ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 8

“ሓደ ጓሳ . . . ኸተንስኣለን እየ”

“ሓደ ጓሳ . . . ኸተንስኣለን እየ”

ህዝቅኤል 34:23

ኣትኵሮ፦ ኣርባዕተ መሲሓዊ ትንቢታትን ኣብ ክርስቶስ ዘለዎ ፍጻመታትን

1-3. ልቢ ህዝቅኤል ዝጐሃየ ስለምንታይ እዩ፧ ህዝቅኤልከ ድሕሪኡ እንታይ ኪጽሕፍ እዩ ብመንፈስ ተደሪኹ፧

ህዝቅኤል ካብ ዚማረኽ ሻድሻይ ዓመቱ እዩ ሒዙ ነይሩ። * ብዛዕባ እቲ ኣብታ ብኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ እትርከብ ዚፈትዋ ዓዱ ይሁዳ ዘሎ ኣገዛዝኣ ኺሓስብ ከሎ፡ ልቡ ይጕሂ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓጺር እዋን፡ ገዛእቲ ኺቀያየሩ ርእዩ እዩ።

2 ህዝቅኤል ኣብ መፋርቕ ንግስና እቲ እሙን ንጉስ ዝነበረ ዮስያስ እዩ ተወሊዱ። ብዛዕባ እቲ ዮስያስ ኣብ ይሁዳ ቕሩጽ ምስልታት ንምውጋድን ንጹህ ኣምልኾ ንምምላስን ዝገበሮ ወፈራ ምስ ፈለጠ፡ በዚ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። (2 ዜና 34:1-8) እቲ ዮስያስ ዝገበሮ ጻዕርታት ግና ነባሪ ተሓድሶ ኣየምጽአን፣ ከመይሲ፡ መብዛሕትኦም ድሕሪኡ ዝነገሱ ነገስታት ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ይሳተፉ ነይሮም እዮም። ኣብ ትሕቲ ኸምዚኣቶም ዝበሉ ኽፉኣት ገዛእቲ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ብዝያዳ ናብ መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ብልሽውና ተሸሚሞም እዮም። እሞ ደኣ እቲ ዅነታት ተስፋ ዘይብሉ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን።

3 የሆዋ ነቲ እሙን ነብይኡ፡ ብዛዕባ እቲ ንጹህ ኣምልኾ ንሓዋሩ ዚመልስን ንኣባጊዑ ዚከናኸንን ኣብ መጻኢ ገዛእን ጓሳን ዚኸውን መሲሕ ትንቢታት ኪምዝግብ ብመንፈሱ ደረኾ። ፍጻመ እቲ ትንቢታት እቲ ንዘለኣለማዊ መጻኢና ስለ ዚጸልዎ፡ ነዚ ትንቢታት እዚ ተጠንቂቕና ኽንምርምሮ ኣሎና። እምበኣር፡ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዚርከብ ኣርባዕተ መሲሓዊ ትንቢታት እስከ ንመርምር።

“ልምልምቲ ጠጥዒ” “ግርምቲ ቄድሮስ” ኰነት

4. ህዝቅኤል እንታይ ትንቢት እዩ እተነበየ፧ የሆዋኸ ኣብ መጀመርታ እቲ ትንቢት እንታይ እዩ ዝበለ፧

4 ብ612 ቅ.ክ.፡ “ቃል የሆዋ” ናብ ህዝቅኤል መጸ፣ ንሱ ኸኣ ስፍሓት ግዝኣት እቲ መሲሕን ኣብታ መንግስቱ እምንቶ ምሕዳር ዘለዎ ኣገዳስነትን ዜርኢ ትንቢት ተነበየ። የሆዋ ኣብ መጀመርታ እቲ ትንቢት ንህዝቅኤል፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ምሩኻት ሕንቅሕንቅሊተይ ኪብሎም ኣዘዞ፣ እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ከኣ ገዛእቲ ይሁዳ እምነት ዘይብሎም ምዃኖምን ጻድቕ መሲሓዊ ገዛኢ ኸም ዜድልን ዜጕልሕ እዩ ነይሩ።—ህዝ. 17:1, 2

5. እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ብሓጺሩ እንታይ እዩ፧

5 ህዝቅኤል 17:3-10 ኣንብብ። እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ብሓጺሩ ኸምዚ ዚስዕብ እዩ፦ ሓደ “ዓብዪ ንስሪ” ኻብ ጫፍ ጨናፍር ኦም ቄድሮስ ሰሊዑ፡ “ኣብ ከተማ ነጋዶ” ገበራ። ድሕሪኡ፡ እቲ ንስሪ “ኻብ ዘርኢ እታ ምድሪ” ወሲዱ፡ ኣብ ፍርያም ግራት “ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት” ተኸላ። ዓብያ ኸኣ፡ ‘ልሙዕ ዝጨናፍራ ተኽሊ ወይኒ’ ዀነት። ድሕሪኡ፡ ካልእ “ዓብዪ ንስሪ” ተራእየ። እታ ተኽሊ ወይኒ ድማ፡ እቲ ኻልኣይ ንስሪ ናብ ካልእ ብዙሕ ማያት ዘለዎ ቦታ ምእንቲ ኼፍልሳ ኢላ ሰራውራ “ብሃንቀውታ ናብኡ” ዘርግሐት። የሆዋ ኸኣ ንተግባር እታ ተኽሊ ወይኒ ዀነኖ፣ ሱራ ኸም ዚምንቈስን ‘ጠሪሳ ኸም እትነቅጽን’ እውን ሓበረ።

እቲ ቐዳማይ ዓብዪ ንስሪ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን የመልክት (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. ትርጉም እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ግለጽ።

6 እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ እንታይ እዩ ትርጉሙ፧ (ህዝቅኤል 17:11-15 ኣንብብ።) ብ617 ቅ.ክ.፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን (እቲ ቐዳማይ “ዓብዪ ንስሪ”) ንየሩሳሌም ከበባ። ንዮያኪን ንጉስ ይሁዳ (ነቲ “ጫፍ ጨንፈር”) ካብ ዝፋኑ ሰሊዑ ናብ ባቢሎን (ናብ “ከተማ ነጋዶ”) ኣምጽኦ። ሽዑ ድማ፡ ነቡካድነጻር ንጼዴቅያስ (ካብ “ዘርኢ [ነገስታት] እታ ምድሪ”) ኣብ ዝፋን የሩሳሌም ገበሮ። ነቲ ሓድሽ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ ኣብ ትሕቲኡ ዀይኑ ኺገዝእ ብስም ኣምላኽ ኣምሓሎ። (2 ዜና 36:13) ኰይኑ ግና፡ ጼዴቅያስ ንማሕላኡ ነዓቖ፣ ካብ ባቢሎን ዓልዩ ኸኣ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ (እቲ ኻልኣይ “ዓብዪ ንስሪ”) ተጸግዐ፣ እዚ ግና ኣይጠቐሞን። የሆዋ ነቲ ማሕላኡ ዘፍረሰ ጼዴቅያስ ዝገበሮ ጥልመት ኰነኖ። (ህዝ. 17:16-21) ኣብ መወዳእታ፡ ጼዴቅያስ ካብ ዝፋኑ ወረደ፡ ኣብ ባቢሎን ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞተ።—ኤር. 52:6-11

7. ካብዚ ትንቢታዊ ሕንቅሕንቅሊተይ እንታይ ትምህርትታት ንረክብ፧

7 ካብዚ ትንቢታዊ ሕንቅሕንቅሊተይ እንታይ ትምህርትታት ንረክብ፧ ቀዳማይ፡ ንጹሃት ኣምለኽቲ ኸም ምዃንና መጠን፡ ቃልና ኽንሕሉ ኣሎና። የሱስ፡ “‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይፋል’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይፋል ይኹን” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 5:37) ሓቂ ከም እንዛረብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንተ ምሒልና፡—ንኣብነት ኣብ ቤት ፍርዲ ቕድሚ ምምስካርና እንተ ምሒልና፡—ንማሕላና ኣርዚንና ኢና እንርእዮ። ካልኣይ፡ እምንቶና ኣብ መን ከም እንገብር ክንጥቀቕ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብመሳፍንቲ ዀነ፡ በቲ ኼድሕን ዘይክእል ወዲ ሰብ ኣይትተኣመኑ” ኢሉ የጠንቅቐና እዩ።—መዝ. 146:3

8-10. የሆዋ ነቲ ናይ መጻኢ መሲሓዊ ገዛኢ ብኸመይ ገሊጽዎ፧ እቲ ትንቢትከ ብኸመይ ተፈጺሙ፧ (“መሲሓዊ ትንቢት—ግርምቲ ኦም ቄድሮስ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

8 ግናኸ፡ ምሉእ እምንቶን ትውክልትን ክንገብረሉ ዚግባእ ገዛኢ ኣሎ። የሆዋ ብዛዕባ እታ ዝፈለሰት ጨንፈር ትንቢታዊ ሕንቅሕንቅሊተይ ድሕሪ ምንጋሩ፡ ብተመሳሳሊ ስእላዊ ኣገላልጻ ገይሩ ብዛዕባ እቲ ናይ መጻኢ መሲሓዊ ገዛኢ ገሊጹ ኣሎ።

9 እቲ ትንቢት እንታይ ይብል፧ (ህዝቅኤል 17:22-24 ኣንብብ።) ኣብዚ ስጕምቲ ዚወስዱ፡ እቶም ዓበይቲ ንስርታት ዘይኰኑስ፡ የሆዋ ባዕሉ እዩ። የሆዋ ኸኣ “ካብ ጫፍ እቲ ነዊሕ ቄድሮስ” ልምልምቲ ጠጥዒ ወሲዱ፡ “ኣብ ነዊሕን በሪኽን ከረን” ኪተኽላ እዩ። እታ ጠጥዒ ድማ ክትዓቢ፡ “ግርምቲ ቄድሮስ” ከኣ ክትከውን፡ “ኵለን ዓይነት ኣዕዋፍ” እውን ኣብ ትሕቲኣ ኺነብራ እየን። ሽዑ፡ ነታ ግርምቲ ኦም ዘዕበያ የሆዋ ኸም ዝዀነ፡ “ኵሉ ኣእዋም መሮር” ኪፈልጥ እዩ።

10 እቲ ትንቢት ብኸመይ ተፈጺሙ፧ የሆዋ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ካብቲ ንጉሳዊ ወለዶ ዳዊት (ካብቲ “ነዊሕ ቄድሮስ”) ሰሊዑ፡ ኣብቲ ሰማያዊ ኸረን ጽዮን (ኣብቲ “ነዊሕን በሪኽን ከረን”) ተኸሎ። (መዝ. 2:6፣ ኤር. 23:5፣ ራእ. 14:1) በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ነቲ ብጸላእቱ “ኻብ ሰብ እቲ ዝተሓተ” ጌርካ እተራእየ ወዱ ወሲዱ፡ “ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት” ብምሃብ ልዕል ኣበሎ። (ዳን. 4:17፣ ሉቃ. 1:32, 33) እቲ መሲሓዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ድማ ከም ግርምቲ ቄድሮስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ጸብለል ኪብል፡ ንዅሎም ተገዛእቱ ድማ ምንጪ በረኸት ኪዀኖም እዩ። ኣብዚ ገዛኢ እዚ ኸኣ ኢና እምንቶና ኽንገብር ዘሎና። ኣብ ትሕቲ ጽላል መንግስቲ የሱስ ድማ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከቡ እዙዛት ሰባት ‘ብደሓን ኪነብሩ፡ መዓት ከይፈርሁ ኸኣ ኪሃድኡ እዮም።’—ምሳ. 1:33

11. ካብቲ ብዛዕባ እታ “ግርምቲ ቄድሮስ” ዝዀነት “ልምልምቲ ጠጥዒ” እተነግረ ትንቢት እንታይ ንምሃር፧

11 ካብቲ ትንቢት እንታይ ንምሃር፧ እቲ ብዛዕባ እታ “ግርምቲ ቄድሮስ” ዝዀነት “ልምልምቲ ጠጥዒ” እተነግረ ትንቢት፡ ‘እምንቶና ኣብ መን ኢና እንገብር፧’ ንእትብል ኣገዳሲት ሕቶ መልሲ ኽንህብ ኣኽኢሉና ኣሎ። ኣብ ሰብኣውያን መንግስትታትን ኣብ ሓይሊ ሰራዊቶምን እምንቶ ምግባር፡ ዕሽነት እዩ። ናይ ሓቂ ደሓን ንምርካብ፡ ምሉእ ትውክልትናን እምንቶናን ኣብቲ መሲሓዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ክንገብር ኣሎና። እታ ኣብ ኢዱ ዘላ ሰማያዊት መንግስቲ ጥራይ እያ ንደቂ ሰብ ተስፋ እትዀኖም።—ራእ. 11:15

“እቲ ሕጋዊ መሰል ዘለዎ”

12. ከመይ ገይሩ እዩ የሆዋ ነቲ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳኑ ኸም ዘይሓደጎ ዘነጸረ፧

12 ህዝቅኤል ካብቲ ኣምላኽ ንትንቢታዊ ሕንቅሕንቅሊተይ እቶም ክልተ ንስሪ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኻብ ንጉሳዊ መስመር ወለዶ ዳዊት ዘይእሙን ዝዀነ ንጉስ ጼዴቅያስ፡ ካብ ዝፋኑ ወሪዱ ብምርኮ ናብ ባቢሎን ከም ዚውሰድ ተረድአ። ስለዚ ድማ ህዝቅኤል፡ ‘እቲ ኣምላኽ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳን ደኣኸ እንታይ ኪኸውን እዩ፧ ኣብኡ ኻብ ወለዶ ዳዊት ንዘለኣለም ዚነግስ ንጉስ ከም ዚትንስእ ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ!’ ኢሉ ሓሲቡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ሳሙ. 7:12, 16) ህዝቅኤል ከምኡ ኢሉ ሓሲቡ እንተ ዀይኑ፡ መልሲ ንምርካብ ነዊሕ ኪጽበ ኣይነበሮን። ኣብ ከባቢ 611 ቅ.ክ.፡ ካብቲ እተማረኸሉ ኣብ ሻውዓይ ዓመቱ፡ ጼዴቅያስ ገና ኣብ ይሁዳ እናገዝአ ኸሎ፡ “ቃል የሆዋ” ንህዝቅኤል መጾ። (ህዝ. 20:2) የሆዋ ድማ ነቲ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳኑ ኸም ዘይሓደጎ ዜነጽር ካልእ መሲሓዊ ትንቢት ከም ዚንበ ገበሮ። እቲ ትንቢት ከኣ፡ እቲ ናይ መጻኢ መሲሓዊ ገዛኢ ኸም ወራሲ ዳዊት መጠን ኪገዝእ ሕጋዊ መሰል ከም ዘለዎ ዚሕብር እዩ ነይሩ።

13, 14. እቲ ኣብ ህዝቅኤል 21:25-27 ዚርከብ ትንቢት ብሓጺሩ እንታይ ይብል፧ ብኸመይከ ተፈጺሙ፧

13 እቲ ትንቢት እንታይ ይብል፧ (ህዝቅኤል 21:25-27 ኣንብብ።) የሆዋ ብህዝቅኤል ኣቢሉ፡ ነቲ ግዜ መቕጻዕቱ ዝኣኸለ “እኩይ ሹም እስራኤል” ብዘየማትእ ቃላት ተዛረቦ። ነቲ እኩይ ገዛኢ ኸኣ፡ ‘መጠምጠምያኡን ዘውዱን’ (ምልክት ንጉሳዊ ስልጣኑ) ካብኡ ኸም ዚውሰድ ነገሮ። ድሕሪኡ፡ ‘ትሑታት’ ዝነበሩ ገዛእቲ ሓይልታት ልዕል ኪብሉ፡ ‘ልዑላት’ ዝነበሩ ኸኣ ኪትሕቱ ምዃኖም ሓበረ። እቶም ልዕል ዝበሉ ገዛእቲ ሓይልታት ድማ “እቲ ሕጋዊ መሰል ዘለዎ ኽሳዕ ዚመጽእ” እሞ የሆዋ ንዕኡ እታ መንግስቲ ኽሳዕ ዚህቦ ኺገዝኡ ምዃኖም ገለጸ።

14 እቲ ትንቢት ብኸመይ ተፈጺሙ፧ ብ607 ቅ.ክ. የሩሳሌም ምስ ጠፍአት እሞ ባቢሎናውያን ነቲ ኻብ ዝፋኑ ዘውረድዎ ንጉስ ጼዴቅያስ ማሪኾም ምስ ወሰድዎ፡ እታ የሩሳሌም ዝማእከላ ‘ልዕልቲ’ ዝነበረት መንግስቲ ይሁዳ ትሕት በለት። ሽዑ፡ ካብ ንጉሳዊ ወለዶ ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ዚገዝእ ንጉስ ስለ ዘይነበረ፡ እቶም ‘ትሑታት’ ሓይልታት ኣህዛብ ንምድሪ ንእተወሰነ እዋን ብምቍጽጻር ልዕል በሉ። የሆዋ ንየሱስ ክርስቶስ ብ1914 ንግስና ምስ ሃቦ ኸኣ፡ እቲ “ምዱብ ግዜያት ኣህዛብ” ኣብቅዐ። (ሉቃ. 21:24) የሱስ ዘርኢ ንጉስ ዳዊት ብምዃኑ፡ ኣብታ መሲሓዊት መንግስቲ “ሕጋዊ መሰል” ኣለዎ። * (ዘፍ. 49:10) ስለዚ፡ የሆዋ ነቲ ንዳዊት ኣብ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ዚገዝእ ወራሲ ኺህቦ ምዃኑ ዝኣተወሉ መብጽዓ፡ ብየሱስ ኣቢሉ ፈጺምዎ እዩ።—ሉቃ. 1:32, 33

የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ሕጋዊ መሰል ኣለዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. ኣብቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ምሉእ እምንቶ ኸነሕድር እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

15 ካብቲ ትንቢት እንታይ ንምሃር፧ ኣብቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ምሉእ እምንቶ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሱስ ከምቶም ብሰባት እተመርጹ ወይ ስልጣን መንዚዖም ዚሕዙ ገዛእቲ ዓለም ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ የሆዋ እዩ ንዕኡ መሪጹ ‘መንግስቲ ሂብዎ፣’ ስልጣን እታ መንግስቲ ንምሓዝ እውን ሕጋዊ መሰል ኣለዎ። (ዳን. 7:13, 14) ብርግጽ እምበኣር፡ ነቲ የሆዋ ባዕሉ ዝሸሞ ንጉስ እምንቶ ኸነሕድረሉ ንኽእል ኢና!

“ጊልያይ ዳዊት” “ጓሳአን . . . ኪኸውን እዩ”

16. የሆዋ ብዛዕባ ኣባጊዑ ኸመይ ይስምዖ፧ ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ “ጓሶት እስራኤል”ከ ነተን መጓሰ ብኸመይ እዮም ዚሕዝወን ነይሮም፧

16 እቲ ዓብዪ ጓሳ ዝዀነ የሆዋ ብዛዕባ ኣባጊዑ፡ ማለት ብዛዕባ ምድራውያን ኣምለኽቱ፡ ብዙሕ ይግደስ እዩ። (መዝ. 100:3) ነቶም ስልጣን እተዋህቦም ሰብኣውያን ንኡሳን ጓሶት ንኣባጊዑ ኺከናኸኑ ሕድሪ ድሕሪ ምሃቡ ድማ፡ ብኸመይ ንኣባጊዑ ኸም ዚሕዝወን ተጠንቂቑ ይዕዘቦም እዩ። እምበኣር፡ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ “ጓሶት እስራኤል” ከመይ ከም እተሰምዖ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ። እቶም መራሕቲ እቲኦም ከይሓፈሩ “ብሕሰምን ብጭካነን” እዮም ዚገዝእወን ነይሮም። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ እተን መጓሰ ጽቡቕ ኣይረኸባን፣ ብዙሓት ካባታተን እውን ንንጹህ ኣምልኾ ሓዲገናኦ እየን ነይረን።—ህዝ. 34:1-6

17. የሆዋ ንኣባጊዑ ብኸመይ እዩ ኣናጊፍወን፧

17 የሆዋ ደኣ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ብዛዕባ እቶም ሕሱማት ገዛእቲ እስራኤል፡ “ክጸባጸቦም እየ” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ንኣባጊዐይ . . . ከናግፈን እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩ ኣሎ። (ህዝ. 34:10) የሆዋ ወትሩ ቓሉ ይሕሉ እዩ። (እያ. 21:45) ብ607 ቅ.ክ.፡ በቶም ወረርቲ ባቢሎናውያን ገይሩ ነቶም ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዚደልዩ ገዛእቲ ዝዀኑ ጓሶት ካብ ስልጣኖም ብምውራድ ንኣባጊዑ ኣናገፈን። ድሕሪ 70 ዓመት ድማ፡ ነቶም ከም ኣባጊዕ ዝዀኑ ኣምለኽቱ ኻብ ባቢሎን ኣናጊፉ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ናብ ቀደሙ ምእንቲ ኺመልሱ ናብ ዓዶም ኣምጽኦም። ኰይኑ ግና፡ ኣባጊዕ የሆዋ ኣብ ትሕቲ ዕብለላ ሓይልታት ዓለም ስለ ዝነበራ፡ ንጕድኣት እተቓልዓ እየን ነይረን። “ምዱብ ግዜያት ኣህዛብ” ንሓያሎ ዘመናት እዩ ቐጺሉ።—ሉቃ. 21:24

18, 19. ህዝቅኤል ብ606 ቅ.ክ. እንታይ ትንቢት እዩ ተነበዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

18 ብ606 ቅ.ክ.፡ ካብቲ የሩሳሌም ዝጠፍኣትሉ ሓደ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ካብቲ እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ዝወጹሉ ድማ ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ፡ እቲ ዓብዪ ጓሳ ዝዀነ የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ንኣባጊዑ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሓልየለን ዜርኢ ትንቢት ኪንበ ብመንፈሱ ደረኾ። እቲ ትንቢት ከኣ፡ እቲ መሲሓዊ ገዛኢ ኸመይ ገይሩ ንኣባጊዕ የሆዋ ኸም ዚጓስየን ዚገልጽ እዩ ነይሩ።

19 እቲ ትንቢት እንታይ ይብል፧ (ህዝቅኤል 34:22-24 ኣንብብ።) ኣምላኽ፡ “ሓደ ጓሳ፡ ጊልያይ ዳዊት፡ ከተንስኣለን እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩ ኣሎ። እተን “ሓደ ጓሳ” ዚብላ ቓላት ምስታ ብንጽል ሰፊራ ዘላ “ጊልያይ” እትብል ቃል ተደሚረን፡ እቲ ገዛኢ ነቲ ኻብ ወለዶ ዳዊት ነገስታት እናተተኻኽኡ ዚገዝኡሉ ስርወ ንግስነት መሊሱ ኸም ዘየጀምሮ፡ የግዳስ ንሱ ቐዋሚ ወራሲ ዳዊት ከም ዚኸውን እየን ዚእምታ። እቲ ጓሳን ገዛእን ንኣባጊዕ ኣምላኽ ኬብልዖም እዩ፣ “ኣብ መንጎኦም [ከኣ] ሹም” ኪኸውን እዩ። የሆዋ ምስ ኣባጊዑ “ኪዳን ሰላም” ኪኣቱ እዩ። ኣብቶም ኣባጊዑ ኸኣ “በረኸት ከም ዝናም ኪዘንም እዩ፡” ኣብ እዋን ደሓንን ብልጽግናን ፍርያምነትን እውን ኪነብሩ እዮም። አረ ሰላምሲ ኣብ መንጎ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መንጎ ሰባትን እንስሳታትን እውን ኪሰፍን እዩ!—ህዝ. 34:25-28

20, 21. (ሀ) እቲ ብዛዕባ “ጊልያይ ዳዊት” እተነግረ ትንቢት ብኸመይ ተፈጺሙ፧ (ለ) እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ “ኺዳን ሰላም” እተዛረቦ ቓላት ንመጻኢ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

20 እቲ ትንቢት ብኸመይ ተፈጺሙ፧ ኣምላኽ ነቲ ገዛኢ “ጊልያይ ዳዊት” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ነቲ ኺገዝእ ሕጋዊ መሰል ዘለዎ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ የሱስ እዩ ብትንቢት ዜመልክት ነይሩ። (መዝ. 89:35, 36) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ህይወቱ “ምእንቲ እተን ኣባጊዕ” ኣሕሊፉ ዚህብ “ሕያዋይ ጓሳ” ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። (ዮሃ. 10:14, 15) ሕጂ ግና ሰማያዊ ጓሳ እዩ። (እብ. 13:20) ብ1914፡ ኣምላኽ ንየሱስ ኣንጊስዎ፡ ነተን ኣብ ምድሪ ዘለዋ ኣባጊዑ ኺጓስን ኬብልዕን ከኣ ሓላፍነት ሂብዎ እዩ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ብ1919፡ እቲ ሓድሽ ዝነገሰ ንጉስ ነቶም “ኣገልገልቲ ቤት፡”—ማለት ነቶም ሰማያዊ ወይ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም እሙናት ኣምለኽቲ፡—ዚምግብ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ሸይሙ እዩ። (ማቴ. 24:45-47) እቲ እሙን ባርያ ድማ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ ኰይኑ ንኣባጊዕ ኣምላኽ ጽቡቕ ገይሩ መንፈሳዊ ምግቢ ይምግበን ኣሎ። እዚ ምግቢ እዚ ኸኣ፡ ኣብቲ ሎሚ ዘሎ መንፈሳዊ ገነት ሰላምን ደሓንን ኣስፊኑ ኣሎ።

21 እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ “ኺዳን ሰላም”ን በረኸት ዝናምን እተዛረቦ ቓላት ንመጻኢ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ንጹሃት ኣምለኽቲ የሆዋ ነቲ “ኺዳን ሰላም” ዜምጽኦ በረኸት ምሉእ ብምሉእ ኬስተማቕርዎ እዮም። እሙናት ሰባት ቃል ብቓሉ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ስለ ዚነበሩ፡ ደጊም ብውግእ፡ ብገበን፡ ብጥሜት፡ ብሕማም፡ ወይ ብኣራዊት ኣይኪሰግኡን እዮም። (ኢሳ. 11:6-9፣ 35:5, 6፣ 65:21-23) በቲ እቶም ኣባጊዕ ኣምላኽ ገነት ኣብ እትኸውን ምድሪ “ዜፍርሆም ዘይብሎም . . . ብደሓን” ንዘለኣለም ንምንባር ዘለዎም ተስፋስ ኣይትህንጠንዶ፧—ህዝ. 34:28

እቲ ሰማያዊ ጓሳ ዝዀነ የሱስ፡ ኣባጊዕ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚትሓዛ ይዕዘብ (ሕጡብ ጽሑፍ 22 ርአ)

22. የሱስ ብዛዕባ እተን ኣባጊዕ ከመይ ይስምዖ፧ እቶም ንኡሳን ጓሶት ኰይኖም ዜገልግሉኸ ኸመይ ገይሮም እዮም ነዚ ሓልዮት እዚ ኼንጸባርቑ ዚኽእሉ፧

22 ካብቲ ትንቢት እንታይ ንምሃር፧ የሱስ ከም ኣቦኡ፡ ነተን ኣባጊዕ ኣጸቢቑ ይሓልየለን እዩ። እዚ ንጉስን ጓሳን እዚ፡ ኣባጊዕ ኣቦኡ ብመንፈሳዊ መዳይ ጽቡቕ ከም ዚምገባን ኣብ መንፈሳዊ ገነት ሰላምን ደሓንን ከም ዚረኽባን የረጋግጽ እዩ። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝበለ ገዛኢ ምዃንሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! እቶም ንኡሳን ጓሶት ኰይኖም ዜገልግሉ፡ ነቲ የሱስ ንኣባጊዕ ኣምላኽ ዘለዎ ሓልዮት ኬንጸባርቑ ኣለዎም። ሽማግለታት ነተን መጓሰ “ብፍታው”ን “ብሃንቀውታ”ን ኪጓስይወን፡ ኣርኣያ እውን ኪዀንወን ኣለዎም። (1 ጴጥ. 5:2, 3) ዋላ ሓደ ሽማግለ ንበጊዕ የሆዋ ኺገፍዕ የብሉን! የሆዋ ነቶም ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ ሕሱማት ጓሶት እስራኤል፡ “ክጸባጸቦም እየ” ኸም ዝበለ ኣይንረስዕ። (ህዝ. 34:10) እቲ ዓብዪ ጓሳ፡ ኣባጊዑ ብኸመይ ከም እተታሕዛ ይዕዘብ እዩ፣ ወዱ እውን ይዕዘብ እዩ።

“ጊልያይ ዳዊት ድማ ንዘለኣለም ሹሞም ኪኸውን እዩ”

23. የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ሓደ ብዛዕባ ምግባር እንታይ ኢሉ እዩ ኣተስፍዩ፧ ነዚኸ ኸመይ ገይሩ እዩ ፈጺምዎ፧

23 የሆዋ ንኣምለኽቱ፡ ብሓድነት ኬገልግልዎ እዩ ዚደልዮም። ኣብቲ ብዛዕባ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ ዚገልጽ ትንቢት፡ ንህዝቡ ኣኪቡ፡—ማለት ነቶም ካብታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ይሁዳን ካብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤልን ዝዀኑ ህዝቡ ኣኪቡ፡—ከምቲ ኽልተ ‘ኣዕጫው ሓደ ዚዀኑ፡’ ንዓታቶም እውን “ሓደ ህዝቢ” ኺገብሮም ምዃኑ ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። (ህዝ. 37:15-23) ብ537 ቅ.ክ. ነቶም ብሓድነት ዝሰመሩ ህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ መለሶም ከኣ፡ እዚ ትንቢት ተፈጺሙ እዩ። * ግናኸ፡ እቲ ሓድነት እቲ ምስቲ ኣብ መጻኢ ዚህሉ ነባሪ ሓድነት ኪነጻጸር ከሎ፡ ኣዝዩ ንእሽቶ እዩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ሓደ ኸም ዚገብሮም ቃል ድሕሪ ምእታዉ ድማ፡ እቲ ናይ መጻኢ ገዛኢ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንዘለኣለም ብዚቕጽል ሓድነት ከመይ ገይሩ ኸም ዜሕብሮም ዚገልጽ ትንቢት ንህዝቅኤል ሃቦ።

24. የሆዋ ነቲ መሲሓዊ ገዛኢ እንታይ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፧ ግዝኣት እዚ ንጉስ እዚኸ ኸመይ ኪኸውን እዩ፧

24 እቲ ትንቢት እንታይ ይብል፧ (ህዝቅኤል 37:24-28 ኣንብብ።) የሆዋ ኸም ብሓድሽ ነቲ መሲሓዊ ገዛኢ “ጊልያይ ዳዊት፡” “ሓደ ጓሳ፡” “ሹሞም” ኢሉ ኣብ ርእሲ ምጽዋዑ፡ “ንጉስ” ኢሉ እውን ጸዊዕዎ ኣሎ። (ህዝ. 37:22) ግዝኣት እዚ ንጉስ እዚ ኸመይ ኪኸውን እዩ፧ ግዝኣቱ ነባሪ ኪኸውን እዩ። እታ “ዘለኣለም” እትብል ቃል፡ ግዝኣት እቲ ንጉስ ዜምጽኦ በረኸት መወዳእታ ዘይብሉ ምዃኑ ትሕብር። * ግዝኣቱ ሓድነት ዝሰፈኖ ኪኸውን እዩ። እሙናት ተገዛእቲ ኣብቲ ትሕቲ እቲ “ሓደ ንጉስ” ኰይኖም፡ ብሕደ ‘ፍርድታት ኪመላለሱን ኣብታ ምድሪ ብሓባር ኪቕመጡን’ እዮም። ግዝኣቱ ንተገዛእቱ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ብዝያዳ ኬቕርቦም እዩ። የሆዋ ምስቶም ተገዛእቲ “ኺዳን ሰላም” ኪገብር እዩ። ንሱ ኣምላኾም ኪኸውን፡ ንሳቶም እውን ህዝቡ ኪዀኑ እዮም። መቕደሱ ድማ “ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም” ኪኸውን እዩ።

25. እቲ ብዛዕባ እቲ መሲሓዊ ንጉስ እተነግረ ትንቢት ብኸመይ ተፈጺሙ፧

25 እቲ ትንቢት ብኸመይ ተፈጺሙ፧ ብ1919፡ እሙናት ቅቡኣት ኣብ ትሕቲ እቲ “ሓደ ጓሳ” ዝዀነ መሲሓዊ ንጉሶም የሱስ ክርስቶስ ሓደ ዀይኖም እዮም። ጸኒሖም፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን” እተኣከቡ “ብዙሓት ህዝቢ” ምስቶም ቅቡኣት ብጾቶም ሓደ ዀይኖም እዮም። (ራእ. 7:9) ብሓባር ከኣ ‘ሓደ ዝጓሳኦም’ “ሓደ መጓሰ” ዀይኖም እዮም። (ዮሃ. 10:16) ተስፋኦም ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ፡ ኵሎም ንፍርድታት የሆዋ ሓልዮም ይመላለሱ እዮም። ከም ፍሪኡ ድማ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ሓድነት ዘለዎም ኣሕዋት ብምዃን ኣብ መንፈሳዊ ገነት ብሓባር ይቕመጡ ኣለዉ። የሆዋ ኸኣ ሰላም ብምሃብ ባሪኽዎም ኣሎ፣ እቲ ንንጹህ ኣምልኾ ዜመልክት መቕደሱ እውን ኣብ ማእከሎም ኣሎ። የሆዋ ኣምላኾም እዩ፡ ንሳቶም እውን ሕጅን ንዘለኣለምን ኣምለኽቱ ብምዃኖም ይሕበኑ እዮም።

26. ንሓድነት መንፈሳዊ ገነት ከመይ ጌርካ እጃምካ ኸተበርክት ትኽእል፧

26 ካብቲ ትንቢት እንታይ ንምሃር፧ ኣብ ብዘላ ዓለም ምስ ዘለዉ ኣሕዋት ብሓድነት ሓቢርና ኣብ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ እንሳተፍ ምዃንና ኸም ፍሉይ መሰል ኢና እንርእዮ። እቲ ፍሉይ መሰል ግና ሓላፍነት የሰክመና እዩ፣ እወ፡ ነቲ ሓድነት ኣበርክቶ ኽንገብር ኣሎና። ስለዚ፡ ኣብ እምነትናን ኣብ ተግባርናን ስኒት ምእንቲ ኺህልወና፡ ኵላትና አእጃምና ኽንገብር ኣሎና። (1 ቈረ. 1:10) ነዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ ከኣ፡ ሕደ መንፈሳዊ ምግቢ ብሃንቀውታ ንምገብ፡ ሕደ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ንስዕብ፡ ኣብቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ሕደ ዕዮ እውን ንሳተፍ ኢና። ንሓድነትና ወሳኒት ዝዀነት ነገር ግና ፍቕሪ እያ። ነታ ኸም ድንጋጽን ርሕራሐን ይቕረ ምባልን ዝኣመሰለ እተፈላለየ መዳያት ዝሓቘፈት ፍቕሪ ኸነማዕብላን ብግብሪ ኸነርእያን ከለና፡ ንሓድነትና ኣበርክቶ ንገብር ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ” ይብል እዩ።—ቈሎ. 3:12-14፣ 1 ቈረ. 13:4-7

የሆዋ ንኣምለኽቱ ፍቕሪ ብዝሰፈኖ ዓለምለኻዊ ሕውነት ይባርኾም (ሕጡብ ጽሑፍ 26 ርአ)

27. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዚርከብ መሲሓዊ ትንቢታት ከመይ ይስምዓካ፧ (ለ) ኣብ ዚቕጽል ምዕራፋት እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

27 እቲ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዚርከብ መሲሓዊ ትንቢታትሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜሐጕስ እዩ! ነቲ ትንቢታት ከነንብቦን ከነስተንትነሉን ከለና፡ እቲ ፍቑር ንጉስና የሱስ ክርስቶስ እምንቶ ኸነሕድረሉ ዚግብኦ ምዃኑ፡ ኪገዝእ ሕጋዊ መሰል ዘለዎ ምዃኑ፡ ንዓና ብሓልዮት ከም ዚጓስየና፡ ንዘለኣለም ብዚቕጽል ሓድነት ድማ ከም ዜሕብረና ንምሃር ኢና። ተገዛእቲ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ምዃንሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! እዚ መሲሓዊ ትንቢታት እዚ፡ ክፍሊ እቲ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ሓፈሻዊ ፍረ ነገር ኰይኑ ዘሎ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ ምዃኑ ኣይንረስዕ። የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ እዩ ንህዝቡ ዚእክቦም፡ ብእኡ ኣቢሉ እውን እዩ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ መንጎኦም ዚመልስ። (ህዝ. 20:41) ኣብ ዚቕጽል ምዕራፋት እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ እቲ መሳጢ ፍረ ነገር ምምላስ ንጹህ ኣምልኾን ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ብኸመይ ከም ዝማዕበለን ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 1 ቀዳመይቲ ዓመት ምርኮ ብ617 ቅ.ክ.፡ ቀዳሞት ምሩኻት ኣይሁድ ናብ ባቢሎን ምስ ተወስዱ እያ ጀሚራ። ስለዚ፡ ሻድሸይቲ ዓመት፡ ብ612 ቅ.ክ. እያ ጀሚራ።

^ ሕ.ጽ. 14 የሱስ ካብ ወለዶ ዳዊት ምዃኑ፡ ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ወንጌላት ብግቡእ ተሰኒዱ ኣሎ።—ማቴ. 1:1-16፣ ሉቃ. 3:23-31

^ ሕ.ጽ. 23 ህዝቅኤል ብዛዕባ እተን ክልተ ኣዕጫው እተነበዮ ትንቢትን ፍጻመኡን፡ ኣብ ምዕራፍ 12 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኺግለጽ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 24 ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እታ “ዘለኣለም” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “እታ ቓል ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ንውሓት ግዜ ዚተሓሓዝ ሒዛቶ ዘላ ሓሳብ፡ ቀዋምነት፡ ነባርነት፡ ዘይተጣሓስነት፡ ዘይተለዋጥነት፡ ዘይተቐያርነት ዚብል ሓሳብ ኣለዋ” ይብል።