ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 20

“ነታ ምድሪ ርስቲ ጌርኩም ክትመቕልዋ ኸለኹም”

“ነታ ምድሪ ርስቲ ጌርኩም ክትመቕልዋ ኸለኹም”

ህዝቅኤል 45:1

ኣትኵሮ፦ ትርጉም ምምቃል እታ ምድሪ

1, 2. (ሀ) ህዝቅኤል ካብ የሆዋ እንታይ ትእዛዝ እዩ እተቐበለ፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ ንሓሳባቱ ንድሕሪት ዳርጋ 900 ዓመት ናብ ዘመን ሙሴን እያሱን መሊስዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ዶባት ምድሪ ተስፋ ሓቢርዎ እዩ፣ ደሓር ከኣ ንእያሱ፡ እታ ምድሪ ነቶም ነገዳት እስራኤል ኪመቕሎም ኣዚዝዎ እዩ። (ዘሁ. 34:1-15፣ እያ. 13:7፣ 22:4, 9) ብ593 ቅ.ክ. ግና፡ የሆዋ ንህዝቅኤልን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ምሩኻትን፡ ምድሪ ተስፋ ንነገዳት እስራኤል ኪመቕልዋ ኣዚዝዎም እዩ።—ህዝ. 45:1፣ 47:14፣ 48:29

2 እዚ ራእይ እዚ ንህዝቅኤልን ምስኡ ንዝነበሩ ምሩኻትን እንታይ መልእኽቲ እዩ ሒዙ ዘሎ፧ እዚ ራእይ እዚ ሎሚ ንዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ዜተባብዖም ብኸመይ እዩ፧ ኣብዚ ግዜናኸ ብዝዓበየ ደረጃ ኺፍጸም ድዩ፧

ኣርባዕተ መረጋገጺ ዝሓቘፈ ራእይ

3, 4. (ሀ) እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ናይ መወዳእታ ራእይ ነቶም ምሩኻት፡ እንታይ ኣርባዕተ መረጋገጺ እዩ ሂብዎም፧ (ለ) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ እንታይ መረጋገጺ ኢና ኽንምርምር፧

3 እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ናይ መወዳእታ ራእይ፡ ንትሽዓተ ምዕራፋት እታ መጽሓፉ መሊእዎ ኣሎ። (ህዝ. 40:1–48:35) ነቶም ምሩኻት ከኣ ብዛዕባ እቶም እተሓደሱ ህዝቢ እስራኤል እተዋህበ ኣርባዕተ ዜተባብዕ መረጋገጺ ሒዙ ኣሎ። እዚ መረጋገጺታት እዚ እንታይ እዩ፧ ቀዳማይ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኣብታ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ተመሊሱ ይቐውም። ካልኣይ፡ ጻድቃን ካህናትን ጓሶትን ነቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ህዝቢ ይመርሕዎም። ሳልሳይ፡ ንዅሎም እቶም ናብ እስራኤል ዚምለሱ ኣብታ ምድሪ እተሓዝአ ርስቲ ይህልዎም። ራብዓይ፡ የሆዋ ምሳታቶም ይኸውን፡ ከም ብሓድሽ እውን ኣብ መንጎኦም ይነብር።

4 ኣብ ምዕራፍ 1314ን እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ እቲ ቐዳማይ ክልተ መረጋገጺ ብኸመይ ከም ዚፍጸም፡ ማለት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ከም ዚምለስን ጻድቃን ጓሶት ብኸመይ ከም ዚመርሑን ርኢና ኔርና። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ኣብቲ ሳልሳይ መረጋገጺ ኸነተኵር ኢና፣ እዚ ድማ እቲ ብዛዕባ ርስቲ እታ ምድሪ እተዋህበ ተስፋ እዩ። ኣብ እትስዕብ ምዕራፍ ከኣ፡ ነቲ የሆዋ ኣብኣ ኸም ዚህሉ ዚገልጽ ተስፋ ኽንምርምሮ ኢና።—ህዝ. 47:13-21፣ 48:1-7, 23-29

“እዛ ምድሪ እዚኣ . . . ንዓኻትኩም ርስትኹም ክትከውን ተመዲባ እያ”

5, 6. (ሀ) ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ እንታይ ሃገር እያ ኽትምቀል እተመደበት፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ዕላማ እቲ ብዛዕባ ኣመቓቕላ ምድሪ ዚገልጽ ራእይ እንታይ እዩ፧

5 ህዝቅኤል 47:14 ኣንብብ። የሆዋ ብራእይ ኣቢሉ ንህዝቅኤል ናብታ ኸም “ገነት ኤደን” እትኸውን ክፋል እታ ምድሪ ኸም ዜተኵር ገበሮ። (ህዝ. 36:35) ድሕሪኡ፡ የሆዋ፡ “እታ ን12 ነገዳት እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትምድብዋ ሃገር እዚኣ እያ” በለ። (ህዝ. 47:13) እታ እትምደብ “ሃገር፡” እታ ምሩኻት ዚምለሱላ ምድሪ እስራኤል እያ ነይራ። ቀጺሉ፡ ከምቲ ኣብ ህዝቅኤል 47:15-21 ተመዝጊቡ ዘሎ፡ የሆዋ ንዶባት ብዘላ እታ ምድሪ ብዝርዝር ገለጾ።

6 ዕላማ እዚ ብዛዕባ ኣመቓቕላ ምድሪ ዚገልጽ ራእይ እንታይ እዩ፧ እቲ ብልክዕ እተዓቀነ ዶባት ንህዝቅኤልን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ምሩኻትን፡ እታ ዚፈትውዋ ዓዶም ብርግጽ ናብ ቀደማ ኸም እትምለስ ኣረጋጊጹሎም እዩ። እቲ ዝርዝር ገላጺ ቛንቋ ዝሓዘ ኻብ የሆዋ እተዋህቦም መረጋገጺ፡ ንልቢ እቶም ምሩኻት ብዙሕ ኣተባቢዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። እሞኸ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ንዓታቶም ርስቲ እትኸውን ምድሪ ረኺቦም ድዮም፧ እወ፡ ረኺቦም እዮም።

7. (ሀ) ብ537 ቅ.ክ.፡ እንታይ እዩ ኪኸውን ዝጀመረ፧ እዚኸ ንምንታይ የዘኻኽረና፧ (ለ) ፈለማ እንታይ ሕቶ ኢና ኽንምርምር፧

7 ብ537 ቅ.ክ.፡ ካብቲ ህዝቅኤል ራእዩ ዝረኣየሉ 56 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ኣሽሓት ምሩኻት ናብ ምድሪ እስራኤል ኪምለሱን ኪርስተይዋን ጀመሩ። እዚ ጥንቲ ዝዀነ ዜደንቕ ፍጻመ ኸኣ፡ ነቲ ኣብዚ ግዜና ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዚኸውን ዘሎ ተመሳሳሊ ምዕባለታት የዘኻኽረና እዩ። እወ፡ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ምድሪ ተመቒሎም ኪብሃል ይከኣል እዩ። ብኸመይ፧ የሆዋ ንኣገልገልቱ ናብ መንፈሳዊት ምድሪ ኣትዮም ኪርስተይዋ ፈቒዱሎም እዩ። ከምኡ ኻብ ኰነ፡ እታ ጥንቲ ዝነበረት ምድሪ ተስፋ ናብ ቀደማ ምምላሳ፡ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ናብ መንፈሳዊት ምድሪ ዚምለሱሉ ዅነታት ብዙሕ ኪምህረና ይኽእል እዩ። ነዚ ትምህርትታት እዚ ቕድሚ ምምርማርና ግና፡ ፈለማ፡ “ሎሚ መንፈሳዊት ምድሪ ብሓቂ ኸም ዘላ ኽንድምድም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧” ንእትብል ሕቶ መልሲ ንርከበላ።

8. (ሀ) የሆዋ ንስጋውያን እስራኤላውያን ብምንታይ ህዝቢ እዩ ተኪእዎም፧ (ለ) መንፈሳዊት ምድሪ ወይ ገነት እንታይ እያ፧ (ሐ) ህልውናኣ መዓስ እዩ ጀሚሩ፧ ኣብኣኸ መን ሰፊሮም ኣለዉ፧

8 ንህዝቅኤል ኣቐዲሙ ኣብ እተዋህቦ ራእይ፡ እቲ የሆዋ “ጊልያይ ዳዊት” ዝበሎ የሱስ ክርስቶስ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ምስ ጀመረ፡ እቲ ብዛዕባ ምምላስ እስራኤል ዚገልጽ ትንቢታት ብዝዓበየ ደረጃ ኸም ዚፍጸም የሆዋ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። (ህዝ. 37:24) የሱስ ከኣ ብ1914 ድ.ክ. እዩ ንጉስ ኰይኑ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ብመንፈስ ብእተቐብኡ ክርስትያናት ዝቘሙ መንፈሳውያን እስራኤላውያን ነቶም ስጋውያን እስራኤላውያን ተኪኦም ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዚዀኑ ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 21:43፣ 1 ጴጥሮስ 2:9 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንስጋውያን ህዝቢ እስራኤል ጥራይ ኣይኰነን ብመንፈሳውያን ህዝቢ ተኪእዎም፣ ነታ ቓል ብቓሉ ምድሪ እስራኤል እውን፡ ብመንፈሳዊት ምድሪ ወይ ገነት ተኪእዋ እዩ። (ኢሳ. 66:8) ኣብ ምዕራፍ 17 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ እታ መንፈሳዊት ምድሪ ነቲ እቶም ተረፍ ቅቡኣት ካብ 1919 ኣትሒዞም ንየሆዋ ዜምልኹሉ ሰላም ዝሰፈኖ መንፈሳዊ ዅነታት ወይ ንጥፈታቶም ዜካይዱሉ ሃዋህው እያ እተመልክት። (“ስለምንታይ 1919፧” ዘርእስታ ሳጹን 9ለ ርአ።) ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን ኣብታ መንፈሳዊት ምድሪ ኺሰፍሩ ጀሚሮም እዮም። (ዮሃ. 10:16) እታ መንፈሳዊት ገነት ሎሚ እናማዕበለትን እናሰፍሐትን ትኸይድ እኳ እንተላ፡ ነቲ በረኸታ ግና ድሕሪ ኣርማጌዶን ኢና ምሉእ ብምሉእ እንረኽቦ።

እታ ምድሪ ብማዕረን ብልክዕን ትምቀል

9. የሆዋ ብዛዕባ ኣመቓቕላ እታ ምድሪ እንታይ ዝርዝር መምርሒ እዩ ሂቡ፧

9 ህዝቅኤል 48:1, 28 ኣንብብ። የሆዋ ነቲ ብወሰናስን እታ ምድሪ ዘሎ ዶባት ድሕሪ ምግላጹ፡ እታ ምድሪ ብኸመይ ከም እትመቓቐል ገለጸ። ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ እታ ምድሪ ዚርከብ ነገድ ዳን ኣትሒዙ ኽሳብ እቲ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ እታ ምድሪ ዚርከብ ነገድ ጋድ ከኣ ነቶም 12 ነገዳት ብማዕረን ብልክዕን ኪምቀል መምርሒ ሃበ። እቶም 12 ነገዳት ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ምብራቓዊ ዶብ እታ ምድሪ ናብቲ ብምዕራብ ዚርከብ ዓብዪ ባሕሪ ወይ ባሕሪ መዲተራነያን ዚዝርጋሕ ምድሪ ተረስትዮም እዮም።—ህዝ. 47:20

10. እዚ ኽፋል ራእይ እዚ ነቶም ምሩኻት እንታይ መረጋገጺ ሂብዎም ኪኸውን ኣለዎ፧

10 እዚ ኽፋል ራእይ እዚ ነቶም ምሩኻት እንታይ መረጋገጺ ሂብዎም ኪኸውን ኣለዎ፧ እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ኣመቓቕላ እታ ምድሪ ዝሃቦ ዝርዝር መግለጺ፡ ምምቃል እታ ምድሪ ብግቡእ ተወደበ ዕዮ ከም ዚኸውን ሓቢርዎም ኪኸውን ኣለዎ። እታ ምድሪ ኣብ ኵሎም እቶም እተዘርዘሩ 12 ነገዳት ብልክዕ እትምቀል ምዃና ኸኣ፡ ኵሎም እቶም ዚምለሱ ምሩኻት ኣብታ ምድሪ ብርግጽ ርስቲ ኸም ዚህልዎም ኣረጋጊጹሎም ኪኸውን ኣለዎ። ዋላ ሓደ ኻብቶም ተመለስቲ ድማ መሬት ወይ ቤት ዘይብሉ ኸም ዘይከውን ሓቢርዎም ኪኸውን ኣለዎ።

11. ብዛዕባ ኣመቓቕላ እታ ምድሪ ኻብ እተገልጸ ትንቢታዊ ራእይ እንታይ ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል፧ (“ኣመቓቕላ እታ ምድሪ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

11 ካብዚ ራእይ እዚ ሎሚ እንታይ ዜበራትዕ ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል፧ እታ ናብ ቀደማ እተመልሰት ምድሪ ተስፋ ንኻህናትን ንሌዋውያንን ንሹማምንትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም ኣባላት እቶም 12 ነገዳት ዚኸውን ቦታ ነይርዋ እዩ። (ህዝ. 45:4, 5, 7, 8) ብተመሳሳሊ ድማ፡ ሎሚ እታ መንፈሳዊት ገነት ነቶም ተረፍ ቅቡኣትን ነቶም ኪመርሑ ሓላፍነት ዘለዎም ኽፋል ብዙሓት ህዝብን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም ኣባላት “ብዙሓት ህዝቢ” ዚኸውን ቦታ ኣለዋ። * (ራእ. 7:9) ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎና ግደ ኣዝዩ ንእሽቶ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብታ መንፈሳዊት ምድሪ ውሑስ ቦታን ኣገዳሲ ዕዮን ኣሎና። እዝስ ከመይ ዝበለ ባህ ዜብል መረጋገጺ ዀን እዩ!

ኣብ ውድብ ኣምላኽ እተሰከምናዮ ሓላፍነት ብዘየገድስ፡ የሆዋ ንጻዕርታትና እዩ ኣኽቢሩ ዚርእዮ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

ክልተ ዓብዪ ፍልልይ—እዚ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

12, 13. የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንነገዳት ዚምደብ ብጽሒት እታ ምድሪ እንታይ ንጹር መምርሒ እዩ ዝሃበ፧

12 እቲ የሆዋ ብዛዕባ ኣመቓቕላ እታ ምድሪ ዝሃቦ ገሊኡ ትእዛዝ፡ ካብቲ ንሙሴ እተዋህቦ እተፈልየ ብምንባሩ፡ እዚ ንህዝቅኤል ደንጽይዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ክልተ ኻብዚ ፍልልያት እስከ ንርአ። እቲ ቐዳማይ ምስታ ምድሪ እተተሓሓዘ እዩ፣ እቲ ኻልኣይ ከኣ ምስቶም ነበርታ እተሓሓዘ እዩ።

13 ቀዳማይ፡ እታ ምድሪ። ሙሴ ነቶም ዓበይቲ ነገዳት ካብቶም ንኣሽቱ ነገዳት ዝሰፍሐ ምድሪ ኼረስትዮም እዩ ተኣዚዙ ነይሩ። (ዘሁ. 26:52-54) ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ግና ንዅሎም ነገዳት “ማዕረ ብጽሒት [“ነፍሲ ወከፍ ከም ሓዉ፡” እ.ጽ.]” ኪምደብ እዩ የሆዋ ብንጹር መምርሒ ሂቡ። (ህዝ. 47:14) ስለዚ፡ ኣብ መንጎ እቲ ንነፍሲ ወከፍ ነገድ ዚውሃቦ ሰሜናዊ ዶብን ደቡባዊ ዶብን ዘሎ ርሕቀት፡ ኣብ ኵሉ እቲ 12 ብጽሒት ማዕረ እዩ ኪኸውን ነይርዎ። ኵሎም እስራኤላውያን ካበየናይ ነገድ ምዃኖም ብዘየገድስ፡ እታ እኹል ማይ ዘለዋ ምድሪ ተስፋ ኻብ እተፍርዮ ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ብማዕረ እዮም ተኻፈልቲ ኪዀኑ ነይርዎም።

14. እቲ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ጓኖት ዝሃቦ መምርሒ፡ ሓለፋ እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተጠቕሰ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

14 ካልኣይ፡ እቶም ነበርቲ። ሕጊ ሙሴ ነቶም ጓኖት የዕቍቦምን ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ኺሳተፉ ይፈቕደሎምን ነይሩ እዩ፣ ኣብታ ምድሪ ግና ግደ ኣይነበሮምን። (ዘሌ. 19:33, 34) ኰይኑ ግና፡ እቲ የሆዋ ንህዝቅኤል ዝነገሮ ነገር፡ ሓለፋ እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተጠቕሰ ነገር እዩ ዚገብር። እወ፡ የሆዋ፡ “ንጓና ኣብ ሃገር እቲ ዚነብረሉ ነገድ ርስቲ ሃብዎ” ኢልዎ እዩ። በዚ ትእዛዝ እዚ ኣቢሉ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ መንጎ “ደቂ ዓዲ ዝዀኑ እስራኤላውያን”ን ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ጓኖትን ዝነበረ ዓብዪ ፍልልይ ደምሲስዎ እዩ። (ህዝ. 47:22, 23) ኣብታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ናብ ቀደማ እተመልሰት ምድሪ፡ ኣብ መንጎ እቶም ነበርታ ማዕርነትን ሓድነትን ኣምልኾ ተዓዚቡ እዩ።—ዘሌ. 25:23

15. እቲ የሆዋ ብዛዕባ እታ ምድርን ነበርታን ዝሃቦ ትእዛዛት፡ ብዛዕባኡ እንታይ ዘለኣለማዊ ሓቂ እዩ ዜረጋግጸልና፧

15 እቶም ምሩኻት ነቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ምድርን ብዛዕባ እቶም ህዝባን እተዋህቦ ኽልተ ዜደንቕ ትእዛዝ ምስ ሰምዑ፡ ኣተባቢዕዎም ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ ንዓታቶም፡ ነቶም ብትውልዲ እስራኤላውያን ዘበሉ ዀነ ነቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ጓኖት፡ ማዕረ ቦታ ኸም ዚምድበሎም ፈሊጦም እዮም። (እዝ. 8:20፣ ነህ. 3:26፣ 7:6, 25፣ ኢሳ. 56:3, 8) እቲ እተዋህበ ትእዛዛት እቲ እውን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዅሎም ኣገልገልቱ ብማዕረ ኽቡራት ምዃኖም፡ እዚ ዜተባብዕ ሓሳብ እዚ እውን ዘለኣለማዊ ሓቂ ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ። (ሃጌ 2:7 ኣንብብ።) ሎሚ፡ ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ።

16, 17. (ሀ) ብዛዕባ እታ ምድርን ብዛዕባ ነበርታን ዝርዝር ነጥብታት ምምርማርና ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧ (ለ) ኣብ እትስዕብ ምዕራፍ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

16 ብዛዕባ እታ ምድርን ብዛዕባ ነበርታን እዚ ዝርዝር ነጥብታት እዚ ምምርማርና ደኣ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧ ሎሚ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ማዕርነትን ሓድነትን ብጕሉሕ ኪርአ ኸም ዘለዎ እዩ ዜዘኻኽረና። የሆዋ ኣድልዎ የብሉን። ስለዚ፡ ከምዚ ኢልና ርእስና ኽንሓትት ኣሎና፦ ‘ከም የሆዋ ኣድልዎ ዘይብለይ ድየ፧ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብጻየይ ዓሌቱ ወይ ኵነታቱ ብዘየገድስ ብልባዊ ኣኽብሮት እሕዞ ድየ፧’ (ሮሜ 12:10) እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ንዅላትና ኣብታ ብምሉእ ነፍስና ንዕኡ እነገልግለላን በረኸቱ እንረኽበላን መንፈሳዊት ገነት ማዕረ ብጽሒት ብምሃቡ ንሕጐስ ኢና።—ገላ. 3:26-29፣ ራእ. 7:9

ነቲ የሆዋ ንሰባት ብዘይ ኣድልዎን ብኣኽብሮትን ዚሕዘሉ መገዲ ተንጸባርቖ ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15, 16 ርአ)

17 እምበኣር፡ ነቲ ህዝቅኤል ኣብ መወዳእታ ዝረኣዮ ራእይ ዝዛዘመሉ ኽፋል እስከ ንርአ። ኣብኡ እቲ ራብዓይ መረጋገጺ ይርከብ፣ እዚ ኸኣ እቲ የሆዋ ምስቶም ምሩኻት ከም ዚኸውን ዘተስፈዎ ተስፋ ሒዙ ኣሎ። ካብቲ ተስፋ እቲ እንታይ ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ እትስዕብ ምዕራፍ ክንረክብ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 11 የሆዋ ነቲ ኽህነትን ነቲ ሹምን ኣብታ መንፈሳዊት ምድሪ እንታይ ፍሉይ ቦታን ዕዮን ከም ዝመደበሎም ክትርኢ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 14 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።