ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 10

“ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም”

“ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም”

ህዝቅኤል 37:5

ኣትኵሮ፦ እቶም ብራእይ እተራእዩ “ንቑጻት ኣዕጽምቲ” ዳግም ህያዋን ከም ዚዀኑን እዚ ብዝዓበየ ደረጃ ኸም ዚፍጸምን

1-3. እንታይ ነገር እዩ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁድ መንፈሶም ከም ዚቕየር ዝገበረ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁድ መንፈሶም ብሃንደበት እዩ ተቐዪሩ! ቅድሚኡ ንሓሙሽተ ዓመት ዚኣክል፡ ህዝቅኤል ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም ተነብዩሎም ነይሩ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ እዝኒ ኣይገበሩሉን። ብተዋስኦታት እኳ እንተ ኣቕረበሎም፡ ብምሳሌታት እኳ እንተ ነገሮም፡ መልእኽትታት እኳ እንተ ኣወጀሎም፡ የሆዋ ንጥፍኣት የሩሳሌም ከም ዚፈቅድ ኣይኣመኑን። እታ ኸተማ ብሰራዊት ባቢሎናውያን ከም እተኸብበት ምስ ፈለጡ እኳ፡ ነበርታ ኻብ ጥፍኣት ከም ዚድሕኑ ይተኣማመኑ ነይሮም እዮም።

2 ክልተ ዓመት ድሕሪ እቲ ኸበባ ግና፡ ሓደ ኻብ የሩሳሌም ዘምለጠ ስደተኛ፡ “እታ ኸተማ ተወቒዓ!” ዚብል ወረ ሒዙ ናብ ባቢሎን መጸ። እቲ ወረ ኸኣ ነቶም ምሩኻት ልቦም ሰበሮም። እታ ተፈታዊት ከተማን እታ ቕድስቲ ቤተ መቕደስን እታ ጽብቕቲ ሃገርን ምጥፋአን ብቐሊሉ ኺውሓጠሎም ኣይከኣለን። እቲ ንነዊሕ ግዜ ዝነበሮም ተስፋ ድማ ናብ ቅብጸት ተቐየረ።—ህዝ. 21:7፣ 33:21

3 ኣብቲ እዋን ቅብጸት እቲ ግና፡ ተስፋ ዝሓዘ ሓያል ራእይ ንህዝቅኤል መጾ። እቲ ራእይ ነቶም ልቦም እተሰብረ ምሩኻት እንታይ መልእኽቲ ነይርዎ፧ እዚ ራእይ እዚ ሎሚ ምስ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብኸመይ ይዛመድ፧ ብብሕትናኸ ኸመይ ጌርና ኻብኡ ኽንጥቀም ንኽእል፧ መልሲ እዚ ሕቶታት ንምርካብ፡ የሆዋ ንህዝቅኤል እንታይ ከም ዝገለጸሉ እስከ ንመርምር።

“ኣብ ልዕሊ እዚ ኣዕጽምቲ እዚ ተነበ፡” “ንንፋስ [እውን] ተነበየሉ”

4. ህዝቅኤል ኣብቲ ዝረኣዮ ራእይ ብፍላይ ኣብ ምንታይ እዩ ኣተኲሩ፧

4 ህዝቅኤል 37:1-10 ኣንብብ። ብራእይ ድማ፡ ህዝቅኤል፡ ኣዕጽምቲ ኣብ ዝመልኦ ጐልጐል ስንጭሮ ተነብረ። የሆዋ ኸኣ ንህዝቅኤል፡ ‘ብዙርያ እቶም ዛሕ ኢሎም ዝነበሩ ኣዕጽምቲ ኺሓልፍ’ ኣዘዞ። ህዝቅኤል ኣብታ ጐልጐል ስንጭሮ ኪኸይድ ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ኣዕጽምቲ ብፍላይ ዘተኰረሉ ኽልተ ነገር ጠቒሱ ኣሎ። እዚ ኸኣ ሓደ ብዝሑ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ኵነታቱ እዩ። ነዚ ድማ፡ “ኣዝዩ ብዙሕ ኣዕጽምቲ፡” ከምኡ እውን “ኣዝዩ ንቑጽ” ብዚብል ቃላት ገሊጽዎ ኣሎ።

5. የሆዋ ንህዝቅኤል እንታይ ክልተ ትእዛዝ ሃቦ፧ ህዝቅኤል ከምቲ እተባህሎ ምስ ገበረኸ እንታይ ኰነ፧

5 ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ነቲ ኣዕጽምቲ በብደረጃኡ ዳግም ህያዋን ዚገብር ክልተ ትእዛዝ ሃቦ። እቲ ቐዳማይ ትእዛዝ፡ “ኣብ ልዕሊ እዚ ኣዕጽምቲ እዚ ተነበ” ዚብል ነበረ፣ ኣብቲ ትንቢት ድማ ነቶም ኣዕጽምቲ ‘ህያዋን ኪዀኑ’ ምዃኖም ተነግሮም። (ህዝ. 37:4-6) ህዝቅኤል ምስ ተነበየ ኸኣ፡ “ብኡብኡ ደሃይ፡ ደሃይ ሓሸሽታ ዀነ፣ እቲ ኣዕጽምቲ ድማ፡ ዓጽሚ ናብ ዓጽሚ ተቐራረበ።” “ጅማውትን ስጋን” እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣዕጽምቲ ዀነ፡ “ቈርበት እውን ኪኸድኖም” ተራእየ። (ህዝ. 37:7, 8) እቲ ኻልኣይ ትእዛዝ፡ “ንንፋስ ተነበየሉ” ዚብል ነበረ፣ ኣብቲ ትንቢት ድማ ንንፋስ፡ ኣብቶም ሬሳታት “ንፈስ” ተባሂሉ ተነግሮ። ህዝቅኤል ከኣ ተነበየ፡ “ትንፋስ ድማ ኣተዎም፣ ህያዋን እውን ኰኑ፣ ብኣእጋሮም ከኣ ደው በሉ፣ ኣዝዩ ዓብዪ ሰራዊት እውን ኰኑ።”—ህዝ. 37:9, 10

“ኣዕጽምትና ነቒጹ፡ ተስፋና ኸኣ ጠፊኡ”

6. እንታይ የሆዋ እተዛረቦ ቓላት እዩ ንህዝቅኤል ነቲ ራእይ ኪርድኦ ዝሓገዞ፧

6 የሆዋ ቐጺሉ ንህዝቅኤል ትርጉም እቲ ራእይ ኪገልጸሉ ኸሎ፡ “እዚ ኣዕጽምቲ እዚ፡ ብዘሎ ቤት እስራኤል እዩ” በሎ። እወ፡ እቶም ምሩኻት ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም ምስ ፈለጡ፡ ከም ዝሞቱ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዎም። ስለዚ ድማ፡ “ኣዕጽምትና ነቒጹ፡ ተስፋና ኸኣ ጠፊኡ። ጠሪስና ተቘሪጽና ኢና” ኢሎም ሓዘኖም ገለጹ። (ህዝ. 37:11፣ ኤር. 34:20) ከም ምላሽ እዚ መግለጺ ሓዘን ከኣ፡ እዚ ጽልሙት ራእይ ኣዕጽምቲ እዚ፡ ንእስራኤል መልእኽቲ ተስፋ ሒዙ ኸም ዘሎ የሆዋ ገለጸ።

7. ኣብ ህዝቅኤል 37:12-14 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ንህዝቅኤል እንታይ እዩ ገሊጹሉ፧ ነቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ህዝቡኸ እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂብዎም፧

7 ህዝቅኤል 37:12-14 ኣንብብ። የሆዋ በዚ ራእይ እዚ ኣቢሉ፡ ነቶም ምሩኻት ህያዋን ከም ዚገብሮም፡ ናብ ዓዶም ከም ዚመልሶም፡ ኣብኣ እውን ከም ዜንብሮም ኣረጋገጸሎም። ብተወሳኺ፡ የሆዋ ንዓታቶም፡ “ኣቱም ህዝበይ” ኢሉ እውን ጸውዖም። እዝስ ነቶም ሓዚኖም ዝነበሩ ምሩኻት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣጸናኒዕዎም ኪኸውን ኣለዎ! እዚ ተስፋ እዚ ኸም ዚፍጸም ከመይ ገይሮም ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ እዩ ኣተስፍዩዎም። ስለዚ ኸኣ፡ “ኣነ የሆዋ ኸም እተዛረብክዎን ከም ዝገበርክዎን ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም” በሎም።

8. (ሀ) “ብዘሎ ቤት እስራኤል” ኣብ ከም ሞት ዝኣመሰለ ዅነታት ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጠንቂ ምሳልያዊ ሞት እስራኤል ኣብ ህዝቅኤል 37:9 ብኸመይ ተሓቢሩ ኣሎ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

8 እቲ ጽልሙት ክፋል እቲ ትንቢታዊ ራእይ ኣብቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል ብኸመይ ተፈጺሙ፧ ምሳልያዊ ሞት እስራኤል ብ740 ቅ.ክ.፡ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ምስ ወደቐትን ህዝባ ናብ ምርኮ ምስ ተወስዱን እዩ ጀሚሩ ነይሩ። ኣስታት 130 ዓመት ዚኸውን ጸኒሖም ከኣ፡ ህዝቢ ይሁዳ ናብ ምርኮ ተወሲዶም እዮም፣ በዚ ኸምዚ፡ “ብዘሎ ቤት እስራኤል” ኣብ ትሕቲ ምርኮ ኣትዩ ኺብሃል ይከኣል እዩ። (ህዝ. 37:11) ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ብዘለዉ እቶም ምሩኻት ከምቲ ህዝቅኤል ኣብ ዝረኣዮ ራእይ ዝነበሩ ኣዕጽምቲ ምውታት እዮም ነይሮም። * ብዘይካዚ ድማ፡ ህዝቅኤል ኣዕጽምቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ኣዝዩ ንቑጽ” ኣዕጽምቲ ምርኣዩ፡ እቲ ኸም ሞት ዝኣመሰለ ዅነታት ንነዊሕ እዋን ከም ዝቐጸለ ዜመልክት ምዃኑ ኣይንረስዕ። ብርግጽ ድማ፡ እስራኤልን ይሁዳን ኣብ ትሕቲ ምርኮ ብድምር ልዕሊ 200 ዓመት፡ ማለት ካብ 740 ክሳዕ 537 ቅ.ክ. እዮም ጸኒሖም።—ኤር. 50:33

9. ኣብ መንጎ እቶም ብስጋ እስራኤል ዘሕለፍዎ ነገራትን “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዘሕለፍዎ ነገራትን እንታይ ምስስል ኣሎ፧

9 እቲ ብዛዕባ እስራኤል እተነግረ ትንቢታት ምምላስ፡ ንኣብነት እቲ ብህዝቅኤል እተነግረ ትንቢታት፡ ዝዓበየ ፍጻመ ኣለዎ። (ግብ. 3:21) ከምቲ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል ‘እተቐትሉን’ ንነዊሕ ግዜ ምዉታት ኰይኖም ዝጸንሑን፡ እቶም ንጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ዜመልክቱ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” እውን ብምሳሌያዊ መገዲ ተቐቲሎምን ንነዊሕ እዋን ኣብ ከም ሞት ዝኣመሰለ ዅነታት ተማሪኾምን እዮም። (ገላ. 6:16) እቲ ጉባኤ ቕቡኣት ኣብ ትሕቲ ምርኮ ዝነበሩሉ እዋን ኣዝዩ ነዊሕ ካብ ምንባሩ እተላዕለ ኸኣ፡ መንፈሳዊ ዅነታቶም ምስቲ “ኣዝዩ ንቑጽ” ዝነበረ ኣዕጽምቲ ኺመሳሰል ይከኣል እዩ። (ህዝ. 37:2) ኣብ ዝሓለፈት ምዕራፍ ከም ዝረኣናዮ፡ እቶም ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ምርኮ ዝነበሩሉ ዅነታት ካብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዙ ንሓያሎ ዘመናት ቀጺሉ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሰሎ ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን ተሓቢሩ ኣሎ።—ማቴ. 13:24-30

እቲ ህዝቅኤል ኣብ ራእይ ዝረኣዮ “ኣዝዩ ንቑጽ” ኣዕጽምቲ፡ ነቲ ቕቡኣት ክርስትያናት ንነዊሕ ግዜ ዝነበርዎ ኸም ሞት ዝኣመሰለ ዅነታት የመልክት (ሕጡብ ጽሑፍ 8, 9 ርአ)

“ኣዕጽምቲ . . . ተቐራረበ”

10. (ሀ) ኣብ ህዝቅኤል 37:7, 8 ብዛዕባ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ትንቢት እዩ ተነጊሩ፧ (ለ) ንእምነት እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ምሩኻት በብቝሩብ ህይወት ዝመለሰ እንታይ ረቛሒታት ኪጥቀስ ይከኣል፧

10 ብግዜ ጥንቲ፡ የሆዋ ብዛዕባ ህዝቡ፡ በብቝሩብ ናብ ህይወት ከም ዚምለሱ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ህዝ. 37:7, 8) እሞ ደኣ ነቲ እቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ምሩኻት ናብ እስራኤል ከም ዚምለሱ ዝነበሮም እምነት በብቝሩብ ህይወት ዝመለሰሉ እንታይ ረቛሒታት ኪጥቀስ ይከኣል፧ ሓደ ምንጪ ተስፋ፡ እቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ነብያት እተዛረብዎ ትንቢታት ኪኸውን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኢሳይያስ፡ ተረፍ “ቅዱስ ዘርኢ” ናብታ ምድሪ ኸም ዚምለስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 6:13፣ እዮ. 14:7-9) እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ምምላስ ዝጸሓፎ ሓያሎ ትንቢታት እውን፡ ነቲ ተስፋ እቲ ህያው ከም ዚኸውን ገይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ከም ነብዪ ዳንኤል ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ኣብ ባቢሎን ምንባሮም፡—ከምኡ ድማ ከተማ ባቢሎን ብ539 ቅ.ክ. ብዜደንቕ መገዲ ምውዳቓ፡—ነቲ እቶም ምሩኻት ብዛዕባ ምምላስ ዝነበሮም ተስፋ ኣሐይልዎ ኪኸውን ኣለዎ።

11, 12. (ሀ) እቶም “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” በብቝሩብ ናብ ህይወት እተመልሱ ብኸመይ እዮም፧ (“ንጹህ ኣምልኾ በብቝሩብ ተመሊሱ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።) (ለ) እቲ ኣብ ህዝቅኤል 37:10 ዘሎ ቓላት እንታይ ሕቶ የበግስ፧

11 እቶም “ናይ ኣምላኽ እስራኤል፡” ማለት እቶም ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ብተመሳሳሊ በብቝሩብ ናብ ህይወት እተመልሱ ብኸመይ እዮም፧ ኣብቲ ኸም ሞት ዝኣመሰለ ምርኮ ኻብ ዚኣትዉ ሓያሎ ዘመናት ጸኒሑ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ውልቀ ሰባት ምእንቲ ንጹህ ኣምልኾ ኺትንስኡ ኸለዉ፡ “ደሃይ፡ ደሃይ ሓሸሽታ” ዀነ። ንኣብነት፡ ኣብ መበል 16 ዘመን፡ ዊልያም ቲንደል ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ እንግሊዝኛ ተርጐሞ። ድሕርዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብተራ ሰባት ኪንበብ ዚከኣል ምዃኑ ንኣቕሽሽቲ ካቶሊክ ኣቘጥዖም። ስለዚ ኸኣ፡ ቲንደል ተቐትለ። ይኹን እምበር፡ ካልኦት ተባዓት ውልቀ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ተወሳኺ ቛንቋታት ተርጐምዎ፣ መንፈሳዊ ብርሃን ከኣ ኣብ ብዘላ እታ ጸልማት ዓለም በብቝሩብ ተዘርግሐ።

12 ደሓር፡ ቻርለስ ቴዝ ራስልን ብጾቱን ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ብቕንኣት ኪዓይዩ ምጅማሮም፡ “ጅማውትን ስጋን” ኣብ ልዕሊ እቶም ኣዕጽምቲ ምስ ምዃን ኪመሳሰል ይከኣል እዩ። ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብሓገዝ ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛን ካልእ ጽሑፋትን መንፈሳዊ ሓቅታት ኪረኽቡ ኸኣሉ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ምስቶም ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪጽምበሩ ተደረኹ። ኣብ መጀመርታ 1900ታት፡ ከም “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን”ን ዘ ፊኒሽድ ሚስትሪን ዝኣመሰለ ናውቲ ንቕቡኣት ህዝቢ ኣምላኽ ተወሳኺ ሓይሊ ሃቦም። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ‘ብኣእጋሮም ደው ዜብለሉ’ እዋን ኣኸለ። (ህዝ. 37:10) እሞ ደኣ እዚ መዓስን ብኸመይን ኰይኑ፧ ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ዝዀነ ነገራት፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ንምርካብ ኪሕግዘና እዩ።

“ህያዋን እውን ኰኑ፣ ብኣእጋሮም ከኣ ደው በሉ”

13. (ሀ) ካብ 537 ቅ.ክ. ኣትሒዙ፡ እቲ ኣብ ህዝቅኤል 37:10, 14 ዚርከብ ቃላት ብኸመይ ተፈጺሙ፧ (ለ) ገሊኦም ኣባላት እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ናብ እስራኤል ከም እተመልሱ ዚሕብር እንታይ ጥቕስታት ኣሎ፧

13 ካብ 537 ቅ.ክ. ኣትሒዙ፡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ፍጻመ እቲ ትንቢት ርእዮም እዮም። ብኸመይ፧ የሆዋ ንዓታቶም ካብ ምርኮ ሓራ ብምውጻእን ናብ እስራኤል ብምምላስን፡ ህያዋን ገይርዎም፡ ‘ብኣእጋሮም ከኣ ደው ኣቢልዎም’ እዩ። ስለዚ ድማ፡ 42,360 እስራኤላውያንን ኣስታት 7,000 እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባትን ዚርከብዎ ጕጅለ፡ ንየሩሳሌምን ንቤተ መቕደሳን ንምህናጽ፡ ኣብ ምድሪ እስራኤል ከኣ ንምንባር ካብ ባቢሎን ወጹ። (እዝ. 1:1-4፣ 2:64, 65፣ ህዝ. 37:14) ድሕሪኡ፡ ኣስታት 70 ዓመት ጸኒሑ፡ 1,750 ዚኣኽሉ ምሩኻት ምስ እዝራ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። (እዝ. 8:1-20) ስለዚ፡ ብድምር ልዕሊ 44,000 ኣይሁድ ተመሊሶም እዮም፣ ብሓቂ “ዓብዪ ሰራዊት” እዮም ነይሮም። (ህዝ. 37:10) ብዘይካዚ፡ ኣባላት እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ፡—ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ኣቦታቶም ብኣሶራውያን ናብ ምርኮ እተወስዱ፡—ንዳግመ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ንምሕጋዝ ናብ እስራኤል ከም እተመልሱ ቓል ኣምላኽ ይሕብር እዩ።—1 ዜና 9:3፣ እዝ. 6:17፣ ኤር. 33:7፣ ህዝ. 36:10

14. (ሀ) እቲ ኣብ ህዝቅኤል 37:24 ዚርከብ ቃላት፡ ቀንዲ ፍጻመ እቲ ትንቢት መዓስ ምዃኑ ኽንፈልጥ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብ1919 እንታይ እዩ ዀይኑ፧ (“እቶም ‘ንቑጻት ኣዕጽምቲ’ ምስቶም ‘ክልተ መሰኻኽር’ እንታይ ዝምድና ኣለዎም፧” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

14 እዚ ኽፋል ትንቢት ህዝቅኤል፡ ብኸመይ እዩ ብዝዓበየ ደረጃ ተፈጺሙ፧ ከምቲ የሆዋ ንህዝቅኤል ኣብ ሓደ ምስዚ ዚዛመድ ትንቢት ዝገለጸሉ፡ እዚ ብዛዕባ ምምላስ ዚገልጽ ትንቢት ብቐንዱ ዚፍጸም፡ እቲ ዓብዪ ዳዊት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ምስ ጀመረ እዩ። * (ህዝ. 37:24) ብ1919 ከኣ፡ የሆዋ ኣብ ህዝቡ መንፈሱ ኣእተወ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ “ህያዋን ኰኑ፡” ካብቲ ኣብ ትሕቲ ዓባይ ባቢሎን ዝነበርዎ ምርኮ እውን ሓራ ወጹ። (ኢሳ. 66:8) ድሕሪኡ፡ የሆዋ ኣብ ‘ምድሮም፡’ ማለት ኣብ መንፈሳዊት ገነት ኪነብሩ ፈቐደሎም። እዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ግና ከመይ ኢሎም እዮም “ዓብዪ ሰራዊት” ዝዀኑ፧

15, 16. (ሀ) እቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ “ዓብዪ ሰራዊት” ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) እዚ ትንቢት ህዝቅኤል እዚ ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥም ፈታኒ ዅነታት ክንጻወር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (“ብኣእጋርና ደው ክንብል ዚውሃበና ሓገዝ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

15 ክርስቶስ ነቲ እሙን ባርያ ብ1919 ድሕሪ ምሻሙ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከምቲ እቲ ኣብ መንጎ እቶም እተመልሱ ምሩኻት ዜገልግል ዝነበረ ነብዪ ዘካርያስ፡ “ብዙሓት ህዝብታትን ሓያላት ኣህዛብን ከኣ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት . . . ኪደልይዎ . . . ኺመጹ እዮም” ኢሉ እተነበዮ ዓይነት ተመክሮ ኼሕልፉ ጀመሩ። ነብዪ ዘካርያስ ነቶም ንየሆዋ ኺደልይዎ ዚመጹ፡ “ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰባት” ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ። እቶም ሰባት ድማ “ንሓደ ኣይሁዳዊ፡” ማለት ንመንፈሳውያን እስራኤል፡ ኣጽኒዖም ሒዞም፡ “ኣምላኽ ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ንደሊ ኢና” ኸም ዚብሉ ተሓቢሩ ኣሎ።—ዘካ. 8:20-23

16 ሎሚ፡ እቶም መንፈሳውያን እስራኤል (እቶም ተረፍ ቅቡኣት) ምስቶም እዚ ትንቢት እዚ ብቐጥታ ዘይምልከቶም “ዓሰርተ ሰባት” (እቶም ካልኦት ኣባጊዕ) ብሓባር ኰይኖም፡ ሚልዮናት ዝቝጽሩ “ኣዝዩ ዓብዪ ሰራዊት” ኣቚሞም ኣለዉ። (ህዝ. 37:10) ኣብዚ እናዓበየ ዚኸይድ ሰራዊት እነገልግል ወተሃደራት ክርስቶስ ከም ምዃንና መጠን፡ ኣስኣሰር ንጉስና የሱስ ስዒብና ናብቲ ኣብ ቅድሜና ተነቢሩ ዘሎ በረኸት ንግስግስ ኣለና።—መዝ. 37:29፣ ህዝ. 37:24፣ ፊል. 2:25፣ 1 ተሰ. 4:16, 17

17. ኣብ እትስዕብ ምዕራፍ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

17 እዚ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ እዚ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣገዳሲ ሓላፍነት እዩ ዜሰክሞም። እዚኸ እንታይ እዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ናብ ድሕሪት ምልስ ኢልና ነቲ የሩሳሌም ቅድሚ ምጥፋኣ ህዝቅኤል ካብ የሆዋ እተዋህቦ ዕዮ ኽንምርምር ኣሎና። ኣብ እትስዕብ ምዕራፍ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ከምኡ ኽንገብር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 8 እቲ ህዝቅኤል ኣብ ራእዩ ዝረኣዮ ኣዕጽምቲ፡ ብንቡር ሞት ናይ ዝሞቱ ኣዕጽምቲ ዘይኰነስ፡ ኣዕጽምቲ “ቕቱላት” እዩ ነይሩ። (ህዝ. 37:9) ነበርቲ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤልን ነበርቲ እታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ይሁዳን በብተራ ምስ ተሳዕሩ፡ ብኣሶራውያንን ብባቢሎናውያንን ከኣ ናብ ምርኮ ምስ ተወስዱ፡ “ብዘሎ ቤት እስራኤል” ብምሳልያዊ መገዲ ተቐቲሉ ኺብሃል ይከኣል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 14 እዚ መሲሓዊ ትንቢት እዚ ኣብ ምዕራፍ 8 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተገሊጹ ኣሎ።