንታይ ኵነታትን ፍጻመታትን ክንርኢ ኢና፧

17 ብዘይካዚ፡ ትንቢት ህዝቅኤል፡ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ውድባት መጥቃዕቲ ምስ መጸ፡ ኣባላት ኣብያተ ክርስትያን ንሃይማኖቶም ንምክልኻል ‘ናብ ውግእ ከም ዘይከዱ’ የዘኻኽረና እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ጐይታይ፡ ጐይታይ” ዚብል ጻውዒቶም ምላሽ ከም ዘይረክብ ምስ ረኣዩ፡ “ኣእዳዎም ኪለምሳ” እየን፡ “ምንቅጥቃጥ” ከኣ ኪሕዞም እዩ። (ህዝ. 7:3, 14, 17, 18፣ ማቴ. 7:21-23) እንታይከ ኺገብሩ እዮም፧ (ህዝቅኤል 7:19-21 ኣንብብ።) የሆዋ፡ “ብሩሮም ኣብ ጐደናታት ኪድርብዩ [እዮም]” ኢሉ ኣሎ። እቲ ብዛዕባ እቶም ነበርቲ ጥንታዊት የሩሳሌም እተዘርበ ቓላት፡ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ እንታይ ከም ዚኸውን ብንጹር ይገልጸልና እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰባት ገንዘቦም ካብቲ ዚመጽእ መዓት ከም ዘየድሕኖም ኪግንዘቡ እዮም።

18. ካብ ትንቢት ህዝቅኤል፡ ቀዳምነት ክንህቦ ዚግባእ ነገራት ብዛዕባ ምስራዕ እንታይ ንምሃር፧

18 ካብዚ ኽፋል ትንቢት ህዝቅኤል እዚ፡ ንሕና እንታይ ንምሃር፧ ቀዳምነት ክንህቦ ዚግባእ ነገራት ብግቡእ ክንሰርዕ ኣሎና። ነዚ እሞ ሕሰበሉ፦ ነበርቲ የሩሳሌም መወዳእታ ኸተማኦምን ህይወቶምን ኣብ ልዕሊኦም ከም ዝዀነ እሞ ጥሪቶም ኬድሕኖም ከም ዘይክእል ድሕሪ ምርዳኦም፡ ኣብቲ ቐዳምነት ዚህብዎ ነገራት ዓብዪ ለውጢ ገይሮም እዮም። ንጥሪቶም ደርብዮምዎ፡ “ካብ ነብዪ ድማ ራእይ ኪደልዩ” ጀሚሮም እዮም፣ እቲ ለውጦም ግና ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ እዩ ነይሩ። (ህዝ. 7:26) ብኣንጻሩ ግና፡ ንሕና መወዳእታ እዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ኣብ ልዕሌና ምዃኑ ድሮ ኣጸቢቕና ፈሊጥና ኣለና። ስለዚ፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ዘተስፈዎ ተስፋታት ዘሎና እምነት፡ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህቦ ዚግባእ ነገራት ብግቡእ ክንሰርዕ ደሪኹና ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ነባሪ ዋጋ ዘለዎ፡ ‘ኣብ ጐደናታት እውን ዘይድርበ’ መንፈሳዊ ሃብቲ ንእክብ ኣለና።—ማቴዎስ 6:19-21, 24 ኣንብብ።

19. ህዝቅኤል እተነበዮ ትንቢት ሎሚ ንዓና ዚጸልወና ብኸመይ እዩ፧

19 ከም ክለሳ፡ ገለ ኻብቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ምውዳቕ የሩሳሌም እተነበዮ ትንቢት ንዓና ኺጸልወሉ ዚኽእል መገድታት እንታይ ክንጠቅስ ንኽእል፧ ንሰባት፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ንምሕጋዝ ገና ግዜ ኸም ዘሎ የዘኻኽረና እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ክንዓይዮ ኣሎና። ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንኣቦና የሆዋ ምምላኽ ኪጅምሩ ኸለዉ ምርኣይ ብዙሕ የሐጕሰና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቶም ነቲ ስጕምቲ እቲ ዘይወስዱ ሰባት እውን፡ ከምቲ ህዝቅኤል ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት፡ ‘ሕጂ መወዳእታ ኣብ ልዕሌኹም እዩ’ ኢሉ ዝሃቦም ዓይነት መጠንቀቕታ ንህብ ኢና። (ህዝ. 3:19, 21፣ 7:3) ምስናይዚ ኸኣ፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ዓቂብና ኽንመላለስን ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ ህይወትና ዘለዎ ቐዳማይ ቦታ ኽንሕሉን ቈሪጽና ኢና።—መዝ. 52:7, 8፣ ምሳ. 11:28፣ ማቴ. 6:33

^ ሕ.ጽ. 3 ህዝቅኤል ንዅሉ እቲ ምልክታት ኣብ ቅድሚ ተዓዘብቲ ገይርዎ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ነቲ ኸም ምስንካት ቅጫን ምስካም ኣቕሑ ጕዕዞን ዝኣመሰለ ገሊኡ ምልክት ዚኸውን ተዋስኦታት፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም” ኪገብሮ እዩ ብንጹር ኣዚዝዎ።—ህዝ. 4:12፣ 12:7

^ ሕ.ጽ. 13 የሆዋ፡ የሩሳሌም ክትጠፍእ ኪፈቅድ ከሎ፡ እዚ ተግባር እዚ መግለጺ እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ይሁዳ ዝፈረዶ ፍርዲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መግለጺ እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ዝፈረዶ ፍርዲ እውን እዩ ነይሩ። (ኤር. 11:17፣ ህዝ. 9:9, 10) ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ 1ይ ጥራዝ፡ ገጽ 462፡ “መስርዕ ግዜ—ካብ 997 ቅ.ክ. ክሳዕ ምብዳም የሩሳሌም” ዚብል ርአ።

^ ሕ.ጽ. 16 ኣብተን ኣብ ህዝቅኤል 7:5-7 ዚርከባ ሒደት ፍቕድታት፡ የሆዋ ነተን “ይመጽእ፡” “ኪመጽእ፡” “መጺኡ” ዚብላ ቓላት ብድምር ሽዱሽተ ሳዕ ከም ዝጠቐሰን ኣስተብህል።