ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 2

‘ኣምላኽ ንመባኦም ተቐቢልዎ’

‘ኣምላኽ ንመባኦም ተቐቢልዎ’

እብራውያን 11:4

ኣትኵሮ፦ ታሪኽ እቲ የሆዋ ብዛዕባ ንጹህ ኣምልኾ ዝሰርዖ ስርዓት

1-3. (ሀ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧ (ለ) ብዛዕባ ንጹህ ኣምልኾ እንታይ ኣርባዕተ ቐንዲ ረቛሒታት ኢና ኽንምርምር፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ኣቤል ተጠንቂቑ ንመጓሰኡ መርመረን። ነተን እንስሳታት ከኣ ካብ ዚውለዳ ኣትሒዙ እዩ ኣዕብይወን። ድሕሪኡ ግና፡ ገለ ኻባታተን ድሕሪ ምሕራይ፡ ሓሪዱ ንኣምላኽ መባእ ገይሩ ኬቕርበን ወሰነ። እሞ ደኣ እዚ ዘይፍጹም ሰብ ዘቕረቦ ኣምልኾ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ረኺቡዶ፧

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ‘ኣምላኽ ንመባእ ኣቤል ከም እተቐበሎ’ ጽሒፉ ኣሎ። ግናኸ፡ የሆዋ ንመስዋእቲ ቃየል ኣይተቐበሎን። (እብራውያን 11:4 ኣንብብ።) እዚ ኸኣ ክንምርምሮ ዚግባእ ሕቶታት የበግሰልና እዩ። ኣምላኽ ንመስዋእቲ ኣቤል ተቐቢሉ፡ ንመስዋእቲ ቃየል ዘይተቐበሎ ስለምንታይ እዩ፧ ካብ ቃየልን ኣቤልን ካብቶም ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 እተጠቕሱ ኻልኦትን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ነቲ ብዛዕባ ንጹህ ኣምልኾ ዘሎና ግንዛበ ኼዕምቖ እዩ።

3 ካብ ግዜ ኣቤል ጀሚርና ኽሳዕ ግዜ ህዝቅኤል ዝነበረ ታሪኽ ኣሕጽር ኣቢልና ኽንርኢ ኸለና፡ ኣምልኾ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ምእንቲ ኪኸውን፡ እንታይ ኣርባዕተ ቐንዲ ረቛሒታት ከም ዜድሊ ነስተብህለሉ፦ እቲ ኣምልኾ ንየሆዋ ኺውሃብ ኣለዎ፣ ዓይነቱ ብሉጽ ኪኸውን ኣለዎ፣ ብኣምላኽ ተቐባልነት ብዘለዎ መገዲ ኪቐርብ ኣለዎ፣ እቲ ኣምልኾ ዜቕርብ ሰብ ድማ ብንጹህ ድራኸ ተላዒሉ ኺገብሮ ኣለዎ።

ኣምልኾ ቃየል ተቐባልነት ዘይረኸበ ስለምንታይ እዩ፧

4, 5. ቃየል መባኡ ንየሆዋ ኪህቦ ኸም ዚግባእ ኪድምድም ዘኽኣሎ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

4 ዘፍጥረት 4:2-5 ኣንብብ። ቃየል፡ መባእ ንየሆዋ ኺውሃብ ከም ዚግባእ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ቃየል ብዛዕባ የሆዋ ንምፍላጥ ዜኽእሎ እኹል ግዜን ኣጋጣምን ነይርዎ እዩ። ንሱን ሓዉ ኣቤልን መስዋእቲ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን፡ ዳርጋ 100 ዓመት ዝዕድሚኦም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። * ክልቲኦም ኪዓብዩ ኸለዉ ብዛዕባ ገነት ኤደን ይፈልጡ ነይሮም እዮም፣ ምናልባት እውን ነታ ፍርያም ገነት ብማዕዶ ይርእይዋ ነይሮም ይዀኑ። ነቶም ኣብ መእተዊኣ ቘይሞም ዚሕልዉ ኪሩቤል እውን ርእዮምዎም ኪዀኑ ኣለዎም። (ዘፍ. 3:24) ወለዶም ከኣ፡ የሆዋ ንዅሉ ህይወት ከም ዝፈጠረ፡ ደቂ ሰብ በብቝሩብ ናብ ሞት ኬንቈልቍሉ ድማ ኣብ ፈለማ ዝነበረ ዕላማኡ ዘይምዃኑ ነጊሮምዎም ኪዀኑ ኣለዎም። (ዘፍ. 1:24-28) ቃየል ነዚ ነገራት እዚ ምፍላጡ፡ መባኡ ንኣምላኽ ኪህቦ ኸም ዚግባእ ኪድምድም ኣኽኢልዎ ኪኸውን ኣለዎ።

5 ቃየል መስዋእቲ ኬቕርብ ዘለዓዓሎ እንታይ ተወሳኺ ምኽንያት ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል፧ የሆዋ ንርእሲ እቲ ንሄዋን ዘስሓታ “ተመን” ዚጭፍልቕ “ዘርኢ” ኸም ዚትንስእ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 3:4-6, 14, 15) ቃየል ድማ በዅሪ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ “ዘርኢ” ንሱ ኸም ዝዀነ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 4:1) ብተወሳኺ ኸኣ፡ የሆዋ ምስቶም ሓጥኣን ሰባት ዝነበሮ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ኣይበተኾን ነይሩ፣ ኣዳም ድሕሪ ምሕጣኡ እውን ከይተረፈ፡ ኣምላኽ ተዛሪብዎ እዩ፣ ነዚ ድማ ብመልኣኽ ኣቢሉ ገይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍ. 3:8-10) ብዘይካዚ፡ ቃየል መስዋእቱ ምስ ኣቕረበ፡ የሆዋ ተዛሪብዎ እዩ። (ዘፍ. 4:6) እምበኣር፡ የሆዋ ኺምለኽ ከም ዚግብኦ፡ ቃየል ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

6, 7. ኣብቲ እቲ ቃየል ዘቕረቦ ዓይነት መስዋእቲ ዀነ ኣብቲ ዘቕረበሉ መገዲ ገለ ጸገም ነይሩዶ፧ ግለጽ።

6 እሞ ደኣ የሆዋ ናብ መስዋእቲ ቃየል ብሞገስ ዘይረኣየ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ዓይነት እቲ መስዋእቲ ገለ ጕድለት ነይሩ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ኣይብለናን እዩ። ቃየል ካብ “ፍረታት ምድሪ” ኸም ዘምጽአ ጥራይ እዩ ዚገልጸልና። የሆዋ ጸኒሑ ኣብቲ ንሙሴ ዝሃቦ ሕጊ፡ እዚ ዓይነት መስዋእቲ እዚ ቕቡል ምዃኑ ሓቢሩ እዩ። (ዘሁ. 15:8, 9) ሽዑ ዝነበረ ዅነታት እውን ኣብ ግምት ነእቱ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰባት ኣትክልቲ ጥራይ እዮም ዚበልዑ ነይሮም። (ዘፍ. 1:29) ኣምላኽ ነታ ኻብ ገነት ኤደን ወጻኢ ዝነበረት መሬት ስለ ዝረገማ ኸኣ፡ ቃየል ነዚ ንምፍራይ ብዙሕ ኪጽዕር ነይርዎ። (ዘፍ. 3:17-19) ስለዚ፡ ብብዙሕ ጻዕሪ ዘፍረዮ ብህይወት ንምንባር ዜድሊ ምግቢ እዩ መስዋእቲ ገይሩ ኣምጺኡ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንመስዋእቲ ቃየል ኣይተቐበሎን።

7 እሞ ደኣ ኣብቲ እቲ መስዋእቲ ዘቕረበሉ መገዲ ገለ ጸገም ነይሩ ድዩ፧ ቃየል ብዘይቅቡል መገዲ ኣቕሪቡ ደዀን ኪኸውን ይኽእል፧ እዚ ዘይመስል እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ንመስዋእቲ ቃየል ምቕባል ኪኣቢ ኸሎ፡ ነቲ ዘቕረበሉ መገዲ ኣይኰነኖን። ብዛዕባ እቲ ቃየል ኰነ ኣቤል ንመስዋእቶም ዘቕረቡሉ መገዲ ዋላ ሓንቲ ኣይተጠቕሰን። እቲ ጸገም ደኣ እንታይ እዩ ነይሩ፧

ውሽጣዊ ድራኸ ቃየል ንጹህ ኣይነበረን (ሕጡብ ጽሑፍ 8, 9 ርአ)

8, 9. (ሀ) የሆዋ ናብ ቃየል ወይ ናብ መስዋእቱ ብሞገስ ዘይረኣየ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቃየልን ብዛዕባ ኣቤልን ዝመዝገቦ ሓበሬታ ኽትሓስበሉ ኸለኻ፡ እንታይ ንኣቓልቦኻ ዚስሕብ ነገር ረኺብካ፧

8 ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ናብ እብራውያን ኪጽሕፍ ከሎ፡ ቃየል መስዋእቱ ብንጹህ ድራኸ ተለዓዒሉ ኸም ዘየቕረበ ገሊጹ ኣሎ። ቃየል እምነት ኣይነበሮን። (እብ. 11:4፣ 1 ዮሃ. 3:11, 12) ስለዚ ድማ እዩ የሆዋ ናብ መስዋእቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብ ቃየል እውን ብሞገስ ዘይረኣየ። (ዘፍ. 4:5-8) የሆዋ ፈቃር ኣቦ እዩ፣ ስለዚ፡ ብለውሃት ንወዱ ኺእርሞ ፈቲኑ እዩ። ቃየል ግና ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ሓገዝ ኣይተቐበሎን። እታ ምሳልያዊት ልቢ ቃየል፡ ብግብሪ ዘይፍጹም ስጋ፡ ማለት ‘ብጽልእን ብባእስን ብቕንእን’ መሊኣ ነይራ እያ። (ገላ. 5:19, 20) ብሰንኪ እታ ኽፍእቲ ልቡ ኸኣ፡ እቲ ዝተረፈ ኣወንታዊ መዳይ እቲ ኣምልኾኡ ኸንቱ ዀይኑ። እምበኣር፡ ንጹህ ኣምልኾ ኻብቲ ብደገ ዚርአ ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል፡ ቃየል መለበሚ ኪዀነና ይኽእል እዩ።

9 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቃየል ብዙሕ እዩ ዚነግረና፣ የሆዋ እንታይ ኢሉ ኸም እተዛረቦን ቃየል እንታይ ኢሉ ኸም ዝመለሰን ተመዝጊቡ ኣሎ፣ ብዛዕባ ስማት ዘርኡን ገሊኣቶም እንታይ ከም ዝገበሩን እውን ተጻሒፉ ኣሎ። (ዘፍ. 4:17-24) ብዛዕባ ኣቤል ግና፡ ውሉድ ከም ዝወለደ ዚሕብር ነገር የሎን፣ ዋላ ሓደ ዘረባኡ እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተመዝገበን። ይኹን እምበር፡ ኣቤል ብግብሩ ኽሳዕ ሕጂ ይዛረበና ኣሎ። ብኸመይ፧

ኣቤል ምስ ንጹህ ኣምልኾ ብዚተሓሓዝ ኣብነት ሓዲጉልና

10. ኣቤል ምስ ንጹህ ኣምልኾ ብእተተሓሓዘ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና፧

10 ኣቤል ኣምልኾ ንየሆዋ ጥራይ ኪውሃብ ከም ዚግባእ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ መስዋእቱ ንየሆዋ እዩ ኣቕሪብዎ። እቲ ዘቕረቦ ዓይነት መስዋእቲ እውን ብሉጽ እዩ ነይሩ፣ “በዅራት መጓሰኡ” እዩ ሓርዩ። ነቲ መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኸም ዘቕረቦ ዚሕብር ነገር እኳ እንተ ዘየሎ፡ ነቲ መስዋእቱ ግና ብቕቡል መገዲ ኣቕሪብዎ ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ኣቤል ዘቕረቦ መባእ ፍልይ ዜብሎ ግና፡ እቲ ንምሃብ ዘለዓዓሎ ድራኸ እዩ፣ እዚ ኸኣ ድሕሪ ሽዱሽተ ሽሕ ዓመት ኣቢሉ እውን ንዓና ትምህርቲ ይዀነና እዩ። ኣቤል በቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነትን በቲ ንቕኑዕ ስርዓታት የሆዋ ዝነበሮ ፍቕርን ተለዓዒሉ እዩ መስዋእቲ ኣቕሪቡ። ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

ኣቤል ነቲ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ኺማላእ ዜድሊ ኣርባዕተ ቐንዲ ብቕዓታት ኣማሊኡ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

11. የሱስ ንኣቤል፡ “ጻድቕ” ኢሉ ዝጸውዖ ስለምንታይ እዩ፧

11 ቀዳማይ፡ የሱስ ብዛዕባ ኣቤል እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ። ኣቤል ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሱስ ኣብ ሰማይ ስለ ዝነበረ፡ ንኣቤል ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ነዚ ወዲ ኣዳም እውን ብዙሕ ይግደሰሉ ነይሩ እዩ። (ምሳ. 8:22, 30, 31፣ ዮሃ. 8:58፣ ቈሎ. 1:15, 16) ስለዚ፡ የሱስ ንኣቤል፡ “ጻድቕ” ኢሉ ኺጽውዖ ኸሎ፡ ብዓይኑ ዝረኣዮ ምስክርነት እዩ ዚህብ ነይሩ። (ማቴ. 23:35) ጻድቕ ሰብ፡ ስርዓታት ቅኑዕን ጌጋን ኪሰርዕ ዚግብኦ የሆዋ ምዃኑ ኣሚኑ ይቕበል እዩ። ካብኡ ሓሊፉ እውን፡ ብዘረባኡን ብግብሩን ምስቲ ስርዓታት ተሰማሚዑ ይነብር እዩ። (ምስ ሉቃስ 1:5, 6 ኣረኣኢ።) ሓደ ሰብ ጻድቕ ተባሂሉ ኺፍለጥ፡ ግዜ የድልዮ እዩ። ስለዚ፡ ኣቤል ንኣምላኽ መባኡ ቕድሚ ምቕራቡ፡ ብስርዓታት የሆዋ ይመላለስ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ቐሊል ኣይነበረን። እቲ ምዕባዩ ሓዉ መሸም ኣወንታዊ ጽልዋ ኣየሕድረሉን እዩ፣ ከመይሲ፡ ልቢ ቃየል እኩይ እዩ ነይሩ። (1 ዮሃ. 3:12) ኣደ ኣቤል ነቲ ኣምላኽ ዝሃባ ቐጥታዊ ትእዛዝ ጥሒሳ ነይራ እያ፣ ኣቦኡ ድማ ባዕሉ ጽቡቕን ክፉእን ኪውስን ብምድላዩ፡ ካብ የሆዋ ዓልዩ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 2:16, 17፣ 3:6) እምበኣር፡ ኣቤል ካብቲ ስድራ ቤቱ ዚስዕብዎ ዝነበሩ እተፈልየ መገዲ ንምምራጽ ብዙሕ ትብዓት ኣድልይዎ እዩ።

12. ኣብ መንጎ ቃየልን ኣቤልን እንታይ ወሳኒ ፍልልይ እዩ ነይሩ፧

12 ካልኣይ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንእምነትን ንጽድቅን ብኸመይ ከም ዘተኣሳሰሮ እስከ ንርአ። ጳውሎስ፡ “ኣቤል ካብ ናይ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕሪቡ እዩ፣ . . . ጻድቕ ምዃኑ በታ እምነት እቲኣ ተመስኪሩሉ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (እብ. 11:4) እዚ ኸኣ፡ ኣቤል ዘይከም ቃየል፡ በቲ ምሉእ ህይወቱ ኣብ የሆዋን ኣብ ተግባሩን ዝነበሮ ልባዊ እምነት ከም እተደረኸ የርኢ።

13. ካብቲ ኣቤል ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ንምሃር፧

13 እምበኣር፡ ንጹህ ኣምልኾ፡ ንጹህ ድራኸ ኻብ ዘለዎ ልቢ ጥራይ ኪመጽእ ከም ዚኽእል፡—ማለት ንጹህ ኣምልኾ ንምቕራብ፡ ልብና ብየሆዋ ዚኣምንን ምስ ስርዓታት ጽድቁ ምሉእ ብምሉእ ዚሰማማዕን ኪኸውን ከም ዘለዎ፡—ካብቲ ኣቤል ዝሓደጎ ኣብነት ክንምሃር ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ ሓደ እዋን ተወፋይነትና ንምግላጽ ብዚግበር ተግባር ዜብቅዕ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንምሉእ ህይወትና ወይ ንብዘሎ ኣካይዳና ዜጠቓልል እዩ።

ኣበው ነቲ ኣብነት እቲ ስዒቦም

14. የሆዋ ነቲ ኖህን ኣብርሃምን ያእቆብን ዘቕረብዎ መባእ እተቐበሎ ስለምንታይ እዩ፧

14 ኣቤል ንየሆዋ ንጹህ ኣምልኾ ዘቕረበሉ ናይ ፈለማ ዘይፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ፣ ናይ መወዳእታ ግና ኣይነበረን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ዘምለኽዎ ኸም እኒ ኖህን ኣብርሃምን ያእቆብን ዝኣመሰሉ ኻልኦት ሰባት ጠቒሱ ኣሎ። (እብራውያን 11:7, 8, 17-21 ኣንብብ።) እዞም ኣበው እዚኦም፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ኣቕሪቦምሉ እዮም፣ ኣምላኽ ድማ ንመባኦም ተቐቢልዎ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ግዳማዊ መርኣያ ተወፋይነት ጥራይ ኣይኰኑን ኣቕሪቦም፣ ነፍሲ ወከፎም ንዅሉ እቲ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ኺማላእ ዘለዎ ብቕዓታት ኣማሊኦም እዮም። ንሳቶም ዝሓደግዎ ኣብነት እስከ ንርአ።

ኖህ ዘቕረቦ መስዋእቲ ንጹር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ (ሕጡብ ጽሑፍ 15, 16 ርአ)

15, 16. ኖህ ነቲ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ኺማላእ ዘለዎ ኣርባዕተ ቐንዲ ብቕዓታት ከመይ ገይሩ እዩ ዘማልአ፧

15 ኖህ ካብቲ ኣዳም ዝሞተሉ እዋን 126 ዓመት ጸኒሑ እዩ ተወሊዱ፣ ኰይኑ ግና፡ ብናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣብ ዝመልአት ዓለም እዩ ዓብዩ። * (ዘፍ. 6:11) ካብ ኵሎም እቶም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ ሰባት፡ ኖህን ስድራ ቤቱን ጥራይ እዮም ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ዜምልኽዎ ዝነበሩ። (2 ጴጥ. 2:5) ኖህ ካብ ማይ ኣይሂ ምስ ደሓነ፡ መሰውኢ ሰሪሑ እዩ። መሰውኢ ብምስራሑን ንየሆዋ መስዋእቲ ብምቕራቡን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማ ግዜ ብንጹር ተጠቒሱ ዘሎ ሰብ ድማ ንሱ እዩ። በዚ ተግባሩ እዚ ኸኣ፡ ንስድራ ቤቱን ዘርኡ ንዝዀኑ ዅሎም ዓሌት ደቂ ሰብን፡ ንየሆዋ ጥራይ ኣምልኾ ኺውሃብ ከም ዚግባእ ንጹር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኖህ በብዓይነቱ እንስሳታት ኪረክብ ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ “ካብ ኵሉ ንጹህ እንስሳን ካብ ኵሉ ንጹህ በራሪ ፍጡርን” እዩ ሓርዩ። (ዘፍ. 8:20) እቶም ዝሓረዮም ዓይነት እንስሳታት ከኣ፡ የሆዋ ጸኒሑ ንጹሃት ምዃኖም ስለ ዝገለጸ፡ ብሉጻት ዓይነት እዮም ነይሮም።—ዘፍ. 7:2

16 ኖህ ነቲ መስዋእቲ፡ ባዕሉ ኣብ ዝሰርሖ መሰውኢ እዩ ሰዊእዎ። እሞኸ እዚ ኣምልኾ ዝቐረበሉ መገድስ ቅቡል ድዩ ነይሩ፧ እወ። እቲ ዛንታ ቐጺሉ፡ የሆዋ ነቲ ኻብቲ መስዋእቲ ዝዓረገ ጨና ኣጫንዩ ጥዑም ኰይኑ ኸም ዝረኸቦ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንኖህን ንደቁን ከም ዝባረኾም ይሕብር። (ዘፍ. 8:21፣ 9:1) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቲ መስዋእቲ እተቐበለሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ኖህ ነቲ መስዋእቲ ዘቕረበሉ ውሽጣዊ ድራኸ ንጹህ ብምንባሩ እዩ። እቲ መስዋእቲ፡ ኖህ ኣብ የሆዋን ኣብ ተግባራቱን ድልዱል እምነት ከም ዘለዎ ዘርኣየሉ ሓደ መግለጺ እዩ ነይሩ። ኖህ ወትሩ ንየሆዋ ይእዘዞን ስርዓታቱ ይሕሉን ብምንባሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ” ይብል። ከም ፍሪኡ ኸኣ፡ ኖህ ንሓዋሩ ጻድቕ ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ።—ዘፍ. 6:9፣ ህዝ. 14:14፣ እብ. 11:7

17, 18. ኣብርሃም ነቲ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ኺማላእ ዘለዎ ኣርባዕተ ቐንዲ ብቕዓታት ከመይ ገይሩ እዩ ዘማልአ፧

17 ኣብርሃም ብናይ ሓሶት ኣምልኾ እዩ ተኸቢቡ ነይሩ። ኣብታ ኣብርሃም ዚነብረላ ዝነበረት ከተማ ኡር፡ እታ ንኽብሪ ናና ዚብሃል ኣምላኽ ወርሒ እተሰርሐት ቤተ መቕደስ ብጕሉሕ ክትርአ ትከኣል ነይራ እያ። * ኣቦ ኣብርሃም እውን ከይተረፈ፡ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ የምልኽ ነይሩ እዩ። (እያ. 24:2) ኣብርሃም ግና ንየሆዋ እዩ ኼምልኽ ወሲኑ። ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ፡ ካብቲ ሓደ ኻብ ኣቦሓጎታቱ ዝዀነ ሴም ወዲ ኖህ ፈሊጡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ኣብርሃም ወዲ 150 ዓመት ክሳዕ ዚኸውን፡ ሴም ብህይወት ይነብር ነይሩ እዩ።

18 ኣብርሃም ኣብቲ ብህይወት ዝነበረሉ ነዊሕ ዓመታት፡ ብዙሕ መስዋእቲ ሰዊኡ እዩ። ኣምልኾኡ ግና ወትሩ ነቲ ኣምልኾ ኺውሃቦ ዚግባእ የሆዋ እዩ ዜቕርበሉ ነይሩ። (ዘፍ. 12:8፣ 13:18፣ 15:8-10) እሞኸ ኣብርሃም ንየሆዋ ብሉጽ ዓይነት መስዋእቲ ኺህቦ ተዳልዩ ነይሩ ድዩ፧ ኣብርሃም ንፍቑር ወዱ ይስሃቅ ኪስውኦ ፍቓደኛ ምዃኑ ምስ ኣርኣየ፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ብዘየማትእ መገዲ ምላሽ ረኺባ እያ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ኸኣ፡ የሆዋ ንኣብርሃም፡ ነቲ መስዋእቲ ብምንታይ መገዲ ኬቕርቦ ኸም ዘለዎ ብልክዕ ገሊጹሉ ኣሎ። (ዘፍ. 22:1, 2) ኣብርሃም ድማ ነቲ መምርሒ ብዝርዝር ኪስዕብ ፍቓደኛ ነይሩ እዩ። የሆዋ ግና ንኣብርሃም፡ ንወዱ ኸይቀትሎ ዓጊትዎ እዩ። (ዘፍ. 22:9-12) ኣብርሃም ብንጹህ ድራኸ ተለዓዒሉ መስዋእቲ ስለ ዘቕረበ ኸኣ፡ የሆዋ ንኣምልኾኡ ተቐቢልዎ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ጳውሎስ፡ “ኣብርሃም ብየሆዋ ኣመነ፡ ጽድቂ ዀይኑ ድማ ተቘጽረሉ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—ሮሜ 4:3

ያእቆብ ንስድራ ቤቱ ኣብነት ኰይንዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 19, 20 ርአ)

19, 20. ያእቆብ ነቲ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ኺማላእ ዘለዎ ኣርባዕተ ቐንዲ ብቕዓታት ከመይ ገይሩ እዩ ዘማልአ፧

19 ያእቆብ መብዛሕትኡ ህይወቱ ኣብታ የሆዋ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ከም ዚህቦም ዘተስፈዋ ምድሪ ከነኣን እዩ ኣሕሊፍዎ። (ዘፍ. 17:1, 8) ኣብታ ምድሪ ዝነበሩ ሰባት ኣመና ብልሹው ዓይነት ኣምልኾ ስለ ዝነበሮም፡ የሆዋ ብዛዕባ እታ ምድሪ፡ “ንነበርታ ኽትተፍኦም እያ” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 18:24, 25) ያእቆብ ወዲ 77 ዓመት ምስ ኰነ፡ ካብ ከነኣን ወጸ፡ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ጸኒሑ ኸኣ ዓብዪ ቤተ ሰብ ሒዙ ተመልሰ። (ዘፍ. 28:1, 2፣ 33:18) ገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤቱ ግና ብናይ ሓሶት ኣምልኾ ተጸልዮም ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንያእቆብ ናብ ቤት-ኤል ከይዱ ኣብኡ መሰውኢ ኺሰርሕ ምስ ተዛረቦ፡ ንሱ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። ፈለማ፡ ንስድራ ቤቱ፡ “ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፡ ጽረዩ” በሎም። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ብተኣማንነት ነቲ እተዋህቦ መምርሒ ሰዓበ።—ዘፍ. 35:1-7

20 ያእቆብ ኣብ ምድሪ ተስፋ ብተደጋጋሚ መሰውኢ ሰሪሑ እዩ፣ ኣምልኾኡ ግና ወትሩ ነቲ ኣምልኾ ኺውሃቦ ዚግባእ የሆዋ እዩ ዜቕርበሉ ነይሩ። (ዘፍ. 35:14፣ 46:1) ዜቕርቦ ዝነበረ ዓይነት መስዋእትን ንኣምላኽ ኣምልኾ ዘቕረበሉ መገድን ከምኡ ንምግባር ዘለዓዓሎ ድራኸን ጽቡቕ ብምንባሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንያእቆብ “መንቅብ ዘይብሉ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ፣ እዚ መጸውዒ እዚ ኸኣ ነቶም ብኣምላኽ ተቐባልነት ዝረኸቡ ሰባት ንምግላጽ እዩ ዜገልግል። (ዘፍ. 25:27) ያእቆብ በቲ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዝነበሮ ኣካይዳ፡ ነቶም ዘርኡ ዝዀኑ ህዝቢ እስራኤል ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉሎም እዩ።—ዘፍ. 35:9-12

21. ካብቲ ኣበው ዝሓደግዎ ኣብነት፡ ብዛዕባ ንጹህ ኣምልኾ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

21 ካብቲ ኣበው ዝሓደግዎ ኣብነት፡ ብዛዕባ ንጹህ ኣምልኾ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ንሕና እውን ከማታቶም ብኣባላት ቤተ ሰብናን ብኻልኦት ሰባትን ኢና ተኸቢብና ዘለና፣ ንሳቶም ከኣ ንየሆዋ በይኑ ተወፋይነት ከይንህብ ዕንቅፋት ኪዀኑና ይኽእሉ እዮም። ነዚ ጸቕጢ እዚ ምእንቲ ኽንጻወሮ፡ ኣብ የሆዋ ድልዱል እምነት ከነማዕብልን እቲ ቕኑዕ ስርዓታቱ ብሉጽ ምዃኑ ኽንኣምንን ኣሎና። እምነትና ኸኣ ነቲ የሆዋ ዝኣዘዘና ብምሕላው፡ ንዕኡ ንምግልጋል እውን ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ብምውፋይ ኢና እንገልጾ። (ማቴ. 22:37-40፣ 1 ቈረ. 10:31) ንየሆዋ ብምሉእ ዓቕምናን በቲ ንሱ ዝበለና መገድን ብንጹህ ድራኸን ከነምልኾ ኸለና፡ ንሱ ጻድቕ ገይሩ ኸም ዚርእየና ምፍላጥና ብዙሕ የተባብዓና እዩ!—ያእቆብ 2:18-24 ኣንብብ።

ንንጹህ ኣምልኾ እተወፈየ ህዝቢ

22-24. እቲ ሕጊ፡ መስዋእቲ እስራኤላውያን ንመን ኪውሃብ ከም ዚግባእ፡ ዓይነቱ እንታይ ኪኸውን ከም ዘለዎ፡ ብኸመይ መገዲ ኪቐርብ ከም ዚግባእ ዘጕልሐ ብኸመይ እዩ፧

22 የሆዋ ንዘርኢ ያእቆብ ሕጊ ሂብዎም እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚደልዮም ኣነጺሩሎም እዩ። ንየሆዋ እንተ ተኣዚዞምዎ፡ ‘ፍሉይ ጥሪቱን ቅዱስ ህዝብን’ ከም ዚዀኑ ቓል ኣትዩሎም እዩ። (ዘጸ. 19:5, 6) ቀጺልና፡ እቲ ሕጊ ነቲ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ኺማላእ ዘለዎ ኣርባዕተ ቐንዲ ረቛሒታት ብኸመይ ከም ዜጕልሕ እስከ ንርአ።

23 ኣምልኾ ንመን ኪውሃብ ከም ዚግባእ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ብንጹር ገሊጹሎም እዩ። “ብዘይካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ” ኢሉ ኣዚዝዎም እዩ። (ዘጸ. 20:3-5) እቲ ንዕኡ ዜቕርቡሉ መስዋእቲ ኸኣ፡ ብሉጽ ዓይነት ኪኸውን ነይርዎ። ንኣብነት፡ እቲ ንመስዋእቲ ዚኸውን እንስሳ፡ ጥዑይን ጕድለት ዘይብሉን ኪኸውን ነይርዎ። (ዘሌ. 1:3፣ ዘዳ. 15:21፣ ምስ ሚልክያስ 1:6-8 ኣረኣኢ።) ሌዋውያን ካብቲ ንየሆዋ ዚውሃብ መባእ ይጥቀሙ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንሳቶም እውን መባእ ኪህቡ ነይርዎም። እቲ ዚህብዎ ድማ፡ “ካብ ኵሉ እቲ [እተዋህቦም] ውህበት፡ ኵሉ እቲ ዝበለጸ” ኪኸውን ነይርዎ። (ዘሁ. 18:29) ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ዜምልኹሉ መገዲ ኸኣ፡ የሆዋ እንታይን ኣበይን መዓስን መስዋእቲ ኸም ዜቕርቡ ዝርዝር መምርሒ ሂብዎም እዩ። ንኣካይዳኦም ዚምልከት ብድምር ልዕሊ 600 ሕጊ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ፣ “ከምቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ተጠንቂቕኩም ግበሩ። ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣይተላግሱ” ተባሂሉ እውን ተነጊርዎም እዩ።—ዘዳ. 5:32

24 እስራኤላውያን መስዋእቶም ዜቕርቡሉ ቦታ ኣገዳስነት ነይርዎ ድዩ፧ እወ። የሆዋ ንህዝቡ ማሕደር ኪሰርሑ እሞ፡ እቲ ማሕደር ማእከል ንጹህ ኣምልኾ ኪኸውን ኣዚዝዎም እዩ። (ዘጸ. 40:1-3, 29, 34) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እስራኤላውያን ብኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ መስዋእቲ ንምቕራብ፡ ናብቲ ማሕደር ኪኸዱ ነይርዎም። *ዘዳ. 12:17, 18

25. ምስ መስዋእቲ ብእተተሓሓዘ፡ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ እንታይ እዩ፧ ግለጽ።

25 ልዕሊ ዅሉ ግና፡ እቲ ሓደ እስራኤላዊ ንመባኡ ዜቕርበሉ ውሽጣዊ ድራኸ እዩ ኣገዳስነት ነይርዎ። በቲ ንየሆዋን ንስርዓታቱን ዘለዎ ልባዊ ፍቕሪ ተደሪኹ ኬቕርቦ ነይርዎ። (ዘዳግም 6:4-6 ኣንብብ።) እስራኤላውያን ንማለቱ ጥራይ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ዚግበር ተግባራት ኪገብሩ ኸለዉ፡ የሆዋ ንመስዋእቶም ኣይቅበሎን እዩ ነይሩ። (ኢሳ. 1:10-13) የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ በቲ ልባዊ ዘይኰነ ናይ ረኣዩለይ ተወፋይነት ከም ዘይታለል ኪገልጽ ከሎ፡ “እዚ ህዝቢ እዚ . . . ብኸናፍሩ . . . የኽብረኒ፣ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ” ኢሉ እዩ።—ኢሳ. 29:13

ኣብ ቤተ መቕደስ ዚቐርብ ዝነበረ ኣምልኾ

26. ኣብ ፈለማ፡ እታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ቤተ መቕደስ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ እንታይ ግደ ነይርዋ፧

26 ካብቲ እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ዝሰፈሩሉ ነዊሕ ዘመናት ጸኒሑ፡ ንጉስ ሰሎሞን ካብቲ ማሕደር ኣመና ዚዓቢ ማእከል ንጹህ ኣምልኾ ሃኒጹ እዩ። (1 ነገ. 7:51፣ 2 ዜና 3:1, 6, 7) ኣብ ፈለማ፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝቐረበ መስዋእቲ ንየሆዋ ጥራይ እዩ ተዋሂቡ። ሰሎሞንን ተገዛእቱን በቲ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ሰፊሩ ዘሎ መገዲ ገይሮም ብሉጽ ዝዓይነቱ ኣዝዩ ብዙሕ መስዋእቲ ኣቕሪቦም እዮም። (1 ነገ. 8:63) ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚቐርብ ኣምልኾ ብየሆዋ ቕቡል ዝገበሮ፡ ነታ ቤት ንምህናጽ ዝወጸ ወጻእን ብዝሒ እቲ መስዋእትን ኣይኰነን። እቲ ዜገድስሲ፡ ውሽጣዊ ድራኸ እቶም ነቲ መስዋእቲ ዘቕረቡ ሰባት እዩ። እታ ቤተ መቕደስ ክትውፈ ኸላ፡ ሰሎሞን፡ “ከምዚ ናይ ሎሚ ብስርዓታቱ ብምምልላስን ትእዛዛቱ ብምሕላውን፡ ልብኹም ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ ኣምላኽና ይኹን” ብምባል ነዚ ነጥቢ እዚ ኣጕሊሕዎ ኣሎ።—1 ነገ. 8:57-61

27. ነገስታት እስራኤልን ተገዛእቶምን እንታይ እዮም ገይሮም፧ የሆዋኸ ኸም ምላሹ እንታይ እዩ ገይሩ፧

27 እቲ ዜሕዝን ግና፡ እስራኤላውያን ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝሃቦም ጽቡቕ ምኽሪ ብቐጻሊ ኣይሰዓብዎን። ካብቲ ቐንዲ መዳያት ንጹህ ኣምልኾ ሓዲኡ ወይ ካብኡ ንላዕሊ የጕድሉ ነይሮም እዮም። ነገስታት እስራኤልን ተገዛእቶምን ንልቦም ኪበላሾ ፈቒዶምሉ፡ ኣብ የሆዋ ዝነበሮም እምነት ኣጥፊኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ስርዓታቱ እውን ሓዲጎምዎ እዮም። የሆዋ ግና ኪእርሞምን ካብ ሳዕቤናት ተግባራቶም ኬጠንቅቖምን ኢሉ ብፍቕሪ ተደሪኹ ደጋጊሙ ንነብያቱ ልኢኹሎም እዩ። (ኤር. 7:13-15, 23-26) ሓደ ኻብዞም ነብያት እዚኦም ከኣ እቲ እሙን ዝነበረ ህዝቅኤል እዩ። ንሱ ኣብ ታሪኽ ንጹህ ኣምልኾ፡ ኣብ ወሳኒ ግዜ እዩ ዚነብር ነይሩ።

ህዝቅኤል ንጹህ ኣምልኾ ኺበላሾ ኸሎ ርእዩ

28, 29. ብዛዕባ ህዝቅኤል እንታይ ንፈልጥ፧ (“ናብራን ግዜን ህዝቅኤል” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

28 ህዝቅኤል ነቲ ኣብታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ቤተ መቕደስ ዚግበር ዝነበረ ኣምልኾ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ኣቦ ህዝቅኤል ካህን ስለ ዝነበረ፡ ተራኡ ምስ በጽሐ ኣብ ቤተ መቕደስ የገልግል ነይሩ እዩ። (ህዝ. 1:3) ህዝቅኤል ብንእስነቱ ዜሐጕስ ግዜ ኣሕሊፉ ኪኸውን ኣለዎ። ኣቦኡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ሕግን ምሂርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ከባቢ እቲ ህዝቅኤል እተወልደሉ እዋን፡ “መጽሓፍ ሕጊ” ኣብታ ቤተ መቕደስ ተረኺቡ እዩ። * እቲ ሽዑ ነጊሱ ዝነበረ ቕኑዕ ዝልቡ ንጉስ ዮስያስ፡ በቲ ዝሰምዖ ተደሪኹ ንጹህ ኣምልኾ ንምስፋሕ ብዙሕ ጽዒሩ እዩ።—2 ነገ. 22:8-13

ህዝቅኤል ካብ ኣቦኡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ሕግን ተማሂሩ ኪኸውን ኣለዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 28 ርአ)

29 ህዝቅኤል ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ እሙናት ሰባት፡ ነቲ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ኺማላእ ዘለዎ ኣርባዕተ ብቕዓታት ኣማሊኡ እዩ። ንመጽሓፍ ህዝቅኤል ምስ እንምርምራ፡ ንየሆዋ ጥራይ ከም ዘምለኸ፡ ወትሩ በብሉጹ ይህብ ምንባሩ፡ ብተኣዛዝነት ከኣ የሆዋ ኻብኡ ዚጽበዮ ነገር በቲ ዝሓተቶ መገዲ ይገብር ምንባሩ ንርኢ ኢና። ህዝቅኤል ካብ ልቢ ብዝነቐለት እምነት ይድረኽ ስለ ዝነበረ እዩ ነዚ ዅሉ ዚገብር ነይሩ። ብግዜኡ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ከምኡ ኣይገብሩን እዮም ነይሮም። ህዝቅኤል ኪዓቢ ኸሎ፡ ንትንቢታት እቲ ብ674 ቅ.ክ. ዕዮኡ ዝጀመረ፡ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዝነበረ ፍርዲ የሆዋ ኸኣ ብቕንኣት ዜጠንቅቕ ዝነበረ ኤርምያስ ይሰምዕ ነይሩ እዩ።

30. (ሀ) እቲ ህዝቅኤል ዝመዝገቦ ራእያት እንታይ ይገልጽ፧ (ለ) ትንቢት እንታይ እዩ፧ ነቲ ህዝቅኤል እተነበዮ ትንቢታትከ ብኸመይ ክንርድኦ ኣሎና፧ (“ንትንቢታት ህዝቅኤል ብኸመይ ትርድኦ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

30 እቲ ህዝቅኤል ብድራኸ መንፈስ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ካብቲ ንኣምላኽ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝረሓቑ ይሕብር። (ህዝቅኤል 8:6 ኣንብብ።) ህዝቅኤል ሓደ ኻብቶም የሆዋ ንይሁዳ ኺግስጻ ምስ ጀመረ ናብ ባቢሎን ብምርኮ እተወስዱ ሰባት እዩ ነይሩ። (2 ነገ. 24:11-17) እሱር ኰይኑ እኳ እንተ ተወስደ፡ ይቕጻዕ ኣይኰነን ነይሩ። የሆዋ ንዕኡ፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ህዝቢ ዕዮ መዲቡሉ ነይሩ እዩ። እቲ ህዝቅኤል ዝመዝገቦ ዜደንጹ ራእያትን ትንቢታትን፡ ከመይ ኢሉ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ የሩሳሌም ተመሊሱ ኸም ዚቐውም ዚሕብር እዩ። ብዘይካዚ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ ዘበሉ ንጹህ ኣምልኾ ኸመይ ኢሉ ምሉእ ብምሉእ ናብ ቀደሙ ኸም ዚምለሰሎም እውን ኬስተውዕሉ ይሕግዞም እዩ።

31. እዛ መጽሓፍ እዚኣ እንታይ ንምግባር እያ ኽትሕግዘና፧

31 ኣብዚ ዚስዕብ ክፋላት እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚነብረሉ ሰማያት ክንርኢ፡ ንጹህ ኣምልኾ ምሉእ ብምሉእ ረኺሱ ኽንረኽቦ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኸመይ ገይሩ ናብ ቦታኦም ከም ዚመልሶምን ከም ዚከላኸለሎምን ክንምሃር፡ ናብቲ ህያው ዘበለ ዅሉ ሰብ ንየሆዋ ዜምልኸሉ መጻኢ ድማ ክንጥምት ኢና። ኣብ እትስዕብ ምዕራፍ፡ ነቲ ህዝቅኤል ዝመዝገቦ ቐዳማይ ራእይ ክንምርምር ኢና። ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኽፋል ውድቡን ዚገልጽ ስእሊ ኸኣ ኣብ ኣእምሮና ኺስኣለልና እዩ፣ እዚ ድማ ስለምንታይ ንሱ በይኑ ንጹህ ኣምልኾ ኺውሃቦ ኸም ዚግብኦ ኼጕልሓልና እዩ።

^ ሕ.ጽ. 4 ኣቤል ካብቲ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኤደን ዝወጹሉ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ተጠኒሱ ኪኸውን ዘለዎ። (ዘፍ. 4:1, 2) ዘፍጥረት 4:25፡ ብዛዕባ ሴት፡ “ኣምላኽ ኣብ ክንዲ . . . ኣቤል ዘርኢ ተኪኡለይ” ትብል። ሴት ድሕሪ ሞት ኣቤል ኣብ እተወልደሉ እዋን፡ ኣዳም 130 ዓመት እዩ ገይሩ ነይሩ። (ዘፍ. 5:3) ስለዚ፡ ኣቤል ብቃየል ኣብ እተቐትለሉ እዋን ወዲ 100 ዓመት ኣቢሉ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

^ ሕ.ጽ. 15 ኣብ ዘፍጥረት 4:26፡ ብግዜ እቲ ወዲ ወዱ ንኣዳም ዝዀነ ሄኖስ፡ “ሰባት፡ ስም የሆዋ ኺጽውዑ ጀመሩ” ዚብል ይርከብ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣኽብሮት ብዝጐደሎ መገዲ፡ ምናልባት እውን ንስም የሆዋ ምስ ጣኦታት ኣተሓሒዞም ይጥቀሙሉ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።

^ ሕ.ጽ. 17 እቲ ናና ዚብሃል ተባዕታይ ኣምላኽ፡ ሲን ተባሂሉ እውን ይፍለጥ እዩ። ተቐማጦ ኡር ንእተፈላለዩ ኣማልኽቲ ዜምልኹ እኳ እንተ ነበሩ፡ እቲ ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ኣብያተ መቕደስን መሰውኢታትን ግና ብቐዳምነት ንዕኡ እተወፈየ እዩ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 24 እቲ ቕዱስ ታቦት ካብቲ ማሕደር ምስ ተኣልየ፡ የሆዋ ነቲ ኻብቲ ማሕደር ወጻኢ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዚቐርብ መስዋእትታት ዚቕበሎ ዝነበረ እዩ ዚመስል።—1 ሳሙ. 4:3, 11፣ 7:7-9፣ 10:8፣ 11:14, 15፣ 16:4, 5፣ 1 ዜና 21:26-30

^ ሕ.ጽ. 28 ህዝቅኤል ብ613 ቅ.ክ. ምንባይ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ወዲ 30 ዓመት ዝነበረ እዩ ዚመስል። ስለዚ፡ ኣብ ከባቢ 643 ቅ.ክ. ተወሊዱ ኪኸውን ኣለዎ። (ህዝ. 1:1) ዮስያስ ብ659 ቅ.ክ. እዩ ንግስናኡ ጀሚሩ፣ እታ በዅሪ መጽሓፍ ክትከውን ዘለዋ መጽሓፍ ሕጊ ኸኣ ኣብ ጥቓ መበል 18 ዓመት ንግስናኡ ወይ ኣብ ከባቢ 642-641 ቅ.ክ. እያ ተረኺባ።