ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 17

“ኣታ ጎግ፡ . . . ኣነ ኣንጻርካ እየ”

“ኣታ ጎግ፡ . . . ኣነ ኣንጻርካ እየ”

ህዝቅኤል 38:3

ኣትኵሮ፦ “ጎግ” መን ምዃኑን እታ ዚወርራ “ምድሪ” ንምንታይ ከም እተመልክትን

1, 2. እንታይ ዓብዪ ውግእ እዩ ገና ዚመጽእ ዘሎ፧ ምስኡ ብዚተሓሓዝከ እንታይ ሕቶታት እዩ ዚልዓል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ንኣሽሓት ዓመታት፡ ምድርና በቲ ኣብ ውግእ ዚፈስስ ደም፡ እንተላይ በቲ ኣብ መበል 20 ዘመን እተገብረ ኽልተ ውግእ ዓለም ጨቅያ እያ። ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውግእ ግና ገና ይመጽእ እዩ ዘሎ። ግናኸ፡ እቲ ውግእ እቲ ሰባት ንጥቕሚ ርእሶም ኢሎም ኣብ መንጎ ሓድሕዶም ዚገብርዎ ግጭት ኣይኰነን ኪኸውን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” እዩ ኪኸውን። (ራእ. 16:14) እቲ ውግእ ድማ ሓደ ዕቡይ ጸላኢ ንሓንቲ ኣምላኽ ኣኽቢሩ ዚርእያ ምድሪ ምስ ወረራ እዩ ዚባራዕ። ብሰንኪ እቲ ወራር ከኣ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ምድሪ ብዕቤቱ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዜጥፍእ ሓይሉ ኺፍኑ እዩ።

2 ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኪልዓል ይከኣል እዩ፦ እቲ ጸላኢ መን እዩ፧ እታ እትውረር ምድሪ እንታይ እያ፧ ነታ ምድሪ መዓስን ስለምንታይን ብኸመይን እዩ ኺወርራ፧ እዚ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ፍጻመታት ንዓና ነዞም ኣብ ምድሪ ዘለና ንጹሃት ኣምለኽቲ የሆዋ ዚምልከት ስለ ዝዀነ፡ መልሱ ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና። መልሱ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 3839ን እተመዝገበ ልቢ ዚሰልብ ትንቢት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።

እቲ ጸላኢ—ጎግ ብዓል ማጎግ

3. እቲ ትንቢት ሒዝዎ ዘሎ ቐንዲ ነጥብታት ግለጽ።

 3 ህዝቅኤል 38:1, 2, 8, 18፣ 39:4, 11 ኣንብብ። እቲ ትንቢት ሒዝዎ ዘሎ ቐንዲ ነጥብታት እንሆ፦ “ኣብተን ዳሕሮት ዓመታት” “ጎግ ብዓል . . . ማጎግ” ዚብሃል ጸላኢ፡ “ንምድሪ” ህዝቢ ኣምላኽ ይወርራ። እቲ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ግና “ዓብዪ ነድሪ” የሆዋ ኸም ዚባራዕ ይገብር፣ የሆዋ ኸኣ ንጎግ ይስዕሮ። * የሆዋ ምስ ተዓወተ ድማ፡ ነቲ እተሳዕረ ጸላኢኡን ንዅሎም እቶም ምስኡ ዘለዉን፡ “ንዅሉ ዓይነት ኣሞራታትን ንኣራዊት መሮርን ምግቢ” ገይሩ ይህቦም። ኣብ መወዳእታ፡ የሆዋ ንጎግ “መቓብር” ይህቦ። እዚ ትንቢት እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚፍጸም ንምርዳእ፡ ፈለማ መንነት ጎግ ክንፈልጥ ኣሎና።

4. ብዛዕባ ጎግ ብዓል ማጎግ እንታይ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል፧

4 ጎግ ብዓል ማጎግ ደኣ መን እዩ፧ ካብቲ ህዝቅኤል ዝሃቦ መግለጺ ተበጊስና፡ ጎግ ጸላኢ ንጹሃት ኣምለኽቲ ምዃኑ ኽንድምድም ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ጎግ ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ጸላኢ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝዀነ ሰይጣን ዜመልክት ትንቢታዊ ስም ድዩ፧ ንሓያሎ ዓመታት፡ ጽሑፋትና ኸምኡ ይብል ነይሩ እዩ። ንትንቢት ህዝቅኤል ብዝያዳ ምስ መርመርናዮ ግና፡ ግንዛበና ኸነዐሪ ተደሪኽና ኢና። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ፡ እቲ ጎግ ብዓል ማጎግ ዚብል መጸውዒ ንመንፈሳዊ ፍጡር ዘይኰነስ፡ ብዓይኒ ንዚርአ ሰብኣዊ ጸላኢ፡ ማለት ምስ ንጹህ ኣምልኾ ኪቃለሱ ንዚሰምሩ ኣህዛብ ከም ዜመልክት ገሊጻ እያ። * ኣብቲ መደምደምታ እቲ ንምብጻሕ ዘኽኣለና መሰረት ቅድሚ ምምርማርና፡ እቲ ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል እተጠቕሰ ጎግ መንፈሳዊ ፍጡር ኪኸውን ዘይክእለሉ ኽልተ ረቛሒ እስከ ንርአ።

5, 6. ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል፡ ጎግ ብዓል ማጎግ መንፈሳዊ ፍጡር ዘይምዃኑ ዚሕብር እንታይ ሓሳባት ኣሎ፧

5 “ንዅሉ ዓይነት ኣሞራታትን ንኣራዊት መሮርን ምግቢ ገይረ ኽህበካ እየ።” (ህዝ. 39:4) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ኣምላኽ ብዛዕባ ዝመጸ ፍርዲ መጠንቀቕታ ኺውሃብ ከሎ፡ ሬሳታት ብኣሞራታት ከም ዚብላዕ ዚገልጽ ሓሳብ ብዙሕ ግዜ ሰፊሩ ንረክብ ኢና። ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤልን እስራኤላውያን ንዘይኰኑ ኣህዛብን ከምኡ ኢሉ ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ዘዳ. 28:26፣ ኤር. 7:33፣ ህዝ. 29:3, 5) እቲ መጠንቀቕታታት ግና ንመንፈሳውያን ፍጡራት ዘይኰነስ፡ ስጋን ደምን ንዘለዎም ሰባት ከም እተዋህበ ነስተብህለሉ። ከመይሲ፡ ኣሞራታትን ኣራዊትን ስጋ ደኣ እምበር፡ መንፈስ ኪበልዑ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ፡ እዚ ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል ካብ ኣምላኽ እተዋህበ መጠንቀቕታ፡ ጎግ መንፈሳዊ ፍጡር ዘይምዃኑ ይሕብር እዩ።

6 “ንጎግ ኣብኡ ኣብ እስራኤል . . . መቓብር ክህቦ እየ።” (ህዝ. 39:11) ቅዱሳት ጽሑፋት፡ መንፈሳውያን ፍጡራት ኣብ ምድሪ ኸም ዚቕበሩ ኣይሕብርን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ን1,000 ዓመት ኣብ መዓሙቝ ኪእሰሩ እዮም፣ ድሕሪኡ ኸኣ ናብቲ ንናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ዜመልክት ምሳልያዊ ቐላይ ሓዊ ኺድርበዩ እዮም። (ሉቃ. 8:31፣ ራእ. 20:1-3, 10) እምበኣር፡ ጎግ ኣብ ምድሪ “መቓብር” ከም ዚውሃቦ ተገሊጹ ስለ ዘሎ፡ መንፈሳዊ ፍጡር ከም ዘይኰነ ኽንድምድም ንኽእል ኢና።

7, 8. “ንጉስ ሰሜን” ናብ መወዳእታኡ ዚመጽእ መዓስ እዩ፧ እቲ መወዳእታኡኸ ምስቲ ንጎግ ብዓል ማጎግ ዜጋጥሞ ነገር ዚመሳሰልከ ብኸመይ እዩ፧

7 እቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኣምለኽቲ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ዚፍኑ ጎግ መንፈሳዊ ፍጡር እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ መን ወይ እንታይ እዩ፧ መንነት ወይ እንታይነት ጎግ ብዓል ማጎግ ከነለሊ ዜኽእለና ኽልተ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንመርምር።

8 “ንጉስ ሰሜን።” (ዳንኤል 11:40-45 ኣንብብ።) ዳንኤል ካብ ግዜኡ ኣትሒዞም ክሳዕ እዚ ግዜና ብዛዕባ ዚተኻኽኡ ሓይልታት ዓለም ተነብዩ ኣሎ። ኣብቲ ትንቢቱ ኸኣ “ንጉስ ሰሜን”ን “ንጉስ ደቡብ”ን ዚብሃሉ ንሓድሕዶም ዚቀናቐኑን ዚጻልኡን ፖለቲካውያን ጠቒሱ ኣሎ፣ ኣህዛብ ምድሪ ንነዊሕ ዘመናት ጸብለልትነት ንምርካብ ኣብ ዝገበርዎ ቓልሲ ድማ፡ መንነት ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ተቐያዪሩ እዩ። ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ንጉስ ሰሜን “ብግዜ መወዳእታ” ዚገብሮ ናይ መወዳእታ ወፈራ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኬጽንትን ንብዙሓት ኬጥፍእን ድማ ብዓብዪ ነድሪ ኺወጽእ እዩ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። ቀንዲ ዕላማ መጥቃዕቲ ንጉስ ሰሜን ከኣ፡ ኣምለኽቲ የሆዋ እዮም ዚዀኑ። * ኰይኑ ግና፡ ከምቲ ጎግ ብዓል ማጎግ ዝጠፍአ፡ ንጉስ ሰሜን እውን እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚፍንዎ መጥቃዕቱ ድሕሪ ምፍሻሉ “ናብ መወዳእታኡ” ኺመጽእ እዩ።

9. መወዳእታ እቲ ጎግ ብዓል ማጎግ ምስ መወዳእታ እቶም “ነገስታት ብዘላ ዓለም” ብኸመይ ይመሳሰል፧

9 “ነገስታት ብዘላ ዓለም።” (ራእይ 16:14, 16፣ 17:14፣ 19:19, 20 ኣንብብ።) “ነገስታት ምድሪ” ኣብ ልዕሊ እቲ “ንጉሰ ነገስት” ዝዀነ ኣብ ሰማያት ዚነብር የሱስ መጥቃዕቲ ኸም ዚፍንዉ፡ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተገሊጹ ኣሎ። እቶም ዓለወኛታት ናብ ሰማያት ኪበጽሑ ስለ ዘይክእሉ ግና፡ ነቶም ምድራውያን ደገፍቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዮም ዜጥቅዕዎም። ድሕሪኡ፡ እቶም ነገስታት ምድሪ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ይስዓሩ እዮም። ግናኸ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዎም ናብ መወዳእታኦም ከም ዚኸዱ ነስተብህል። እዚ ድማ ምስቲ ብዛዕባ ጎግ ብዓል ማጎግ እተባህለ ነገር ይመሳሰል እዩ። *

10. ብዛዕባ መንነት ጎግ ብዓል ማጎግ እንታይ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል፧

10 ነዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዛዕባ መንነት ጎግ እንታይ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል፧ ቀዳማይ፡ ጎግ መንፈሳዊ ፍጡር ኣይኰነን። ካልኣይ፡ ጎግ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ንዚፍንዉ ኣህዛብ ምድሪ የመልክት። እቶም ኣህዛብ ኪሰምሩ ወይ ኪሓብሩ እዮም። ስለምንታይ፧ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ስለ ዚርከቡ፡ ኬጥቅዕዎም ኢሎም ብዕላማን ብተግባርን ሓደ ኪዀኑ እዮም። (ማቴ. 24:9) ይኹን እምበር፡ ነዚ መጥቃዕቲ እዚ ዚውጥኖን ዚውድቦን ሰይጣን ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። ካብ ቀደም ኣትሒዙ፡ ኣህዛብ ዓለም ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺጻረሩ ጽልዋ ኼሕድረሎም ጸኒሑ እዩ። (1 ዮሃ. 5:19፣ ራእ. 12:17) እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ጎግ ብዓል ማጎግ እተዛረቦ ትንቢታዊ ቓላት ግና፡ ኣብቲ እቶም ንህዝቢ የሆዋ ዜጥቅዑ ኣህዛብ ምድሪ ዚህልዎም ግደ እዩ ዜተኵር። *

እታ “ምድሪ” እንታይ እያ፧

11. ትንቢት ህዝቅኤል ነታ ጎግ ዚወርራ “ምድሪ” ብኸመይ ገሊጽዋ ኣሎ፧

11 ኣብ  ሕጡብ ጽሑፍ 3 ኸም ዝረኣናዮ፡ ጎግ ብዓል ማጎግ ነታ የሆዋ ኣኽቢሩ ዚርእያ ምድሪ ምስ ወረራ እዩ ዓብዪ ነድሪ የሆዋ ተባሪዑ። እታ ምድሪ ግና እንታይ እያ፧ ናብ ትንቢት ህዝቅኤል እስከ ንመለስ። (ህዝቅኤል 38:8-12 ኣንብብ።) ኣብቲ ትንቢት ንጎግ፡ “ነታ ህዝባ . . . እተመልስዋ፡ ነታ ኻብ ብዙሕ ህዝብታት . . . እተኣከቡላ ምድሪ ኽትወርር ኢኻ” ተባሂሉ ተዘሪብዎ ኣሎ። ብዛዕባ እቶም ኣብታ ምድሪ ዚቕመጡ እተመልሱ ኣምለኽቲ እንታይ ከም እተባህለ እውን ነስተብህል፦ “ብደሓን እዮም ዚነብሩ”፣ ሰፈራቶም “መካበብያን ተገዳማትን መዓጹን [የብሉን]”፣ “ሃብቲ . . . ዜዋህልል” ህዝቢ ድማ እዮም። እምበኣር፡ እቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዉ ንጹሃት ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ኣብዛ ኸምዚኣ ዓይነት ምድሪ ኸም ዚነብሩ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። እሞ ደኣ እታ ምድሪ ንምንታይ ከም እተመልክት ከመይ ጌርና ኽንፈልጥ ንኽእል፧

12. ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ምድሪ እስራኤል እንታይ ምምላስ እዩ ዀይኑ፧

12 ነቲ ናብ ጥንታዊት እስራኤል እተገብረ ምምላስ እስከ ንመርምሮ። ጥንታዊት እስራኤል፡ እቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ንዘመናት ዝነበሩላን ዝዓየዩላን ዘምለኹላን ምድሪ እያ ነይራ። እስራኤላውያን ጠላማት ምስ ኰኑ፡ የሆዋ ብህዝቅኤል ገይሩ ምድሮም ከም እትዓኑን ከም እትባድምን ተነብዩ እዩ። (ህዝ. 33:27-29) ግናኸ፡ እቶም ዚንስሑ ተረፍ ጸኒሖም ካብ ምርኮ ባቢሎን ከም ዚምለሱን ናብታ ምድሪ ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚመልሱን እውን ተነብዩ እዩ። ብበረኸቱ ድማ ምድሪ እስራኤል ከም እትቕየርን “ከም ገነት ኤደን” ከም እትኸውንን ሓቢሩ ነይሩ እዩ። (ህዝ. 36:34-36) እቲ ምምላስ እቲ ብ537 ቅ.ክ. ምሩኻት ኣይሁድ ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብታ ዚፈትውዋ ዓዶም ምስ ኣቘሙ እዩ ዀይኑ።

13, 14. (ሀ) እታ መንፈሳዊት ምድሪ ንምንታይ ተመልክት፧ (ለ) የሆዋ ነታ ምድሪ ኣኽቢሩ ዚርእያ ስለምንታይ እዩ፧

13 ኣብዚ ግዜና እውን፡ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቀደሙ ተመሊሱ እዩ። ኣብ ምዕራፍ 9 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብ1919 ካብቲ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሑሉ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ዀይኖም እዮም። በታ ዓመት እቲኣ፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ናብ መንፈሳዊት ምድሪ መሊስዎም እዩ። እታ ምድሪ ኸኣ መንፈሳዊት ገነት እያ፣ እዚ ድማ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ እነምልኸሉ ሰላም ዝሰፈኖን መንፈሳዊ ብልጽግና ዘለዎን ኵነታት ወይ ንጥፈታትና እነካይደሉ ሃዋህው የመልክት። ኣብታ ምድሪ እቲኣ፡ ናይ ኣእምሮን ልብን ሰላም ረኺብና ብደሓን ንነብር ኢና። (ምሳ. 1:33) ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ይውሃበና እዩ፣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምእዋጅ ከኣ ብዙሕ ዜዕግብ ዕዮ ኣሎና። እወ፡ ንሓቅነት እቲ ኣብ ምሳሌ ዚርከብ፡ “በረኸት የሆዋ የሀብትም፣ ስቓይ እውን ኣይውስኸሉን” ዚብል ቃላት ኣብ ህይወትና ንርእዮ ኣለና። (ምሳ. 10:22) ኣብ ዓለምና ኣብ ዝነበርና ንንበር፡ ንንጹህ ኣምልኾ ብቓልን ብግብርን ኣዘውቲርና ኽሳዕ ዝደገፍና፡ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ወይ ኣብቲ መንፈሳዊ ገነት እቲ ኢና ዘለና።

14 የሆዋ ነታ መንፈሳዊት ምድሪ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእያ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ እቶም ነበርታ፡ ናብ ንጹህ ኣምልኾ ዝሰሓቦም “ናይ ኵሎም ኣህዛብ ክቡር ነገራት” እዮም። (ሃጌ 2:7፣ ዮሃ. 6:44) ንሳቶም ድማ ነቲ ብሉጽ ባህርያት ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ሓድሽ ስብእና ንምልባስ ብዙሕ ይጽዕሩ ኣለዉ። (ኤፌ. 4:23, 24፣ 5:1, 2) ንጹሃት ኣምለኽቲ ብምዃኖም ከኣ፡ ንዕኡ ብዜኽብሮን ፍቕሮም ብዜርእዩሉን መገዲ ንኣገልግሎቱ ምሉእ ብምሉእ ገዛእ ርእሶም ወፍዮም ኣለዉ። (ሮሜ 12:1, 2፣ 1 ዮሃ. 5:3) የሆዋ ንኣምለኽቱ፡ ነታ መንፈሳዊት ገነት ንምጽባቕ ብዙሕ ኪጽዕሩ ኺርእዮም ከሎ፡ ልቡ ብሓጐስ ይምላእ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ኣብ ህይወትካ ንንጹህ ኣምልኾ ቐዳምነት ብምሃብ፡ ንመንፈሳዊ ገነት ተጸብቕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንልቢ የሆዋ እውን ተሐጕሶ ኢኻ ዘለኻ!—ምሳ. 27:11

ኣብ ዝነበርና ንንበር፡ ንንጹህ ኣምልኾ ብቓልን ብግብርን ኣዘውቲርና ኽሳዕ ዝደገፍና፡ ኣብታ መንፈሳዊት ምድሪ ኢና ዘለና (ሕጡብ ጽሑፍ 13, 14 ርአ)

ጎግ ነታ ምድሪ መዓስን ስለምንታይን ብኸመይን እዩ ዚወርራ፧

15, 16. ጎግ ብዓል ማጎግ ነታ ናብ ቀደማ እተመልሰት መንፈሳዊት ምድሪ ዚወርራ መዓስ እዩ፧

15 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣህዛብ ምድሪ ብሓደ ሰሚሮም ነታ ኽብርቲ መንፈሳዊት ምድርና ኺወርርዋ እዮም። እዚ ብትንቢት እተነግረሉ መጥቃዕቲ ንዓና ንጹሃት ኣምለኽቲ የሆዋ ንዘበልና ስለ ዚጸልወና፡ ብዛዕባኡ ተወሳኺ ፍልጠት ክንረክብ ንደሊ ኢና። እምበኣር፡ ምስዚ ተኣሳሲሩ ዚልዓል ሰለስተ ሕቶ እስከ ንመርምር።

16 ጎግ ብዓል ማጎግ ነታ ናብ ቀደማ እተመልሰት መንፈሳዊት ገነት ዚወርራ መዓስ እዩ፧ እቲ ትንቢት፡ “ኣብተን ዳሕሮት ዓመታት ነታ . . . ምድሪ ኽትወርር ኢኻ” ኢሉ ይምልሰልና እዩ። (ህዝ. 38:8) እዚ ኸኣ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ምዃኑ ይሕብር። ብርቱዕ ጸበባ ብጥፍኣት እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ከም ዚጅምር ንዝክሮ ኢና። እተን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ድሕሪ ምጥፋአን፡ ኣርማጌዶን ከኣ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ጎግ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብዅሉ ሓይሉ መጥቃዕቲ ኺፍኑ እዩ።

17, 18. የሆዋ ነቲ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚኸውን ነገራት ብኸመይ ኪመርሖ እዩ፧

17 ጎግ ነታ ናብ ቀደማ እተመልሰት ንጹሃት ኣምለኽቲ የሆዋ ዚነብሩላ ምድሪ ዚወርራ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል ክልተ ረቛሒ ተጠቒሱ ኣሎ፣ እቲ ቐዳማይ፡ እታ እትመርሕ ኢድ የሆዋ ኽትከውን ከላ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ፡ እኩይ ድራኸ ጎግ እዩ።

18 እታ እትመርሕ ኢድ የሆዋ። (ህዝቅኤል 38:4, 16 ኣንብብ።) የሆዋ ንጎግ፡ “ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦታት ከእቱ፡” “ኣንጻር ምድረይ [ድማ] ከምጽኣካ እየ” ኸም ዝበሎ ነስተብህለሉ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ የሆዋ ንኣህዛብ ኣገዲዱ፡ ንኣምለኽቱ ኸም ዜጥቅዑ ኺገብሮም እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን! የሆዋ ኣብ ህዝቡ እከይ ከም ዚወርድ ኣይገብርን እዩ። (እዮ. 34:12) ግናኸ፡ ንጸላእቱ ይፈልጦም እዩ፣ ንንጹሃት ኣምለኽቲ ኸም ዚጸልእዎምን ንምድምሳሶም ዚረኽብዎ ኣጋጣሚ ኸኣ ኬምልጦም ከም ዘይደልዩን ይፈልጥ እዩ። (1 ዮሃ. 3:13) የሆዋ ኣብ ምንጋጋ ጎግ ዓንቃሪቦታት ኣእትዩ ይመርሖ ኺብሃል ከሎ፡ ነቲ ሽዑ ዚፍጸም ነገራት ስለ ዚመርሖ፡ እቲ ፍጻመታት ከም ፍቓዱን በቲ ንሱ ዝመደቦ ግዜን ከም ዚኸውን እዩ ዜመልክት። ድሕሪ ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን፡ የሆዋ ንኣህዛብ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ልቦም ዝነበረ ነገር ከም ዚፍጽሙ ገይሩ ኼህርሮም እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንሓደ መጥቃዕቲ ዜጣጥሕ መድረኽ ኬዳሉ እዩ፣ እቲ መጥቃዕቲ ድማ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዚግበር ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውግእ ኣርማጌዶን ኪመርሕ እዩ። ድሕሪኡ፡ ንህዝቡ ኼድሕኖምን ልዑላውነቱ ኼዕብን ንቕዱስ ስሙ ኪቕድስን እዩ።—ህዝ. 38:23

ኣህዛብ ንንጹህ ኣምልኾን ነቶም ዜስፋሕፍሕዎን ጽልኢ ስለ ዘለዎም፡ ንንጹህ ኣምልኾ ኺዘምትዎ ኺፍትኑ እዮም

19. ጎግ ብምንታይ ተደሪኹ እዩ ንንጹህ ኣምልኾ ኺዘምት ዚፍትን፧

19 እኩይ ድራኸ ጎግ። እቶም ኣህዛብ ‘እኩይ ውጥን ኪምህዙ’ እዮም። ኣምለኽቲ የሆዋ “መካበብያን ተገዳማትን መዓጹን [ኣብ] ዘይብለን ሰፈራት ዚነብሩ” ብምዃኖም፡ ማለት ተነቀፍቲ ዚመስሉ ብምዃኖም፡ እቶም ኣህዛብ ነቲ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበሮም ነድርን ጽልእን ኬውጽእዎ እዮም። ካብቶም ‘ሃብቲ ዜዋህልሉ’ ህዝቢ ኸኣ “ብዙሕ ምርኮን ዘመተን ንምውሳድ” ኪህንጠዩ እዮም። (ህዝ. 38:10-12) እዚ “ሃብቲ” ተባሂሉ ዘሎኸ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ ህዝቢ የሆዋ ብዙሕ መንፈሳዊ ሃብቲ ኣለዎም፣ እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኽቡር ዝዀነ ሃብትና ኸኣ፡ ንየሆዋ በይኑ ጥራይ እንህቦ ንጹህ ኣምልኾ እዩ። እቶም ኣህዛብ ድማ ንንጹህ ኣምልኾ ኣኽቢሮም ስለ ዚርእይዎ ዘይኰነስ፡ ንዕኡን ነቶም ዜስፋሕፍሕዎን ጽልኢ ስለ ዘለዎም፡ ንንጹህ ኣምልኾ ኺዘምትዎ ኺፍትኑ እዮም።

ጎግ ንንጹህ ኣምልኾ ኺድምስስ ኢሉ፡ ዘይዕወት “እኩይ ውጥን” ኪምህዝ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)

20. ጎግ ነታ መንፈሳዊት ምድሪ ወይ ገነት ዚወርራ ብኸመይ እዩ፧

20 ጎግ ነታ መንፈሳዊት ምድሪ ወይ ገነት ዚወርራ ብኸመይ እዩ፧ እቶም ኣህዛብ ንናብራ ህይወትና ኼበላሽዉ፡ ኣምልኾና ኸይንፍጽም ድማ ኪዓግቱና ይፍትኑ ይዀኑ። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ንዋሕዚ መንፈሳዊ ምግብና ዕንቅፋት ንምፍጣር፡ ብሓንሳእ ከይንእከብ ንምዕጋት፡ ሓድነትና ንምብትታን፡ መልእኽቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ከይንሰብኽ ድማ ደው ንምባል ኪፍትኑ እዮም። እዚ እተጠቕሰ ዅሉ፡ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ዚርከብ ንጥፈታት እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቶም ኣህዛብ ብሰይጣን እናተደረኹ ንናይ ሓቂ ኣምለኽትን ንንጹህ ኣምልኾን ካብ ምድሪ ንምጽናት ጻዕሪ ኺገብሩ እዮም።

21. የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ መጠንቀቕታ ምሃቡ፡ ብዙሕ እነመስግኖ ስለምንታይ ኢና፧

21 እቲ ዚመጽእ መጥቃዕቲ ጎግ ብዓል ማጎግ ንዅሎም እቶም ኣብታ ኣምላኽ ዝሃቦም መንፈሳዊት ምድሪ ዚነብሩ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኺጸሉ እዩ። የሆዋ ብዛዕባ እዚ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ስለ ዝሃበና፡ ብዙሕ ከነመስግኖ ኣሎና! ነቲ ብርቱዕ ጸበባ እናተጸበና ግና፡ ንንጹህ ኣምልኾ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ብምሃብ ንደግፎ! ከምኡ ምስ እንገብር፡ ሕጂ ንጽባቐ እታ ናብ ቀደማ እተመልሰት ምድሪ እጃምና ኸነበርክት ኢና። ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ፡ ብሓቂ መስተንክር ዝዀነ ነገር ብዓይንና ኽንርኢ ኢና፣ እወ፡ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ከም ዚግለጽ፡ የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ምእንቲ ህዝቡን ምእንቲ እቲ ቕዱስ ስሙን ኪቐውም ከሎ ኽንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 3 ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ እቲ ዓብዪ ነድሪ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጎግ ብዓል ማጎግ ብኸመይን መዓስን ከም ዚባራዕ፡ እዚ ኸኣ ንንጹሃት ኣምለኽቲ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ኽንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2015 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 29-30 ዝወጸት፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።

^ ሕ.ጽ. 8 ዳንኤል 11:45፡ ንጉስ ሰሜን ንህዝቢ ኣምላኽ ዕላማ መጥቃዕቱ ኸም ዚገብሮም ትሕብር እያ፣ ከመይሲ፡ ብዛዕባ እዚ ንጉስ እዚ፡ “ንጉሳዊ ድንኳናቱ ኸኣ ኣብ መንጎ እቲ ዓብዪ ባሕርን [ባሕሪ መዲተራነያን] እቲ ቕዱስ ከረን ጌጽን [ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዝቘመትሉን ህዝቢ ኣምላኽ ዜምልኹሉን ዝነበሩ ቦታ] ኪተክል እዩ” ትብል እያ።

^ ሕ.ጽ. 9 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዚ ግዜና ንህዝቢ ኣምላኽ ኪድምስሶም ኢሉ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ዚፍኑ “ኣሶራዊ” እውን ይገልጽ እዩ። (ሚክ. 5:5) እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ከም ዚፍኖ ብትንቢት እተነግረሉ ኣርባዕተ መጥቃዕቲ፡—ማለት እቲ ብጎግ ብዓል ማጎግ ዚፍኖ፡ እቲ ብንጉስ ሰሜን ዚፍኖ፡ እቲ ብነገስታት ምድሪ ዚፍኖ፡ እቲ ብኣሶራዊ ዚፍኖ፡—እተፈላለየ ስም እተዋህቦ በበይኑ መዳያት ናይ ሓደ መጥቃዕቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 10 ብዛዕባ መንነት እቲ ኣብ ራእይ 20:7-9 ተጠቒሱ ዘሎ “ጎግን ማጎግን” ዚገልጽ ሓሳባት ንምርካብ፡ ኣብ ምዕራፍ 22 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።