ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 12

“ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ”

“ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ”

ህዝቅኤል 37:22

ኣትኵሮ፦ የሆዋ ንህዝቡ ብሓደ ኸም ዚእክቦም ዘተስፈዎ ተስፋ፣ ትንቢት እቲ ኽልተ ዕንጨይቲ

1, 2. (ሀ) ስለምንታይ እዮም እቶም ምሩኻት ሰጊኦም ኪዀኑ ዚኽእሉ፧ (ለ) ዘይተጸበይዎ ነገር ዝሰምዑ ግና ስለምንታይ እዮም፧ (ሐ) ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

ህዝቅኤል ብመሰረት እቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህቦ መምርሒ፡ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ብዚርአ ምልክታት ገይሩ ሓያሎ ትንቢታት ነጊርዎም እዩ። እቲ ህዝቅኤል እተዋስኣሉ ቐዳማይ ትንቢት፡ መልእኽቲ ፍርዲ እዩ ሒዙ ነይሩ፣ እቲ ኻልኣይ ድማ ከምኡ እዩ ነይሩ፣ እቲ ሳልሳይ እውን ከምኡ እዩ ነይሩ፣ ድሕሪኡ እውን እንተ ዀነ ተመሳሳሊ መልእኽቲ እዩ ኣመሓላሊፉ። (ህዝ. 3:24-26፣ 4:1-7፣ 5:1፣ 12:3-6) ኵሉ እቲ ቕድሚኡ ብምልክታት እናተዋስአ ዝነገሮም ትንቢታት፡ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ብዛዕባ ዚወርድ ከቢድ ፍርዲ ዚሕብር መልእኽቲ እዩ ሒዙ ነይሩ።

2 ስለዚ፡ ህዝቅኤል መሊሱ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሩኻት ኰይኑ ኺንበ ምስ ተዳለወ፡ ንሳቶም ሰጊኦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ‘ሕጂኸ እንታይ ሕማቕ መልእኽቲ ኢና ኽንሰምዕ፧’ ኢሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪኡ ግና ዘይተጸበይዎ ነገር እዮም ሰሚዖም። እቲ ህዝቅኤል ቀጺሉ እተዋስኦ ትንቢት፡ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ጽልሙት ፍርዲ ዘይኰነስ፡ ብሩህ ተስፋ እዩ ሒዙ ነይሩ። (ህዝ. 37:23) እሞ ደኣ ህዝቅኤል ነቶም ምሩኻት እንታይ መልእኽቲ እዩ ኣመሓላሊፉሎም፧ ትርጉሙ እንታይ እዩ፧ ሎሚ ንዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽከ ብኸመይ ይጸልዎም፧ እስከ ንርአ።

“ኣብ ኢደይ ድማ ሓደ ኪዀኑ እዮም”

3. (ሀ) እቲ “ንይሁዳ” እተባህለ ዕንጨይቲ ንምንታይ የመልክት፧ (ለ) “ዕንጨይቲ ኤፍሬም” ነታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ዜመልክት ስለምንታይ እዩ፧

3 የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ክልተ ዕንጨይቲ ወሲዱ፡ ኣብቲ ሓደ “ንይሁዳ፡” ኣብቲ ሓደ ኸኣ፡ “ንዮሴፍ እቲ ዕንጨይቲ ኤፍሬም” ኢሉ ኺጽሕፍ ኣዘዞ። (ህዝቅኤል 37:15, 16 ኣንብብ።) እቲ ኽልተ ዕንጨይቲ ንምንታይ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧ እቲ “ንይሁዳ” እተባህለ ዕንጨይቲ ነታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ይሁዳን ብንያምን እዩ ዜመልክት ነይሩ። ካብ ወለዶ ይሁዳ ዝዀኑ ነገስታት ነቶም ክልተ ነገዳት ይገዝእዎም ነይሮም እዮም። እቲ ኽህነት እውን ኣብታ መንግስቲ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ካህናት ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ እዮም ዜገልግሉ ነይሮም። (2 ዜና 11:13, 14፣ 34:30) ስለዚ፡ መንግስቲ ይሁዳ ንወለዶ ነገስታት ዳዊትን ንሌዋውያን ካህናትን ሒዛ ነይራ እያ። “ዕንጨይቲ ኤፍሬም” ከኣ ነታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል እዩ ዜመልክት ነይሩ። ከመይ ገይሩ ደኣ እዩ እቲ ዕንጨይቲ እቲ ምስ ኤፍሬም ተተሓሒዙ፧ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ዝዀነ የሮብዓም ካብ ነገድ ኤፍሬም እዩ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ ኤፍሬም ኣብ እስራኤል ኣውራ ነገድ ኰይኑ ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 33:17፣ 1 ነገ. 11:26) ግናኸ፡ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል፡ ነገስታት ወለዶ ዳዊት ወይ ሌዋውያን ካህናት ከም ዘይነበራ ነስተብህል።

4. እቲ ህዝቅኤል ቀጺሉ በቲ ኽልተ ዕንጨይቲ ዝገበሮ ተግባር እንታይ የመልክት፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 ድሕሪኡ፡ እቲ ኽልተ ዕንጨይቲ “ሓደ ዕንጨይቲ ምእንቲ ኪኸውን፡” ህዝቅኤል ንሓድሕዱ ኼላግቦ ተነግሮ። እቶም ምሩኻት ከኣ ብጭንቀት እናተዓዘብዎ፡ “እዚ እንታይ ማለት ከም ዝዀነስ ኣይትነግረናን ዲኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ድማ፡ እቲ ተዋስኦ ነቲ የሆዋ ዚገብሮ ነገር ከም ዜመልክት ነገሮም። ብዛዕባ እቲ ኽልተ ዕንጨይቲ ድማ፡ የሆዋ፡ “ሓደ ዕንጨይቲ ኸኣ ክገብሮም እየ፣ ኣብ ኢደይ ድማ ሓደ ኪዀኑ እዮም” ከም ዝበለ ሓበሮም።—ህዝ. 37:17-19

5. ትርጉም እቲ ህዝቅኤል እተዋስኦ ነገር እንታይ እዩ፧ (“ምልጋብ እቲ ኽልተ ዕንጨይቲ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

5 ቀጺሉ ድማ የሆዋ፡ ምልጋብ እቲ ኽልተ ዕንጨይቲ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ገለጸ። (ህዝቅኤል 37:21, 22 ኣንብብ።) ካብታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ይሁዳን ካብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤልን (ኤፍሬም) እተወስዱ ምሩኻት ናብ ምድሪ እስራኤል ከም ዚምለሱ፡ ኣብኣ ኸኣ “ሓደ ህዝቢ” ኸም ዚዀኑ ሓበረ።—ኤር. 30:1-3፣ 31:2-9፣ 33:7

6. ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 37፡ እንታይ ንሓድሕዱ ዚደጋገፍ ትንቢታት እዩ ዚርከብ፧

6 ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 37፡ ብዛዕባ ምምላስ ዚገልጽ ንሓድሕዱ ዚደጋገፍ ዜደንቕ ትንቢታት ተመዝጊቡ ኣሎ። የሆዋ፡ ህይወት ዚመልስ ጥራይ ዘይኰነስ (ፍቕዲ 1-14)፡ ሓድነት ዚመልስ (ፍቕዲ 15-28) ምዃኑ እውን እዩ ተገሊጹ ዘሎ። እምበኣር፡ እዚ ኽልተ ትንቢታት፡ ነዚ ዚስዕብ ዜተባብዕ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፈልና፦ ሞት ኪስዓር ይከኣል እዩ፣ ክፍፍል እውን ከምኡ።

ብኸመይ እዩ የሆዋ ‘ኣኪብዎም፧’

7. እቲ ኣብ 1 ዜና መዋእል 9:2, 3 ዚርከብ ሓበሬታ፡ ‘ብኣምላኽ ኵሉ ኸም ዚከኣል’ ዜረጋግጸልና ብኸመይ እዩ፧

7 ብሰብኣዊ ኣረኣእያ፡ ነቶም ምሩኻት ሓራ ምውጻእን ሓድነት ከም ዚህልዎም ምግባርን ጠሪስካ ዘይከኣል እዩ ዚመስል ነይሩ። * “ብኣምላኽ ግና ኵሉ ይከኣል እዩ።” (ማቴ. 19:26) የሆዋ ንትንቢቱ ፈጺምዎ እዩ። ምርኮ ባቢሎን ብ537 ቅ.ክ. ኣብቂዑ እዩ፣ ድሕሪኡ ድማ ካብ ክልቲኡ መንግስትታት ተማሪኾም እተወስዱ ውልቀ ሰባት፡ ኣብ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ ንምስታፍ ናብ የሩሳሌም ከይዶም እዮም። እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ጽሑፍ ድማ፡ “ገለ ኻብ ደቂ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን ከኣ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጡ” ኢሉ የረጋግጸልና እዩ። (1 ዜና 9:2, 3፣ እዝ. 6:17) እወ፡ ከምቲ የሆዋ እተነበዮ፡ ኣባላት እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ምስ ኣባላት እታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ይሁዳ ለጊቦም ወይ ሓደ ዀይኖም እዮም።

8. (ሀ) ኢሳይያስ እንታይ እዩ ተነብዩ ነይሩ፧ (ለ) ኣብ ህዝቅኤል 37:21 እንታይ ክልተ ኣገዳሲ ነጥቢ ኢና እንረክብ፧

8 ኣስታት 200 ዓመት ኣቐዲሙ፡ እስራኤልን ይሁዳን ድሕሪ ምርኮ እንታይ ከም ዚዀኑ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። “ነቶም ካብ እስራኤል እተበተኑ” ዀኑ “ነቶም ካብ ይሁዳ ፋሕ ዝበሉ፡” የሆዋ “ኻብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ፡” እንተላይ “ካብ ኣሶር” ከም ዚእክቦም ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 11:12, 13, 16) ከምቲ የሆዋ እተነበዮ ኸኣ፡ “ንእስራኤላውያን ካብ መንጎ እቶም ዝኸድዎም ኣህዛብ” ኣኪብዎም እዩ። (ህዝ. 37:21) ሕጂ እምበኣር ክልተ ኣገዳሲ ነጥቢ ንርአ፦ የሆዋ ኣብዚ ኽፋል ትንቢት ምስ በጽሐ፡ ነቶም ምሩኻት፡ “ይሁዳ” ወይ “ኤፍሬም” ኢሉ ዘይኰነስ፡ “እስራኤላውያን” ብምባል ከም ሓደ ጕጅለ እዩ ጸዊዕዎም። ብተወሳኺ ድማ፡ እስራኤላውያን ካብ ሓደ ህዝቢ፡ ማለት ካብ ባቢሎን ከም ዝመጹ ጌርካ ዘይኰነስ፡ ካብ እተፈላለዩ ኣህዛብ፡ “ካብ ኵሉ ኣንፈት” ከም ዚመጹ ጌርካ እዮም ተገሊጾም ዘለዉ።

9. የሆዋ ነቶም እተመልሱ ምሩኻት ሓደ ኪዀኑ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

9 እቶም ምሩኻት ናብ እስራኤል ምስ ተመልሱ፡ የሆዋ ኸመይ ገይሩ እዩ ሓደ ኪዀኑ ዝሓገዞም፧ ንእስራኤላውያን ከም እኒ ዘሩባቤልን እያሱ እቲ ሊቀ ኻህናትን እዝራን ነህምያን ዝኣመሰሉ መንፈሳውያን ጓሶት ሂብዎም እዩ። ንነብዪ ሃጌን ንነብዪ ዘካርያስን ንነብዪ ሚልክያስን እውን ኣተንሲኡሎም እዩ። እዞም እሙናት ሰባት እዚኦም ከኣ፡ ነቲ ህዝቢ ብትእዛዛት ኣምላኽ ኪመላለስ ብዙሕ ኣተባቢዖምዎ እዮም። (ነህ. 8:2, 3) ብተወሳኺ ድማ፡ የሆዋ ነቲ ብጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዚፍሓስ ዝነበረ ተንኰል ብምፍሻል፡ ንህዝቢ እስራኤል ኣዕቊብዎ እዩ።—ኣስ. 9:24, 25፣ ዘካ. 4:6

የሆዋ ንህዝቡ፡ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ መንፈሳውያን ጓሶት ሂብዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

10. ሰይጣን እንታይ ዓወት እዩ ረኺቡ፧

10 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነዚ ዅሉ መሰናድዎታት እኳ እንተ ገበረ፡ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ምስ ንጹህ ኣምልኾ ጠቢቖም ኣይተመላለሱን። ተግባራቶም ከኣ ኣብቲ ኻብ ምርኮ ምስ ተመልሱ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። (እዝ. 9:1-3፣ ነህ. 13:1, 2, 15) እስራኤላውያን ካብቲ እተመልሱሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዘመን፡ ካብ ንጹህ ኣምልኾ እምብዛ ስለ ዝረሓቑ፡ የሆዋ፡ “ናባይ ተመለሱ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። (ሚል. 3:7) የሱስ ናብ ምድሪ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፡ ሃይማኖት ኣይሁድ ብጠላማት ጓሶት ኣብ ዚምራሕ እተፈላለየ ጕጅለታት ተኸፋፊሉ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 16:6፣ ማር. 7:5-8) ሰይጣን ነቲ ምሉእ ሓድነት ንምርካብ እተገብረ ጻዕሪ ብምፍሻል ተዓዊቱ ነይሩ እዩ። እቲ የሆዋ ብዛዕባ ሓድነት እተነበዮ ትንቢት ግና ብርግጽ ተፈጺሙ እዩ። ብኸመይ፧

“ጊልያይ ዳዊት ንጉሶም ኪኸውን . . . እዩ”

11. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ሓድነት ከም ዜምጽእ እተነበዮ ትንቢት እንታይ እዩ ገሊጹ፧ (ለ) ሰይጣን ካብ ሰማይ ምስ ተደርበየ እንታይ ኪገብር እዩ ጽዒሩ፧

11 ህዝቅኤል 37:24 ኣንብብ። የሆዋ፡ እቲ ብዛዕባ ሓድነት እተነበዮ ትንቢት ምሉእ ብምሉእ ዚፍጸም፡ እቲ ‘ጊልያኡ ዳዊት’ ዝዀነ የሱስ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ምስ ጀመረ ምዃኑ ገሊጹ እዩ፣ የሱስ ድማ ብ1914 እዩ ነጊሱ። * (2 ሳሙ. 7:16፣ ሉቃ. 1:32) ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ስጋውያን እስራኤላውያን በቶም መንፈሳውያን እስራኤላውያን ዝዀኑ ቕቡኣት ተተኪኦም ነይሮም እዮም። (ኤር. 31:33፣ ገላ. 3:29) ሰይጣን ድማ ምናዳ ኻብ ሰማይ ምስ ተደርበየ፡ ንሓድነት ህዝቢ ኣምላኽ ንምፍራስ ተላዒሉ ነይሩ እዩ። (ራእ. 12:7-10) ንኣብነት፡ ሓውና ራስል ብ1916 ምስ ሞተ፡ ሰይጣን ብኸሓድቲ ገይሩ ኣብ መንጎ እቶም ቅቡኣት ክፍፍል ኪፈጥር ፈቲኑ ነይሩ እዩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ እቶም ከሓድቲ ኻብታ ውድብ ወጹ። ብዘይካዚ፡ ሰይጣን ነቶም ዚመርሑ ዝነበሩ ኣሕዋትና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዚዳጐኑ ገይሩ ነይሩ እዩ፣ እዚ ግና ንህዝቢ የሆዋ ኣየጥፍኦምን። እቶም ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ዝቐጸሉ ቕቡኣት ኣሕዋት፡ ሓድነቶም ዓቂቦም እዮም።

12. ስለምንታይ እዩ እቲ ሰይጣን ንመንፈሳውያን እስራኤላውያን ንምክፍፋል ዝገበሮ ጻዕርታት ፈሺሉ፧

12 ስለዚ፡ እቶም መንፈሳውያን እስራኤላውያን ዘይከም እቶም ስጋውያን እስራኤላውያን በቲ ሰይጣን ንምክፍፋል ዝፈሓሶ ውዲት ኣይተሰነፉን። ስለምንታይ እዩ ጻዕርታት ሰይጣን ፈሺሉ፧ ምኽንያቱ፡ እቶም ቅቡኣት ንመለክዒታት የሆዋ ጠቢቖም ንምስዓብ ዚከኣሎም ዘበለ ገይሮም እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ካብቲ ንሰይጣን ዚስዕሮ ዘሎ ንጉሶም የሱስ ክርስቶስ ዕቝባ ረኺቦም እዮም።—ራእ. 6:2

የሆዋ ንኣምለኽቱ “ሓደ” ኺገብሮም እዩ

13. እቲ ሓደ ብዛዕባ ዚኸውን ክልተ ዕንጨይቲ እተነግረ ትንቢት፡ እንታይ ኣገዳሲ ሓቂ እዩ ዚምህረና፧

13 እቲ ሓደ ብዛዕባ ዚኸውን ክልተ ዕንጨይቲ እተነግረ ትንቢት፡ ኣብዚ ግዜና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ እቲ ትንቢት ኬመሓላልፎ ዝደለየ ነጥቢ፡ ክልተ ጕጅለ ሓድነት ከም ዚህልዎም ምዃኑ ኣስተብህል። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ የሆዋ ነቲ ሓድነት ከም ዜምጽኦ እዩ ኣብቲ ትንቢት ጐሊሑ ዘሎ። እሞ ደኣ እዚ ብዛዕባ ምልጋብ እቲ ኽልተ ዕንጨይቲ እተነግረ ትንቢታዊ ምሳሌ እዚ፡ ብዛዕባ ንጹህ ኣምልኾ እንታይ ኣገዳሲ ሓቂ እዩ ዜጕልሕ፧ ብሓጺሩ፡ የሆዋ ባዕሉ ንኣምለኽቱ “ሓደ” ኸም ዚገብሮም እዩ ዜጕልሕ።—ህዝ. 37:19

14. ካብ 1919 ንደሓር፡ እቲ ብዛዕባ ምልጋብ ኣዕጫው እተነግረ ትንቢት ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧

14 ካብ 1919 ንደሓር፡ ማለት ህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ መዳይ ካብ ዚጸርዩን ናብ መንፈሳዊ ገነት ካብ ዚኣትዉን ንደሓር፡ እቲ ብዛዕባ ምልጋብ ኣዕጫው እተነግረ ትንቢት ብዝዓበየ ደረጃ ኺፍጸም ጀሚሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መብዛሕትኦም እቶም ብሓደ ዚእከቡ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ኪዀኑ እዮም ተስፋ ነይርዎም። (ራእ. 20:6) ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ እዞም ቅቡኣት እዚኦም ከምቲ “ንይሁዳ” እተባህለ ዕንጨይቲ እዮም ነይሮም፣ ከመይሲ፡ ህዝቢ ይሁዳ ንነገስታት ዳዊትን ንሌዋውያን ካህናትን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግና፡ ቍጽሮም እናበዝሐ ዚኸይድ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ነቶም መንፈሳውያን ኣይሁድ ኪሓብርዎም ጀመሩ። ንሳቶም ከኣ ከምቲ “ዕንጨይቲ ኤፍሬም” እዮም ነይሮም፣ ከመይሲ፡ እቲ ህዝቢ ንነገስታትን ንኻህናትን ዜጠቓልል ኣይነበረን። ክልቲኦም ጕጅለ ብሓደ ዝሰመሩ ህዝቢ የሆዋ ዀይኖም ድማ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ሓደ ንጉሶም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ የገልግሉ ኣለዉ።—ህዝ. 37:24

“ህዝበይ ኪዀኑ እዮም”

15. እቲ ኣብ ህዝቅኤል 37:26, 27 ዚርከብ ቃላት፡ ሎሚ ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧

15 ብዙሓት ውልቀ ሰባት ምስቶም ቅቡኣት ኣብቲ ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚሓብሩ፡ ትንቢት ህዝቅኤል ይሕብር እዩ። የሆዋ ብዛዕባ ህዝቡ፡ “ከብዝሖም . . . እየ፡” ከምኡ ድማ “ድንኳነይ ኣብ ልዕሊኦም ኪኸውን እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ህዝ. 37:26, 27፣ እ.ጽ.) እዚ ቓላት እዚ ኸኣ ነቲ ድሕሪ ህዝቅኤል ኣስታት 700 ዓመት ጸኒሑ ንሃዋርያ ዮሃንስ እተነግሮ፡ “እቲ ኣብቲ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም [ኣብ ልዕሊ እቶም ብዙሓት ህዝቢ] ኪዝርግሖ እዩ” ዚብል ትንቢት እዩ ዜዘኻኽረና። (ራእ. 7:9, 15) ሎሚ፡ እቶም ቅቡኣትን እቶም ብዙሓት ህዝብን ሓደ ህዝቢ፡ ማለት ህዝቢ ኣምላኽ ኰይኖም፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ዜዕቍቦም ድንኳን ኣምላኽ ተቐሚጦም ኣለዉ።

16. መንፈሳውያን እስራኤላውያን ምስቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሓደ ብዛዕባ ምዃን፡ ዘካርያስ እንታይ ተነብዩ ነይሩ፧

16 እቲ ኻብ ምርኮ እተመልሰ ዘካርያስ እውን፡ መንፈሳውያን ኣይሁድ ምስቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሓደ ኸም ዚዀኑ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ንሱ ድማ፡ “ካብ ኵሉ . . . ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰባት ንሓደ ኣይሁዳዊ ወለል ዚብል ክዳኑ . . . ኣጽኒዖም ሒዞም፡ ‘ኣምላኽ ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ንደሊ ኢና’ ኺብልዎ እዮም” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። (ዘካ. 8:23) እታ “ኣይሁዳዊ” እትብል ቃል፡ ንሓደ ሰብ ዘይኰነስ፡ ነቶም “ምሳኻትኩም” እተባህሉ ጕጅለ ሰባት እያ እተመልክት፣ ሎሚ ድማ ንሳቶም እቶም ተረፍ ቅቡኣት ወይ እቶም መንፈሳውያን ኣይሁድ እዮም። (ሮሜ 2:28, 29) እቶም “ዓሰርተ ሰባት” ከኣ ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም እዮም ዜመልክቱ። ንሳቶም ድማ ነቶም ቅቡኣት ‘ኣጽኒዖም ሒዞም ምሳታቶም ይኸዱ እዮም።’ (ኢሳ. 2:2, 3፣ ማቴ. 25:40) እቲ “ኣጽኒዖም ሒዞም” ከምኡ እውን “ምሳኻትኩም ክንከይድ” ዚብል ቃላት፡ እቶም ክልተ ጕጅለ ምሉእ ብምሉእ ሓደ ኸም ዝዀኑ እዩ ዜጕልሕ።

17. የሱስ ነቲ ሎሚ ረኺብናዮ ዘለና ሓድነት ብኸመይ ገሊጽዎ፧

17 የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንኣባጊዑ (ነቶም ቅቡኣት) ምስተን “ካልኦት ኣባጊዕ” (እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም) “ሓደ መጓሰ” ዚገብር ጓሳ ምዃኑ ኺዛረብ ከሎ፡ ነቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ሓድነት እተነበዮ ትንቢት ይዝክር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 10:16፣ ህዝ. 34:23፣ 37:24, 25) ናይ መጻኢ ተስፋና ብዘየገድስ፡ እዚ የሱስ እተዛረቦ ቓላትን እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት እተዛረብዎ ቓላትን ነቲ ሎሚ ረኺብናዮ ዘለና ዜደንቕ መንፈሳዊ ሓድነት ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ እዩ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ማእለያ ዘይብሉ ጕጅለታት ክትከፋፈል ከላ፡ ንሕና ግና ተኣምራዊ ሓድነት ኣሎና።

ሎሚ፡ እቶም ቅቡኣትን እቶም “ካልኦት ኣባጊዕን” “ሓደ መጓሰ” ዀይኖም ብሓድነት ንየሆዋ የምልኽዎ ኣለዉ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

“መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ምስ ኰነ”

18. ከምቲ ኣብ ህዝቅኤል 37:28 ተሓቢሩ ዘሎ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ‘ካብ ዓለም ኪዀኑ ዘይብሎም’ ስለምንታይ እዮም፧

18 እቲ ህዝቅኤል ሓደ ብዛዕባ ምዃን ኣብ እተነበዮ ትንቢት እተዛረቦ ናይ መወዳእታ ቓላቱ፡ ሓድነትና ጠሪሱ ኸም ዘይፈርስ መረጋገጺ ዚዀነና ነገር የጕልሕ እዩ። (ህዝቅኤል 37:28 ኣንብብ።) ህዝቢ የሆዋ ሓድነት ኪህልዎም ዝኸኣለ፡ መቕደስ የሆዋ ወይ ንጹህ ኣምልኾ “ኣብ ማእከሎም” ስለ ዝዀነ እዩ። ክሳዕ እተቐደሱ ወይ ርእሶም ካብ ናይ ሰይጣን ዓለም ክሳዕ ዝፈለዩ ኸኣ፡ መቕደሱ ኣብ ማእከሎም እዩ ዚጸንሕ። (1 ቈረ. 6:11፣ ራእ. 7:14) የሱስ፡ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽንከውን ከም ዘይብልና ኣጕሊሑ እዩ። ኣብቲ ምእንቲ ደቀ መዛሙርቱ ዘቕረቦ ልባዊ ጸሎት፡ “ቅዱስ ኣቦ፡ . . . ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ . . . ሓልዎም። . . . ካብ ዓለም ኣይኰኑን። በቲ ሓቂ ቐድሶም” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 17:11, 16, 17) የሱስ፡ “ሓደ” ምዃን፡ ‘ካብ ዓለም ምስ ዘይምዃን’ ከም ዘተሓሓዞ ነስተብህል።

19. (ሀ) ‘ንኣምላኽ ክንመስሎ’ ኸም እንደሊ ኸመይ ጌርና ነርኢ፧ (ለ) የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ብዛዕባ ሓድነት እንታይ ኣገዳሲ ሓቂ እዩ ኣጕሊሑ፧

19 የሱስ ንኣምላኽ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ጥራይ እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ቅዱስ ኣቦ” ኢሉ ጸዊዕዎ ዘሎ። የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንጹህን ቅኑዕን እዩ። ንጥንታውያን እስራኤላውያን ድማ፡ “ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ” ኢሉ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 11:45) ንሕና እውን ‘ንኣምላኽ ክንመስሎ’ ስለ ዘሎና፡ ነቲ ትእዛዝ እቲ ኣብ ኵሉ ኣካይዳና ኽንሕልዎ ንደሊ ኢና። (ኤፌ. 5:1፣ 1 ጴጥ. 1:14, 15) እታ፡ “ቅዱስ” እትብል ቃል ንሰባት ኪዕየየላ ኸሎ፡ “እተፈልየ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። እምበኣር፡ የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ደቀ መዛሙርቱ ኻብዛ ዓለምን ካብቲ ናይ ክፍፍል መንፈሳን ክሳዕ እተፈልዩ፡ ሓድነት ከም ዚህልዎም እዩ ኣጕሊሑ።

“ካብቲ እኩይ ክትሕልዎም”

20, 21. (ሀ) ነቲ ኣብ ዕቝባ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ዜደልድሎ እንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

20 እቲ ሎሚ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ዜደንቕ ዓለምለኻዊ ሓድነት፡ የሆዋ ነቲ የሱስ፡ “ካብቲ እኩይ ክትሕልዎም” ኢሉ ዘቕረቦ ልማኖ ኸም ዝመለሶ እዩ ዜርኢ። (ዮሃንስ 17:14, 15 ኣንብብ።) እወ፡ ሰይጣን ንሓድነት ህዝቢ ኣምላኽ ኬፍርስ ከም ዘይከኣለ ምርኣይና፡ ነቲ ኣብ ዕቝባ ኣምላኽ ዘሎና እምንቶ የድልድሎ እዩ። የሆዋ ኣብቲ ህዝቅኤል እተነበዮ ትንቢት፡ እቲ ኽልተ ዕንጨይቲ ኣብ ኢዱ ሓደ ኸም ዚኸውን ገሊጹ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ እዩ ንህዝቡ ኣብ ትሕቲ እታ እተዕቍብ ኢዱ ብተኣምራዊ መገዲ ሓደ ገይርዎም፣ ሰይጣን እውን ኬረኻኽበሎም ኣይክእልን እዩ።

21 እሞ ደኣ እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧ ነቲ ረኺብናዮ ዘለና ኽቡር ሓድነት እጃምና ንምብርካት፡ ብቐጻሊ ኽንጽዕር ኣሎና። ነፍሲ ወከፍናኸ ኸመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ ኣብታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ወትሩ ብምስታፍ ኢና ኸምኡ እንገብር። እዚ ኣምልኾ እዚ እንታይ ከም ዜጠቓልል ድማ ኣብ ዚስዕብ ምዕራፋት ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 7 ካብቲ ህዝቅኤል ነዚ ትንቢት እዚ እተቐበለሉ ኣስታት ክልተ ዘመን ዚኸውን ኣቐዲሙ፡ ኣሶራውያን ንነበርቲ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ (“ዕንጨይቲ ኤፍሬም”) ማሪኾም ወሲዶምዎም ነይሮም እዮም።—2 ነገ. 17:23

^ ሕ.ጽ. 11 እዚ ትንቢት እዚ ኣብ ምዕራፍ 8 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ።