ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

እተፈቶኹም ኣፍቀርቲ የሆዋ፦

ብ1971፡ እቶም “መለኮታዊ ስም” ኣብ ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ እተኣከቡ ተኣከብቲ፡ ሓደስቲ ጽሑፋት ብምርካቦም ተሓጒሶም እዮም ነይሮም። እቲ ጽሑፋት ከኣ፡ “ዋላ ሓደ ሰብ ኪግምቶ ኻብ ዚኽእል ንላዕሊ” ተባሂሉ ተገሊጹ ነይሩ። ሓደ ሓው ድማ ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን ዝወጻ ጽሑፋት፡ “ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ነገራት ኣቐዲምና ኻብ ዝረኸብናዮ ንላዕሊ መሳጢ ዝዀነ ቕድመ ትርኢት” ኢሉ ገሊጹ እዩ። ብዛዕባ ኣየነይቲ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ብዛዕባ እታ “ዘ ኔሽንስ ሻል ኖው ዛት ኣይ ኣም ጀሆቫ”—ሃው፧ (“ኣህዛብ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም”—ብኸመይ፧) ዘርእስታ መጽሓፍ እዩ። ግናኸ፡ ስለምንታይ እያ እታ መጽሓፍ እቲኣ መሳጢት ዝዀነት፧ ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዚርከብ ትንቢታት ሓድሽ መግለጺታት ሒዛ ነይራ እያ፣ እቲ ትንቢታት ከኣ ንመጻኢ ዅሎም ደቂ ሰብ ዚጸሉ እዩ።

ካብቲ እዛ ‘ኖው ጀሆቫ’ እትብሃል መጽሓፍ ዝወጸትሉ ንነጀው፡ ብዝሒ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ 1.5 ሚልዮን ናብ ልዕሊ 8 ሚልዮን ተዓጻጺፉ ኣሎ። (ኢሳ. 60:22) እዞም ሚልዮናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኸኣ፡ ብድምር ልዕሊ 900 ቛንቋ ይዛረቡ እዮም። (ዘካ. 8:23) ብዙሓት ድማ ነቲ ነብዪ ህዝቅኤል ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ዝጸሓፎ ትንቢታት እትገልጽ መጽሓፍ ኬጽንዑ ኣጋጣሚ ኣይረኸቡን።

ብተወሳኺ፡ ካብ 1971 ንነጀው፡ ብርሃን ሓቂ እናበርሀ ስለ ዝኸደ፡ ብዛዕባ ሓያሎ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ግንዛበ ብዙሕ ተመሓይሹ እዩ። (ምሳ. 4:18) ብ1985፡ እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ከም ፈተውቲ ኣምላኽ መጠን ብኸመይ ከም ዚጸድቁ ብንጹር ክንርዳእ ጀሚርና ኢና። (ዮሃ. 10:16፣ ሮሜ 5:18፣ ያእ. 2:23) ብ1995 ከኣ እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ “ኣባጊዕ”ን “ኣጣል”ን ኣብቲ ዚመጽእ “ብርቱዕ ጸበባ” ኸም ዚኸውን ንፈለማ ግዜ ተረዲኡና እዩ። (ማቴ. 24:21፣ 25:31, 32) ኵሉ እዚ ምትዕርራያት እዚ ኣብቲ ንመጽሓፍ ህዝቅኤል እንርድኣሉ መገዲ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።

“ኣታ ወዲ ሰብ፡ ስለዚ ኢኻ ናብዚ ዝመጻእካ እሞ፡ ኣጸቢቕካ ርአ፡ ተጠንቂቕካ ስማዕ፡ ንዅሉ እቲ ዘርእየካ ድማ ኣቕልበሉ።”—ህዝቅኤል 40:4

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ እቲ ብርሃን እናበርሀ ይኸይድ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ኻብ ምሳሌታት የሱስ እንረኽቦ ትምህርትታት እሞ ንሕሰብ። ሓያሎ ኻብዚ ትምህርትታት እዚ፡ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ኣዝዩ ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ብርክት ዝበለ ኻብዚ ምሳሌታት እዚ ኸኣ፡ ኣብቲ ብቕልጡፍ ዚቐርብ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ ብዛዕባ ዚኸውን ነገር እዩ ዚገልጽ። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ብዛዕባ ገሊኡ ትንቢታት መጽሓፍ ህዝቅኤል ዘሎና ግንዛበ ነጺሩ ኣሎ። ገለ ኻብዚ፡ እቲ ብዛዕባ ጎግ ብዓል ማጎግ (ምዕራፍ 3839ን)፡ ብዛዕባ ዕዮ እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ (ምዕራፍ 9)፡ ብዛዕባ ስንጭሮ ንቑጻት ኣዕጽምትን ምሳልያዊ ምልጋብ ክልተ ዕንጨይትን (ምዕራፍ 37) ዚገልጽ ትንቢታት ኪጥቀስ ይከኣል። ኵሉ እዚ ዝነጸረ ትምህርትታት፡ ነቲ ሓያሎ ዓመታት ይገብር ኣብታ ‘ኖው ጀሆቫ’ እትብሃል መጽሓፍ ወጺኡ ዝነበረ ሓበሬታ ኣተዓራርይዎ እዩ።

እምበኣር፡ ብዙሓት ህዝቢ የሆዋ፡ “ነቲ እተዓረየ መግለጺ ትንቢታት ህዝቅኤል ዝሓዘት መጽሓፍ ደኣ መዓስ ኢና እንረክብ፧” ኢሎም ኪሓትቱ ጸኒሖም እዮም። እዛ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ! ዘርእስታ መጽሓፍ ነዚ ሕቶ እዚ ምላሽ ትህብ እያ። ነቲ ኣብኣ ዚርከብ 22 ምዕራፍ ከተንብቦን ነቲ ውቁብ ስእልታት ከተስተንትነሉን ከለኻ፡ እቲ ንምድላዋ ብጥንቃቐ እተገብረ ምርምር ኬገርመካ እዩ። የሆዋ ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ እተደንቕ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዝሃበሉ ምኽንያት ብርግጽ ንምፍላጥ፡ ብጸሎት ብዙሕ ተሓሲቡሉ እዩ። እዚ ዚስዕብ ሕቶታት እውን ብዕምቈት ተሓሲቡሉ እዩ፦ መጽሓፍ ህዝቅኤል ነቶም ብግዜ ህዝቅኤልን ሎምን ዘለዉ ሰባት እንታይ ትምህርትታት ሒዛ ኣላ፧ ኣየናይ ትንቢታት እዩ ብዛዕባ እቲ ገና ኣብ መጻኢ ዚኸውን ነገር ዚገልጽ፧ ኣብ ትንቢታት ህዝቅኤል ተምሳል ወይ ጽላሎት ዚኸውን ኢልና ኸነናዲ ኣሎና ድዩ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ምስ እትረክብ፡ ብዛዕባ እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ተፈታዊት መጽሓፍ ዝነጸረ ግንዛበ ኺህልወካ እዩ።

ንመጽሓፍ ህዝቅኤል ካብ መጀመርታ ኽሳብ መወዳእታ ኸተንብባ ኸለኻ፡ ንሰማያዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ኣድንቖት ይሓድረካ እዩ። የሆዋ ነቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዚርከቡ ብቕቡል መገዲ ኼምልኽዎ ዚደልዩ ዘበሉ ልዑል መለክዒታት ከም ዝሰርዓሎም ምግንዛብካ የገርመካ ይኸውን። እዛ ንጹህ ኣምልኾ እትብሃል መጽሓፍ እዚኣ፡ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ድሮ ገይሩሉ ዘሎን ነቲ ኣብ ቀረባ መጻኢ ዚገብረሉን ነገር ዘሎካ ግንዛበ ኸተስፍሓልካ እያ። እታ መጽሓፍ ክልተ ፍረ ነገር ብተደጋጋሚ ተጕልሕ እያ። ቀዳማይ፡ ንየሆዋ ባህ ምእንቲ ኸነብሎ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዑል ምዃኑ ኽንፈልጥን ክንቅበሎን ኣሎና። ካልኣይ፡ ንየሆዋ በቲ ንሱ ዚቕበሎ መገዲ ኸነምልኾ፡ ማለት ህይወትና ምስቲ ልዑል መለክዒታቱ ኸነሰማምዕ ኣሎና።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ንየሆዋ ንምምላኽን ንዓብይን ቅዱስን ስሙ ንምኽባርን ዝገበርካዮ ቘራጽነት ከተደልድሎ ልባዊ ትምኒትና እዩ። ነቲ ዅሎም ኣህዛብ ንሱ የሆዋ ምዃኑ ዚፈልጡሉ ግዜ ብሃንቀውታ ኸም እትጽበ ኽትገብረካ ተስፋ ንገብር።—ህዝ. 36:23፣ 38:23

እቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ ነታ ብድራኸ መንፈሱ ንነብዪ ህዝቅኤል ዘጽሓፎ መጽሓፍ እቲኣ ንምርዳኣ እትገብሮ ጻዕሪ ኣብዚሑ ይባርኮ።

ኣሕዋትካ፡

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር