ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 18

“ዓብዪ ነድረይ ኪባራዕ እዩ”

“ዓብዪ ነድረይ ኪባራዕ እዩ”

ህዝቅኤል 38:18

ኣትኵሮ፦ መጥቃዕቲ ጎግ ንየሆዋ የቘጥዖ፣ የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ይከላኸለሎም

1-3. (ሀ) እቲ “ዓብዪ ነድሪ” የሆዋ ኣብ ምንታይ እዩ ዚባራዕ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ሕጂ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ብሓባር ደው ኢሎም፡ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ዘመሩ። ድሕሪኡ፡ ሓደ ሽማግለ ልባዊ ጸሎት ኣቕረበ፣ ንየሆዋ ኸኣ ዕቝባኡ ኺገብረሎም ለመኖ። ኵሎም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ፡ የሆዋ ኸም ዚከናኸኖም ርግጸኛታት እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብኡ ግና መጸናንዕን መበራትዕን ይደልዩ እዮም። ኣብ ደገ፡ ደሃይ ውግእ ይስማዕ ኣሎ። ኣርማጌዶን ጀሚሩ እዩ!—ራእ. 16:14, 16

2 ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን፡ የሆዋ ብዘይ ስምዒት ኣይኰነን ንሰባት ኬጥፍእ፣ የግዳስ፡ ብ“ዓብዪ ነድሪ” ተላዒሉ እዩ ኼጥፍኦም። (ህዝቅኤል 38:18 ኣንብብ።) ነቲ ብርቱዕ ቝጥዓኡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰራዊት ወይ ኣብ ልዕሊ ሓደ ህዝቢ ኣይኰነን ኪኽዕዎ፣ የግዳስ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚነበሩ ቘጺርካ ዘይውድኡ ውልቀ ሰባት እዩ ኪኽዕዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቶም ብየሆዋ እተቐትሉ፡ “ካብ ሓደ ወሰን ምድሪ ኽሳብ እቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ኪዀኑ እዮም።”—ኤር. 25:29, 33

3 እሞ ደኣ እቲ “መሓርን ርሕሩሕን” “ንቝጥዓ ደንጓዪ” ተባሂሉ እተገልጸ ኣምላኽ ፍቕሪ ዝዀነ የሆዋ ስለምንታይ እዩ ብ“ዓብዪ ነድሪ” ስጕምቲ ዚወስድ፧ (ዘጸ. 34:6፣ 1 ዮሃ. 4:16) መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ምፍላጥና፡ ከመይ ገይሩ ኣብዚ ግዜና ዓብዪ ምጽንናዕ ከም ዝዀነና፡ ትብዓት ከም ዚውስኸልና፡ ኣብ ዕዮ ስብከትና ኽንተግህ እውን ከም ዚድርኸና እስከ ንርአ።

ነቲ “ዓብዪ ነድሪ” የሆዋ ዜባርዖ እንታይ እዩ፧

4, 5. ቍጥዓ ኣምላኽ ካብ ቍጥዓ ዘይፍጹማት ሰባት ብኸመይ ይፍለ፧

4 ብቐዳምነት፡ ቍጥዓ የሆዋ ኸም ቍጥዓ ዘይፍጹማት ሰባት ዘይምዃኑ ኸነለሊ ኣሎና። ቍጥዓ ሰብ ገንፊሉ ናብ ነድርን ስጕምቲ ናብ ምውሳድን ምስ ተቐየረ፡ እቲ ስዒቡ ዚመጽእ ነገር መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ቍጽጽር ወጻእን ኽፉእን እዩ ዚኸውን። ንኣብነት፡ የሆዋ ንመስዋእቲ ኣቤል ብሞገስ ስለ ዝረኣዮ፡ እቲ በዅሪ ወዲ ኣዳም ዝዀነ ቃየል “ኣዝዩ ተቘጥዐ።” ድሕሪኡኸ እንታይ ገበረ፧ ቃየል ነቲ ጻድቕ ሓዉ ቐተሎ። (ዘፍ. 4:3-8፣ እብ. 11:4) ብዛዕባ እቲ ኸም ልቢ የሆዋ ዝዀነ ሰብኣይ ተባሂሉ እተገልጸ ዳዊት እውን ንሕሰብ። (ግብ. 13:22) እዚ ሕያዋይ ሰብኣይ እዚ እውን እንተ ዀነ፡ እቲ ናባል ዚብሃል ሃብታም ብዓል መሬት ንዕኡን ንሰቡን እተጻረፎ ጸርፊ ምስ ሰምዐ፡ ዜስካሕክሕ ገበን ካብ ምፍጻም ንስክላ እዩ ኣምሊጡ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዳዊትን ሰቡን ብነድሪ ተለዓዒሎም “ሰሰይፎም ተዓጥቁ።” ነቲ ዘየመስግን ናባል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ቤቱ ዚርከብ ተባዕታይ እዮም ኪቐትሉ ሓሲቦም ነይሮም። ኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ግና ንዳዊትን ንሰቡን ሕነ ኸይፈድዩ ኣእመነቶም። (1 ሳሙ. 25:9-14, 32, 33) ስለዚ ኸኣ እዩ የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ንያእቆብ፡ “ቍጥዓ ሰብ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ” ኢሉ ኺጽሕፍ ዝደረኾ።—ያእ. 1:20

የሆዋ ወትሩ ንቝጥዓኡ ይቈጻጸሮ እዩ፣ ብምንታይ ከም ዚቝጣዕ እውን ንጹር እዩ

5 ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ቝጥዓኡ ኺቈጻጸር ዘይክእል እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ግና ወትሩ ንቝጥዓኡ ይቈጻጸሮ እዩ፣ ብምንታይ ከም ዚቝጣዕ እውን ንጹር እዩ። ብዓብዪ ነድሪ ኣብ ዚልዓለሉ እዋን እኳ እንተ ዀነ፡ ወትሩ ጽድቂ ወይ ቅኑዕ እዩ ዚገብር። ምስ ጸላኢ ኺዋጋእ ከሎ ድማ፡ ‘ንጻድቕ ምስ እኩይ’ ከቶ ኣይኵስትሮን እዩ። (ዘፍ. 18:22-25) ብተወሳኺ ኸኣ፡ ቍጥዓ የሆዋ ብቕኑዕ ምኽንያታት ጥራይ እዩ ዚውላዕ። ክልተ ምኽንያትን ካብኡ እንረኽቦ ትምህርትን እስከ ንርአ።

6. የሆዋ ስሙ ኺረክስ ከሎ ኸመይ እዩ ዚስምዖ፧

6 ምኽንያት፦ ስም የሆዋ ምስ ዚረክስ። እቶም ንየሆዋ ‘ንውክሎ ኢና’ እናበሉ ብእከይ ዚመላለሱ ንስሙ ስለ ዜጸልምዎ፡ የቘጥዕዎ እዮም። (ህዝ. 36:23) ኣብ ዝሓለፋ ምዕራፋት እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ስም የሆዋ ብዙሕ ጸርፊ ኣምጺኦም እዮም። ኣመለኻኽታኦምን ተግባሮምን ከኣ ንየሆዋ ኣቘጢዕዎ እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንቝጥዓኡ ይቈጻጸሮ እዩ፣ ስለዚ፡ ንህዝቡ ብልክዕ ደኣ እዩ ቐጺዕዎም እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦም ንላዕሊ ኣይቀጽዖምን። (ኤር. 30:11) የሆዋ እቲ ግቡእ ቍጥዓኡ ምስ ኣውጽአ ኸኣ፡ ሃዲኡ እዩ፡ ድሕሪኡ እውን ቂም ኣይሓዘን።—መዝ. 103:9

7, 8. ካብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ትምህርትታት ንረክብ፧

7 ትምህርትታት፦ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሓዘሉ መገዲ፡ ንዓና እውን ሓያል መጠንቀቕታ ይዀነና እዩ። ከም ጥንታውያን እስራኤላውያን፡ ብስም የሆዋ ናይ ምጽዋዕ ፍሉይ መሰል ኣሎና። እወ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና። (ኢሳ. 43:10) ኣመለኻኽታናን ተግባርናን ንስም እቲ እንውክሎ ኣምላኽ ብቐጥታ ይጸልዎ እዩ። ብንቕጽና ጌጋ ኽንገብር፡ ኣብ ስም የሆዋ ድማ ጸርፊ ኸነምጽእ ከቶ ኣይንደልን ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ግብዝና ብርግጽ ንየሆዋ ኬቘጥዖ እዩ፣ ንሱ ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ንስሙ ንምሕላው ብርግጽ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ።—እብ. 3:13, 15፣ 2 ጴጥ. 2:1, 2

8 “ዓብዪ ነድሪ” የሆዋ ኺባራዕ ከም ዚኽእል ምፍላጥና፡ ከም ዘይንቐርቦ ኺገብረናዶ ይግባእ፧ ኣይፋልን። የሆዋ ዓቃልን ይቕረ በሃልን ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ኢሳ. 55:7፣ ሮሜ 2:4) በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ በቝባቝ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ጠሪሱ ዘይግስጽ ኣይኰነን። ቍጥዓኡ ኣብቶም ብሓጢኣቶም ዚተርሩ ሰባት ከም ዚባራዕን ንዓታቶም ምስ ህዝቡ ኪቕጽሉ ኸም ዘይፈቕደሎምን ምፍላጥና ድማ፡ ጥዑይ ኣኽብሮት ከነሕድር ይድርኸና እዩ። (1 ቈረ. 5:11-13) የሆዋ እንታይ ከም ዜቘጥዖ፡ ብንጹር ነጊሩና እዩ። እምበኣር፡ ካብ ዜቘጥዖ ኣመለኻኽታን ተግባርን ምርሓቕ፡ ናትና ሓላፍነት እዩ።—ዮሃ. 3:36፣ ሮሜ 1:26-32፣ ያእ. 4:8

9, 10. ንእሙናት ህዝቢ ኣምላኽ ዜስግእ ኵነታት እንተ ተፈጢሩ፡ የሆዋ እንታይ ምላሽ እዩ ዚህብ፧ ኣብነት ሃብ።

9 ምኽንያት፦ ንእሙናት ህዝቢ የሆዋ ዜስግእ ኵነታት ምስ ዚፍጠር። ጸላእቲ ነቶም ኣብ ትሕቲ ዕቝባ የሆዋ ዘለዉ ምስ ዜጥቅዕዎም፡ ቍጥዓ የሆዋ ይባራዕ እዩ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ፈርኦንን ሓያል ሰራዊቱን ነቶም ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ረዳኢ ኣልቦ ዚመስሉ ዝነበሩ ህዝቢ ስዒቦምዎም እዮም። እቶም ሰራዊት ደድሕሪ እስራኤላውያን ናብቲ እተመቕለ ባሕሪ ምስ ኣተዉ ግና፡ የሆዋ መንኰራዅር ሰረገላታቶም ኣምለቘ፡ ንግብጻውያን ከኣ ናብ ባሕሪ ደርበዮም። “ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።” (ዘጸ. 14:25-28) የሆዋ ንህዝቡ ‘ብተኣማንነት ስለ ዜፍቅሮ፡’ ቍጥዓኡ ኣብ ልዕሊ ግብጻውያን ተባሪዑ እዩ።—ዘጸኣት 15:9-13 ኣንብብ።

ከምቲ ብግዜ ህዝቅያስ፡ መልኣኽ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ኣሶራውያን ዘዕቈቦም፡ ንዓና እውን መላእኽቲ ኼዕቍቡና እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 10, 23 ርአ)

10 ብዘመን ንጉስ ህዝቅያስ እውን፡ የሆዋ በቲ ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ ተደሪኹ ስጕምቲ ወሲዱ እዩ። እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ሓያልን ጨካንን ሰራዊት ዝነበሮም ኣሶራውያን፡ ናብ የሩሳሌም ገጾም መረሹ። ነቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ድማ ኣብ ትሕቲ ኸበባ ኼእትውዎም እሞ ቀስ ኢሎም ብሕማቕ ኣማውታ ኸም ዚሞቱ ኺገብርዎም ብምሕሳቦም ዜስግእ ኵነታት ተፈጥረ። (2 ነገ. 18:27) ከም ምላሹ ድማ፡ የሆዋ ሓደ መልኣኽ ጥራይ ሰደደ፣ እቲ መልኣኽ ከኣ ኣብ ሓንቲ ለይቲ 185,000 ወተሃደራት ጸላኢ ቐተለ! (2 ነገ. 19:34, 35) ንጽብሒቱ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ዚህሉ ዅነታት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ኵናውትን ዋላቱን ኣስያፍን ፈቐዶኡ እዩ ነይሩ። ነቶም ሰባት ንምብርባር እተነፍሐ መለኸት ኣይነበረን። ነቶም ሰራዊት ኪስለፉ እተዋህበ ትእዛዝ ኣይነበረን። ኣብቲ ሬሳታት ዛሕ ዝበሉሉ ድንኳናትን ሰፈርን ዜፍርህ ጸጥታ እዩ ሰፊኑ ነይሩ።

11. ካብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ የሆዋ ንህዝቡ ዜስግእ ኵነታት ኣብ እተፈጥረሉ እዋን ዝወሰዶ ስጕምቲ እንታይ መጸናንዕን ትብዓትን ንረክብ፧

11 ትምህርትታት፦ የሆዋ ንህዝቡ ዜስግእ ኵነታት ኣብ እተፈጥረሉ እዋን ብዛዕባ ዝወሰዶ ስጕምቲ ዚግለጽ ዛንታታት፡ ንጸላእትና ሓያል መጠንቀቕታ ይህቦም እዩ፦ ቍጥዓ ኣምላኽ ምስ ተባርዐ፡ “ኣብ ኢድ እቲ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ፡ ዜፍርህ እዩ።” (እብ. 10:31) ንሕና ኸኣ ካብዚ ኣብነታት እዚ መጸናንዕን ትብዓትን ንረክብ ኢና። ጸላኢና ሰይጣን ከም ዘይዕወት ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ እቲ ንምግዛእ ተሪፍዎ ዘሎ “ሓጺር እዋን” ኬብቅዕ እዩ! (ራእ. 12:12) ክሳዕ ሽዑ ኸኣ፡ ሰብ ኰነ፡ ውድብ ኰነ፡ ወይ መንግስቲ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ምግባር ኪዓግተና ኸም ዘይክእል ብምትእምማን፡ ንየሆዋ ብትብዓት ከነገልግሎ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 118:6-9 ኣንብብ።) ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ዘሎና ምትእምማን፡ “ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧” ብዚብል ቃላት ገሊጽዎ ኣሎ።—ሮሜ 8:31

12. ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ነድሪ የሆዋ ዚባራዕ ስለምንታይ እዩ፧

12 የሆዋ ኸምቲ ብግብጻውያን ኣብ መቐራቕሮ ንዝኣተዉ እስራኤላውያንን ከምቲ ብኣሶራውያን ንእተኸብቡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድን ዝገበሮ፡ ኣብቲ ዚመጽእ ብርቱዕ ጸበባ እውን ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። ጸላእትና ኼጥፍኡና ምስ ፈተኑ፡ እቲ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ሓያል ፍቕሪ ንነድሩ ኼባርዖ እዩ። እቶም ኣብ ልዕሌና መጥቃዕቲ ንምፍናው ዚደፍሩ ዓያሹ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ መርዓት ዓይኒ የሆዋ እዮም ዚትንክዩ። ስለዚ፡ ምላሹ ቕልጡፍን ዘየማትእን ኪኸውን እዩ። (ዘካ. 2:8, 9) ስዒቡ ዚመጽእ ጃምላዊ ህልቂት፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኪኸውን እዩ። የሆዋ ቝጥዓኡ ኣብ ዚፍንወሉ እዋን ግና፡ እዚ ዘይተጸበይዎ ኪዀኖም ኣይግባእን እዩ። ስለምንታይ፧

የሆዋ እንታይ መጠንቀቕታታት ሂቡ ኣሎ፧

13. የሆዋ እንታይ መጠንቀቕታታት ሂቡ ኣሎ፧

13 የሆዋ “ንቝጥዓ ደንጓዪ” እዩ፣ ነቶም ዚጻረርዎን ነቶም ንህዝቡ ዜስግእዎምን ከም ዜጥፍኦም ከኣ እኹል መጠንቀቕታታት ሂቡ ኣሎ። (ዘጸ. 34:6, 7) የሆዋ ብኸም እኒ ነብዪ ኤርምያስ፡ ነብዪ ህዝቅኤል፡ ነብዪ ዳንኤል፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዓብዪ ናይ መወዳእታ ውግእ መጠንቀቕታታት ሂቡ እዩ።—“የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዓብዪ ውግእ ዝሃቦ መጠንቀቕታታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

14, 15. የሆዋ እንታይ ዕዮ እዩ ኸም ዚዕየ ዚገብር ዘሎ፧ ስለምንታይከ፧

14 የሆዋ ነዚ መጠንቀቕታታት እዚ ኣብ ቃሉ ኸም ዚምዝገብ ገይሩ እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣብ ታሪኽ ካብ ኵሉ ንላዕሊ እተተርጐመን እተዘርግሐን መጽሓፍ ከም ዚኸውን ገይሩ እዩ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ድማ፡ ንሰባት ምስኡ ብኸመይ ከም ዚዕረቑ ዚምህሩን ብዛዕባ እታ እትመጽእ ዘላ “ዓባይ መዓልቲ የሆዋ” ዜጠንቅቑን ብፍታዎም ዜገልግሉ ሰራዊት ኣለዓዒሉ ኣሎ። (ጸፎ. 1:14፣ መዝ. 2:10-12፣ 110:3) ንህዝቡ ብምድራኽ ከኣ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ጽሑፋት ናብ ኣማእታት ቋንቋታት ከም ዚትርጐም ገይሩ ኣሎ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ተስፋታትን መጠንቀቕታታትን ንምንጋር እውን ኣብ ዓዓመት ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸር ሰዓታት ከም ዚውፈ ገይሩ ኣሎ።

15 የሆዋ፡ እዚ ዅሉ ኸም ዚዕየ ዝገበረ፡ “ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ” እዩ። (2 ጴጥ. 3:9) ነዚ ፈቃርን ዓቃልን ኣምላኽና እንውክሎ ምዃንናን ኣብ ምዝርጋሕ መልእኽቱ ንእሽቶ እጃም ምብርካትናንሲ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ! ድሕሪ ሓጺር ግዜ ግና፡ ነቶም ነቲ መጠንቀቕታታት ዘየቕልቡሉ ሰባት ተሪፍዎም ዘሎ ግዜ ኺውዳእ እዩ።

ቍጥዓ የሆዋ መዓስ እዩ ‘ዚባራዕ’፧

16, 17. የሆዋ ነቲ ናይ መወዳእታ ውግእ መዓልቲ ወሲኑ ድዩ፧ ግለጽ።

16 የሆዋ ነቲ ናይ መወዳእታ ውግእ፡ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ። ኣብ ህዝቡ መዓስ መጥቃዕቲ ኸም ዚፍኖ ኣቐዲሙ ይፈልጦ እዩ። (ማቴ. 24:36) ግናኸ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ጸላእቱ መዓስ ከም ዜጥቅዑ ዚፈልጥ፧

17 ኣብ ዝሓለፈት ምዕራፍ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ንጎግ፡ “ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦታት ከእቱ . . . እየ” ኢልዎ እዩ። እወ፡ ንኣህዛብ ናብ ወሳኒ ግጭት ኪመርሖም እዩ። (ህዝ. 38:4) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ የሆዋ ተንኳዪ እቲ ውግእ እዩ ማለት ኣይኰነን፣ ንናይ ምምራጽ ናጽነት ተጻባእቱ ይዕምጽጾ ማለት እውን ኣይኰነን። የግዳስ፡ የሆዋ ልቢ ኼንብብ ከም ዚኽእልን ጸላእቱ ኣብ ገሊኡ ዅነታት እንታይ ከም ዚገብሩ ዚፈልጥ ምዃኑን እዩ ዚሕብር።—መዝ. 94:11፣ ኢሳ. 46:9, 10፣ ኤር. 17:10

18. ሰባት ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪዋግኡ ዚልዓሉ ስለምንታይ እዮም፧

18 የሆዋ ነቲ ውግእ ዘይጅምሮ ወይ ንተጻረርቱ ናብቲ ውግእ ኪኣትዉ ዘየገድዶም እንተ ዀይኑ ደኣ፡ ሰባት ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪዋግኡ ዚልዓሉ ስለምንታይ እዮም፧ ሓደ ምኽንያት፡ ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ ወይ ኣምላኽ ከም ዘየልቦ፡ ወይ ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ጣልቃ ኸም ዘይኣቱ ኣሚኖም ስለ ዝጸንሑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቅድሚኡ ንዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ውድባት ካብ ምድሪ ስለ ዚድምስስወን፡ ከምኡ ኢሎም ኪሓስቡ ምኽንያት ይዀኖም ይኸውን። ‘ኣምላኽ እንተሎ፡ ነተን ንውክሎ ኢና ዚብላ ውድባቱ ምተኸላኸለለን’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ነተን ንውክሎ ኢና እናበላ ዜጸልማኦ ሃይማኖታት ኬጥፍኡ ኣብ ልቦም ሓሳብ ዘእተወ ኣምላኽ ምዃኑ ኣይኬስተውዕሉን እዮም።—ራእ. 17:16, 17

19. ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ጠፍአት፡ እንታይ ኪኸውን ይኽእል ይኸውን፧

19 ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ጠፍአት፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ብርቱዕ መልእኽቲ ኸም ዜብጽሑ ይገብሮም ይኸውን። እቲ መልእኽቲ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ምስ መዓት በረድ ተመሳሲሉ ኣሎ፣ ኣብቲ መዓት ድማ ኣስታት ዐዕስራ ኪሎ ግራም ዚምዘን በረድ እዩ ኺዘንም። (ራእ. 16:21፡ እ.ጽ.) እዚ መልእኽቲ እዚ፡ እቲ ፖለቲካውን ንግዳውን ስርዓት ኣብ ኣጋ መወዳእታኡ ኸም ዘሎ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ነቶም ሰማዕቱ ብዙሕ ስለ ዜሳቕዮም ከኣ፡ ንኣምላኽ ኪጸርፍዎ እዮም። ኣህዛብ በዚ መልእኽቲ እዚ ተለዓዒሎም እዮም ዚዀኑ ንህዝቢ ኣምላኽ ሓንሳእን ንሓዋሩን ስቕ ኬብልዎም ኢሎም ብምሉእ ሓይሎም መጥቃዕቲ ዚፍንዉ። ብቐሊሉ ኽንጠፍእ እንኽእል መከላኸሊ ኣልቦ ኸም ዝዀንና ገይሮም ኪሓስቡ እዮም። እዚ ግና ዓብዪ ጌጋ እዩ ኪኸውን!

የሆዋ ንነድሩ ኸመይ ገይሩ ኺገልጾ እዩ፧

20, 21. ጎግ መን እዩ፧ እንታይከ ኪኸውን እዩ፧

20 ኣብ ምዕራፍ 17 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ ህዝቅኤል ነቶም ንዓና ንምጥቃዕ ዚሰምሩ ኣህዛብ ንምግላጽ፡ “ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ” ዚብል ትንቢታዊ መጸውዒ ተጠቒሙ ኣሎ። (ህዝ. 38:2) እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዚሰምሩ ግና፡ ሓድነት ኣይኪህልዎምን እዩ። ሕብረት ዘለዎም ዚመስሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ መንጎኦም ውድድርን ኵርዓትን ሃገራዊ ንያትን ኪህሉ እዩ። ስለዚ ድማ፡ የሆዋ ብቐሊሉ፡ “ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ልዕሊ ሓዉ” ኸም ዚኸውን ኪገብር እዩ። (ህዝ. 38:21) ኰይኑ ግና፡ ጥፍኣት ኣህዛብ፡ ሰብ ብዜምጽኦ መዓት ኣይኰነን ኪኸውን።

21 ጸላእትና ቕድሚ ምጥፋኦም፡ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኪርእዩ እዮም፣ እዚ ኸኣ ሓይሊ የሆዋን የሱስን ዚግለጸሉ ልዕለ ባህርያዊ ትርኢት ኪኸውን ኣለዎ። እቶም ተጻረርቲ ድማ ኣመና ዜጨንቖም ነገር ኪርእዩ እዮም። ከምቲ የሱስ እተነበዮ፡ “ብፍርህን ብትጽቢት እቲ ኣብ ዓለም ዚመጽእን፡ ሰባት ውኖኦም ኪጠፍኦም እዩ።” (ሉቃ. 21:25-27) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ መጥቃዕቲ ምፍናዎም ጌጋ ምንባሩ ኺፈልጡ እዮም። እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ፡ ጐይታ ወይ ኣዛዚ ሰራዊት ምዃኑ ብግዲ ኺፈልጡ እዮም። (መዝ. 46:6-11፣ ህዝ. 38:23) የሆዋ ሰማያዊ ሰራዊትን ባህርያዊ ሓይልታትን ብምፍናው፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኼዕቍቦም፡ ንጸላእቱ ኸኣ ኼጥፍኦም እዩ።—2 ጴጥሮስ 2:9 ኣንብብ።

የሆዋ ንህዝቡ ዜስግእ ኵነታት ምስ ተፈጥረ፡ ብሰማያዊ ሰራዊት ገይሩ ቝጥዓኡ ኺፍኑ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 21 ርአ)

22, 23. መን እዮም ንህዝቢ ኣምላኽ ኬዕቍብዎም፧ ብዛዕባ ዕዮኦምከ ኸመይ ኪስምዖም እዩ፧

ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋ ምፍላጥና፡ እንታይ ክንገብር እዩ ኺድርኸና ዚግባእ፧

22 የሱስ ንጸላእቲ ኣምላኽ ንምጥፋእን ነቶም ንኣቦኡ ዜፍቅርዎን ዜገልግልዎን ንምዕቋብ ተሃንጥዩ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። እቶም ቅቡኣት እውን ከመይ ከም ዚስምዖም ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ቅድሚ ኣርማጌዶን፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ናይ መወዳእታ ቕቡኣት ናብ ሰማያዊ ህይወት ኪትንስኡ እዮም፣ በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም እቶም 144,000 ምስ የሱስ ሓቢሮም ኣብቲ ውግእ ኪሳተፉ እዮም። (ራእ. 17:12-14) ብዙሓት ካብቶም ቅቡኣት ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ምስ ኣባላት ካልኦት ኣባጊዕ ሓቢሮም ኪዓይዩ ኸለዉ፡ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኣማዕቢሎም እዮም። ናብ ሰማይ ምስ ከዱ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ፈተናኦም ብተኣማንነት ዝደገፍዎም ሰባት ንምክልኻል ስልጣንን ሓይልን ኪህልዎም እዩ።—ማቴ. 25:31-40

23 መላእኽቲ እውን ክፍሊ እቲ ሰማያዊ ሰራዊት የሱስ ኪዀኑ እዮም። (2 ተሰ. 1:7፣ ራእ. 19:14) ኣቐዲሙ የሱስ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ኬወግዶም ከሎ፡ መላእኽቲ ሓጊዞምዎ እዮም። (ራእ. 12:7-9) ነቶም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ንየሆዋ ኼምልኹ ዚደልዩ ኣብ ምእካብ እውን ይሕግዙ ኣለዉ። (ራእ. 14:6, 7) ስለዚ፡ የሆዋ ንመላእኽቱ፡ ንእሙናቱ ንምዕቋብ ዚፈቕደሎም ምዃኑ ግቡእ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ኵሎም ሰራዊት የሆዋ ንጸላእቱ ኣብ ምጥፋእ እጃሞም ብምብርካት፡ ንስም የሆዋ ምቕዳስን ካብ ጠቐነ ናጻ ምግባርን ከም ክብሪ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።—ማቴ. 6:9, 10

24. እቶም ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ህዝቢ ኸመይ ኪስምዖም እዩ፧

24 እቶም ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ህዝቢ፡ ዕቝባ እቶም ሓያላትን ሓለይትን ሰራዊት ስለ ዚረኽቡ፡ ብፍርሂ ኣይኪሽቝረሩን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ድሕነቶም ስለ ዝቐረበ፡ ቅንዕ ኪብሉ፡ ርእሶም እውን ኬልዕሉ እዮም።’ (ሉቃ. 21:28) እምበኣር፡ መዓልቲ የሆዋ ቕድሚ ምምጻኣ፡ ብእተኻለና መጠን ንብዙሓት ሰባት፡ ነቲ መሓርን መዕቈብን ዝዀነ ኣቦና ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎን ንሓግዞም!—ጸፎንያስ 2:2, 3 ኣንብብ።

ኣብ ኣርማጌዶን፡ ህዝቢ የሆዋ ኣይኪዋግኡን እዮም። እቶም መጥቃዕቲ ዚፍንዉ ጸላእቲ ንሓድሕዶም ኪዋግኡ ኸለዉ፡ መላእኽቲ ኼዕቍብዎም እዮም።—ህዝ. 38:21 (ሕጡብ ጽሑፍ 22-24 ርአ)

25. ኣብ ዚቕጽል እንታይ ክንምርምር ኢና፧

25 ድሕሪ ሰብኣዊ ውግኣት፡ ሕንፍሽፍሽን ሕሰምን እዩ ዚስዕብ። ብኣንጻሩ ግና፡ ድሕሪ ኣርማጌዶን፡ ስርዓትን ሓጐስን እዩ ኪኸውን። ነድሪ የሆዋ ምስ ተወድአ፡ ኣስያፍ ሰራዊቱ ናብ ሰገባታቱ ምስ ተመልሰ፡ መቓልሕ እቲ ናይ መወዳእታ ውግእ ድማ ምስ ሃሰሰ፡ እንታይ ኪኸውን እዩ፧ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፡ ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ መጻኢ እዚ ኽንምርምር ኢና።