ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 22

“ንኣምላኽ ደኣ ኣምልኮ”

“ንኣምላኽ ደኣ ኣምልኮ”

ራእይ 22:9

ኣትኵሮ፦ ክለሳ ቐንዲ ፍረ ነገራት መጽሓፍ ህዝቅኤል፣ እዚ ፍረ ነገራት፡ ሕጅን ኣብ መጻእን ዘለዎ ኣወዓዕላ

1, 2. (ሀ) ንዅላትና እንታይ ምርጫ እዩ ቐሪቡልና ዘሎ፧ (ለ) ዮሃንስ ንሓደ እሙን መልኣኽ ኪሰግደሉ ምስ በለ፡ እቲ መልኣኽ እንታይ ኢልዎ፧

ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ንመን እየ ዘምልኽ፧’ ንእትብል ኣገዳሲት ሕቶ ምላሽ ክንህበላ ኣሎና። ብዙሓት ሰባት፡ እዚ ጕዳይ እዚ እተሓላለኸ ምዃኑን እቲ ዘሎና ኣማራጺታት ዜደናግር ምዃኑን ይዛረቡ ይዀኑ። ከም ሓቂ ግና፡ እቲ ምርጫ ንጹርን ቀሊልን እዩ። ወይ ንየሆዋ ኣምላኽ፡ ወይ ንሰይጣን ድያብሎስ ኢና እነምልኽ።

2 ሰይጣን ኣምልኾ ይደሊ እዩ። ምናዳ ንየሱስ ምስ ፈተኖ ኸኣ፡ እዚ ድሌቱ ተጋሂዱ እዩ። ኣብ ምዕራፍ 1 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ ሰይጣን ንየሱስ ዜገርም ዓስቢ ኸም ዚህቦ፡ ማለት መንግስትታት ኵላ ምድሪ ኸም ዚህቦ እዩ ኣተስፍይዎ ነይሩ። እሞኸ ድያብሎስ ኣምሳያኡ እንታይ እዩ ደልዩ ነይሩ፧ ንየሱስ፡ “ፍግም ኢልካ እንተ ሰጊድካለይ” እዩ ኢልዎ። (ማቴ. 4:9) እቲ ንሃዋርያ ዮሃንስ ራእይ ዘርኣዮ መልኣኽ ግና ኪስገደሉ ኣይደለየን። (ራእይ 22:8, 9 ኣንብብ።) ዮሃንስ ነቲ መልኣኽ ኪሰግደሉ ምስ በለ፡ እቲ ትሑት መንፈሳዊ ወዲ ኣምላኽ፡ “ከይትገብሮ” እዩ ኢልዎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ ‘ንዓይ ኣምልኸኒ’ ዘይኰነስ፡ “ንኣምላኽ ደኣ ኣምልኮ” ኢልዎ እዩ።

3. (ሀ) ዕላማ እዛ መጽሓፍ እዚኣ እንታይ እዩ፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

3 ዕላማ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ከምቲ እቲ መልኣኽ ዝበሎ ንምግባር፡ ማለት ንየሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ንምምላኽ ቘራጽነትና ምድልዳል እዩ። (ዘዳ. 10:20፣ ማቴ. 4:10) ካብ ትንቢታትን ራእያትን ህዝቅኤል ብዛዕባ ንጹህ ኣምልኾ እንታይ ከም እተምሃርና እስከ ኣሕጽር ኣቢልና ንኸልስ። ድሕሪኡ፡ ብሓገዝ ቅዱሳት ጽሑፋት ጌርና፡ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ዅሉ ሰብ ብናይ መወዳእታ ፈተና ዚሓልፈሉ መጻኢ እዋን ብዕምቈት ክንርኢ ኢና። እቲ ፈተና እቲ ኸኣ፡ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ንሓዋሩ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዚምለሰሉ እዋን መንና ብህይወት ጸኒሕና ኸም እንርእዮ ዚውስን እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዝጐልሐ ሰለስተ ፍረ ነገር

4. ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል እንታይ ሰለስተ ፍረ ነገር እዩ ጐሊሑ ዘሎ፧

4 መጽሓፍ ህዝቅኤል፡ ንጹህ ኣምልኾ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ልምዲ ናይ ምስታፍ ጕዳይ ጥራይ ከም ዘይኰነ ትምህረና። የግዳስ፡ (1) ንየሆዋ በይኑ ተወፋይነት ክንህቦ ኣሎና፡ (2) ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ብሓድነት ክንመላለስ ኣሎና፡ (3) ንሰባት ፍቕሪ ኸነርኢ ኣሎና። እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝረኣናዮ ትንቢታትን ራእያትን ነዚ ሰለስተ ፍረ ነገር ከመይ ገይሩ ኸም ዜጕልሖ እስከ ንርአ።

ቀዳማይ ፍረ ነገር፦ ንየሆዋ በይኑ ተወፋይነት ሃቦ

5-9. ንየሆዋ በይኑ ተወፋይነት ብዛዕባ ምሃብ እንታይ ተማሂርና፧

5 ምዕራፍ 3 * እቲ የሆዋ ብቐስተ ደበና ተኸቢቡ ኣብ ልዕሊ ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት ተወጢሑ እተራእየሉ ዜደንቕ ራእይ፡ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ እዩ ዜጕልሓልና፦ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ጥራይ እዩ ኣምልኾ ኺውሃቦ ዚግባእ።—ህዝ. 1:4, 15-28

6 ምዕራፍ 5እቲ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኽትረክስ ከላ እተራእየሉ ራእይሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሰምብድ ኰን እዩ ነይሩ! እቲ ራእይ እቲ፡ ካብ የሆዋ ዚሕባእ ነገር ከም ዘየልቦ ይሕብር። ነቲ ኻብ ኣዒንቲ ሰባት ዚሕባእ ጥልመት እኳ ይርእዮ እዩ፣ ንኣብነት፡ ህዝቡ ጣኦታት ኬምልኹ ኸለዉ ይርእዮም እዩ። እዚ ተግባራት እዚ ኸኣ የጕህዮ እዩ፡ ነቶም ዚገብርዎ እውን ይቐጽዖም እዩ።—ህዝ. 8:1-18

7 ምዕራፍ 7እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ንእስራኤል “ፍጹም ንዕቀት” ዝነበሮም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ኣህዛብ እተኣወጀ ፍርዲ፡ የሆዋ ነቶም ንህዝቡ ዚገፍዑ ተሓተትቲ ኸም ዚገብሮም የርኢ። (ህዝ. 25:6) ግናኸ፡ ካብቲ እስራኤል ምስቶም ኣህዛብ ዝነበሮ ርክብ ካልእ ትምህርቲ እውን ንረክብ ኢና፦ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ልዕሊ ዅሉ ኻልእ ነገር ክንሰርዖ ኣሎና። ንየሆዋ ምስ ዘየምልኹ ኣዝማድና ኽንመሳሰል ኢልና መለክዒታትና ኣይነትሕትን ኢና፣ እምንቶና ድማ ኣብ ሃብቲ ኣይንገብርን ወይ ነቲ ንየሆዋ ጥራይ ዚግባእ ተኣማንነት ንሰብኣውያን መንግስትታት ኣይንህብን ኢና።

8 ምዕራፍ 1314ን፦ ራእይ እታ ኣብ በሪኽ ከረን እተደኰነት ቤተ መቕደስ፡ የሆዋ ኻብ ኵሎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዚልዕል ፈሊጥና ነቲ ልዑል መለክዒታቱ ሓሊና ኽንመላለስ ከም ዘሎና ይምህረና።—ህዝ. 40:1–48:35

9 ምዕራፍ 15ኣብቲ ትንቢት፡ እስራኤልን ይሁዳን ከም ኣመናዝር ጌርካ ተገሊጸን ምህላወን፡ መንፈሳዊ ዝሙት ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜስገድግዶ የዘኻኽረና።—ህዝ.፡ ምዕ. 16, 23

ካልኣይ ፍረ ነገር፦ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ብሓድነት ተመላለስ

10-14. ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ብሓድነት ክንመላለስ ከም ዘሎና ብኸመይ ጐሊሑ ኣሎ፧

10 ምዕራፍ 8እቲ የሆዋ ንህዝቡ ዚሓሊ “ሓደ ጓሳ” ኸም ዜተንስእ ዜተስፉ ትንቢታት፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ብሓድነትን ብሰላምን ክንዓዪ ኸም ዘሎና የጕልሕ።—ህዝ. 34:23, 24፣ 37:24-28

11 ምዕራፍ 9እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኻብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ወጺኦም ናብ ዓዶም ከም ዚምለሱ እተነበዮ ትንቢታት፡ ነቶም ሎሚ ንየሆዋ ባህ ኬብልዎ ዚደልዩ ዚኸውን መልእኽቲ ኣለዎ። ንጹሃት ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ካብቲ በካሊ ጽልዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ኺወጹን ሓራ ዀይኖም ኪመላለሱን ኣለዎም። ካብ እተፈላለየ ሃይማኖታውን ቍጠባውን ዓሌታውን ድሕረ ባይታ ዝመጻእና እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ ኸም ህዝቢ ኣምላኽ መጠን መለለዪና ዝዀነ ሓድነት ክንሕልዎ ኣሎና።—ህዝ. 11:17, 18፣ 12:24፣ ዮሃ. 17:20-23

12 ምዕራፍ 10ራእይ እቶም ህያዋን ዚዀኑ ንቑጻት ኣዕጽምቲ፡ ንሓድነት ዜጕልሕ ፍረ ነገር ኣለዎ። ካብቶም ከም ሰራዊት ኰይኖም ብሓባር ዚዓይዩ ናብ ቀደሞም እተመልሱ ንጹሃት ኣምለኽቲ ምዃንናስ ከመይ ዘበለ ኽብሪ ዀን እዩ!—ህዝ. 37:1-14

13 ምዕራፍ 12ምናዳ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ሓደ ዚኸውን ክልተ ዕንጨይቲ ዚገልጽ ትንቢት፡ ሓድነት ጐሊሑ ኣሎ። እቶም ቅቡኣትን እቶም ካልኦት ኣባጊዕን ነዚ ትንቢት እዚ ኺፍጽምዎ ምርኣይሲ ኽሳዕ ክንደይ እምነት ዜደልድል ኰን እዩ! ብሃይማኖታውን ብፖለቲካውን ጽልኢ ኣብ እተኸፋፈለት ዓለም ንነብር እኳ እንተ ኣለና፡ ብፍቕርን ብተኣማንነትን ሓድነት ረኺብና ኣለና።—ህዝ. 37:15-23

14 ምዕራፍ 16ብዛዕባ እቲ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይን እቶም ዚሕምሽሽ ኣጽዋር ዝሓዙ ሰብኡትን እተራእየ ራእይ ሓያል መጠንቀቕታ ሒዙ ኣሎ፦ እቶም ንጹሃት ኣምለኽቲ ዀይኖም ናብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዚኣትዉ ጥራይ እዮም ንድሕነት ምልክት ዚግበረሎም።—ማቴ. 24:21፣ ህዝ. 9:1-11

ሳልሳይ ፍረ ነገር፦ ንሰባት ፍቕሪ ኣርኢ

15-18. ስለምንታይ ኢና ወትሩ ፍቕሪ ኸነርኢ ዘሎና፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኸምኡ እንገብር፧

15 ምዕራፍ 4ራእይ እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ምሂሩና እዩ፣ ኣውራ ኻብተን ባህርያቱ ኸኣ ፍቕሪ እያ። ብፍቕሪ ተደሪኽና ኽንዛረብን ተግባርና ኽንገብርን ከለና፡ የሆዋ ኣምላኽና ምዃኑ ኢና እነርኢ።—ህዝ. 1:5-14፣ 1 ዮሃ. 4:8

16 ምዕራፍ 611ን፦ ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸም ህዝቅኤል ዝኣመሰሉ ሓለውቲ ሸይሙ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ሰይጣን ኣብ ምድሪ ዘለዎ ጽልዋ መወዳእታ ኺገብረሉ ኸሎ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኪጠፍእ ኣይደልን እዩ። (2 ጴጥ. 3:9) ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሓላዊ ብምሕጋዝ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ናይ ምንጽብራቕ ፍሉይ መሰል ኣሎና።—ህዝ. 33:1-9

17 ምዕራፍ 1718ን፦ የሆዋ፡ ብዙሓት ሰባት ንምሕረቱ ኸም ዘይቅበሉን ንእሙናት ኣምለኽቱ ኺድምስስዎም ከም ዚፍትኑን ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ “ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ” ኣብቶም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ መጥቃዕቱ ምስ ፈነወ፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንህዝቡ ኺከላኸለሎም እዩ። ንሕና ድማ ንሰባት ብዘሎና ፍቕሪ ተደሪኽና፡ ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቶም ንህዝቡ ዚጭቍኑ ዜጥፍኣሉ ግዜ ነጠንቅቖም ኢና።—ህዝ. 38:1–39:20፣ 2 ተሰ. 1:6, 7

18 ምዕራፍ 192021ን፦ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ህይወት ዚህብ ማይ ዚውሕዘሉ ውሒዝን ብዛዕባ ኣመቓቕላ እታ ምድርን ዚገልጽ ራእያት፡ የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ ብጕሉሕ ተራእዩ ኣሎ። እቲ ራእያት ከኣ፡ እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ ብዛዕባ ዘፍረዮ ፍረ እዩ ዚገልጽ። የሆዋ ፍቕሩ ዝገለጸሉ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መግለጺ ድማ፡ ሓጢኣትና ምእንቲ ኺሕደገልናን ኣባላት ስድራ ቤቱ ብምዃን ፍጹም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብን ኢሉ ህይወት ወዱ ብምሃብ ዝገበሮ ተግባር እዩ። ሓደ ኻብቲ ንሰባት ዘሎና ፍቕሪ እነርእየሉ ብሉጽ መገድታት፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቶም ብወዱ ዚኣምኑ ኣዳልዩሎም ዘሎ ጽቡቕ መጻኢ ምንጋር እዩ።—ህዝ. 45:1-7፣ 47:1–48:35፣ ራእ. 21:1-4፣ 22:17

ድሕሪ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት፡ ዜደንቕ ትሕትና ዚርኣየሉ ተግባር

19. የሱስ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ እንታይ ኪገብር እዩ፧ (“ነቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ምግጣሙ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

19 የሱስ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ፡ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኬተንስእ፡ ነቲ “ጸላኢ” ዝዀነ “ሞት” ዜስዕቦ ስቓይ እውን ኬወግዶ እዩ። (1 ቈረ. 15:26፣ ማር. 5:38-42፣ ግብ. 24:15) ታሪኽ ደቂ ሰብ ብሓዘንን ብሞትን ዝመልአ ልቢ ዚሰብር ዛንታ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ሽዑ ግና ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ኺትንስእ ከሎ፡ የሱስ ነቲ ዜሕዝን ታሪኽ ኪድምስሶ፡ ነቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ኸኣ፡ ዝሓሸ ዛንታ ኺጽሕፉ ኣጋጣሚ ኪኸፍተሎም እዩ። ብመሰረት እቲ መስዋእታዊ በጃ ድማ፡ ንዅሉ እቲ ሕማምን ውግእን ሞትን ጥሜትን ዘስዓቦ ጕድኣት ኬዐርዮ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ነቲ ጠንቂ ሓዘን ዝዀነ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣት ካብ ሱሩ ኺምሕዎ እዩ። (ሮሜ 5:18, 19) እወ፡ የሱስ፡ “ግብሪ ድያብሎስ” ምሉእ ብምሉእ “ኬፍርስ እዩ።” (1 ዮሃ. 3:8) ድሕሪኡኸ እንታይ ኪኸውን እዩ፧

እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ፡ ዝሓሸ ዛንታ ኺጽሕፉ ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎም እዩ

20. የሱስን እቶም 144,000ን እንታይ ዜደንቕ ትሕትና እዮም ኬርእዩ፧ ግለጽ። (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

20 ቀዳማይ ቈረንቶስ 15:24-28 ኣንብብ። ኵሎም ደቂ ሰብ ፍጹም ህይወት ምስ ረኸቡን ምድሪ ኸምቲ የሆዋ ኣብ መጀመርታ ዝዓለሞ ገነት ምስ ኰነትን፡ የሱስን እቶም 144,000 መጋዝእቱን ዜደንቕ ትሕትና ኼርእዩ እዮም፣ ነታ መንግስቲ ንየሆዋ ኼረክብዎ እዮም። ነቲ ንሽሕ ዓመት ሒዞምዎ ዝነበሩ ስልጣኖም ብፍታውን ብሰላምን ኬረክብዎ እዮም። ኵሉ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዓመመቶ ነገር ከኣ ንዘለኣለም ኪቕጽል እዩ።

ናይ መወዳእታ ፈተና

21, 22. (ሀ) ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት፡ ዓለም ከመይ ክትከውን እያ፧ (ለ) ስለምንታይ እዩ የሆዋ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ዚፈትሖም፧

21 ሽዑ፡ የሆዋ ሓደ ሓለፍ ዝበለ ነገር ኪገብር እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብቶም ምድራውያን ተገዛእቱ ዘለዎ ዓብዪ እምንቶ ዜርኢ እዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብቲ ንሽሕ ዓመት ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ መዓሙቝ ከም ዚፍትሑ ኺገብር እዩ። (ራእይ 20:1-3 ኣንብብ።) እታ ሽዑ እትጽበዮም ዓለም ግና ካብታ ዚፈልጥዋ ኣመና እተፈልየት ኰይና እያ ኽትጸንሖም። ቅድሚ ኣርማጌዶን፡ መብዛሕትኦም ሰባት ብሰይጣን ዝሰሓቱ፡ ብጽልእን ብሌላን ጕሌላን ከኣ እተኸፋፈሉ እዮም ኰይኖም ነይሮም። (ራእ. 12:9) ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት ግና፡ ኵሎም ደቂ ሰብ ፍቕሪ ዝዓሰላ ስድራ ቤት ኰይኖም ብሓድነት ንየሆዋ ዜምልኹ እዮም ዚዀኑ። ምድሪ ስኒት ዝሰፈና ገነት እያ እትኸውን።

22 ስለምንታይ ደኣ እዩ የሆዋ ነቶም ገበነኛታት ዝዀኑ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ናብቲ ንጹህ ሃዋህው ኪኣትዉ ዚፈትሖም፧ ምኽንያቱ፡ መብዛሕትኦም እቶም ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት ብህይወት ዚነብሩ ሰባት፡ እቲ ኸም እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ መጠን ዘለዎም ተኣማንነት ጠሪሱ ኸይተፈተነ እዩ ኺጸንሕ። ብዙሓት ካባታቶም ንየሆዋ ኸይፈለጥዎ ድሕሪ ሙማቶም፡ ኣብ ገነት ዝተንስኡ ሰባት እዮም ኪዀኑ። የሆዋ ህይወት ጥራይ ኣይኰነን ዚህቦም፣ ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ዘበለ ዅሉ እውን የማልኣሎም እዩ። ኣወንታዊ ጸቕጢ መዛኑ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኣሉታዊ ጽልዋታት ኣይፈልጡን እዮም። ንየሆዋ ብዜፍቅሩን ብዜገልግሉን ሰባት እዮም ኪኽበቡ። ሰይጣን ነቶም ሽዑ ዝተንስኡ ሰባት ከምቲ ንእዮብ ዝኸሰሶ ዓይነት ክሲ ኪኸስሶም ይኽእል እዩ፣ እወ፡ ‘ኣምላኽ ስለ ዜዕቍቦምን ስለ ዚባርኾምን ጥራይ እዮም ዜገልግልዎ’ ኢሉ ኪኸስሶም ይኽእል እዩ። (እዮ. 1:9, 10) ስለዚ፡ የሆዋ ንስምና ንሓዋሩ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ቅድሚ ምጽሓፉ፡ ከም ኣቦናን ከም ልዑላዊ ጐይታናን መጠን ንዕኡ እሙናት ከም ዝዀንና ብዘየጠራጥር መገዲ ኸነርኢ ዕድል ኪህበና እዩ።—ራእ. 20:12, 15

23. ነፍሲ ወከፍ ሰብ እንታይ ጕዳይ እዩ ኼጋጥሞ፧

23 ንሓጺር እዋን፡ ሰይጣን ንደቂ ሰብ፡ ንኣምላኽ ከየገልግሉ ንምስዳዕ ኣጋጣሚ ኺውሃቦ እዩ። እሞ ደኣ እቲ ፈተና ኸመይ እዩ ኪኸውን፧ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምቲ ንኣዳምን ንሄዋንን ዘጋጠሞም ዓይነት ጕዳይ እዩ ኼጋጥሞ፦ ወይ መለክዒታት የሆዋ ተቐቢሉ ንኣገዛዝኣኡ ደጊፉ ንዕኡ የምልኾ፡ ወይ ካብ ኣምላኽ ዓልዩ ንሰይጣን ይድግፎ።

24. እቶም ሽዑ ዚዓልዉ ጎግን ማጎግን ተባሂሎም እተጸውዑ ስለምንታይ እዮም፧

24 ራእይ 20:7-10 ኣንብብ። እቲ ዜገርም፡ እቶም ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት ዚዓልዉ፡ ጎግን ማጎግን ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ከምቲ እቶም ህዝቅኤል እተነበይሎም ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ብርቱዕ ጸበባ ዜጥቅዑ ዓለወኛታት ዝነበሮም ዓይነት ባህርይ ኬርእዩ እዮም። እቶም “ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ” እተባህሉ ቐዳሞት ጭፍራ፡ ንግዝኣት የሆዋ ኣብ ዚጻረሩ ኣህዛብ እተኸፋፈሉ እዮም ነይሮም። (ህዝ. 38:2) ብተመሳሳሊ፡ እቶም ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ዚዓልዉ ሰባት እውን “ኣህዛብ” ተባሂሎም ተገሊጾም ኣለዉ። እዚ ኣገዳሲ መግለጺ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዚህሉ ኽፍፍል ኪውገድ እዩ፣ ኵሎም ሰባት ተገዛእቲ ሓንቲ መንግስቲ፡ ንሳ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኪዀኑ እዮም። ሽዑ፡ ክፍሊ ሓደ መንፈሳዊ ህዝቢ ኽንከውን ኢና። እቲ ትንቢት ነቶም ዓለወኛታት ጎግን ማጎግን ኢሉ ምጽዋዑን “ኣህዛብ” ምዃኖም ምሕባሩን፡ ሰይጣን ኣብ መንጎ ገሊኦም ህዝቢ ኣምላኽ ክፍፍል ከም ዚፈጥር ዚሕብር እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ጐድኒ ሰይጣን ኪኸውን ኣይኪግደድን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ፍጹም ሰብ መምርጫኡ ኺገብር እዩ።

እቶም ሽዑ ዚዓልዉ፡ “ጎግን ማጎግን” ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ (ሕጡብ ጽሑፍ 24 ርአ)

25, 26. ክንደይ እዮም ምስ ሰይጣን ኪሓብሩ፧ ንሳቶምከ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧

25 ክንደይከ እዮም ምስ ሰይጣን ኪሓብሩ፧ ቍጽሪ እቶም ዓለወኛታት “ከም ሑጻ ባሕሪ” ተባሂሉ ኣሎ። እዚ መግለጺ እዚ ግና፡ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ከም ዚዓልዉ ኣይኰነን ዚሕብር። ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ንኣብርሃም እተዋህቦ ተስፋ እሞ ንርአ። የሆዋ ንዘርኢ ኣብርሃም፡ “ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ” ኺገብሮ ምዃኑ ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 22:17, 18) ኰይኑ ግና፡ ቍጽሪ እቲ ዘርኢ 144,001 እዩ ዀይኑ። (ገላ. 3:16, 29) እቲ ቝጽሪ እቲ ብዙሕ ኪብሃል ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ ብዝሒ ደቂ ሰብ ኪርአ ኸሎ ግና ሒደት እዩ። ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ ቍጽሪ እቶም ምስ ሰይጣን ዚሓብሩ ብዙሕ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ዓብላሊ ኣይኪኸውንን እዩ። እቶም ዓለወኛታት ንእሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዓብዪ ስግኣት ኣይኪዀኑን እዮም።

26 እቶም ኣብቲ ዕልወት ዚሓብሩ ዘበሉ ብቕልጡፍ ኪድምሰሱ እዮም። ንሳቶም ኰኑ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ድማ ህልውናኦም ኬብቅዕ እዩ፣ ዳግም ህያዋን ናይ ምዃን ተስፋ እውን ኣይኪህልዎምን እዩ። ሕማቕ ውሳነታቶምን ሳዕቤናቱን ጥራይ እዩ ንሓዋሩ ኺዝከር።—ራእ. 20:10

27-29. ነቶም ነቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ዚሓልፍዎ፡ እንታይ ይጽበዮም ኣሎ፧

27 እቶም ነቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ዚሓልፍዎ ግና፡ ስማቶም ንሓዋሩ ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ኪጽሓፍ እዩ። (ራእ. 20:15) ሽዑ፡ ኵሎም እሙናት ደቂ የሆዋ ሓድነት ዘለዎም ስድራ ቤት ኰይኖም፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ኣምልኾ ኺህብዎ እዮም።

28 ብዛዕባ እቲ መጻኢ እሞ ሕሰብ። ጻማ ስራሕካ እትረኽበሉን ባህ ዜብል ምሕዝነት እትምስርተሉን ህይወት እዩ ዚጽበየካ ዘሎ። ድሕሪ ደጊም ንስኻን ሰብካን መከራ ኣይክትጸግቡን ኢኹም። ካብ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ሓራ ዄንካ ብዘይ መንጎኛ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽትቀውም ኢኻ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስ ኣምላኽ ብዘይ ቀይዲ ዕርክነት ኪምስርት እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ንጹህ ኣምልኾ ኺሰፍን እዩ። እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ ድማ እዚ እዩ!

ናብ ፍጽምና ምስ በጻሕካ፡ ካብ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ሓራ ዄንካ ብዘይ መንጎኛ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽትቀውም ኢኻ (ሕጡብ ጽሑፍ 28 ርአ)

29 ነታ ዓባይ መዓልቲ እቲኣስ ክትርእያ ዲኻ፧ ነታ መዓልቲ ምእንቲ ኽትርእያ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዝረኸብናዮ ሰለስተ ቐንዲ ትምህርቲ ወትሩ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ፡—እወ፡ ንየሆዋ በይኑ ተወፋይነት ሃቦ፡ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ብሓድነት ተመላለስ፡ ንሰባት ድማ ፍቕሪ ኣርኢ። ኣብ ህዝቅኤል ዘሎ ትንቢታት ሓደ ናይ መወዳእታ መሰረታዊ ትምህርቲ ይህበና እዩ። እዚኸ እንታይ እዩ፧

ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ፍጥረት ኣማስያኡ ብንጹህ ኣምልኾ ሓድነት ምስ ረኸበ ዚህሉ ሓጐስ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 27-29 ርአ)

“ኣነ የሆዋ ምዃነይ . . . ኪፈልጡ እዮም”

30, 31. እቲ፡ “ኣነ የሆዋ ምዃነይ . . . ኪፈልጡ እዮም” ዚብል ኣዋጅ፡ (ሀ) ንጸላእቲ ኣምላኽ፡ (ለ) ንህዝቢ ኣምላኽ፡ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

30 ኣብ ብምልእታ መጽሓፍ ህዝቅኤል፡ “ኣነ የሆዋ ምዃነይ . . . ኪፈልጡ እዮም” ዚብል ኣዋጅ ብተደጋጋሚ ይርከብ እዩ። (ህዝ. 6:10፣ 39:28) ንጸላእቲ ኣምላኽ፡ እቲ ኣዋጅ፡ ውግእን ሞትን ማለት እዩ። የሆዋ ኸም ዘሎ ንምእማን ጥራይ ኣይኰነን ዚግደዱ። ትርጉም እቲ ዓብዪ ስሙ፡ “የኽውን” ከም ዝዀነ ብመከራ ኺምሃሩ እዮም። “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ድማ ምሳታቶም ዚዋጋእ “ሓያል ተዋጋኢ” ኪኸውን እዩ። (1 ሳሙ. 17:45፣ ዘጸ. 15:3) ብዛዕባ የሆዋ ኸኣ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ኺርድኦም እዩ፦ ዕላማኡ ኻብ ምፍጻም ዚዓግቶ ዋላ ሓደ የልቦን።

31 ንህዝቢ ኣምላኽ ግና፡ እቲ፡ “ኣነ የሆዋ ምዃነይ . . . ኪፈልጡ እዮም” ዚብል ኣዋጅ፡ ሰላምን ህይወትን ማለት እዩ። የሆዋ ኸምቲ ኣብ መጀመርታ ኽንኰኖ ዝሓለነልና፡ ማለት ባህርያቱ ብፍጹም እነንጸባርቕ ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኬዅነና እዩ። (ዘፍ. 1:26) ድሮ እኳ የሆዋ ንዓና ፈቃር ኣቦን መዕቈቢ ጓሳን ኰይኑልና ኣሎ። ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ፡ ዚስዕር ንጉስ ኪዀነልና እዩ። እታ መዓልቲ ቕድሚ ምምጻኣ፡ ነቲ ህዝቅኤል ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣብ ልብና ነሕድሮ። መዓልቲ መዓልቲ ድማ፡ የሆዋ መን ምዃኑን ትርጉም ስሙ እንታይ ምዃኑን ከም እንፈልጥ ብቓልናን ብግብርናን ነርኢ። ሽዑ፡ እቲ ዜጥፍእ ንፋሳት ብርቱዕ ጸበባ ምስ ተፈነወ፡ ኣይክንፈርህን ኢና። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ድሕነትና ኸም ዝቐረበ ፈሊጥና፡ ርእስና ኸነልዕል ኢና። (ሉቃ. 21:28) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኣብ ኵሉ ዚርከቡ ሰባት ነቲ በይኑ ኣምልኾ ዚግብኦ ኻብ ኵሉ ዚዓቢ ስም ዘለዎ ኣምላኽ፡ እወ ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎን ንሓግዞም።—ህዝ. 28:26

^ ሕ.ጽ. 5 እቲ ቝጽሪ ምዕራፍ፡ ነቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ ምዕራፋት የመልክት።