ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 5

“ዚገብርዎ ዘለዉ እከይን ፍንፉን ነገራትን ርአ”

“ዚገብርዎ ዘለዉ እከይን ፍንፉን ነገራትን ርአ”

ህዝቅኤል 8:9

ኣትኵሮ፦ መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ብልሽውና እታ ኸሓዲት ይሁዳ

1-3. የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ እንታይ ኪርኢ እዩ ደልይዎ ነይሩ፧ ስለምንታይከ፧ (ኣብ መእተዊ 2ይ ክፋል ዘላ ስእሊ ርአ።)

ነብዪ ህዝቅኤል ወዲ ኻህን ስለ ዝነበረ፡ ንሕጊ ሙሴ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስን ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ኪቐርብ ዘለዎ ንጹህ ኣምልኾን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ህዝ. 1:3፣ ሚል. 2:7) ብ612 ቅ.ክ. ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዚግበር ዝነበረ ነገር ግና፡ ንዝዀነ እሙን ኣይሁዳዊ፡ እንተላይ ንህዝቅኤል ዜሰምብድ እዩ ነይሩ።

2 የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ነቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ሕማቕ ኵነታት ኪርኢ እሞ ነቶም ምስኡ ኣብ ቤቱ ዝነበሩ ምሩኻት ዝዀኑ “ዓበይቲ ይሁዳ” ኺነግሮም ደልይዎ ነበረ። (ህዝቅኤል 8:1-4 ኣንብብ፣ ህዝ. 11:24, 25፣ 20:1-3) ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ድማ፡ የሆዋ ንህዝቅኤል (ብራእይ) ካብታ ኣብ ባቢሎን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር እትርከብ ኣብ ቴል-ኣቢብ ዝነበረት ቤቱ፡ ናብታ ብምዕራብ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ እትርከብ የሩሳሌም ወሰዶ። ናብታ ቤተ መቕደስ፡ ናብቲ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ዚርከብ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ ድማ ኣምጽኦ። ካብኡ ጀሚሩ ብራእይ ነታ ቤተ መቕደስ ኣዞሮ።

3 ህዝቅኤል ከኣ ንመንፈሳዊ ውድቀት እቲ ህዝቢ ዜንጸባርቕ ኣርባዕተ ዜሰምብድ ትርኢት ረኣየ። እቲ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ እንታይ እዩ ዀይኑ ነይሩ፧ እቲ ራእይከ ሎሚ ንዓና እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧ ምስ ህዝቅኤል ሓቢርና እስከ ንዙር። ፈለማ ግና፡ የሆዋ ኻብ ኣምለኽቱ እንታይ ከም ዚጽበ ኽንርኢ ኣሎና።

“ንበይነይ ተወፋይነት ዝደሊ . . . ኣምላኽ እየ”

4. የሆዋ ኻብ ኣምለኽቱ እንታይ እዩ ዚጽበ፧

4 የሆዋ ኻብ ግዜ ህዝቅኤል ኣስታት ትሽዓተ ዘመን ኣቐዲሙ፡ ካብ ኣምለኽቱ እንታይ ከም ዚጽበ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። ኣብታ ኣብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እትርከብ ካልአይቲ ትእዛዝ፡ ንእስራኤላውያን፡ * “ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ ንበይነይ ተወፋይነት ዝደሊ . . . ኣምላኽ እየ” ኢልዎም እዩ። (ዘጸ. 20:5) የሆዋ “ንበይነይ ተወፋይነት ዝደሊ” ብምባል፡ ንዝዀነ ኻልእ ኣምላኽ ዚቐርብ ኣምልኾ ኸም ዘይጻወሮ ሓቢሩ እዩ። ኣብ ምዕራፍ 2 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ ነቲ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ዚሕተት ቀዳማይ ብቕዓት ንምምላእ፡ ሃይማኖታዊ ተወፋይነትና ንየሆዋ ኽንህቦ ኣሎና። ኣምለኽቱ ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ኺህብዎ ኣለዎም። (ዘጸ. 20:3) ብሓጺሩ፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስ ናይ ሓሶት ብዘይምትሕንፋጽ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንጹሃት ኪዀኑ ይጽበዮም እዩ። ብ1513 ቅ.ክ.፡ እስራኤላውያን ብፍታዎም ኣብቲ ኺዳን ሕጊ ኣትዮም እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንየሆዋ በይኑ ተወፋይነት ንምሃብ ተሰማሚዖም እዮም። (ዘጸ. 24:3-8) የሆዋ ንኺዳናቱ ብተኣማንነት ይሕልዎ እዩ፣ ኪዳን ካብ ዝኣተዉ ህዝቡ ኸኣ ተመሳሳሊ ተኣማንነት ይጽበ እዩ።—ዘዳ. 7:9, 10፣ 2 ሳሙ. 22:26

5, 6. የሆዋ ኻብ እስራኤላውያን፡ ንበይኑ ተወፋይነት ኪውሃቦ ዚግብኦ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

5 የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ንዕኡ በይኑ ተወፋይነት ኪህቡ ኺጽበዮምሲ ግቡእ ድዩ ነይሩ፧ እወ። ከመይሲ፡ ንሱ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት፡ ከምኡ ድማ ምንጭን ሓብሓብን ህይወት እዩ። (መዝ. 36:9፣ ግብ. 17:28) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣድሒንዎም እዩ። እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ኪህቦም ከሎ፡ ነቶም ህዝቢ፡ “ኣነ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ የሆዋ ኣምላኽካ እየ” ኢሉ ኣዘኻኺርዎም ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 20:2) እምበኣር፡ የሆዋ ኣብ ልቢ እስራኤላውያን ንበይኑ ቦታ ይግብኦ ነይሩ እዩ።

6 የሆዋ ኣይልወጥን እዩ። (ሚል. 3:6) ወትሩ ንበይኑ ተወፋይነት ይደሊ እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ንህዝቅኤል ዘርኣዮ ራእይ ዚርከብ ኣርባዕተ ዚርብሽ ትርኢት ከመይ ከም እተሰምዖ ኽትግምት ትኽእል ኢኻ።

ቀዳማይ ትርኢት፦ ምስ ኣምልኾ ጣኦት እተተሓሓዘ ምልክት ቅንኢ

7. (ሀ) እቶም ከሓድቲ ኣይሁድ ኣብቲ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ እታ ቤተ መቕደስ እንታይ እዮም ዚገብሩ ነይሮም፧ የሆዋኸ ብሰንኪ እዚ እንታይ ተሰሚዕዎ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ንየሆዋ ኣቕኒኦምዎ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

7 ህዝቅኤል 8:5, 6 ኣንብብ። ህዝቅኤል ሰምቢዱ ኪኸውን ኣለዎ! ኣብ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ እታ ቤተ መቕደስ፡ ከሓድቲ እስራኤላውያን ምስ ኣምልኾ ጣኦት እተተሓሓዘ ምልክት ወይ ምስሊ የምልኹ ነይሮም እዮም። እዚ ድማ ምናልባት ነታ ኣሸራ እትብሃል ናይ ሓሶት ኣምላኽ ዚውክል ዓንዲ ኣምልኾ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከነኣናውያን ከኣ ንሳ ሰበይቲ በዓል ከም ዝዀነት ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ እቶም ኣምለኽቲ ጣኦት ዝዀኑ እስራኤላውያን ነቲ ምስ የሆዋ ዝኣተውዎ ኺዳን ጥሒሶም ነይሮም እዮም። ነቲ ንየሆዋ ንበይኑ ዚግባእ ተወፋይነት ንምስሊ ብምሃቦም፡ ንዕኡ ኣቕኒኦምዎ እዮም፣ ስለዚ ድማ፡ ብኣታቶም ኪቝጣዕ ሓቁ እዩ። * (ዘዳ. 32:16፣ ህዝ. 5:13) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ንልዕሊ 400 ዓመት፡ የሆዋ ኣብታ ቤተ መቕደስ ከም ዘሎ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። (1 ነገ. 8:10-13) እቶም ኣምለኽቲ ጣኦት ንኣምልኾ ጣኦት ናብታ ቤተ መቕደስ ብምእታዎም ግና፡ ንየሆዋ ‘ኻብ መቕደሱ ኣርሒቖምዎ’ እዮም።

8. ህዝቅኤል ብዛዕባ ምልክት ቅንኢ ዝረኣዮ ራእይ ንግዜና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

8 ህዝቅኤል ብዛዕባ ምልክት ቅንኢ ዝረኣዮ ራእይ ንግዜና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ እታ ኸሓዲት ይሁዳ ንህዝበ ክርስትያን እያ እተዘኻኽረና። ኣምልኾ ጣኦት ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ኣስፋሕፊሑ እዩ ዘሎ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ‘ንኣምላኽ ንህቦ’ ዚብልዎ ተወፋይነት ከንቱ እዩ ዚገብሮ። የሆዋ ስለ ዘይልወጥ፡ ህዝበ ክርስትያን ከምታ ኸሓዲት ይሁዳ ኣቘጢዓቶ ኸም ዘላ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ያእ. 1:17) እምበኣር፡ የሆዋ ኻብቲ ቔናን ዓይነት ክርስትና ብዙሕ ርሒቑ እዩ ዘሎ!

9, 10. እቶም ነታ ቤተ መቕደስ ዘበላሸዉ ኣምለኽቲ ጣኦት ብኸመይ እዮም መለበሚ ዚዀኑና፧

9 እቶም ነታ ቤተ መቕደስ ዘበላሸዉ ኣምለኽቲ ጣኦት ደኣ እሞ ብኸመይ እዮም መለበሚ ዚዀኑና፧ ንየሆዋ በይኑ ተወፋይነት ንምሃብ፡ ‘ካብ ኣምልኾ ጣኦት ክንሃድም’ ኣሎና። (1 ቈረ. 10:14) ‘ኣብቲ ንየሆዋ ዘቕርቦ ኣምልኾ፡ ምስልታት ወይ ምልክትታት ከቶ ኣይጥቀምን እየ’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ኣምልኾ ጣኦት ግና እተፈላለየ መልክዕ እዩ ዘለዎ፣ ገሊኡ ኸኣ ረቂቕ ዝዓይነቱ እዩ። ሓደ መወከሲ መጽሓፍ ቅዱስ በዚ ኸምዚ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ኣምልኾ ጣኦት ነቲ ንኣምላኽ ዚጐሲ ብቐዳምነት ዜተሓሳስበና ነገር ዜመልክት ተምሳል ከም ዝዀነ፡ ማለት ዋጋ፡ ጥቕሚ፡ ወይ ስልጣን ንዘለዎ ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዜመልክት ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ።” እምበኣር፡ ኣምልኾ ጣኦት ንጥሪት፡ ንገንዘብ፡ ንጾታዊ ርክብ፡ ንመዘናግዒ፡ ኰታስ ንዝዀነ ይኹን ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ዚሕዝ እሞ ነቲ ንየሆዋ በይኑ ዚግባእ ተወፋይነት ዚትክእ ነገር ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። (ማቴ. 6:19-21, 24፣ ኤፌ. 5:5፣ ቈሎ. 3:5) ልብናን ኣምልኾናን ንየሆዋ በይኑ ጥራይ ኪውሃብ ስለ ዚግባእ፡ ካብ ኵሉ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ክንሕሎ ኣሎና።—1 ዮሃ. 5:21

10 ኣብቲ የሆዋ ንህዝቅኤል ዘርኣዮ ቐዳማይ ትርኢት፡ “ክፉእን ፍንፉንን” ነገር እዩ ዚግበር ነይሩ። የሆዋ ግና ነቲ እሙን ነብዪ፡ “ገና ኻብዚ ዚኸፍእ ፍንፉን ነገራት እውን ክትርኢ ኢኻ” ኢልዎ እዩ። እሞ ደኣ ኻብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚግበር ዝነበረ ኣምልኾ እቲ ምልክት ቅንኢ ዚኸፍእ እንታይ ኪህሉ ይኽእል፧

ካልኣይ ትርኢት፦ 70 ዓበይቲ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዕጣን ይዓጥኑ

11. ህዝቅኤል ናብቲ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ዘሎ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ምስ ኣተወ፡ እንታይ ዚርብሽ ነገራት እዩ ርእዩ፧

11 ህዝቅኤል 8:7-12 ኣንብብ። ህዝቅኤል ንመንደቕ ኵዒቱ ናብቲ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ዘሎ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ምስ ኣተወ፡ ኣብ መንደቕ እተቐርጹ ምስልታት “ለመምትን ፍንፉናት እንስሳታትን ኵሎም ጽዩፋት [ጣኦታትን]” ረኣየ። * እቲ ኣብ መንደቕ እተቐርጸ ምስልታት፡ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዚውክል እዩ ነይሩ። እቲ ህዝቅኤል ድሕሪኡ ዝረኣዮ ነገር ከኣ ብዝያዳ ዚርብሽ እዩ ነይሩ። “70 ኻብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል” “ኣብ ጸልማት” ቈይሞም ነቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዕጣን ይዓጥኑሎም ነበሩ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ምዕጣን፡ ነቲ እሙናት ኣምለኽቲ ዜቕርብዎ ቕቡል ጸሎት እዩ ዜመልክት። (መዝ. 141:2) እቶም 70 ዓበይቲ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዚዓጥንዎ ዝነበሩ ዕጣን ግና፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርኹስ ጨና እዩ ዀይኑ ነይሩ። ንጸሎቶም ከም ሕማቕ ሽታ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። (ምሳ. 15:8) እቶም ዓበይቲ፡ “የሆዋ ኣይርእየናን እዩ” ኢሎም ገዛእ ርእሶም የዐሽዉ ነይሮም እዮም። የሆዋ ግና ርእይዎም እዩ፣ ንህዝቅኤል እውን ኣብ ቤተ መቕደሱ እንታይ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ ኣርእይዎ እዩ።

የሆዋ ንዅሉ እቲ “ኣብ ጸልማት” ዚግበር ፍንፉን ነገር ይርእዮ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

12. “ኣብ ጸልማት” እውን እንተ ዀነ እሙናት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ኣብዚ መዳይ እዚኸ ምናዳ መን እዮም ኣብነት ኪዀኑ ዘለዎም፧

12 ካብቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቶም ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዕጣን ዚዓጥኑ ዝነበሩ 70 ዓበይቲ እስራኤል ዝጸሓፎ ነገር እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ጸሎትና ኣብ ኣምላኽ ኪስማዕ እንተ ዀይኑ፡—ኣምልኾና ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንጹህ ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡—“ኣብ ጸልማት” እውን እንተ ዀነ ኣብ ቅድሚኡ እሙናት ክንከውን ኣሎና። (ምሳ. 15:29) እተን ንዅሉ ዚርእያ ኣዒንቲ የሆዋ ወትሩ ኸም ዚቋመታና ኣይንረስዕ። ንየሆዋ ብሓቂ ኸም ዘሎ ጌርና እንተ ርኢናዮ፡ በይንና ኽንከውን ከለና ዜጕህዮ ነገር ኣይንገብርን ኢና። (እብ. 4:13) ምናዳ ኸኣ ሽማግለታት ጉባኤ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት ሰናይ ኣብነት ኪዀኑ ኣለዎም። (1 ጴጥ. 5:2, 3) ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ንሓደ ኣብ ኣኼባ ቘይሙ ኣብ ኣምልኾ ዚመርሖም ሰብ፡ ካልኦት ኣብ ዘይርእይዎ “ኣብ ጸልማት” እውን እንተ ዀነ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመላለስ ይጽበይዎ እዮም።—መዝ. 101:2, 3

ሳልሳይ ትርኢት፦ “ኣንስቲ . . . ንተሙዝ ኣምላኽ ኪበኽያሉ”

13. ህዝቅኤል፡ ከሓድቲ ኣንስቲ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣፍ ደገታት ቤተ መቕደስ እንታይ ኪገብራ እዩ ርእዩ፧

13 ህዝቅኤል 8:13, 14 ኣንብብ። የሆዋ ድሕሪ እቲ ቐዳማይ ክልተ ዜፈንፍን ትርኢት፡ ከም ብሓድሽ ንህዝቅኤል፡ “ካብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ዚገድድ ፍንፉን ነገራት እውን ክትርኢ ኢኻ” በሎ። እሞ ደኣ ህዝቅኤል ድሕሪኡ እንታይ እዩ ርእዩ፧ ኣብ “መእተዊ እቲ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ” “ኣንስቲ ተቐሚጠን ንተሙዝ ኣምላኽ ኪበኽያሉ” እዩ ርእዩ። እዚ ተሙዝ ዚብሃል ኣምላኽ መሶጶታምያ ኣብ ጽሑፍ ሱመራውያን ዱሙዚ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ፣ ሰብኣይ እታ ኢሽታር እትብሃል ኣምላኽ ፍርያምነት ከም ዝዀነ ጌርካ እውን እዩ ዚእመነሉ ነይሩ። * እተን እስራኤላውያን ኣንስቲ ኸም ክፍሊ እቲ ምስ ሞት ተሙዝ ዚተሓሓዝ ሃይማኖታዊ ጽምብል እየን ዚበኽያ ነይረን ኪዀና ዘለወን። ንተሙዝ ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ይበኽያሉ ብምንባረን ከኣ፡ ኣብታ ማእከል ንጹህ ኣምልኾ፡ ኣረማዊ ጽምብል እየን ዚገብራ ነይረን። በዓላት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ግና ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ስለ እተባዕለ ኣይቅደስን እዩ። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ብዓይኒ የሆዋ፡ እተን ከሓድቲ ኣንስቲ “ፍንፉን ነገራት” እየን ዚገብራ ነይረን።

14. ካብቲ የሆዋ ንተግባር እተን ከሓድቲ ኣንስቲ ዝረኣየሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

14 ካብቲ የሆዋ ንተግባር እተን ኣንስቲ ዝረኣየሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ንጽህና ኣምልኾና ንምሕላው፡ ምስ ርኹስ ኣረማዊ ልምድታት ክንሓናፍጾ የብልናን። ስለዚ፡ መበቈሉ ኣረማዊ ሃይማኖት ኣብ ዝዀነ በዓላት ክንሳተፍ ኣይንደልን ኢና። ግናኸ፡ መበቈልሲ ኽሳዕ ክንድዚ የገድስ ድዩ፧ እወ! ሎሚ፡ ኣብ ከም በዓል ልደትን በዓል ትንሳኤን ዝኣመሰለ በዓላት ዚዝውተር ልምድታት፡ ዋላ ሓንቲ ሕማቕ ዘይብሉ ይመስል ይኸውን። ግናኸ፡ የሆዋ ነቲ ኻብ ኣረማዊ ሃይማኖት ዝጀመረ እሞ ኣብዚ ግዜና ዚዝውተር ዘሎ ልምድታት ብዓይኑ ኸም ዝረኣዮ ኽንርስዕ የብልናን። ብኣረኣእያ የሆዋ ኸኣ፡ ኣረማዊ ልምድታት ንነዊሕ ግዜ ኺዝውተር ብምጽናሑ ወይ ምስ ንጹሕ ኣምልኾ ተሓናፊጹ ብምቕራቡ፡ ዘየፈንፍን እናዀነ ኣይከይድን እዩ።—2 ቈረ. 6:17፣ ራእ. 18:2, 4

ራብዓይ ትርኢት፦ 25 ሰብኡት ናብ “ጸሓይ ይሰግዱ”

15, 16. እቶም 25 ሰብኡት ኣብቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ እታ ቤተ መቕደስ እንታይ እዮም ዚገብሩ ነይሮም፧ እቲ ተግባሮም ንየሆዋ ብዙሕ ዘዀረዮኸ ስለምንታይ እዩ፧

15 ህዝቅኤል 8:15-18 ኣንብብ። የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ነቲ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ትርኢት ቅድሚ ምርኣዩ እውን፡ “ካብዚ ዚገድድ ፍንፉን ነገራት እውን ክትርኢ ኢኻ” በሎ። ምናልባት ህዝቅኤል፡ ‘ካብዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣኽዎ ዚገድድ እሞ እንታይ ኣሎ፧’ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ እታ ቤተ መቕደስ እዩ ነይሩ። ኣብ መእተዊ እታ ቤተ መቕደስ ድማ፡ 25 ሰብኡት “ናብታ ብምብራቕ ዘላ ጸሓይ” ይሰግዱ ነበሩ። እዞም ሰብኡት እዚኦም፡ ንየሆዋ ኻብ ኵሉ ብዝኸፍአ መገዲ እዮም ኣዀርዮምዎ። ስለምንታይ ከምኡ እንብል፧

16 ነቲ ትርኢት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ፦ መእተዊ እታ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ናብ ምብራቕ ገጹ እዩ ነይሩ። እቶም ናብታ ቤተ መቕደስ ዚኣትዉ ኣምለኽቲ፡ ዝባኖም ነታ ብምብራቕ እትበርቕ ጸሓይ ሂቦም ናብ ምዕራብ ገጾም እዮም ዚኣትዉ ነይሮም። እቶም ኣብቲ ራእይ እተራእዩ 25 ሰብኡት ግና፡ “ዝባኖም ናብ ቤተ መቕደስ፡” ገጾም ድማ ናብ ምብራቕ ገይሮም እዮም ንጸሓይ ዚሰግዱ ነይሮም። እታ ቤተ መቕደስ፡ “ቤት የሆዋ” ስለ ዝነበረት ከኣ፡ በዚ ተግባሮም ኣቢሎም ዝባኖም ንየሆዋ እዮም ሂቦምዎ። (1 ነገ. 8:10-13) እቶም 25 ሰብኡት፡ ከሓድቲ እዮም ነይሮም። ንየሆዋ ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም፣ ነቲ ኣብ ዘዳግም 4:15-19 ተመዝጊቡ ዘሎ ትእዛዝ ከኣ ጥሒሶም እዮም። ነቲ ንበይኑ ተወፋይነት ዚግብኦ ኣምላኽሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ኣዀርዮምዎ ኪዀኑ ዘለዎም!

የሆዋ ኻብ ኣምለኽቱ ንበይኑ ተወፋይነት ኪውሃቦ ይግብኦ

17, 18. (ሀ) ካብቲ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ኣምለኽቲ ጸሓይ ተመዝጊቡ ዘሎ ነገራት እንታይ ንምሃር፧ (ለ) እቶም ከሓድቲ እስራኤላውያን ነየናይ ርክባት እዮም ዘበላሸዉ፧ ብኸመይከ፧

17 ካብዚ ብዛዕባ እቶም ኣምለኽቲ ጸሓይ ተመዝጊቡ ዘሎ ነገራት እንታይ ንምሃር፧ ንጽህና ኣምልኾና ንምሕላው፡ ንየሆዋ ኸም ምንጪ መንፈሳዊ ብርሃንና ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። “የሆዋ ኣምላኽሲ ጸሓይ፡” ቃሉ ድማ ንመገድና “ብርሃን” ምዃኑ ኣይንረስዕ። (መዝ. 84:11፣ 119:105) የሆዋ ብቓሉን በቲ ውድቡ ዜዳልወልና መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ኣቢሉ፡ ንልብናን ንኣእምሮናን የብርሆ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሕጂ ናብ ዜሐጕስ ህይወት፡ ኣብ መጻኢ ኸኣ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብዚመርሕ መገዲ ብኸመይ ከም እንጕዓዝ የርእየና እዩ። ህይወትና ብኸመይ ክንመርሕ ከም ዘሎና ንምፍላጥ ካብዛ ዓለም እዚኣ ብርሃን ክንረክብ እንተ ፈቲንና፡ ንየሆዋ ኢና ዝባንና እንህቦ። እዚ ኣካይዳ እዚ ንዕኡ ብዙሕ የዀርዮ፡ ንልቡ እውን ብዙሕ የጕህዮ እዩ። ንኣምላኽና ኸምኡ ኽንገብሮ ኣይንደልን ኢና! ብተወሳኺ፡ እዚ ራእይ ህዝቅኤል እዚ፡ ካብቶም ንሓቂ ዝባኖም ዝሃቡ ሰባት፡ ማለት ካብ ከሓድቲ ኽንርሕቕ ከም ዘሎና የጠንቅቐና እዩ።—ምሳ. 11:9

18 ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ ህዝቅኤል፡ መንፈሳዊ ርኽሰት እታ ኸሓዲት ይሁዳ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝበጽሐ ዜቃልዕ ኣርባዕተ ዜሰምብድ ትርኢት ኣምልኾ ጣኦትን ናይ ሓሶት ኣምልኾን ርእዩ እዩ። እቶም እስራኤላውያን ከኣ ብመንፈሳዊ መዳይ ርኹሳት ስለ ዝዀኑ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ህዝብን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ዝነበረ ርክብ ኣበላሽዮምዎ እዮም። ኰይኑ ግና፡ መንፈሳዊ ርኽሰትን ስነ ምግባራዊ ርኽሰትን ንሓድሕዱ ይተኣሳሰር እዩ። ስለዚ ኸኣ እዮም እቶም ከሓድቲ እስራኤላውያን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ምስ ብጾቶም ሰባት ዘለዎም ርክብ እውን ዜበላሹ ዅሉ ዓይነት ስነ ምግባራዊ ኣበሳ ዚገብሩ ዝነበሩ። እምበኣር፡ ነብዪ ህዝቅኤል ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ፡ ነቲ ስነ ምግባራዊ ብልሽውና እታ ኸሓዲት ይሁዳ ብኸመይ ከም ዝገለጾ እስከ ንርአ።

ስነ ምግባራዊ ርኽሰት—“ኣብ ማእከልኪ እውን ጽያፍ ይገብሩ”

19. ህዝቅኤል ነቲ እቶም ምስ የሆዋ ኺዳን እተኣታተዉ ህዝቢ ዝነበሮም ስነ ምግባራዊ ውድቀት ብኸመይ እዩ ገሊጽዎ ዘሎ፧

19 ህዝቅኤል 22:3-12 ኣንብብ። እቶም ህዝቢ፡ ካብ ገዛእቶም ክሳብ ታሕቲ ብስነ ምግባር ተበላሽዮም እዮም ነይሮም። እቶም “ሹማምንቲ” ወይ መራሕቲ ንስልጣኖም፡ ንጹህ ደም ንምፍሳስ እዮም ዚጥቀሙሉ ነይሮም። እቶም ህዝቢ ብሓፈሻ ኸኣ ንሕጊ ኣምላኽ ብምንዓቕ፡ ንመራሕቶም እዮም ዚስዕቡ ነይሮም። ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ድማ፡ ውሉዳት ንወለዶም “ይንዕቁ” ነይሮም፣ ኣብ መንጎ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ዚግበር ጾታዊ ርክብ እውን ልሙድ ኰይኑ ነይሩ። ኣብታ ምድሪ ኸኣ፡ እቶም ዓለወኛታት እስራኤላውያን ንጓኖትን ንዘኽታማትን ንመበለታትን ይዕምጽዎም ነይሮም። እስራኤላውያን ሰብኡት ንኣንስቲ ብጾቶም ይዕምጹ ነይሮም። እቶም ህዝቢ ድማ ጉቦ ይቕበሉን ገንዘብ ይዝርፉን ሓረጣ የሕርጡን ብምንባሮም፡ ዘይተኣደነ ስስዐ እዩ ነይርዎም። የሆዋ፡ እቶም ምስኡ ኺዳን እተኣታተዉ ህዝቡ ንሕጉ ኺረግጽዎን ንመንፈስ እቲ ሕጉ ዕሽሽ ኪብልዎን ከለዉ ብምርኣዩ፡ ብዙሕ ሓዚኑ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ስነ ምግባራዊ ውድቀቶም፡ ንየሆዋ ብዙሕ ኣጕህይዎ እዩ። ብህዝቅኤል ኣቢሉ ድማ፡ “ጠሪስኪ ረሲዕክኒ ኢኺ” ኢልዎም እዩ።

ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ህዝበ ክርስትያን፡ ዓለም ናብ ዓመጻን ርኽሰትን ትጥሕል ኣላ (ሕጡብ ጽሑፍ 20 ርአ)

20. እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ስነ ምግባራዊ ርኽሰት ይሁዳ እተዛረቦ ቓላት ንግዜና ትርጉም ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

20 እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ስነ ምግባራዊ ርኽሰት ይሁዳ እተዛረቦ ቓላት ንግዜና ትርጉም ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ኣብታ ኸሓዲት ይሁዳ ዝነበረ ብልሽውና፡ ነዛ ሎሚ እንነብረላ ዘለና ስነ ምግባራዊ ውድቀት ኣጋጢምዋ ዘሎ ዓለም እዩ ዜዘኻኽረና። ፖለቲካውያን ገዛእቲ ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ይጥቀሙሉ፡ ንተራ ህዝቢ እውን ይጭቍኑ ኣለዉ። መራሕቲ ሃይማኖት፡—ምናዳ ኸኣ ኣቕሽሽቲ ህዝበ ክርስትያን፡—ኣብ መንጎ ኣህዛብ ንዚግበር ህይወት ሚልዮናት ዘህለቐ ውግኣት ባሪኾም እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣቕሽሽቲ ነቲ ምስ ጾታዊ ስነ ምግባር ዚተሓሓዝ ንጹህን ንጹርን ስርዓታት የዳኽምዎ ኣለዉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እዛ ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም፡ እናኣንቈልቈለ ይኸይድ ኣሎ። የሆዋ መሸም ንህዝበ ክርስትያን፡ ከምቲ ንይሁዳ ዝበላ፡ “ጠሪስኪ ረሲዕክኒ ኢኺ” ምበላ።

21. ካብ ስነ ምግባራዊ ርኽሰት እታ ጥንታዊት ይሁዳ እንታይ ንምሃር፧

21 ንሕና ህዝቢ የሆዋ፡ ካብ ስነ ምግባራዊ ርኽሰት እታ ጥንታዊት ይሁዳ እንታይ ንምሃር፧ ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ኸነምልኾ እንተ ዄንና፡ ኣካይዳና ብዅሉ መዳይ ንጹህ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብዛ ብስነ ምግባር እተበላሸወት ዓለም፡ እዚ ቐሊል ኣይኰነን። (2 ጢሞ. 3:1-5) እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ብዛዕባ ዅሉ ዓይነት ስነ ምግባራዊ ብልሽውና ኸመይ ከም ዚስምዖ ንፈልጥ ኢና። (1 ቈረ. 6:9, 10) ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮን ሕግታቱ ስለ እንፈቱን፡ ስነ ምግባራዊ ስርዓታቱ ንሕሉ ኢና። (መዝ. 119:97፣ 1 ዮሃ. 5:3) ብስነ ምግባር ርኹስ ምዃን፡ ነቲ ቕዱስን ንጹህን ኣምላኽና ኸም ዘይነፍቅሮ እዩ ዜርኢ። የሆዋ ንዓና፡ ‘ጠሪስኩም ረሲዕኩምኒ ኢኹም’ ኪብለና ኸቶ ኣይንደልን ኢና።

22. (ሀ) ነቲ የሆዋ ንመንፈሳውን ስነ ምግባራውን ውድቀት ጥንታዊት ይሁዳ ዘቃልዓሉ ሓሳባት ድሕሪ ምምርማርካ፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ እዩ ኺግለጽ፧

22 ነቲ የሆዋ ንመንፈሳውን ስነ ምግባራውን ውድቀት ጥንታዊት ይሁዳ ዘቃልዓሉ ሓሳባት ብምምርማር፡ ጠቓሚ ትምህርትታት ረኺብና ኢና። እዚ ኸኣ ነቲ ንየሆዋ በይኑ ዚግባእ ተወፋይነት ክንህብ ዘሎና ቘራጽነት ኣደልዲሉልና እዩ። ከምኡ ንምግባር፡ ካብ ኵሉ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ክንጥንቀቕን ስነ ምግባራዊ ንጽህናና ኽንሕሉን ኣሎና። የሆዋ ግና ነቶም ዘይእሙናት ህዝቡ እንታይ እዩ ገይርዎም፧ ኣብ መደምደምታ እቲ ህዝቅኤል ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝገበሮ ዑደት፡ የሆዋ ንነብዪ ህዝቅኤል ብንጹር፡ “ብነድሪ ስጕምቲ ኽወስድ እየ” ኢልዎ እዩ። (ህዝ. 8:17, 18) የሆዋ ኣብ ልዕሊ እታ ጠላም ይሁዳ እንታይ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና፣ ከመይሲ፡ ኣብዛ እክይቲ ዓለም እውን ተመሳሳሊ ፍርዲ እዩ ኺፍጽም። እዛ እትቕጽል ምዕራፍ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዝፈረዶ ፍርድታት ከመይ ኢሉ ኸም እተፈጸመ ኽትገልጽ እያ።

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል፡ እታ “እስራኤል” እትብል ቃል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንነበርቲ ይሁዳን የሩሳሌምን እያ እተመልክት።—ህዝ. 12:19, 22፣ 18:2፣ 21:2, 3

^ ሕ.ጽ. 7 የሆዋ ነታ፡ “ቅንኢ” እትብል ቃል ምጥቃሙ፡ ንጕዳይ ተኣማንነት ክሳዕ ክንደይ ኣኽቢዱ ኸም ዚርእዮ እዩ ዚሕብር። ሰበይቲ ንሰብኣያ እንተ ጠሊማቶ፡ ሰብኣያ ክሳዕ ክንደይ ብቕንኢ ኸም ዚንድር ክንሓስብ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 6:34) የሆዋ ኸኣ፡ እቶም ኪዳን ዝኣተዉ ህዝቡ ኣብ ኣምልኾ ምስሊ ብምስታፍ ዘይእሙናት ኪዀኑ ኸለዉ፡ ከምዚ ዝጠቐስናዮ ሰብኣይ፡ ይንድር እዩ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ “ቅንኢ ኣምላኽ ካብ ቅድስናኡ እዩ ዚልዓዓል። ንሱ በይኑ ቕዱስ ስለ ዝዀነ፡ . . . መቐናቕንቲ ኣይጻወርን እዩ” ይብል።—ዘጸ. 34:14

^ ሕ.ጽ. 11 እታ፡ “ጽዩፋት ጣኦታት” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።

^ ሕ.ጽ. 13 ተሙዝ ካልእ ስም ኒምሮድ ምዃኑ ዚኣምኑ ኣለዉ። ነዚ ዚድግፍ መርትዖ ግና የልቦን።