ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳልሳይ ክፋል

“ክእክበኩም . . . እየ”—ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚምለስ ተተስፍዩ

“ክእክበኩም . . . እየ”—ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚምለስ ተተስፍዩ

ህዝቅኤል 20:41

ኣትኵሮ፦ ኣብ ትንቢታት ህዝቅኤል ብዛዕባ ምምላስ ተገሊጹ

እስራኤል ተበታቲና እያ ነይራ፣ ሓድነታ ብኽሕደት ፈሪሱ እዩ ነይሩ። ሳዕቤናት ተግባራታ እያ እትዓጽድ ነይራ፣ ንንጹህ ኣምልኾ ኣርኪሳ፡ ንስም ኣምላኽ ከኣ ኣጸሊማ እያ። ኣብ መንጎ እቲ ተስፋ ዜቕብጽ ነገር ግና፡ የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ተስፋ ዜስንቕ ትንቢታት ኪንበ ደረኾ። የሆዋ ብመሳጢ ስእላዊ ቓላትን ብዜፍርህ ራእያትን ገይሩ፡ ንምሩኻት እስራኤላውያን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቀደሙ ተመሊሱ ኺርእዩ ንዚደልዩ ዘበሉ ዅሎም ኣተባብዖም።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ምዕራፍ 8

“ሓደ ጓሳ . . . ኸተንስኣለን እየ”

ኣምላኽ ንህዝቅኤል፡ ብዛዕባ እቲ ንኣባጊዕ የሆዋ ዚከናኸነንን ንንጹህ ኣምልኾ ንሓዋሩ ዚመልስን ኣብ መጻኢ ገዛእን ጓሳን ዚኸውን መሲሕ ኺንበ ብመንፈሱ ደሪኽዎ።

ምዕራፍ 9

“ሓደ ልቢ ኽህቦም . . . እየ”

እቲ ነቶም እሙናት ምሩኻት ኣይሁድ እተነግሮም ትንቢታት፡ ንዓና ትርጉም ኣለዎ ድዩ፧

ምዕራፍ 10

“ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም”

ህዝቅኤል ብራእይ ንቑጻት ኣዕጽምቲ ዝመልአ ስንጭሮ ረኣየ፣ እቶም ኣዕጽምቲ ድማ ህያዋን ኰኑ። እዚ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

ምዕራፍ 11

“ሓላዊ ገይረ ሸይመካ ኣለኹ”

እዚ ሓላዊ እንታይ ግደን ሓላፍነትን እዩ ዘለዎ፧ እንታይ ዓይነት መጠንቀቕታኸ እዩ ዚእውጅ፧

ምዕራፍ 12

“ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ”

የሆዋ ንህዝቡ ሓደ ኸም ዚገብሮም ቃል ኣትዩ እዩ።

ምዕራፍ 13

“ነታ ቤተ መቕደስ ግለጸሎም”

ትርጉም እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ እንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 14

“ሕጊ እታ ቤተ መቕደስ እዚ እዩ”

እቶም ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ ኣይሁድ ካብታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ እንታይ ግብራዊ ትምህርትታት ረኺቦም ኪዀኑ ይኽእሉ፧ እቲ ራእይከ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ዘሎ ንጹህ ኣምልኾ እንታይ ይምህረና፧