ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 11

“ሓላዊ ገይረ ሸይመካ ኣለኹ”

“ሓላዊ ገይረ ሸይመካ ኣለኹ”

ህዝቅኤል 33:7

ኣትኵሮ፦ የሆዋ ሓላዊ ሸይሙ፡ ሓላፍነት እቲ ሓላዊ እውን ገሊጹ

1. የሆዋ ዝሸሞም ሓለውቲ ዝዀኑ ነብያት እንታይ ይገብሩ ኸም ዝነበሩን ስዒቡ ዝዀነ ነገራትን ግለጽ።

ሓደ ሓላዊ ኣብ ልዕሊ መካበብያ የሩሳሌም ደው ኢሉ፡ ንኣዒንቱ ኻብታ እትዓርብ ጸሓይ እናኣጽለለ ናብ ማዕዶ ይቋመት ነበረ። ብሃንደበት ድማ፡ መለኸቱ ኣልዒሉ፡ ብዘለዎ ሓይሊ ነፍሐ፡—ሰራዊት ባቢሎን እዮም ዚመጹ ነይሮም! እቶም ግዲ ዘይነበሮም ነበርቲ እታ ኸተማ ግና፡ ንመለኸት እቲ ሓላዊ ሰሚዖም ስጕምቲ ዚወስዱሉ ግዜ ኣይነበሮምን። የሆዋ ዝሸሞም ሓለውቲ ወይ ነብያት፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም እተመጽእ ንነዊሕ እዋን ኬጠንቅቑ ጸኒሖም እዮም፣ እቶም ህዝቢ ግና ኣይሰምዕዎምን። ኣብ መወዳእታ፡ ባቢሎናውያን ነታ ኸተማ ኸበብዋ። ንሓያሎ ኣዋርሕ ከቢቦምዋ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ ነቲ መካበብያኣ ኣፍሪሶም ኣትዮም ነታ ቤተ መቕደስ ኣዕነውዋ፣ ነቶም ኣምለኽቲ ጣኦት ዝዀኑ ዘይኣምኑ ነበርቲ የሩሳሌም ከኣ፡ ንገሊኦም ሓረድዎም፡ ንገሊኦም እውን ማረኽዎም።

2, 3. (ሀ) ሎሚ ዘለዉ ነበርቲ ምድሪ እንታይ ኵነታት እዩ ኣጋጢምዎም ዘሎ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 ሎሚ፡ ፍርዲ የሆዋ ዚፍጽሙ ሓይልታት ምስቶም ዘይኣምኑ ነበርቲ ምድሪ ንምውጋእ ይግስግሱ ኣለዉ። (ራእ. 17:12-14) እቲ ውግእ ከኣ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ጸበባ እዩ ኪኸውን። (ማቴ. 24:21) እንተዀነ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ነቶም ከም ሓላዊ ዀይኖም ብየሆዋ እተሸሙ ዚህብዎ መጠንቀቕታ ሰሚዖም ስጕምቲ ኺወስዱሉ ዚኽእሉ ግዜ ኣለዎም።

3 ግናኸ፡ ብምንታይ ተደሪኹ እዩ የሆዋ ሓለውቲ ዚሸይም፧ ሓላዊኸ እንታይ ዓይነት መልእኽቲ እዩ ዚእውጅ፧ ነዚ ግደ እዚ ዚፍጽሙ ዘለዉ መን እዮም፧ ንሕናኸ እንታይ እጃም ኣሎና፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ እስከ ንርአ።

“ካባይ መጠንቀቕታ ሃቦም”

4. የሆዋ ሓለውቲ ዝሸመ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 ህዝቅኤል 33:7 ኣንብብ። ሓለውቲ ንድሕንነት ነበርቲ ኸተማ ንምሕላው፡ ኣብ መከበብያ እዮም ደው ዚብሉ ነይሮም። እቲ ተግባሮም ከኣ ገዛኢ እታ ኸተማ ብተገዛእቱ ኸም ዚግደስ ዜርኢ መርትዖ እዩ ነይሩ። ሓላዊ ዚነፍሖ መለኸት ንሓደ ደቂሱ ዝነበረ ተቐማጢ እታ ኸተማ ኼሰምብዶ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንህይወት እቶም ንዕኡ ሰሚዖም ስጕምቲ ዚወስዱ ግና ኬድሕን ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ ድማ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ብናይ ጥፍኣት መልእኽቲ ኼሸብሮም ኢሉ ዘይኰነስ፡ ንህዝቡ ስለ ዚሓልየሎምን ህይወቶም ኬድሕን ስለ ዚደልን እዩ ሓለውቲ ሸይሙሎም።

5, 6. ፍትሒ የሆዋ ዚርኣየሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

5 እቲ የሆዋ ንህዝቅኤል ሓላዊ ገይሩ ኺሸሞ ኸሎ እተራእየ ባህርያት፡ ንዓና ኼጸናንዓና ይኽእል እዩ። ክልተ ኻብዚ ባህርያት እዚ ጥራይ እስከ ንርአ።

6 ፍትሒ፦ ፍትሒ የሆዋ ኣብቲ ንሱ ንዓና ብዘይ ኣድልዎ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዚሕዘሉ መገዲ ይርአ እዩ። ንኣብነት፡ ብዙሓት ህዝቢ ነቲ ህዝቅኤል ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ምስማዕ እኳ እንተ ኣበዩ፡ የሆዋ ንዅሎም እስራኤላውያን ብጃምላ ዓለወኛታት ከም ዝዀኑ ገይሩ ኣይረኣዮምን፣ የግዳስ፡ ውልቀ ሰባት እንታይ ምላሽ ከም ዚህቡ ኺርኢ ደልዩ እዩ። ንሓደ “እኩይ” ወይ ንሓደ “ጻድቕ” ብዛዕባ ምዝራብ ብተደጋጋሚ ገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ የሆዋ ብመሰረት እቲ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ንመልእኽቱ ዚህቦ ምላሽ እዩ ዚፈርድ።—ህዝ. 33:8, 18-20

7. የሆዋ ብምንታይ መሰረት እዩ ንሰባት ዚፈርድ፧

7 ፍትሒ የሆዋ ኣብቲ ንሰባት ዚፈርደሉ መገዲ እውን ኪርአ ይከኣል እዩ። ውልቀ ሰባት በቲ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝገበርዎ ተግባር ዘይኰነስ፡ በቲ ንህሉው መጠንቀቕታ ዚህብዎ ምላሽ እዮም ተሓተትቲ ዚዀኑ። የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “ንእኩይ ድማ፡ ‘ብርግጽ ክትመውት ኢኻ’ ምስ በልክዎ፡ ካብ ሓጢኣቱ ተመሊሱ ፍትሕን ጽድቅን እንተ ገይሩ፡ . . . ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ” ኢልዎ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ካብቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ብሓደ እኳ ተሓታቲ ኣይኪኸውንን እዩ” ብምባል ዜደንቕ ነገር ተዛሪቡ ኣሎ። (ህዝ. 33:14-16) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ እቶም ብመገዲ ጽድቂ ዚመላለሱ ዝነበሩ፡ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝነበረ ተኣዛዝነቶም ነቲ ኣብ ህሉው ግዜ ዚፍጽምዎ ዕልወት መመኽነይታ ኪዀኖም ከም ዘይግባእ ተገሊጹ ኣሎ። የሆዋ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “[ሰብ] ብጽድቁ ተኣሚኑ እንተ በዲሉ፡ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ በደል ደኣ ኺመውት እዩ እምበር፡ ካብ ጽድቁስ ሓደ እኳ ኣይኪዝከረሉን እዩ” ኢሉ እዩ።—ህዝ. 33:13

8. ነብያት ዚህብዎ ዝነበሩ መጠንቀቕታታት ብዛዕባ ፍትሒ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧

8 ብዘይካዚ፡ የሆዋ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳዱ ግቡእ መጠንቀቕታ ዚህብ ምዃኑ እውን ንፍትሑ እዩ ዜርኢ። ህዝቅኤል ካብቲ ሰራዊት ባቢሎን ንየሩሳሌም ዘጥፍኡሉ ግዜ ኣስታት ሽዱሽተ ዓመት ኣቐዲሙ እዩ ዕዮኡ ጀሚሩ። ኰይኑ ግና፡ ቅድሚ ህዝቅኤል እውን፡ ህዝቢ ኣምላኽ ተሓተትቲ ኸም ዚዀኑ መጠንቀቕታ ዝሃቡ ነይሮም እዮም። የሆዋ ኻብቲ የሩሳሌም ዝጠፍኣትሉ ግዜ ልዕሊ ሓደ ዘመን ኣቐዲሙ፡ ከም ሓለውቲ ዀይኖም ንዘገልገሉ ሆሴእን ኢሳይያስን ሚክያስን ዖዴድን ኤርምያስን ዚብሃሉ ነብያት ሰዲዱሎም እዩ። ብተወሳኺ፡ የሆዋ ብኤርምያስ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን፡ “‘ናብ ደሃይ መለኸት ኣቕልቡ!’ ዚብል ሓላዊ ሸምኩ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ኤር. 6:17) እምበኣር፡ የሆዋ ዀነ እቶም ሓለውቲ፡ በቲ ባቢሎናውያን መጺኦም ፍርዲ የሆዋ ኺፍጽሙ ኸለዉ ዝጠፍአ ህይወት ተሓተትቲ ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም።

9. የሆዋ ኸመይ ገይሩ እዩ ብተኣማንነት ፍቕሩ ዘርኣየ፧

9 ፍቕሪ፦ የሆዋ ንጻድቃን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ንልቡ ዝሰበርዎን ንስሙ ዘጸለምዎን እኩያት እውን ንምጥንቃቕ ሓላዊኡ ብምልኣኽ፡ ብተኣማንነት ፍቕሩ ኣርእዩ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ እስራኤላውያን ህዝቢ የሆዋ እዮም ነይሮም፣ ኰይኑ ግና፡ ብተደጋጋሚ ዝባኖም ሂቦምዎን ደድሕሪ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ስዒቦምን እዮም። የሆዋ ነቲ ጥልመቶም ዘስዓበሉ ስምዒታዊ ስቓይ ንምግላጽ፡ ነቶም ህዝቢ ምስ ዘማዊት ሰበይቲ ኣመሳሲልዎም እዩ። (ህዝ. 16:32) ይኹን እምበር፡ ቀልጢፉ ብኣታቶም ኣይተሓለለን። ኪዕረቖም ደኣ እምበር፡ ሕነ ኺፈዲ ኣይደለየን። ነታ ናይ ፍርዲ ሰይፉ፡ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ እዩ መሊሕዋ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ፡ ንህዝቅኤል፡ “እኩይ መገዱ ቐዪሩ ብህይወት ኪነብር እምበር፡ ብሞት እኩይ ባህ ኣይብለንን እዩ” ኢልዎ ኣሎ። (ህዝ. 33:11) የሆዋ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸምዚ እዩ ዚስምዖ ነይሩ፣ ሎሚ እውን ከምኡ እዩ ዚስምዖ።—ሚል. 3:6

10, 11. ካብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሓዘሉ መገዲ፡ እንታይ ትምህርትታት ንረክብ፧

10 ካብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ብፍትሕን ብፍቕርን ዝሓዘሉ መገዲ፡ እንታይ ትምህርትታት ንረክብ፧ ሓደ እንረኽቦ ትምህርቲ፡ ንእንሰብከሎም ሰባት ነናቶም መንነት ከም ዘለዎም ውልቀ ሰባት ደኣ እምበር፡ ብጃምላ ኸም ሓደ ህዝቢ ጌርና ኽንርእዮም የብልናን። ሓደ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ብዝነበሮ ኣካይዳ ወይ ብምኽንያት ዓሌቱ፡ ቀቢላኡ፡ ደረጃ ቝጠባኡ፡ ወይ ቋንቋኡ ነቲ መልእኽቲ ኺሰምዕ ከም ዘይበቅዕ ጌርና ኣቐዲምና ምፍራድ ዓብዪ ጌጋ እዩ! የሆዋ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ነዚ ግዜና እውን ዚኸውን ኣገዳሲ ትምህርቲ ምስ መሃሮ፡ ጴጥሮስ፡ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ፣ የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ።—ግብ. 10:34, 35

ንሰባት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና ዲና እንርእዮም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

11 ካልእ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኸኣ፡ ንሕና ንገዛእ ርእስና እውን ክንጥንቀቕ ኣሎና፣ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝገበርናዮ ጽድቂ፡ ኣብ ህሉው ግዜ ኣበሳ ንምፍጻም መመኽነይታ ኪዀነና ኣይክእልን እዩ። ከምቶም እንሰብከሎም ሰባት ናይ ምሕጣእ ዝንባለ ኸም ዘሎና ኽንዝክር ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። ንሰብ ዘይበጽሖ ፈተና ኣይበጽሓኩምን” ኢሉ ዝሃቦም ምኽሪ ንዓና እውን ብማዕረ ይዓዪ እዩ። (1 ቈረ. 10:12, 13) ‘ብጽድቁ ዚእመን’ ሰብ ክንከውን፡ ማለት እቲ ሰናይ ተግባራትና ንእንብድሎ በደል መመኽነይታ ኸም ዝዀነ ጌርና ኽንሓስብ ኣይንደልን ኢና። (ህዝ. 33:13) ንየሆዋ ዘገልገልናሉ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ፡ ወትሩ ትሑታትን እዙዛትን ክንከውን ኣሎና።

12. ኣብ ሕሉፍ ግዜ ኸቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

12 ኣብ ሕሉፍ ግዜ ኸቢድ ሓጢኣት ዝገበርናን ሕጂ ብእኡ እንጠዓስን እንተ ዄንናኸ፧ የሆዋ ንዘይንስሑ ኣበስቲ ኸም ዚቐጽዖም፡ ካብቲ ህዝቅኤል ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ግናኸ፡ የሆዋ ብቐዳምነት ኣምላኽ ፍቕሪ ደኣ እምበር፡ ኣምላኽ ሕነ ዘይምዃኑ እውን ንምሃር ኢና። (1 ዮሃ. 4:8) ከም እተነሳሕና ብግብርና ነርኢ እንተ ዄንና፡ ሓጢኣትና ብምሕረት ኣምላኽ ኪሽፈን ከም ዘይከኣል ጌርና ጠሪስና ኽንሓስብ የብልናን። (ያእ. 5:14, 15) የሆዋ ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዘመውቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ይቕረ ኺብለሎም ፍቓደኛ እዩ ነይሩ፣ ንዓና እውን ይቕረ ኺብለልና ፍቓደኛ እዩ።—መዝ. 86:5

“ንደቂ ህዝብኻ . . . ተዛረቦም”

13, 14. (ሀ) እቶም ሓለውቲ እንታይ ዓይነት መልእኽቲ እዮም ዚእውጁ ነይሮም፧ (ለ) ኢሳይያስ እንታይ መልእኽቲ እዩ ዝኣወጀ፧

13 ህዝቅኤል 33:2, 3 ኣንብብ። እቶም የሆዋ ዝሸሞም ሓለውቲ እንታይ ዓይነት መልእኽቲ እዮም ዚእውጁ ነይሮም፧ ሓደ ኣገዳሲ መዳይ እቲ ዕዮኦም፡ መጠንቀቕታታት ምእዋጅ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ብስራት እውን የበስሩ ነይሮም እዮም። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

14 እቲ ኻብ ከባቢ 778 ክሳዕ 732 ቅ.ክ. ዜገልግል ዝነበረ ኢሳይያስ፡ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ከም ዚሕዝዋ፡ ንነበርታ ኸኣ ናብ ምርኮ ኸም ዚወስድዎም ኣጠንቂቑ እዩ። (ኢሳ. 39:5-7) ግናኸ፡ “ስምዒ! ሓለውትኺ ድምጾም ዓው የብሉ። የሆዋ ንጽዮን ኪመልሳ ኸሎ ብንጹር ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብሓደ እልል ይብሉ” ኢሉ ኺጽሕፍ እውን ብመንፈስ ተደሪኹ እዩ። (ኢሳ. 52:8) ብዘይካዚ፡ ኢሳይያስ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ብስራት ኣበሲሩ እዩ፣ እወ፡ ብዛዕባ ምምላስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣበሲሩ እዩ!

15. ኤርምያስ እንታይ መልእኽቲ እዩ ኣዊጁ፧

15 እቲ ኻብ 647 ክሳዕ 580 ቅ.ክ. ዘገልገለ ኤርምያስ ድማ፡ “መእወዪ መዓት” ተባሂሉ ዘይግብኦ ስም ይውሃቦ እዩ። ልክዕ እዩ፡ ንእኩያት እስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዜምጽኣሎም መዓት ጽቡቕ ገይሩ ኣጠንቂቕዎም እዩ። * ግናኸ፡ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ዓዶም ዚምለሱሉን ንጹህ ኣምልኾ ኣብኡ ዚምለሰሉን ብስራት እውን ኣበሲሩ እዩ።—ኤር. 29:10-14፣ 33:10, 11

16. መልእኽቲ ህዝቅኤል ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ብኸመይ ጠቒምዎም፧

16 ህዝቅኤል ብ613 ቅ.ክ. እዩ ሓላዊ ኪኸውን ተሸይሙ፣ ብውሕዱ ኽሳዕ 591 ቅ.ክ. ድማ ኣብዚ ዕዮ እዚ ኣገልጊሉ እዩ። ኣብ ምዕራፍ 56ን እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ ህዝቅኤል ንህዝቢ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ዚወርዶም ጥፍኣት ብቕንኣት ኣጠንቂቕዎም እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ካብ ደም እቶም ዚጠፍኡ ናጻ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዕዮኡ ድማ፡ የሆዋ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኸሓድቲ ኸም ዚቐጽዖም ኣጠንቂቑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ብመንፈሳዊ መዳይ ንናይ መጻኢ ዕዮ ህያዋንን ጥዑያትን ኰይኖም ኪጸንሑ እውን ሓጊዙ እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ 70 ዓመት ምርኮ፡ የሆዋ ንተረፍ እስራኤል ኣብታ እትሕደስ ምድሪ እስራኤል ኪተኽሎም መዲቡ ነይሩ እዩ። (ህዝ. 36:7-11) መብዛሕትኦም እቶም ተረፍ ከኣ ደቅን ደቂ ደቅን እቶም ንህዝቅኤል ዝሰምዕዎ ሰባት እዮም ዚዀኑ። ከምቲ ኣብ 3ይ ክፋል እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዚርከብ ካልእ ምዕራፋት ዘጕልሖ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ የሩሳሌም ከም ዚምለስ ብምርግጋጽ፡ ህዝቅኤል ብዙሕ ብስራት ኣበሲሩ እዩ።

17. መዓስ እዩ የሆዋ ሓለውቲ ዚሸይም ዝነበረ፧

17 የሆዋ ነቶም ኣብ ከባቢ እቲ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ዝጠፍኣትሉ እዋን ንህዝቢ ኣምላኽ ዝኣወጁ ነብያት ጥራይ ድዩ ኸም ሓለውቲ ገይሩ ተጠቒሙሎም፧ ኣይፋልን። የሆዋ ኣብ ዅሉ እቲ ኣብ ምፍጻም ዕላማኡ ዚርከብ ኣገዳሲ እዋናት፡ ንእኩያት ንምጥንቃቕን ብስራት ንምብሳርን ሓለውቲ ይሸይም ነይሩ እዩ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሓለውቲ

18. ዮሃንስ መጥምቕ እንታይ ዕዮ እዩ ዓይዩ፧

18 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ዮሃንስ መጥምቕ ሓላዊ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ነቶም ብስጋ ኻብ ቤት እስራኤል ዝነበሩ ድማ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ኺድርበዩ ምዃኖም ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ማቴ. 3:1, 2, 9-11) መልእኽቱ ግና በዚ ኣየብቅዐን። የሱስ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪዛረብ ከሎ፡ ንሱ እቲ ንመሲሕ መገዲ ኸም ዚጸርግ ብትንቢት እተነግረሉ “ልኡኽ” ምዃኑ ሓቢሩ እዩ። (ሚል. 3:1፣ ማቴ. 11:7-10) ገለ ኻብቲ ዕዮ ኸኣ እቲ “ገንሸል ኣምላኽ” ከም ዝመጸን “ሓጢኣት ዓለም [ከም] ዜርሕቕ”ን ምብሳር እዩ ነይሩ።—ዮሃ. 1:29, 30

19, 20. ከመይ ገይሮም እዮም የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ከም ሓለውቲ ዀይኖም ዘገልገሉ፧

19 የሱስ ድማ ካብ ኵሎም ሓለውቲ ኣውራ እዩ ነይሩ። የሆዋ ኸኣ ንየሱስ፡ ከም ህዝቅኤል፡ ናብ “ቤት እስራኤል” እዩ ልኢኽዎ። (ህዝ. 3:17፣ ማቴ. 15:24) የሱስ ድማ እቶም ብስጋ ህዝቢ እስራኤል ዝዀኑ ኸም ዚድርበዩን የሩሳሌም ከም እትጠፍእን ኣጠንቂቑ እዩ። (ማቴ. 23:37, 38፣ 24:1, 2፣ ሉቃ. 21:20-24) ቀንዲ ዕዮኡ ግና ብስራት ምብሳር እዩ ነይሩ።—ሉቃ. 4:17-21

20 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ሓለውቲ ዀይኖም ኪዓይዩ ኺምሕጸኖም ከሎ፡ “ንቕሑ” ኢልዎም እዩ። (ማቴ. 24:42) ንሳቶም ድማ ከም ሓለውቲ ዀይኖም ብምዕያይ፡ የሆዋ ነቶም ስጋውያን ህዝቢ እስራኤልን ነታ ምድራዊት ከተማ የሩሳሌምን ከም ዚሓድጎም ኣጠንቂቖም እዮም። (ሮሜ 9:6-8፣ ገላ. 4:25, 26) ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ሓለውቲ እውን፡ ብስራት ኣበሲሮም እዮም። ገለ ኻብቲ መልእኽቶም ከኣ፡ ኣህዛብ ምስቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ከም ዚጠቓለሉን ኣብቲ ክርስቶስ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ምድሪ ንምምላስ ዚገብሮ ዕዮ ኸም ዚሳተፉን ዚሕብር እዩ ነይሩ።—ግብ. 15:14፣ ገላ. 6:15, 16፣ ራእ. 5:9, 10

21. ጳውሎስ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧

21 ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሓለውቲ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ነቲ ሓላፍነቱ ብርዝነት እዩ ርእይዎ። ከም ህዝቅኤል ከኣ፡ ዕዮኡ እንተ ዘይፈጺሙ ብደም ተሓታቲ ኸም ዚኸውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ግብ. 20:26, 27) ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ሓለውቲ ድማ፡ ንኻልኦት ኣጠንቂቑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብስራት እውን ኣበሲሩ እዩ። (ግብ. 15:35፣ ሮሜ 1:1-4) ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ከኣ፡ ካብቲ ኢሳይያስ እተነበዮ፡ “እቲ ብስራት ዜበስር፡ . . . ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ኰን ጽቡቓት እየን” ዚብል ቃላት ድሕሪ ምጥቃስ፡ ነዚ ምስቲ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ኸለዉ ዚዓይይዎ ዕዮ ኣተሓሒዝዎ እዩ።—ኢሳ. 52:7, 8፣ ሮሜ 10:13-15

22. ድሕሪ ሞት ሃዋርያት እንታይ እዩ ዝዀነ፧

22 ድሕሪ ሞት ሃዋርያት፡ እቲ ብትንቢት ተነጊሩሉ ዝነበረ ኽሕደት ንክርስትያናዊት ጉባኤ ዓብለላ። (ግብ. 20:29, 30፣ 2 ተሰ. 2:3-8) ኣብቲ እቲ እተዘርአ ዘርኢ ዝበቘለሉ ነዊሕ እዋን፡ እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ካብቶም ብስርናይ እተመሰሉ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣዝዮም በዝሑ፣ እቲ ብዛዕባ መልእኽቲ ኣምላኽ ዚንገር ንጹር መልእኽቲ ኸኣ ብናይ ሓሶት ትምህርትታት ተዋሕጠ። (ማቴ. 13:36-43) የሆዋ ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ጣልቃ ዝኣትወሉ እዋን ምስ ቀረበ ግና፡ ንጹር መጠንቀቕታ ዚእውጁን ብስራት ዜበስሩን ሓለውቲ ብምሻም ከም ብሓድሽ ፍቕሩን ፍትሑን ኣርእዩ እዩ። እሞ ደኣ ኣብዚ እዋን እዚ ሓለውቲ ዀይኖም እተሸሙ መን እዮም፧

የሆዋ ንእኩያት ንምጥንቃቕ፡ ከም ብሓድሽ ሓለውቲ ሸመ

23. ቻርለስ ቴዝ ራስልን ብጾቱን እንታይ ዕዮ እዮም ዝዓየዩ፧

23 ኣብቲ ቕድሚ 1914 ዝነበረ ዓመታት፡ ቻርለስ ቴዝ ራስልን ብጾቱን ቅድሚ ምምስራት እታ መሲሓዊት መንግስቲ ‘መገዲ ዚጸርግ ልኡኽ’ ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም። * (ሚል. 3:1) ብዘይካዚ፡ እቲ ጕጅለ እቲ በታ ዛዮንስ ዎች ታወር ኤንድ ሄራልድ ኦቭ ክራይስትስ ፕረዘንስ እትብሃል መጽሔት ገይሩ ብዛዕባ ፍርድታት ኣምላኽ ብምጥንቃቕን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምብሳርን ሓላዊ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

24. (ሀ) ከመይ ገይሩ እቲ እሙን ባርያ፡ ሓላዊ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ፧ (ለ) ካብቲ እቶም ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝነበሩ ሓለውቲ ዝሓደግዎ ኣብነት እንታይ ተማሂርካ፧ (“ገሊኦም ኣብነታውያን ሓለውቲ” ዘርእስቱ ሰሌዳ ርአ።)

24 መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ቈመት፡ የሱስ ሒደት ኣባላት ንዘለውዎ ሓደ ጕጅለ፡ እሙን ባርያ ገይሩ ሸመ። (ማቴ. 24:45-47) ካብ ሽዑ ንነጀው፡ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እውን ተባሂሉ ዚፍለጥ እሙን ባርያ፡ ሓላዊ ዀይኑ ይዓዪ ኣሎ። ብዛዕባ እታ “መዓልቲ ሕነ” ኣብ ምጥንቃቕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ዓመት ጽቡቕ ፍቓድ የሆዋ” ኣብ ምእዋጅ እውን መሪሕ ተራ ይጻወት ኣሎ።—ኢሳ. 61:2፣ 2 ቈረንቶስ 6:1, 2 እውን ርአ።

25, 26. (ሀ) ኵሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ እንታይ ዕዮ እዮም ኪዓይዩ ዘለዎም፧ እቲ ዕዮኸ ብኸመይ እዩ ዚዕየ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

25 እቲ እሙን ባርያ ነቲ ሓላዊ ብምዃን ዚዓይዮ ዕዮ ዚመርሖ እኳ እንተ ዀነ፡ የሱስ ‘ንዅሎም’ ሰዓብቱ “ንቕሑ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። (ማር. 13:33-37) ነቲ ትእዛዝ እቲ ንምሕላው ከኣ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሓት ክንከውን፡ ማለት ነዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሓላዊ ብተኣማንነት ክንድግፍ ኣሎና። ንምስባኽ እተዋህበና ሓላፍነት ብምፍጻም፡ ንቑሓት ምዃንና ነርኢ ኢና። (2 ጢሞ. 4:2) ከምኡ ንምግባር ዚድርኸና እንታይ እዩ፧ ሓደ ምኽንያት፡ ህይወት ንምድሓን ዘሎና ድሌት እዩ። (1 ጢሞ. 4:16) ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሓላዊ ዚእውጆ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባሎም ህይወቶም ኪስእኑ እዮም። (ህዝ. 3:19) ቀንዲ ዚድርኸና ምኽንያት ግና፡ ብሉጽ ብስራት ከነበስር፡ ማለት ብዛዕባ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ ኽንነግር ስለ እንደሊ እዩ። ኣብዚ ዘለናሉ “ዓመት ጽቡቕ ፍቓድ የሆዋ፡” እቲ ሰባት ነቲ ፍትሓውን ፈቃርን የሆዋ ኣምላኽና ኼገልግሉሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚ ገና ኣይተዓጽወን። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ኻብ መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ዚድሕኑ ዘበሉ ዅሎም፡ ካብቲ ምሕረት ዝሰፈኖ ግዝኣት እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ኪጥቀሙ እዮም። እምበኣር፡ ብስራት ብምንጋር፡ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሓላዊ ኽንሕግዞ ኣሎና።—ማቴ. 24:14

ብስራት ብምብሳር፡ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሓላዊ ተሓጒስና ንሕግዞ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 25 ርአ)

26 እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ቕድሚ ምውዳኡ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብተኣምራዊ መገዲ ሓድነት ሂብዎም ኣሎ። ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፡ እዚ ብኸመይ ከም ዚኸውን ብምሳሌ ዜረድእ ብዛዕባ ኽልተ ዕንጨይቲ ዚገልጽ ትንቢት ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 15 ኣብ መጽሓፍ ኤርምያስ እታ “መዓት” እትብል ቃል፡ ኣስታት 70 ሳዕ ትርከብ።

^ ሕ.ጽ. 23 ብዛዕባ እዚ ትንቢት እዝን ብዛዕባ ፍጻመኡን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ! እትብሃል መጽሓፍ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ተወሊዳ” ኣብ ዘርእስታ ምዕራፍ 2 ርአ።