ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 7

ኣህዛብ “ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም”

ኣህዛብ “ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም”

ህዝቅኤል 25:17

ኣትኵሮ፦ ካብቲ እስራኤል ምስቶም ንስም የሆዋ ዘጸለሙ ኣህዛብ ዝነበሮ ርክብ እንታይ ከም እንምሃር

1, 2. (ሀ) እስራኤል ኣብ መንጎ ተዃሉ ኸም ዘላ በጊዕ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) እስራኤላውያንን ነገስታቶምን እንታይ ኪኸውን እዮም ዘፍቀዱ፧

ንኣማእታት ዓመታት፡ እስራኤል ኣብ መንጎ ዕስለ ተዃሉ ኸም ዘላ በጊዕ እዩ ነይሩ። ዓሞናውያንን ሞኣባውያንን ኤዶማውያን ንእስራኤል ብምብራቓዊ ዶቡ የስግእዎ ነይሮም እዮም። እቶም ወትሩ ጸላእቲ እስራኤል ዝዀኑ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ምዕራብ ተኺሎም ነይሮም እዮም። ብሰሜን ድማ እታ ሃብታምን ሓያልን ማእከል ንግዲ ዝነበረት ከተማ ጢሮስ ነይራ እያ። ብደቡብ ከኣ በቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርካ ዚርአ ፈርኦን እትግዛእ ጥንታዊት ግብጺ ነይራ እያ።

2 እስራኤላውያን ናብ የሆዋ ኺጽግዑ ኸለዉ፡ ንሱ ኻብ ጸላእቶም የዕቍቦም ነይሩ እዩ። ብተደጋጋሚ ግና ህዝቡን ነገስታቶምን በቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ይበላሸዉ ነይሮም እዮም። ሓደ ኻብቶም ኣብ መትከሎም ዘይጸንዑ ገዛእቲ፡ ንጉስ ኣከኣብ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ንሱ ብዘመን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ይነብር ነበረ፣ ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ከኣ ነጊሱ ነበረ። ንጓል እቲ ነታ ብልጽግቲ ኸተማ ጢሮስ ዚቈጻጸር ዝነበረ ንጉስ ሲዶናውያን ድማ ተመርዓዋ። እታ ኢዛቤል ዝስማ ሰበይቱ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኣምልኾ በዓል ኣስፋሕፍሐት፣ ንሰብኣያ እውን ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ቕድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ኺብክሎ ጽልዋ ገበረትሉ።—1 ነገ. 16:30-33፣ 18:4, 19

3, 4. (ሀ) ህዝቅኤል ኣትኵሮኡ ናብ መን እዩ ዝገበረ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 የሆዋ ንህዝቡ፡ ንዕኡ ዘይእሙናት እንተ ዀይኖም እንታይ ሳዕቤናት ከም ዚዓጽዱ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ መወዳእታ ትዕግስቱ ተወድአ። (ኤር. 21:7, 10፣ ህዝ. 5:7-9) ብ609 ቅ.ክ.፡ ሰራዊት ባቢሎን ናብ ምድሪ ተስፋ ንሳልሳይ ሳዕ ተመልሱ። ካብቲ ዝሓለፈ ወራሮም ከኣ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት ሓሊፉ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መካበብያ የሩሳሌም ኬፍርሱን ነቶም ካብ ነቡካድነጻር ዝዓለዉ ኼጥፍኡን እዮም ተመሊሶም። እቲ ኸበባ ምስ ጀመረ እሞ ህዝቅኤል እተነበዮ ዜሕዝን ትንቢታት ኪፍጸም ምስ ጀመረ፡ ህዝቅኤል ኣትኵሮኡ ናብቶም ኣብ ከባቢ ምድሪ ተስፋ ዝነበሩ ኣህዛብ ገበረ።

እቶም ንስም የሆዋ ዘጸለሙ ኣህዛብ ካብ ሳዕቤናት ተግባራቶም ኣይኬምልጡን እዮም

4 የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ጸላእቲ ይሁዳ ብጥፍኣት የሩሳሌም ከም ዚሕጐሱን ነቶም ዝተረፉ ኸም ዚገፍዕዎምን ገለጸሉ። እቶም ንስም የሆዋ ዘካፍኡ፡ ንህዝቡ ድማ ዝሰጐጉ ወይ ዘበላሸዉ ኣህዛብ ግና፡ ካብ ሳዕቤናት ተግባራቶም ኣይኬምልጡን እዮም። ካብቲ እስራኤል ምስቶም ኣህዛብ ዝነበሮ ርክብ እንታይ ንምሃር፧ እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቶም ኣህዛብ እተነበዮ ትንቢታትከ ሎሚ ብኸመይ እዩ ተስፋ ዚህበና፧

ንእስራኤል ብ“ፍጹም ንዕቀት” ዝረኣይዎ ኣዝማድ

5, 6. ኣብ መንጎ ዓሞናውያንን እስራኤላውያንን እንታይ ዝምድና እዩ ነይሩ፧

5 ዓሞንን ሞኣብን ኤዶምን ናይ ስጋ ኣዝማድ እስራኤል ኪብሃሉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ከምዚ ዝበለ ዝምድናን ሓባራዊ ታሪኽን እኳ እንተ ነበሮም፡ ካብ ቀደም ኣትሒዞም ንህዝቢ ኣምላኽ ጸላእቶም እዮም ነይሮም፣ “ፍጹም ንዕቀት” እውን ነይርዎም እዩ።—ህዝ. 25:6

6 ብዛዕባ ዓሞናውያን እስከ ንርአ። ንሳቶም ዘርኢ እቲ ሎጥ ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም ካብ ንእሽቶ ጓሉ ዝወለዶ ወዲ እዮም ነይሮም። (ዘፍ. 19:38) ቋንቋኦም ምስ እብራይስጢ ኣጸቢቑ ዚቀራረብ ብምንባሩ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኪርድእዎ ይኽእሉ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ብምኽንያት እዚ ዝምድና እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ምስ ዓሞናውያን ውግእ ከየለዓዕሉ ኣዚዝዎም ነበረ። (ዘዳ. 2:19) ብዘመን መሳፍንቲ ግና፡ ዓሞናውያን ምስ ዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ሓቢሮም ንእስራኤላውያን ጨቈንዎም። (መሳ. 3:12-15, 27-30) ሳኦል ንጉስ ምስ ኰነ ድማ፡ ዓሞናውያን ኣብ እስራኤል መጥቃዕቲ ፈነዉ። (1 ሳሙ. 11:1-4) ብዘመን ንጉስ ዮሳፋጥ ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ምስ ሞኣባውያን ሓቢሮም ንምድሪ ተስፋ ወረርዋ።—2 ዜና 20:1, 2

7. ሞኣባውያን ነቶም ኣዝማዶም ዝዀኑ ደቂ እስራኤል እንታይ እዮም ገይሮምዎም፧

7 ሞኣባውያን እውን ዘርኢ እቲ ሎጥ ካብታ ዓባይ ጓሉ ዝወለዶ ወዲ እዮም ነይሮም። (ዘፍ. 19:36, 37) የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ምስ ሞኣብ ከይዋግኡ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 2:9) ሞኣባውያን ግና ንእስራኤላውያን ጽቡቕ ኣይፈደይዎምን። ነቶም ካብ ባርነት ግብጺ ዘምለጡ ኣዝማዶም ኣብ ክንዲ ዚሕግዝዎም፡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኸይኣትዉ ኺዓግትዎም ፈተኑ። ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ንእስራኤላውያን ምእንቲ ኺረግመሉ ኢሉ ንበላዓም ቈጸሮ፣ በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ንእስራኤላውያን ሰብኡት ከመይ ገይሩ ብምንዝርናን ብኣምልኾ ጣኦትን ከም ዜስሕቶም ነገሮ። (ዘሁ. 22:1-8፣ 25:1-9፣ ራእ. 2:14) ክሳዕ ዘመን ህዝቅኤል፡ ሞኣባውያን ንሓያሎ ዘመናት ንእስራኤላውያን ይጭቍንዎም ነበሩ።—2 ነገ. 24:1, 2

8. የሆዋ፡ ኤዶም ንእስራኤል ሓዉ ምዃኑ ዝጠቐሰ ስለምንታይ እዩ፧ ኤዶማውያን ግና እንታይ እዮም ገይሮም፧

8 ኤዶማውያን ድማ ዘርኢ እቲ ፍላይ ማንታ ያእቆብ ዝዀነ ኤሳው እዮም ነይሮም። ምስ እስራኤል ዝነበሮም ዝምድና ናይ ቀረባ ብምንባሩ፡ የሆዋ ንኤዶማውያን ከም ኣሕዋት እስራኤላውያን ገይሩ ጠቒስዎም ኣሎ። (ዘዳ. 2:1-5፣ 23:7, 8) ይኹን እምበር፡ ኤዶማውያን ካብቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዝወጹሉ እዋን ኣትሒዞም ክሳዕ 607 ቅ.ክ. ንእስራኤላውያን ይጻረርዎም ነይሮም እዮም። (ዘሁ. 20:14, 18፣ ህዝ. 25:12) ብ607 ቅ.ክ. ድማ፡ ኤዶማውያን ብመከራ እስራኤል ተሓጒሶምን ንባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ኬባድምዋ ደፋፊኦምዎምን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘምለጡ ዘበሉ እስራኤላውያን ሒዞም ንጸላኢ ኣሕሊፎም ሂቦምዎም እዮም።—መዝ. 137:7፣ ኦብ. 11, 14

9, 10. (ሀ) ዓሞንን ሞኣብን ኤዶምን ኣብ መወዳእታ እንታይ ኰይኖም፧ (ለ) ኵሎም ኣባላት እቶም ኣህዛብ ንህዝቢ ኣምላኽ ይጻብእዎም ከም ዘይነበሩ ዜርእዩ እንታይ ኣብነታት ክትጠቅስ ትኽእል፧

9 ስለዚ፡ የሆዋ ነቶም ኣዝማድ እስራኤል፡ ስለቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝፈጸምዎ ነገራት ተሓተትቲ ገበሮም። ብዛዕባ ዓሞናውያን ከኣ፡ “ንደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ ኽህቦም እየ፣ ስለዚ፡ ዓሞናውያን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣይኪዝከሩን እዮም” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ኣብ ሞኣብ ድማ ፍርዲ ኽፍጽም እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም” በለ። (ህዝ. 25:10, 11) ካብቲ የሩሳሌም ዝወደቐትሉ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ባቢሎናውያን ንዓሞንን ንሞኣብን ምስ ወረሩ፡ እዚ ትንቢታት እዚ ኺፍጸም ጀመረ። ብዛዕባ ኤዶም ድማ፡ የሆዋ፡ “ሰብን ማልን ድማ ካብኣ ኽምንቍስ እየ፣ ከባድማ እውን እየ” በለ። (ህዝ. 25:13) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ኸኣ፡ ጸኒሖም ዓሞንን ሞኣብን ኤዶምን ካብ ህልውና ተደምሰሱ።—ኤር. 9:25, 26፣ 48:42፣ 49:17, 18

10 ግናኸ፡ ኵሎም ኣባላት እቶም ኣህዛብ ኣይኰኑን ንህዝቢ ኣምላኽ ዚጻብእዎም ነይሮም። ንኣብነት፡ ጸለቅ እቲ ዓሞናውን ዪትማ እቲ ሞኣባውን ምስቶም ጀጋኑ ንጉስ ዳዊት ተጸብጺቦም እዮም። (1 ዜና 11:26, 39, 46፣ 12:1) ሩት እታ ሞኣባዊት እውን እምንቲ ኣምላኺት የሆዋ ዀይና እያ።—ሩት 1:4, 16, 17

ካብ መትከልካ ብዘይምልምላም፡ ናብ “ጸድፊ” ሓንቲ ስጕሚ እኳ ኣይትሰጕም

11. ካብቲ እስራኤል ምስ ዓሞንን ሞኣብን ኤዶምን ዝነበሮ ርክብ እንታይ ንምሃር፧

11 ካብቲ እስራኤላውያን ምስቶም ኣህዛብ ዝነበሮም ርክብ እንታይ ትምህርትታት ንረክብ፧ ቀዳማይ፡ እስራኤል ኣብ ዘይትጥንቀቐሉ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ዜበላሹ ሃይማኖታዊ ልምድታት እቶም ኣዝማዳ በብቝሩብ ናብታ ዓዲ ይተኣታቶ ነይሩ እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣምልኾ እቲ ሞኣባውያን ዜምልኽዎ በዓል ጴዖርን ዓሞናውያን ዜምልኽዎ ሞሌኽን እተኣታተወሉ ግዜ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ። (ዘሁ. 25:1-3፣ 1 ነገ. 11:7) ንዓና እውን ተመሳሳሊ ነገር ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ካብቶም ካብ መትከልና ኽንለማለም ዚደፋፍኡና ዘይኣመንቲ ኣዝማድና ጸቕጢ ኺወርደና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ስለምንታይ በዓል ትንሳኤ ኸም ዘይነብዕል፡ ስለምንታይ ኣብ በዓል ልደት ህያባት ከም ዘይንዋሃሃብ፡ ወይ ምስ እምነታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ዚተሓሓዝ ልምድታት ስለምንታይ ከም ዘይንሳተፍ ኣይርድኦምን ይኸውን። ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተላዒሎም፡ ዋላ ንሓጺር እዋን ካብ መትከልና ኸም እንለማለም ኪገብሩና ይፍትኑ ይዀኑ። ግናኸ፡ ብኸምዚ ዝበለ ጸቕጢ ኸቶ ኽንስነፍ የብልናን! ታሪኽ እስራኤላውያን ከም ዚሕብሮ፡ ካብ መትከልና እንተ ተለማሊምና፡ ከምቲ ናብ ጸድፊ ሓደ ስጕሚ ዝሰጐመ ሰብ ዜጋጥሞ፡ ዓብዪ ጥፍኣት እዩ ዜስዕበልና።

12, 13. እንታይ ተቓውሞ እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧ እሙናት እንተ ዄንና ግና እንታይ ፍረ ኽንረክብ ንኽእል፧

12 ካብቲ እስራኤል ምስ ዓሞንን ሞኣብን ኤዶምን ዝነበሮ ርክብ ካልእ ትምህርቲ እውን ክንረክብ ንኽእል ኢና። ካብ ዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራ ቤትና ብርቱዕ ተቓውሞ የጋጥመና ይኸውን። ሓድሓደ ግዜ እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ፡ “ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ” ኸም ዚፈላሊ፡ የሱስ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 10:35, 36) የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ምስ ኣዝማዶም ባእሲ ኸይጅምሩ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ፣ ንሕና እውን ምስ ዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራ ቤትና ኽንብኣስ ኣይንደልን ኢና። ተቓውሞ ኼጋጥመና ኸሎ ግና፡ ዘይተጸበናዮ ኪዀነና የብሉን።—2 ጢሞ. 3:12

13 ኣዝማድና ኣብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይተጻረሩና፡ ካብ የሆዋ ንላዕሊ ጽልዋ ኼሕድሩልና ኽንፈቕደሎም የብልናን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ኣብ ልብና ቐዳማይ ቦታ ኺውሃቦ ኣለዎ። (ማቴዎስ 10:37 ኣንብብ።) ብተወሳኺ፡ ንየሆዋ እሙናት እንተ ዄንና፡ ገሊኦም ኣዝማድና ኸም ጸለቅን ዪትማን ሩትን ኪዀኑ፡ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ እውን ኪሓብሩና ይኽእሉ ይዀኑ። (1 ጢሞ. 4:16) ሽዑ፡ ንሳቶም እውን ነቲ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኬምልኹ፡ ፍቕሩን ዕቝባኡን ከኣ ኪረኽቡ እዮም።

ንጸላእቲ የሆዋ “ብርቱዕ መቕጻዕቲ” ተዋህቦም

14, 15. ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤላውያን እንታይ እዮም ገይሮምዎም፧

14 ፍልስጥኤማውያን ካብ ደሴት ቅሬጥስ ናብታ የሆዋ ደሓር ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዘተስፈዎም ምድሪ ዝፈለሱ ህዝቢ እዮም ነይሮም። ኣብርሃምን ይስሃቅን ምስዞም ህዝቢ እዚኦም ርክብ ነይርዎም እዩ። (ዘፍ. 21:29-32፣ 26:1) እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ፍልስጥኤማውያን ሓያል ሰራዊት ዘለዎም ብርቱዕ ህዝቢ ዀይኖም ነይሮም እዮም። ከም በዓል-ዜቡብን ዳጎንን ዝኣመሰሉ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እውን የምልኹ ነይሮም እዮም። (1 ሳሙ. 5:1-4፣ 2 ነገ. 1:2, 3) ሓድሓደ ግዜ፡ እስራኤላውያን ነዞም ኣማልኽቲ እዚኦም የምልኽዎም ነይሮም እዮም።—መሳ. 10:6

15 እስራኤላውያን ዘይእሙናት ብምዃኖም፡ የሆዋ ንፍልስጥኤማውያን፡ ንሓያሎ ዓመታት ንህዝቡ ኺገዝእዎም ፈቒዱሎም ነይሩ እዩ። (መሳ. 10:7, 8፣ ህዝ. 25:15) ንሳቶም ከኣ ንእስራኤላውያን ጨቈንዎም፡ * ንብዙሓት ካባታቶም እውን ቀተሉ። (1 ሳሙ. 4:10) እስራኤላውያን ምስ ተነስሑን ናብ የሆዋ ምስ ተመልሱን ግና፡ ንሱ እውን ኣናገፎም። ንምድሓኖም ድማ ከም ሲምሶንን ሳኦልን ዳዊትን ዝኣመሰሉ ሰባት ኣተንስኣሎም። (መሳ. 13:5, 24፣ 1 ሳሙ. 9:15-17፣ 18:6, 7) ከምቲ ህዝቅኤል እተነበዮ ኸኣ፡ ፈለማ ባቢሎናውያን፡ ደሓር ከኣ ግሪኻውያን ነታ ምድሪ ምስ ወረርዋ፡ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን “ብርቱዕ መቕጻዕቲ” ወረደ።—ህዝ. 25:15-17

16, 17. ካብቲ እስራኤላውያን ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝነበሮም ርክብ እንታይ ትምህርትታት ንረክብ፧

16 ካብቲ እስራኤላውያን ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝነበሮም ርክብ እንታይ ትምህርትታት ንረክብ፧ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ፡ ካብ ገሊኦም ኣዝዮም ሓያላት ኣህዛብ ተቓውሞ ኣጋጢምዎም እዩ። ዘይከም እስራኤላውያን ግና፡ ጸኒዕና ንየሆዋ እሙናት ኴንና ኢና። ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ ጸላእቲ ንጹህ ኣምልኾ እተዓወቱ ይመስሉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን፡ መንግስቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነቶም ንውድብና ዚመርሑ ዝነበሩ ሰባት ንዓሰርተታት ዓመታት ንማእሰርቲ ብምፍራድ፡ ንዕዮ ህዝቢ የሆዋ ደው ኬብሎ ፈቲኑ ነይሩ እዩ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ድማ፡ ኣብ ጀርመን ዝነበረ ሰልፊ ናዚ ንህዝቢ ኣምላኽ ብኣሽሓት ብምእሳርን ብኣማእታት ብምቕታልን፡ ኪድምስሶም ፈቲኑ ነይሩ እዩ። ድሕሪ እቲ ውግእ ከኣ፡ ሕብረት ሶቭየት ንኣሕዋትና ኣብ ደምበታት ሸቕሊ ብምድጓን ወይ ናብ ግሉል ክፋል እታ ሃገር ብምስዳድ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀጻሊ ወፈራ ገይራ ነይራ እያ።

17 መንግስትታት ንዕዮ ስብከትና ኺእግድዎ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ኪኣስርዎም፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ንገሌና ኪቐትሉና ይኽእሉ እዮም። እዝስ ኬፍርሃና ወይ ንእምነትና ኼጥፍኣ ይግባእዶ፧ ኣይፋልን። የሆዋ ንእሙናት ህዝቡ ኼድሕኖም እዩ። (ማቴዎስ 10:28-31 ኣንብብ።) ሓያላትን ጨቈንትን መንግስትታት ኪጠፍኡ፡ ህዝቢ የሆዋ ኸኣ እናሰሰኑ ኪኸዱ ርኢና ኢና። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኵሎም ሰብኣውያን መንግስትታት ከም ፍልስጥኤማውያን፡ ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ኺግደዱ እዮም። ከምቶም ጥንታውያን ፍልስጥኤማውያን ድማ፡ ካብ ህልውና ኺጠፍኡ እዮም።

“ብዙሕ ሃብቲ” ነባሪ ዕቝባ ኣየምጽአን

18. ጢሮስ እንታይ ዓይነት ጽልዋ እዩ ዝነበራ፧

18 ጥንታዊት ከተማ ጢሮስ * ኣብ ጥንታዊት ዓለም ማእከል ዓብዪ ንግዲ እያ ነይራ። ብምዕራብ፡ መራኽባ ኽሳብ ስግር ባሕሪ መዲተራነያን እተዘርግሐ መስመራት ንግዲ ነይርወን። ብምብራቕ ከኣ፡ እቲ ኣብ ምድሪ እተዘርግሐ መስመራት ንግዲ ጢሮስ፡ ኣብ ርሑቕ ምስ ዚርከባ ሃጸያዊ ግዝኣታት የተኣሳስራ ነይሩ። ንሓያሎ ዘመናት ድማ፡ ካብዚ ኣብ ርሑቕ ዚርከብ ቦታታት ዝመጸ ሃብቲ ደሊባ ነይራ። ነጋዶኣን ሸቃጦኣን ኣዝዮም ስለ ዝሃብተሙ፡ ገዛእ ርእሶም ከም መሳፍንቲ ገይሮም እዮም ዚርእዩ ነይሮም።—ኢሳ. 23:8

19, 20. ኣብ መንጎ ነበርቲ ጢሮስን ነበርቲ ጊብዖንን እንታይ ፍልልይ እዩ ነይሩ፧

19 ንጉስ ዳዊትን ንጉስ ሰሎሞንን ኣብ ዚገዝኡሉ ዝነበሩ እዋን፡ እስራኤላውያን ምስ ነበርቲ ጢሮስ ስጡም ርክብ ነይርዎም እዩ፣ ሰብ ጢሮስ ከኣ ንቤተ መንግስቲ ዳዊትን ንቤተ መቕደስ የሩሳሌምን ንምህናጽ፡ እተፈላለየ ናውትን ኢደ ጥበበኛታትን ልኢኾም እዮም። (2 ዜና 2:1, 3, 7-16) ጢሮስ ነቲ እስራኤል ኣብ ታሪኹ ዘሕለፎ ብሉጽ እዋን ርእያቶ እያ። (1 ነገ. 3:10-12፣ 10:4-9) ኣሽሓት ጢሮሳውያን ብዛዕባ ንጹህ ኣምልኾ ኺምሃሩን ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ምምላኽ ዜምጽኦ ጥቕምታት ብዓይኖም ኪርእዩን ዝነበሮም ኣጋጣሚ እሞ ሕስብ ኣብሎ!

20 ነበርቲ ጢሮስ፡ እዚ ኣጋጣሚ እዚ እኳ እንተ ነበሮም፡ ወትሩ ኣብ ፍቕረ ንዋይ እዮም ዜተኵሩ ነይሮም። ከምቲ እታ ሓያል ከተማ ከነኣናውያን ዝነበረት ጊብዖን ዝገበረቶ ኣይገበሩን፣ ነበርቲ ጊብዖን ብዛዕባ ዓብዪ ግብርታት የሆዋ ምስ ሰምዑ ጥራይ፡ ኣገልገልቱ ንምዃን ተደሪኾም እዮም። (እያ. 9:2, 3, 22–10:2) ነበርቲ ጢሮስ ግና ንህዝቢ ኣምላኽ ተጻሪሮምዎም፡ ንገሊኦም እውን ንባርነት ሸይጦምዎም እዮም።—መዝ. 83:2, 7፣ ዮኤ. 3:4, 6፣ ኣሞ. 1:9

ንስጋዊ ነገራት ከም ዜዕቍብ መካበብያ ጌርና ኸቶ ኣይንርኣዮ

21, 22. ጢሮስ እንታይ እያ ዀይና፧ ስለምንታይከ፧

21 የሆዋ ብህዝቅኤል ኣቢሉ ነቶም ተጻረርቲ፡ “ኣቲ ጢሮስ፡ እንሆ ኣንጻርኪ እየ፣ ከምቲ ባሕሪ ንማዕበላቱ ዜምጽኦ፡ ኣነ እውን ብዙሓት ኣህዛብ ኣንጻርኪ ኸምጽእ እየ። ንሳቶም ድማ ንመካበብያ ጢሮስ ከዕንውዎ፡ ንግምብታታ ኸኣ ኬፍርስዎ እዮም፣ ሓመድ ድማ ካብኣ ኽጸርግ፡ እተንጸባርቕ መላጥ ከውሒ እውን ክገብራ እየ” በሎም። (ህዝ. 26:1-5) ነበርቲ ጢሮስ ዕቝባ ንምርካብ ኣብ ሃብቶም እዮም ዚውከሉ ነይሮም፣ በታ ኣብ ደሴት እተሰርሐት 46 ሜተር ዝቝመቱ መካበብያ ዝነበራ ኽፋል ከተማኦም እውን ይምክሑ ነይሮም እዮም። ነቲ ሰሎሞን፡ “ንሃብታምሲ ሃብቱ እተዓርደ ኸተማኡ እዩ፣ ብሓሳቡ ኸኣ ከም ዜዕቍብ መካበብያ እዩ” ኢሉ እተዛረቦ መጠንቀቕታ እንተ ዜቕልቡሉ ምሓሾም ነይሩ።—ምሳ. 18:11

22 ኣብ ፈለማ ባቢሎናውያን፡ ድሕሪኡ ኸኣ ግሪኻውያን ንትንቢት ህዝቅኤል ኪፍጽሙ ኸለዉ፡ ነበርቲ ጢሮስ እቲ ኻብ ሃብቶምን መካበብያ ኸተማኦምን ዚረኽብዎ ዚመስሎም ዝነበረ ዕቝባ ብሓሳቦም ጥራይ ምንባሩ ፈለጡ። ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ምስ ኣጥፍእዋ፡ ን13 ዓመት ንጢሮስ ተዋግእዋ። (ህዝ. 29:17, 18) ድሕሪኡ፡ ብ332 ቅ.ክ. እስክንድር እቲ ዓብዪ ነቲ ህዝቅኤል እተነበዮ ዜደንቕ መዳይ እቲ ትንቢታት ፈጸሞ። * ሰራዊቱ ንዑናታት እታ ኣብ መሬት እትርከብ ክፋል ከተማ ጢሮስ ጸሪጎም ወሲዶም፡ ነቲ ኣእማንን ኣዕጫውን ሓመድን ናብ ማይ ብምእታው ናብታ ኣብ ደሴት እትርከብ ክፋል እታ ኸተማ ዜብጽሕ መሰጋገሪ ሰርሑ። (ህዝ. 26:4, 12) ድሕሪኡ፡ እስክንድር እቲ ዓብዪ ንመካበብያታ ኣፍሪሱ ነታ ኸተማ ዘመታ፡ ኣሽሓት ወተሃደራታን ዜጋታታን ቀተለ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ድማ ንባርነት ሸጠ። ነበርቲ ጢሮስ፡ “ብዙሕ ሃብቲ” ነባሪ ዕቝባ ኸም ዘይከውን ብመከራ ምስ ተማህሩ፡ ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ተገዲዶም እዮም።—ህዝ. 27:33, 34

ጢሮስ ዘይትስዓር እኳ ትመስል እንተ ነበረት፡ ከምቲ ህዝቅኤል እተነበዮ ጠፊኣ እያ (ሕጡብ ጽሑፍ 22 ርአ)

23. ካብ ነበርቲ ጢሮስ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

23 ካብ ነበርቲ ጢሮስ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧ ብ“ምትላል ሃብቲ” ተታሊልና ንስጋዊ ጥሪት ከም ዜዕቍብ መካበብያ ጌርና ኽንርእዮን ኣብኡ እምንቶና ኽንገብርን ከቶ የብልናን። (ማቴ. 13:22) ‘ንኣምላኽን ንገንዘብን ክንግዛእ ኣይንኽእልን ኢና።’ (ማቴዎስ 6:24 ኣንብብ።) እቶም ንየሆዋ ብምሉእ ነፍሶም ዜገልግልዎ ጥራይ እዮም ብሓቂ ዕቝባ ዚረኽቡ። (ማቴ. 6:31-33፣ ዮሃ. 10:27-29) ከምቲ እቲ ኣንጻር ጢሮስ እተነግረ ትንቢት እተፈጸመ፡ ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እተነግረ ትንቢታት እውን ብዝርዝር ኪፍጸም እዩ። ምስናይዚ፡ እቶም ብሃብቲ ዚእመኑ፡ የሆዋ ነዛ ስስዕቲ ዓለም ምስቲ ኣብ ጥቕሚ ርእሲ ዘተኰረ ናይ ንግዲ ስርዓታ ምስ ኣጥፍኦ፡ ንዕኡ ኺፈልጥዎ ኺግደዱ እዮም።

ከም “ሓሰር” ዝዀነ ፖለቲካዊ ሓይሊ

24-26. (ሀ) የሆዋ ንግብጺ፡ “ሓሰር” ኢሉ ዝጸውዓ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንጉስ ጼዴቅያስ ንመምርሒ የሆዋ ዕሽሽ ዝበለ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ኣስዒቡሉ፧

24 ካብ ቅድሚ ግዜ ዮሴፍ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ባቢሎናውያን ናብ የሩሳሌም ዝመረሹሉ እዋን፡ ግብጺ ኣብ ዞባ እታ ምድሪ ተስፋ ሓያል ፖለቲካዊ ጽልዋ ነይርዋ እዩ። ጥንቲ ዝሰረተት ብምንባራ፡ ከም ሓደ ዓብዪ ኦም ድልድልቲ እያ እትመስል ነይራ። ምስ የሆዋ ኽትነጻጸር ከላ ግና፡ ካብ “ሓሰር” ዘይትሓይሽ እያ ነይራ።—ህዝ. 29:6

25 እቲ ኸሓዲ ዝነበረ ንጉስ ጼዴቅያስ፡ ግብጺ ኸምኡ ምዃና ኣየለለያን። የሆዋ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ፡ ንንጉስ ባቢሎን ኪግዝኦ ተማሕጺንዎ ነይሩ እዩ። (ኤር. 27:12) ጼዴቅያስ እውን ካብ ነቡካድነጻር ከይዓሉ ምሒሉ ነይሩ እዩ። ድሕሪኡ ግና ንመምርሒ የሆዋ ዕሽሽ ኢሉ ነቲ ንነቡካድነጻር ዝመሓሎ ማሕላ ኣፍረሶ፣ ኣብቲ ምስ ባቢሎናውያን ዚገብሮ ውግእ ድማ ሓገዝ ግብጺ ለመነ። (2 ዜና 36:13፣ ህዝ. 17:12-20) ግናኸ፡ እቶም ኣብ ፖለቲካዊ ሓይሊ ግብጺ እተጸግዑ እስራኤላውያን፡ ኣብ ገዛእ ርእሶም ዓብዪ ጕድኣት እዮም ኣምጺኦም። (ህዝ. 29:7) ግብጺ ኸም ሓደ “ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ” ዘይትድፈር እያ እትመስል ነይራ። (ህዝ. 29:3, 4) የሆዋ ግና ከምቲ ሃደንቲ ንሓራግጽ ኒል ኪሕዙ ኸለዉ ዚገብርዎም ከም ዚገብራ፡ ማለት ኣብ መንጋጋኣ ዓንቃሪቦታት ኣእትዩ ናብ ጥፍኣት ከም ዚወስዳ ገሊጹ እዩ። ነዚ ኸኣ፡ ነታ ጥንታዊት ሃገር ኪስዕርዋ ኢሉ ንባቢሎናውያን ምስ ለኣኾም እዩ ገይርዎ።—ህዝ. 29:9-12, 19

26 እሞኸ እቲ ጠላም ጼዴቅያስ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ እቲ “እኩይ ሹም” እቲ ኻብ የሆዋ ስለ ዝዓለወ፡ ዘውዱ ኸም ዚስእንን ኣብ ግዝኣቱ ጥፍኣት ከም ዚመጽእን፡ ህዝቅኤል ተነብዩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ተስፋ እውን ሂቡ እዩ። (ህዝ. 21:25-27) “ሕጋዊ መሰል” ዘለዎ ኻብ ወለዶ ነገስታት ዝመጸ ንጉስ፡ ነቲ ዝፋን ከም ዚወስዶ ኺንበ የሆዋ ብመንፈሱ ደሪኽዎ እዩ። ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ እዚ መን ምዃኑ ኽንርኢ ኢና።

27. ካብቲ እስራኤል ምስ ግብጺ ዝነበራ ርክብ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

27 ካብቲ እስራኤል ምስ ግብጺ ዝነበራ ርክብ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧ ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ንናብራ ነባሪ ውሕስነት ከም ዚዀኑ ገይሮም ኪርእዩን ኣባታቶም ኪውከሉን የብሎምን። ብሓሳብና እውን እንተ ዀነ፡ ‘ካብ ዓለም ክንከውን የብልናን።’ (ዮሃ. 15:19፣ ያእ. 4:4) እዚ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ስርዓት ድልዱል ይመስል ይኸውን፣ ከም ጥንታዊት ግብጺ ግና ካብ ሓሰር ዘይሓይሽ እዩ። ተስፋና ኣብቲ ዅሉ ዚኽእል ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ዘይኰነስ፡ ኣብ መወትቲ ሰባት ምግባርሲ ኸመይ ዝበለ ዕሽነት ኰን እዩ!—መዝሙር 146:3-6 ኣንብብ።

ኣብ ቤትና ሰባት ኣብ ዘይርእዩና ኣጋጣሚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ፖለቲካ እዛ ዓለም እዚኣ ኽንውግን የብልናን (ሕጡብ ጽሑፍ 27 ርአ)

ኣህዛብ “ኪፈልጡ እዮም”

28-30. ኣብ መንጎ እቲ ኣህዛብ ንየሆዋ “ኽትፈልጡ ኢኹም” እተባህለሉ መገድን ኣብ መንጎ እቲ ንሕና ንየሆዋ እንፈልጠሉ መገድን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧

28 የሆዋ ብዛዕባ ኣህዛብ፡ ኣብ ብዘላ መጽሓፍ ህዝቅኤል ብዙሕ ሳዕ፡ “ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም” ኢሉ ወይ ምስዚ ቓላት እዚ ዚመሳሰል ዘረባ ተዛሪቡ ኣሎ። (ህዝ. 25:17) የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ህዝቡ ፍርዱ ምስ ፈጸመ፡ እዘን ቃላት እዚአን ብርግጽ ተፈጺመን እየን። ኣብዚ ግዜና ግና ብዝዓበየ ደረጃ ኺፍጸማ እየን። ብኸመይ፧

29 ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ፡ መከላኸሊ ኸም ዘይብላ በይና ዘላ በጊዕ ገይሮም ብዚርእዩና ኣህዛብ ኢና ተኸቢብና ዘለና። (ህዝ. 38:10-13) ኣብ ምዕራፍ 1718ን እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም እንርእዮ፡ ኣህዛብ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሎም መጥቃዕቲ ኺፍንዉ እዮም። ከምኡ ምስ ገበሩ ግና፡ ናይ ሓቂ ሓይሊ እንታይ ምዃኑ ኺርእዩ እዮም። የሆዋ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ኬጥፍኦም ከሎ፡ ንዕኡ ኺፈልጥዎ፡ እወ፡ ልዑላውነቱ ኺፈልጡ ኺግደዱ እዮም።—ራእ. 16:16፣ 19:17-21

30 ንዓና ግና የሆዋ ኼዕቍበናን ኪባርኸናን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ የሆዋ ብምውካልን ንዕኡ እዙዛት ብምዃንን ዚግብኦ ንጹህ ኣምልኾ ብምሃብን ንዕኡ ኸም እንፈልጦ ኣርኢና ኢና።—ህዝቅኤል 28:26 ኣንብብ።

^ ሕ.ጽ. 15 ንኣብነት፡ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ምድሪ እስራኤል ዋላ ሓደ ሓጓዳይ ከይሰርሕ ከልኪሎም ነይሮም እዮም። እስራኤላውያን ንናውቲ ማሕረሶም ንምትባዕ ናብ ፍልስጥኤማውያን ኪኸዱ ነይርዎም፣ ነዚ ዕዮ እዚ ኸኣ ማዕረ ናይ ገሊኡ መዓልትታት ደሞዝ እዮም ዚኸፍሉ ነይሮም።—1 ሳሙ. 13:19-22

^ ሕ.ጽ. 18 እታ ናይ ፈለማ ኸተማ ጢሮስ ካብ ከረን ቀርሜሎስ ብሰሜን 50 ኪሎ ሜተር ርሒቓ፡ ካብ ገማግም ቍሩብ ፍንትት ኢላ ብኣኻውሕ ኣብ ዝቘመ ደሴት ተደኲና ዝነበረት እያ እትመስል። ጸኒሓ፡ እታ ኸተማ ናብ ቐንዲ መሬት ኣስፋሕፊሓ። እቲ ሱር ዚብል ሴማዊ ስም እታ ኸተማ፡ “ከውሒ” ዚብል ትርጉም ኣለዎ።

^ ሕ.ጽ. 22 ኢሳይያስን ኤርምያስን ዮኤልን ኣሞጽን ዘካርያስን ኣንጻር ጢሮስ እተነበይዎ ትንቢት ብዝርዝር ተፈጺሙ እዩ።—ኢሳ. 23:1-8፣ ኤር. 25:15, 22, 27፣ ዮኤ. 3:4፣ ኣሞ. 1:10፣ ዘካ. 9:3, 4