ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 19

“እቲ ውሒዝ ኣብ ዚኸዶ ዘበለ ድማ፡ ኵሉ ብህይወት ኪነብር እዩ”

“እቲ ውሒዝ ኣብ ዚኸዶ ዘበለ ድማ፡ ኵሉ ብህይወት ኪነብር እዩ”

ህዝቅኤል 47:9

ኣትኵሮ፦ ራእይ እቲ ኻብታ ቤተ መቐደስ ዚውሕዝ ውሒዝ፡ ጥንትን ሕጅን ኣብ መጻእን ብኸመይ ከም ዚፍጸም

1, 2. ብመሰረት ህዝቅኤል 47:1-12፡ ህዝቅኤል እንታይ እዩ ርእዩን ፈሊጡን፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ህዝቅኤል ኣብታ ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ካልእ መስተንክር ነገር ረኣየ፦ ካብታ ቕድስቲ ህንጻ፡ ማይ ይውሕዝ ነበረ! ነቲ ኸም ሓቒቕ ዝምጽራዩ ውሒዝ ስዒቡ ኪኸይድ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። (ህዝቅኤል 47:1-12 ኣንብብ።) እቲ ማይ ካብ ትሕቲ ድርኵዂት እታ መቕደስ ይውሕዝ ነበረ፣ ድሕሪኡ፡ ካብታ ቤተ መቕደስ ብጥቓ እቲ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ ወጸ። እቲ መልኣኽ ድማ ንህዝቅኤል መሪሑ ኻብታ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦ፣ ካብኣ እናረሓቑ ኪኸዱ ኸለዉ ከኣ ነቲ ርሕቀት ይልክዖ ነበረ። ብተደጋጋሚ ድማ ንህዝቅኤል በቲ ማይ ኣሳገሮ፣ እቲ ውሒዝ እውን ብቕልጡፍ እናዓመቘ ብምኻዱ፡ ከይሓምበስካ ኺስገር ዘይከኣል ክሳዕ ምዃን በጽሐ!

2 ህዝቅኤል ከኣ እቲ ውሒዝ ናብ ምዉት ባሕሪ ኸም ዚውሕዝ፡ ኣብ ዚኸዶ ዘበለ ድማ ነቲ ህይወት ዘይብሉ ጨዋም ማያት ከም ዜሕውዮ፡ ኣብቲ ማያት እውን ብዙሓት ዓሳታት ከም ዚፈርዩ ፈለጠ። ኣብ ገምገም እቲ ውሒዝ ከኣ፡ ኵሉ ዓይነት ኣእዋም ኪበቍል ረኣየ። እቲ ኣእዋም ድማ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ዓንጋሊ ፍረ የፍሪ እዩ፣ ኣቝጽልቱ እውን ንፈውሲ ይኸውን እዩ። ህዝቅኤል ነዚ ዅሉ ብምርኣዩ፡ ልቡ ብሰላምን ብተስፋን ተመሊኡ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ዝረኣዮ ራእይ ግና ንዕኡን ነቶም ከምኡ ምሩኻትን እንታይ ትርጉም ነይርዎ፧ ሎሚኸ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

እቲ ብራእይ እተራእየ ውሒዝ ነቶም ምሩኻት እንታይ ትርጉም ነይርዎ፧

3. ጥንቲ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ እቲ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣዮ ውሒዝ ቃል ብቓሉ ኪኸውን ዘይተጸበዩ ስለምንታይ እዮም፧

3 ጥንቲ ዝነበሩ ኣይሁድ መሸም፡ እቲ ብራእይ እተራእየ ውሒዝ ቃል ብቓሉ ኪኸውን ኣይተጸበዩን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እዚ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እዚ፡ ብዛዕባ ምምላስ ንዚገልጽ ካልእ ትንቢት ኣዘኻኺርዎም ኪኸውን ኣለዎ፣ እቲ ትንቢት ድማ ምናልባት ልዕሊ ኽልተ ዘመን ኣቐዲሙ ብነብዪ ዮኤል እተመዝገበ እዩ ነይሩ። (ዮኤል 3:18 ኣንብብ።) እቶም ምሩኻት ኣይሁድ ነቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓላት ዮኤል ኬንብብዎ ኸለዉ፡ ቃል ብቓሉ ኣኽራን “ጕዕሽ ወይኒ ኼንጠብጥብ፡” ወይ ኵርባታት “ጸባ ኼውሕዝ” ኣይተጸበዩን፣ “ካብ ቤት የሆዋ” ዓይኒ ማይ ኪውሕዝ እውን ኣይተጸበዩን። ብተመሳሳሊ ድማ፡ እቲ ህዝቅኤል ካብ ቤተ መቕደስ ብዛዕባ ዚውሕዝ ውሒዝ ዝረኣዮ ራእይ፡ ቃል ብቓሉ ዘይምዃኑ ተረዲኦም ኪዀኑ ኣለዎም። * እሞ ደኣ የሆዋ እንታይ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ ነይሩ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ንትርጉም ገሊኡ ኽፋል እዚ ስእላዊ ኣገላልጻ ኽንርድኦ ዚሕግዘና ነገራት ይህበና እዩ። ብሓፈሻኡ ግና፡ ካብዚ ትንቢት እዚ ዚርከብ ሰለስተ ንጹር ፍቕራዊ መረጋገጺ ኽንርኢ ኢና።

4. (ሀ) እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ውሒዝ ንኣይሁድ፡ ካብ የሆዋ እንታይ በረኸት ከም ዚጽበዩ እዩ ገይርዎም ኪኸውን ዘለዎ፧ (ለ) እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንወሓይዝን ንማይን እተጠቕመሉ መገዲ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዚባርኾ ዜረጋግጸልና ብኸመይ እዩ፧ (“ካብ የሆዋ ዚውሕዝ ወሓይዝ በረኸት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

4 ውሒዝ በረኸት። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወሓይዝን ማይን ብዙሕ ግዜ ነቲ ኻብ የሆዋ ዚውሕዝ ህይወት ዚህብ በረኸት የመልክት እዩ። ህዝቅኤል ከምዚ ዝበለ ውሒዝ ካብታ ቤተ መቕደስ ኪውሕዝ ርእዩ እዩ፣ ስለዚ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ምስ ንጹህ ኣምልኾ ለጊቦም ክሳዕ እተመላለሱ፡ ህይወት ዚህብ መንፈሳዊ በረኸት ካብ የሆዋ ኺውሕዝ ተጸብዮም ኪዀኑ ኣለዎም። እቲ በረኸት ግና እንታይ እዩ ነይሩ፧ ካብ ካህናት ከም ብሓድሽ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኸም ዚረኽቡ ተሓቢሩ ነይሩ እዩ። ኣብታ ቤተ መቕደስ መስዋእትታት ኪቐርብ ስለ ዚጅምር ከኣ፡ ንሓጢኣቶም መተዓረቒ ኸም ዚረኽቡ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ህዝ. 44:15, 23፣ 45:17) በዚ ኸምዚ፡ በቲ ኻብታ ቤተ መቕደስ ዚውሕዝ ጽሩይ ማይ እተሓጽቡ ዀይኖም ከም ብሓድሽ ንጹሃት ይዀኑ።

5. እቲ ብራእይ እተራእየ ውሒዝ፡ እኹል በረኸት ኪህሉ እንተ ዀይኑ ንዚልዓል ስክፍታ ዜወግድ ብኸመይ እዩ፧

5 እሞኸ ወትሩ ንዅሉ ዚኣክል በረኸት ኪህሉ ድዩ፧ ኣብቲ ራእይ፡ እቲ ማያት ብተኣምራዊ መገዲ ምብዛሑ ነዚ ስክፍታ እዚ የወግድ እዩ። እወ፡ እቲ ቐስ ኢሉ ዚውሕዝ ዝነበረ ማይ፡ ክልተ ኪሎ ሜተር ኣብ ዚኸውን ርሕቀት ናብ ብርቱዕ ውሒዝ እዩ ተቐዪሩ። (ህዝ. 47:3-5) እቶም ናብ ዓዶም ዚምለሱ ኣይሁድ ቍጽሮም ይውስኽ ይኸውን፣ በረኸት የሆዋ እናበዝሐ ስለ ዚኸይድ ግና ዜድልዮም ዘበለ ዅሉ ይማልኣሎም እዩ። እቲ ውሒዝ፡ ኣኺሉ ዚተርፍ በረኸት ከም ዚረኽቡ ዜመልክት እዩ።

6. (ሀ) እዚ ትንቢታዊ ስእሊ እዚ እንታይ ዜተባብዕ ተስፋ እዩ ዚህብ፧ (ለ) እቲ ራእይ እንታይ መጠንቀቕታ እውን እዩ ዚህብ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

6 ህይወት ዚህብ ማይ። ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ እቲ ውሒዝ ናብ ምዉት ባሕሪ እዩ ዚውሕዝ ነይሩ፣ ንመብዛሕትኡ ኽፋሉ እውን የሕውዮ እዩ። እቲ ማያት፡ ሓሰኽሰኽ ንዚብሉ ዓሳታት ህይወት ስለ ዝሃቦም፡ ብዝሒ ዓይነቶም ከም ዓሳታት ዓብዪ ባሕሪ ወይ ባሕሪ መዲተራነያን ከም ዚኸውን ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ መንጎ እተን ኣብ ገማግም ምዉት ባሕሪ ተራሓሒቐን ዚርከባ ኪዀና ዘለወን ክልተ ኸተማታት ዕዮ ምግፋፍ ዓሳ ኸም ዚዕምር ተሓቢሩ ኣሎ። እወ፡ እቲ መልኣኽ፡ “እቲ ውሒዝ ኣብ ዚኸዶ ዘበለ ድማ፡ ኵሉ ብህይወት ኪነብር እዩ” ኢሉ እዩ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ እቲ ኻብ ቤት የሆዋ ዚወጽእ ማይ ናብ ኵሉ ኽፋል ምዉት ባሕሪ ይበጽሕ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። እቲ መልኣኽ፡ እቲ ህይወት ዚህብ ማያት ናብ ገሊኡ ረግረግ ከም ዘይበጽሕ ገሊጹ እዩ። ብዛዕባ እቲ ቦታታት እቲ ኸኣ፡ “ንጨው ደኣ ኺሕደግ እዩ” ተባሂሉ ኣሎ። * (ህዝ. 47:8-11) ስለዚ፡ እዚ ትንቢታዊ ስእሊ እዚ ብሓፈሻኡ፡ ንጹህ ኣምልኾ ንሰባት ከም ዜሕውዮምን ከም ዜበልጽጎምን ዚሕብር ዜተባብዕ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ። ኰይኑ ግና፡ መጠንቀቕታ እውን ሒዙ ኣሎ፦ ኵሎም ኣይኰኑን በረኸት የሆዋ ዚቕበሉ፣ ኵሎም እውን ኣይኰኑን ዚሓውዩ።

7. ኣብ ገምገም እቲ ውሒዝ ኣእዋም ምህላዉ፡ ነቶም ምሩኻት ኣይሁድ እንታይ መረጋገጺ ሂብዎም፧

7 ንምግብን ንፈውስን ዚኸውን ኣእዋም። እቲ ኣብ ገምገም እቲ ውሒዝ ዘሎ ኣእዋምከ፧ እዝስ ንጽባቐ እቲ ስእሊ ዚውስኽ ደይኰነን፧ ንትርጉሙ እውን ይውስኸሉ እዩ። ህዝቅኤልን ደቂ ዓዱን፡ እቲ ኣእዋም ኣብ ወወርሒ ብዛዕባ ዜፍርዮ ጥዑም ፍረ ሓሲቦም ኪዀኑ ኣለዎም። እቲ ማራኺ ስእሊ ኸኣ፡ የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዚምግቦም ብዝያዳ ኣረጋጊጹሎም ኪኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ እውን፡ ኣቝጽልቲ እቲ ኣእዋም፡ “ንፈውሲ ኪኸውን እዩ” ተባሂሉ ኣሎ። (ህዝ. 47:12) እቶም ካብ ምርኮ ዚምለሱ ሰባት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሓውዩ ኸም ዜድልዮም የሆዋ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ከምኡ ኸም ዚገብረሎም ድማ ኣተስፍይዎም እዩ። ከመይ ገይሩ ኸምኡ ኸም ዝገበረሎም ከኣ፡ ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 9 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝረኣናዮ፡ ኣብ ካልእ ብዛዕባ ምምላስ ዚገልጽ ትንቢታት ተገሊጹ ኣሎ።

8. ራእይ ህዝቅኤል ብዝዓበየ ደረጃ ኸም ዚፍጸም ዜርኢ እንታይ እዩ፧

8 ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 9 እተገልጸ፡ እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ሰባት፡ እዚ ትንቢታት እዚ ብእተወሰነ ደረጃ ጥራይ እዮም ኪፍጸም ርእዮምዎ። እቶም ሰባት ባዕሎም ከኣ እዮም ንፍጻመኡ ውሱን ከም ዚኸውን ገይሮምዎ። ብዙሓት ካባታቶም ሕማቕ ተግባራቶም እናደገሶም፡ ብዘይተኣዛዝነት እናተመላለሱ፡ ንንጹህ ኣምልኾ ድማ ዕሽሽ እናበሉኸ፡ ከመይ ገይሩ እዩ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ዚባርኾም፧ እሙናት ዘበሉ ብኣካይዳ ብጾቶም ኣይሁድ ይሳቐዩን ይጕህዩን ነይሮም እዮም። ግናኸ፡ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ተስፋታቱ ኣብ ባይታ ኸም ዘይወድቕ፡ የግዳስ ወትሩ ኸም ዚፍጸም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (እያሱ 23:14 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ራእይ ህዝቅኤል ሓደ መዓልቲ ብዝዓበየ ደረጃ ኸም ዚፍጸም ንጹር እዩ ነይሩ። ግናኸ፡ መዓስ፧

እቲ ውሒዝ ሎሚ ይውሕዝ ኣሎ!

9. እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ዝረኣዮ ራእይ መዓስ እዩ ብዝዓበየ ደረጃ ዚፍጸም፧

9 ኣብ ምዕራፍ 14 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ዝረኣዮ ራእይ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡” ማለት ኣብቲ ንጹህ ኣምልኾ ቕድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ልዕል ዚብለሉ እዋን እዩ ብዝዓበየ ደረጃ ዚፍጸም። (ኢሳ. 2:2) እዚ ኽፋል ራእይ ህዝቅኤል እዚ ሕጂ ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧

10, 11. (ሀ) ሎሚ እንታይ በረኸት እዩ ኸም ውሒዝ ዚውሕዝ ዘሎ፧ (ለ) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ዋሕዚ በረኸት የሆዋ ነቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ መንፈሳዊ ጽምኢ ንምርዋይ ብኸመይ በርቲዑ፧

10 ውሒዝ በረኸት። እቲ ኻብ ቤት የሆዋ ዚውሕዝ ማይ፡ ሎሚ ንዚርከብ እንታይ በረኸት እዩ ዜዘኻኽረና፧ ነቲ ንመንፈሳዊ ጥዕናናን ዕንጋለናን ኣበርክቶ ዚገብር ዘበለ ዅሉ እዩ ዜዘኻኽረና። ኣብዚ ብቐዳምነት ዚስራዕ፡ እቲ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ንዓና ንምንጻህ ዘለዎ ዓቕሚ እዩ፣ ሳላኡ ኸኣ ሕድገት ሓጢኣት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እቲ ንጹህ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ እውን ህይወት ምስ ዚህብን ምስ ዜጽርን ማይ ተመሳሲሉ ኣሎ። (ኤፌ. 5:25-27) እሞኸ ኣብዚ ግዜና፡ እዚ በረኸት እዚ ብኸመይ ይውሕዝ ኣሎ፧

11 ብ1919፡ ብዝሒ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ሒደት ኣሽሓት ጥራይ እዩ ነይሩ፣ ንሳቶም ድማ ዜድልዮም መንፈሳዊ ምግቢ ብምርካቦም ሕጉሳት እዮም ነይሮም። ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት ግና፡ ብዝሖም እናሰሰነ ኸይዱ። ሎሚ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ሸሞንተ ሚልዮን ኣጸቢቖም ይዛይዱ እዮም። እሞኸ ዋሕዚ እቲ ንጹህ ማይ እናበዝሐ ኸይዱ ድዩ፧ እወ! ኣዝዩ ብዙሕ መንፈሳዊ ሓቅታት ረኺብና ኢና። ኣብ ዝሓለፈ ዘመን፡ ብቢልዮናት ዚቝጸር መጽሓፍ ቅዱሳትን መጻሕፍትን ብሮሹራትን ትራክትታትን፡ ናብ ህዝቢ ኣምላኽ ውሒዙ እዩ። ነቲ ብደረጃ ዓለምለኸ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ መንፈሳዊ ጽምኢ ሰባት ንምርዋይ ዚውሕዝ ንጹህ ሓቅታት ከምቲ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣዮ ውሒዝ እናበርትዐ ኸይዱ እዩ። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ምሕታም ካብ ዚጅመር ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ። ኣብዚ ግዜና ድማ፡ እዚ ጽሑፋት እዚ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ብልዕሊ 900 ቋንቋ ኣብ ወብሳይት jw.org ይርከብ ኣሎ። እሞ ደኣ እዚ ማያት ሓቂ እዚ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ብኸመይ ይጸልዎም ኣሎ፧

12. (ሀ) ብኸመይ ኢና መልእኽቲ ሓቂ ንሰባት መንፈሳዊ ህይወትን ጥዕናን ኬምጽኣሎም ዝረኣና፧ (ለ) እቲ ራእይ እንታይ እዋናዊ መጠንቀቕታ እዩ ዚህበና ዘሎ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

12 ህይወት ዚህብ ማይ። ንህዝቅኤል፡ “እቲ ውሒዝ ኣብ ዚኸዶ ዘበለ ድማ፡ ኵሉ ብህይወት ኪነብር እዩ” ተባሂሉ ተነጊርዎ ነይሩ እዩ። መልእኽቲ ሓቂ ናብ ኵሎም እቶም ናብታ መንፈሳዊት ምድሪ እተመልሱ ሰባት ዝወሓዘሉ መገዲ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንልቢ እቶም ዚቕበልዎ ሚልዮናት ሰባት፡ ህይወትን መንፈሳዊ ጥዕናን ኣምጺኡሎም ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ራእይ እዋናዊ መጠንቀቕታ እውን ሂቡ ኣሎ፦ ኵሎም ኣይኰኑን ነቲ ሓቂ ዚቕበል ልቢ ሒዞም ዚቕጽሉ። ከምቲ ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ኣብቲ ምዉት ባሕሪ ዓዘቕትን ረግረግን ዘሎ፡ ሓቂ ምቕባልን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ዚኣቢ ዘይቅበል ኣልባብ እውን ኣሎ። * ንሕና እምበኣር ጠሪስና ኸምኡ ኣይንኹን!—ዘዳግም 10:16-18 ኣንብብ።

13. ኣብቲ ራእይ ካብ እተራእየ ኣእዋም፡ ሎሚ እንታይ ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል፧

13 ንምግብን ንፈውስን ዚኸውን ኣእዋም። እቲ ኣብ ገምገም እቲ ውሒዝ ዚርከብ ኣእዋም፡ ሎሚ ንዓና ዜተባብዕ ትምህርትታት ኣለዎዶ፧ እወ ኣለዎ! ከም እንዝክሮ፡ እቲ ኣእዋም ኣብ ወወርሒ ጥዑም ፍረ ይፈሪ፡ ኣቝጽልቱ እውን ንፈውሲ ይኸውን እዩ። (ህዝ. 47:12) እዚ ኸኣ ነቲ ብልግሲ ዚምግበናን በቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ መገዲ ዜሕውየናን ኣምላኽ ከም እነገልግሎ የዘኻኽረና። ሎሚ፡ ዓለም ብመንፈሳዊ መዳይ ሓሚማን ጠምያን እያ ዘላ። ብኣንጻሩ ግና፡ የሆዋ እንታይ ይህብ ከም ዘሎ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኣብ መጽሔታትና ሓንቲ ዓንቀጽ ምስ ኣንበብካ፡ ኣብ ኣኼባ ወረዳ ወይ ኣብ ኣኼባ ዞባ ናይ መደምደምታ መዝሙር ምስ ዘመርካ፡ ወይ ቪድዮ ምስ ረኣኻ፡ ነቲ መንፈሳዊ ምግቢ ብምርካብካ እተባረኽካ ዀይኑዶ ተሰሚዑካ ይፈልጥ፧ ብሓቂ ጽቡቕ ምግቢ ኢና እንምገብ። (ኢሳ. 65:13, 14) እሞኸ መንፈሳዊ ምግብና ንመንፈሳዊ ጥዕናና ይጠቅም ድዩ፧ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመስሪቱ ዚውሃበና ጽቡቕ ምኽሪ፡ ከም ርኽሰትን ስስዐን ዘይምእማንን ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ጸላኢ ኽንቃለስ ይሕግዘና እዩ። ክርስትያናት ነቲ ኸቢድ ሓጢኣት ዜምጽኦ መንፈሳዊ ሕማም ምእንቲ ኺዋጽኡሉ እውን፡ የሆዋ መሰናድዎ ገይሩ ኣሎ። (ያእቆብ 5:14 ኣንብብ።) ከምቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ኣእዋም ኣብ ዝረኣዮ ራእይ እተሓበረ፡ ብሓቂ ተባሪኽና ኢና ዘለና።

14, 15. (ሀ) ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ካብ ዚርከብ ዘይሓዊ ረግረግ እንታይ መለበሚ ኽንረክብ ኣሎና፧ (ለ) እቲ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣዮ ውሒዝ ሎሚ ንዓና ብኸመይ ይጠቕመና፧

14 ካብቲ ዘይሓዊ ረግረግ እውን መለበሚ ኽንረክብ ንደሊ ኢና። በረኸት የሆዋ ናብ ህይወትና ኸይውሕዝ ክንዓግቶ ኸቶ ኣይንደልን ኢና። ከምቶም ኣብዛ ሕምምቲ ዓለም ዘለዉ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት፡ ከይሓወና እንመላለስ እንተ ንኸውን ዜሕዝን ምዀነ። (ማቴ. 13:15) ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብቲ በረኸት ውሒዝ እንጥቀም ምዃንና ደስ ይብለና እዩ። ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ንጹህ ማያት ሓቂ ተሃንጢና ኽንሰቲ ኸለና፡ ነዚ ሓቅታት እዚ ብስብከት ኣቢልና ንኻልኦት ኽንነግሮም ከለና፡ ካብቶም በቲ እሙን ባርያ ዝሰልጠኑ ሽማግለታት ድማ ፍቕራዊ መምርሕን መጸናንዕን ክንቅበል ከለና፡ ብዛዕባ እቲ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣዮ ውሒዝ ክንሓስብ ንኽእል ኢና። እቲ ውሒዝ እቲ ኸኣ ኣብ ዚኸዶ ዘበለ ህይወት ይህብን የሕውን እዩ!

15 ግናኸ፡ እቲ ብዛዕባ እቲ ውሒዝ እተራእየ ራእይ ኣብ መጻኢ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ እቲ ውሒዝ ኣብታ እትመጽእ ገነት ብዝዓበየ ደረጃ ኺውሕዝ እዩ።

እቲ ራእይ ኣብ ገነት እንታይ ትርጉም ኪህልዎ እዩ፧

16, 17. (ሀ) እቲ ማይ ህይወት ኣብ ገነት ብዝያዳ ዚሰፍሕ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ ኣብ ገነት ዚውሕዝ በረኸት ከመይ ጌርና ኽንጥቀም ኢና፧

16 ነቲ ኣብ ገነት ብፈተውትኻን ብስድራ ቤትካን ተኸቢብካ እትነብረሉ እዋን ኣብ ኣእምሮኻ ትስእሎ ዲኻ፧ ብዛዕባ እቲ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣዮ ውሒዝ እትገብሮ መጽናዕቲ፡ ነዚ ስእሊ ብዝያዳ ንጹር ኪገብረልካ ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ ተመሊስና ነቲ ሰለስተ ንጹር ፍቕራዊ መዳይ እቲ ራእይ እስከ ንመርምር።

17 ውሒዝ በረኸት። እቲ ምሳልያዊ ውሒዝ ኣብ ገነት ብዝያዳ ኺሰፍሕ እዩ፣ ከመይሲ፡ ካብቲ ውሒዝ ዚርከብ በረኸት ኣብ መንፈሳዊ መዳይ ተሓጺሩ ጥራይ ኣይኰነን ዚተርፍ፣ የግዳስ፡ ኣብ ስጋዊ መዳይ እውን ኪውሕዝ እዩ። ኣብቲ የሱስ ንሽሕ ዓመት ዚገዝኣሉ እዋን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንእሙናት ሰባት፡ ካብቲ በጃ ብዝዓበየ ደረጃ ኸም ዚጥቀሙ ኽትገብር እያ። በብቝሩብ ከኣ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሕማማት፡ ሓካይም፡ ኣለይቲ ሕሙማት፡ ሆስፒታላት፡ ወይ መድሕን ጥዕና ኣይኪህሉን እዩ! እቲ ማይ ህይወት ከኣ ናብቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ሚልዮናት፡ ናብቶም ኻብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዚወጹ “ብዙሓት ህዝቢ” ኺውሕዝ እዩ። (ራእ. 7:9, 14) ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ፈለማ ዚውሕዝ በረኸት ውሒዝ ዜደንቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ምስቲ ድሒሩ ዚመጽእ ኪነጻጸር ከሎ፡ ቀስ ኢሉ ኸም ዚውሕዝ ማይ እዩ ዚኸውን። ከምቲ ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ እተገልጸ፡ እቲ ውሒዝ እናሰፍሐ ኸይዱ ዜድሊ ዘበለ ዅሉ ኼማልእ እዩ።

ኣብ ገነት፡ እቲ በረኸት ውሒዝ ንዅሉ ሰብ መንእሰይ ኪገብሮን ጥዕና ኺህቦን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

18. እቲ “ፈለግ ማይ ህይወት” ኣብቲ ሽሕ ዓመት ብርቱዕ ውሒዝ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

18 ህይወት ዚህብ ማይ። ኣብቲ ሽሕ ዓመት፡ እቲ “ፈለግ ማይ ህይወት” ብርቱዕ ውሒዝ ኪኸውን እዩ! (ራእ. 22:1) ቢልዮናት ሰባት ካብ ምዉታት ኪትንስኡ፡ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ንምንባር ከኣ ኣጋጣሚ ኺውሃቦም እዩ። ሓደ ኻብቲ የሆዋ በታ መንግስቲ ኣቢሉ ዜፍስሶ በረኸት፡ ነቶም ሓመድ ዝበልዖም ብዙሓት ምዉታት ህይወት ምሃብ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። (ኢሳ. 26:19) ኰይኑ ግና፡ ኵሎም እቶም ዚትንስኡ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብሩ ድዮም፧

19. (ሀ) ኣብ ገነት ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ሓድሽ ማያት ሓቂ ኸም ዚህሉ ዚሕብር እንታይ ኣሎ፧ (ለ) ኣብ መጻኢ ገሊኦም ‘ንጨው ዚሕደጉ’ ብኸመይ እዮም፧

19 ነፍሲ ወከፍ ኪመርጽ ኣለዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓድሽ ጥቕላላት መጻሕፍቲ ኪቕላዕ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ኻብ የሆዋ ዚውሕዝ መንፈስ ዜሐድስ ማያት፡ ነቲ ሓድሽ ዚቕላዕ ሓቅታት ወይ ነቲ መንፈሳዊ ትምህርትታት ኬጠቓልል እዩ። እዝስ ክትሓስቦ ኸለኻ እኳ ልቢ ዚሰልብ ደይኰነን፧ ኰይኑ ግና፡ ገሊኦም ነቲ በረኸት እቲ ኣይኪቕበልዎን እዮም፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ንየሆዋ እዙዛት ምዃን ኪኣብዩ እዮም። ገሊኦም ውልቀ ሰባት ኣብቲ ሽሕ ዓመት ዓለወኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ንገነት ኪርብሹ ግና ኣይኪፍቀደሎምን እዩ። (ኢሳ. 65:20) ምስዚ ብዚተኣሳሰር፡ ነቲ ኣብ ራእይ ህዝቅኤል መኻን ኰይኑ ዝተረፈ “ንጨው ደኣ ኺሕደግ እዩ” እተባህለሉ ረግረግ ንዝክሮ ንኸውን። እምበኣር፡ እቶም ብድርቅና ኻብቲ ኽቡር ማይ ህይወት ምስታይ ዚኣብዩ ዓብዪ ዕሽነት እዮም ኪገብሩ! ድሕሪ እቲ ሽሕ ዓመት፡ ምስ ሰይጣን ዚውግኑ ጕጅለ ዓለወኛታት ኪህልዉ እዮም። ኵሎም እቶም ነቲ ቕኑዕ ኣገዛዝኣ የሆዋ ዘይቅበልዎ ድማ፡ ንዘለኣለም ኪሞቱ እዮም።—ራእ. 20:7-12

20. እንታይ ኣብ ሽሕ ዓመት ዚህሉ መሰናድዎ እዩ ነቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ኣእዋም ዜዘኻኽረና፧

20 ንምግብን ንፈውስን ዚኸውን ኣእዋም። የሆዋ፡ ንሓደ እኳ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኬምልጦ ኣይደልን እዩ። ነቲ ዜቕርበልና ዘሎ ዜደንቕ ኣጋጣሚ ኣጽኒዕና ምእንቲ ኽንሕዞ ኢሉ፡ ከምቲ ህዝቅኤል ዝርኣዮ ኣእዋም ዝኣመሰለ መሰናድዎ ዳግም ከም ዚህሉ ኺገብር እዩ። ኣብ ገነት ግና፡ እቲ ኻብ የሆዋ ዚመጽእ በረኸት ስጋውን መንፈሳውን እዩ ኪኸውን። ኣብ ሰማይ፡ የሱስ ክርስቶስን እቶም 144,000 መጋዝእቱን ንሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም። እቶም 144,000 ካህናት ስለ ዝዀኑ ድማ፡ ሰባት ካብቲ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ከም ዚጥቀሙ ኺገብሩ፡ ማለት ንእሙናት ሰባት ናብ ፍጽምና ኼብጽሕዎም እዮም። (ራእ. 20:6) እዚ ብስጋውን ብመንፈሳውን መዳይ ንምሕዋይ ዚግበር መሰናድዎ፡ ነቲ ህዝቅኤል ኣብ ገምገም ውሒዝ ዝረኣዮ ዚዕንግል ፍረ ዚፈርን ኣቝጽልቱ ንፈውሲ ዚኸውንን ኣእዋም የዘኻኽረና እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ምስቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝመዝገቦ ውቁብ ትንቢት ይመሳሰል እዩ። (ራእይ 22:1, 2 ኣንብብ።) ኣቝጽልቲ እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ኣእዋም፡ “ፈውሲ ኣህዛብ” ከም ዚኸውን ተገሊጹ ኣሎ። ሚልዮናት እሙናት ሰባት ካብ ኣገልግሎት ክህነት እቶም 144,000 ኪጥቀሙ እዮም።

21. ብዛዕባ እቲ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣዮ ውሒዝ ምስትንታንካ፡ እንታይ ጽልዋ ኼሕድረልካ ኣለዎ፧ ቀጺልናኸ እንታይ ክንምርምር ኢና፧ (“እቲ ቐስ ኢሉ ዚውሕዝ ማይ፡ ብርቱዕ ውሒዝ ይኸውን!” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

21 ነቲ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣዮ ውሒዝ ከተስተንትነሉ ኸለኻስ፡ ልብኻ ብሰላምን ብተስፋን ደይኰነን ዚምላእ፧ ከመይ ዝበለ መስተንክር እዋን ኰን ኢና ኽንርኢ! ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ የሆዋ ኣሽሓት ዓመታት ኣቐዲሙ እዩ ብመሳጢ ስእላዊ ቓላት ገይሩ ገሊጹልና፣ ነቲ ኣብቲ ትንቢታት እተተስፈወ ዓብዪ ፍጻመ ምእንቲ ኽንርኢ ኸኣ ብትዕግስቲ ይዕድመና ኣሎ። እሞኸ ኣብኡ ኽትህሉ ዲኻ፧ ኣብ ገነት ብሓቂ ቦታ ኺህልወካ እንተ ዀይኑ፡ ትሓስብ ትኸውን። ቀጺልና እምበኣር፡ ኣብ መወዳእታ ትንቢት ህዝቅኤል ዘሎ ሓሳባት፡ ብኸመይ መረጋገጺ ኸም ዚህበና ንርአ።

^ ሕ.ጽ. 3 ብተወሳኺ፡ እቶም ንቕርጺ መሬት ዓዶም ዚዝክሩ ምሩኻት ኣይሁድ፡ እቲ ውሒዝ እቲ ቓል ብቓሉ ኪኸውን ከም ዘይክእል ፈሊጦም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ስለምንታይሲ፡ እቲ ውሒዝ ኣብቲ እተባህለሉ ቦታ ኻብ ዘይርከብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ዘላ ቤተ መቕደስ ከም ዚውሕዝ እዩ ተገሊጹ። ብዘይካዚ ድማ፡ እቲ ውሒዝ ብቐጥታን ብዘይ ዓጋትን ናብ ምዉት ባሕሪ ኸም ዚውሕዝ እዩ ኣብቲ ራእይ ተኣሚቱ ኪኸውን ዚኽእል፣ እዚ ድማ ብመሰረት እቲ ቕርጺ መሬት ዘይከኣል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 6 ዕደና እቲ ንመዐቀቢ ዚኸውን ጨው ንነዊሕ እዋን ኣብ ዞባ ምዉት ባሕሪ ብዙሕ መኽሰብ ዘለዎ ስራሕ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ገሊኦም ወሃብቲ ርእይቶ ነዚ ኸም ኣወንታዊ መግለጺ እዮም ዚርእይዎ። ኣብቲ ጽሑፍ ግና፡ እቲ ረግረግ “ኣይኪሓውን እዩ” ኸም እተባህለ ኣስተብህል። እቲ ኻብ ቤት የሆዋ ዚውሕዝ ህይወት ዚህብ ማይ ናብኡ ስለ ዘይበጽሕ፡ ከይሓወየ ህይወት ኣልቦ ዀይኑ እዩ ዚቕጽል። ስለዚ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እቲ ጨዋም ረግረግ ኣሉታዊ ትርጉም እዩ ዘለዎ።—መዝ. 107:33, 34፣ ኤር. 17:6

^ ሕ.ጽ. 12 ብተመሳሳሊ፡ ነታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እታ መርበብ እስከ ንርኣያ። ኣብታ መርበብ ብዙሕ ዓሳ ዚትሓዝ እኳ እንተ ዀነ፡ ኵሉ ግና ኣይኰነን “ጽቡቕ።” እቲ ሐሕማቑ ኺድርበ ነይርዎ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሱስ፡ ብዙሓት ካብቶም ናብ ውድብ የሆዋ ዚመጹ፡ ጸኒሖም ዘይእሙናት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ኣጠንቂቑ ኣሎ።—ማቴ. 13:47-50፣ 2 ጢሞ. 2:20, 21