ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 15

“ንምንዝርናኺ መወዳእታ ኽገብረሉ”

“ንምንዝርናኺ መወዳእታ ኽገብረሉ”

ህዝቅኤል 16:41

ኣትኵሮ፦ ካብቲ ኣብ ህዝቅኤልን ኣብ ራእይን ብዛዕባ ኣመናዝር እተዋህበ መግለጺ እንረኽቦ ትምህርቲ

1, 2. እንታይ ዓይነት ኣመንዝራ ኢና ኣጸቢቕና እንፍንፍን፧

ኣመንዝራ ምርኣይ ባህ ዜብል ነገር ኣይኰነን። ናብቲ ሕማቕ ዓይነት ህይወት እንታይ ከም ዝመርሓ ንሓስብ ንኸውን። ኣብ ገዛኣ ዘጋጠማ ዓመጻ ወይ ማህሰይቲ ደዀን ኣብ ሰዊት ዕድሚኣ ናብ ጐደና ኣውጺእዋ፧ ብሰንኪ ድኽነት ደዀን ገዛእ ርእሳ ንባርነት ክትሸይጥ ተገዲዳ፧ ወይ ካብ ሕሱም ሰብኣያ ክትሃድም ኢላ ደዀን ኣብዚ ህይወት እዚ ኣትያ፧ ኣብዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ኸምዚ ዝበለ ዜሕዝን ዛንታ ብብዝሒ ይስማዕ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሱስ ክርስቶስ ንገሊአን ኣመናዝር ፈልዩ ዝለውሃለን። ብዘይካዚ፡ የሱስ፡ እቶም ተነሲሖም ኣነባብራኦም ዚቕይሩ ዝሓሸ ህይወት ከም ዚረኽቡ ኣጕሊሑ እዩ።—ማቴ. 21:28-32፣ ሉቃ. 7:36-50

2 ሕጂ ግና ካልእ ዓይነት ኣመንዝራ እስከ ኣብ ኣእምሮና ንስኣል። ነዚ ዓይነት ህይወት እዚ ብድሌታ እያ መሪጻቶ። ከም ዜዋርድ ዘይኰነስ፡ ንሰባት ክትቈጻጸር ከም ዜኽእላ ገይራ እያ እትርእዮ። ነቲ ዜምጽኣላ ገንዘብን ጽልዋን ከኣ ትፈትዎ እያ። ብዘይካዚ ድማ፡ ጥዑይን እሙንን ሰብኣይ ነይርዋ እዩ፣ ኣመንዝራ ኽትከውን ኢላ ግና ብፍታዋ ጠሊማቶ። ንኸምዚኣ ዝበለት ሰበይትን ነቲ ዝመረጸቶ ዓይነት ህይወትን መሸም ኣጸቢቕና ንፍንፍኖ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ የሆዋ ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ኣመንዝራ ኣመሳሲልዋ ዘሎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከመይ ከም ዚስምዖ ገሊጹ ኣሎ።

3. ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ዛንታታት ኢና ኽንርኢ፧

3 ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል፡ ንጥልመት ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ብምንዝርና ጌርካ እተገልጸሉ ኽልተ ዜደንቕ ዛንታ ኣሎ። (ህዝ.፡ ምዕ. 1623ን) ኣብቲ ዛንታታት እቲ ቕድሚ ምትኳርና ግና፡ ኣብ ካልእ ምሳልያዊት ኣመንዝራ እስከ ነተኵር። ምንዝርናኣ ኻብቲ ህዝቅኤል ዝነበረሉ እዋን ነዊሕ ኣቐዲሙ፡ አረ ኻብቲ እስራኤል ዝነበረሉ እዋን እውን ኣቐዲሙ እዩ ጀሚሩ፣ ክሳዕ ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ። መንነት እዛ ኣመንዝራ እዚኣ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ዝዀነት መጽሓፍ ራእይ ተሓቢሩ ኣሎ።

“ኣደ ኣመናዝር”

4, 5. “ዓባይ ባቢሎን” ንምንታይ ተመልክት፧ እዚኸ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 ኣብቲ የሱስ ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. ንሃዋርያ ዮሃንስ ዝሃቦ ራእይ፡ ሓንቲ ብጕሉሕ እተገልጸት ሰበይቲ ኣላ። ንሳ ኸኣ “ዓባይ ኣመንዝራ፡” “ዓባይ ባቢሎን፡ ኣደ ኣመናዝር” ተባሂላ ተገሊጻ ኣላ። (ራእ. 17:1, 5) ንሓያሎ ዘመናት፡ መንነታ ንመራሕቲ ሃይማኖትን ንምሁራት መጽሓፍ ቅዱስን ምስጢር ኰይንዎም ጸኒሑ እዩ። ንባቢሎን፡ ንሮሜ፡ ወይ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሮማ ኸም እተመልክት ግምታቶም ሂቦም እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ናይ ሓቂ መንነት እዛ “ዓባይ ኣመንዝራ” ኻብ ዚርድኡ ነዊሕ ዓመታት ኣሕሊፎም ኣለዉ። ንሳ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እያ። እዚ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

5 እዛ ኣመንዝራ እዚኣ ምስ “ነገስትታት ምድሪ” ወይ ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት ብምምንዛራ ተዀኒና ኣላ። ስለዚ፡ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣይኰነትን። ብተወሳኺ ድማ፡ ዓባይ ባቢሎን ምስ ጠፍአት፡ “ነጋዶ ምድሪ” ወይ ንግዳዊ ስርዓት እዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዚሓዝኑ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ዓባይ ባቢሎን ንንግዳዊ ስርዓት ኣይተመልክትን እያ። እሞ ደኣ ንምንታይ እያ እተመልክት፧ “ብመናፍስታዊ ተግባራት”ን ብኣምልኾ ጣኦትን ብምትላልን ተሓታቲት ምዃና ተገሊጹ ኣሎ። እዝስ ነተን ኣብዛ ዓለም ዘለዋ ብልሹዋት ሃይማኖታዊ ውድባት ብንጹር ዚገልጽ ደይኰነን፧ እዛ ኣመንዝራ እዚኣ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ባእታታት እዛ ዓለም እዚኣ ኸም እተወጥሐት፡ ማለት ኣብ ልዕሊኦም ጽልዋ ኸም ዘለዋ ጌርካ እውን ተገሊጻ ኣላ። ንእሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ እውን ትሰጕጎም እያ። (ራእ. 17:2, 3፣ 18:11, 23, 24) ናይ ሓሶት ሃይማኖትሲ ኽሳዕ እዚ ግዜና ብልክዕ ከምኡ ደይኰነትን ገይራ፧

ካብታ ደሓር ባቢሎን እተባህለት ጥንታዊት ባቤል፡ ኵሉ ዓይነት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ልምድታትን ሰረተ እምነታትን ውድባትን ተፈጢረን እየን (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. ዓባይ ባቢሎን፡ “ኣደ ኣመናዝር” ዝዀነት ብኸመይ እያ፧

6 ዓባይ ባቢሎን፡ “ዓባይ ኣመንዝራ” ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ኣደ ኣመናዝር” ተባሂላ እተጸውዐት ስለምንታይ እያ፧ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ብዙሕ እያ ተኸፋፊላ ዘላ። ጸብጺብካ ዘይውድኣ ጕጅለታት ሃይማኖትን ኣንቈራታትን ኣለዋ። ኣብ ጥንታዊት ባቤል ወይ ባቢሎን ቋንቋ ደቂ ሰብ ካብ ዚደባለቕ ኣትሒዙ፡ ኵሉ ዓይነት ሰረተ እምነት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ናብ ፈቐዶኡ ተዘርጊሑ ኣሎ፡ ማእለያ ዘይብለን ሃይማኖታት እውን ተፈጢረን ኣለዋ። “ዓባይ ባቢሎን” ስማ ኻብታ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ዝፈልፈላላ ኸተማ ባቢሎን ምውሳዳ እምበኣር ግቡእ እዩ። (ዘፍ. 11:1-9) ስለዚ፡ ኵለን እዘን ሃይማኖታት እዚአን “ኣዋልድ” ሓንቲ ዓባይ ኣመንዝራ ዝዀነት ውድብ ጌርካ ኺርኣያ ይኽእላ እየን። ሰይጣን በዘን ሃይማኖታት እዚአን ገይሩ፡ ሰባት ኣብ መናፍስትነትን ኣምልኾ ጣኦትን ንኣምላኽ ዜሕስር እምነታትን ልምድታትን ኪሳተፉ የስሕቶም እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ብዛዕባ እታ ብልሽውቲ ዓለምለኻዊት ውድብ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ፡ “ኣቱም ህዝበይ፡ ኣብቲ ሓጢኣታ ኸይትጽምበሩ . . . ካብኣ ውጹ” ተባሂሉ መጠንቀቕታ እተዋህቦም።—ራእይ 18:4, 5 ኣንብብ።

7. ነቲ ኻብ ዓባይ ባቢሎን “ውጹ” ተባሂሉ እተነግረና መጠንቀቕታ እነቕልበሉ ስለምንታይ ኢና፧

7 ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣቕሊብካሉዶ፧ ንደቂ ሰብ “መንፈሳዊ ነገራት [ከም] ዚሃርፉ” ገይሩ ዝፈጠሮም የሆዋ ባዕሉ ምዃኑ ኣይትረስዕ። (ማቴ. 5:3) እዚ ህርፋን እዚ ኸኣ ብንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ኣቢሉ ጥራይ እዩ ኺረዊ ዚኽእል። ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ መንፈሳዊ ምንዝርና ኣጸቢቖም ኪርሕቁ ይደልዩ እዮም። ሰይጣን ድያብሎስ ግና እተፈልየ ዕላማ እዩ ዘለዎ። ንህዝቢ ኣምላኽ ናብ መፈንጠራ እዚ ዓይነት ምንዝርና እዚ ኼእትዎም እዩ ዚደሊ። ብዙሕ ግዜ ኸኣ ተዓዊቱ እዩ። ክሳዕ ግዜ ህዝቅኤል ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ መዳይ ናይ ምምንዛር ነዊሕ ታሪኽ ነይርዎም እዩ። እቲ ታሪኽ እቲ ብዛዕባ መለክዒታት የሆዋን ብዛዕባ ፍትሑን ብዛዕባ ምሕረቱን ስለ ዚምህረና፡ ነዚ ኽንምርምሮ ኣሎና።

“ኣመንዝራ ዄንኪ”

8-10. እንታይ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ኺማላእ ዘለዎ ብቕዓት እዩ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚስምዖ ስምዒት ክንርዳእ ዚሕግዘና፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

8 ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል፡ የሆዋ ንምንዝርና ብምሳልያዊ መገዲ ኺጥቀመሉ ኸሎ፡ ንዕኡ ብውልቁ ኸም ዚትንክዮ ገሊጹ ኣሎ። ህዝቅኤል ኣብ ክልተ ዛንታ፡ የሆዋ ስምዒቱ ብኸመይ ከም እተጐድአን እቶም ዘይእሙናት ብኸመይ ከም ዝጠለምዎን ህዝቡ ብኸመይ ከም ዝረኸሱን ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። ስለምንታይ እዩ ግና ንህዝቢ ኣምላኽ ምስ ኣመናዝር ኣመሳሲልዎም፧

9 መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ነቲ ኣብ ምዕራፍ 5 እዛ መጽሓፍ እዚኣ እተገልጸ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ኺማላእ ዘለዎ ቐዳማይ ኣገዳሲ ብቕዓት ንዘክር። የሆዋ ኣብቲ ንእስራኤል ዝሃቦ ሕጊ፡ “ብዘይካይ [ወይ፡ “ኣንጻረይ፡” እ.ጽ.] ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ። . . . ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ ንበይነይ ተወፋይነት ዝደሊ . . . ኣምላኽ እየ” ኢሉ እዩ። (ዘጸ. 20:3, 5) ጸኒሑ ኸኣ፡ “የሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ብምድላዩ ዚፍለጥ እዩ እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ። እወንሱ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ እዩ” ብምባል ነቲ ሓቂ እቲ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። (ዘጸ. 34:14) ካብዚ ንላዕሊ መሸም ኬነጽሮ ኣይክእልን እዩ። ንየሆዋ በይኑ እንተ ዘየምሊኽናዮ፡ ንዕኡ ቕቡል ብዝዀነ መገዲ ኸነምልኾ ኣይንኽእልን ኢና።

10 ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፡ ብዛዕባ መውስቦ እስከ ንሕሰብ። ሰብኣይን ሰበይትን ንበይኖም ጥራይ ዚሓዝእዎ ነገር ኣለዎም። ሓዲኦም ካብ ሓዳሮም ወጻኢ ንዘሎ ሰብ ፍቕራዊ ወይ ጾታዊ ቘላሕታ እንተ ገይሮም፡ እቲ ሓደ በዚ ይቐንእን ከም እተጠልመ ይስምዖን እዩ። (እብራውያን 13:4 ኣንብብ።) ብተመሳሳሊ ድማ፡ የሆዋ ምስ ኣምልኾ ኣብ እተተሓሓዘ መዳይ፡ እቶም ንዕኡ በይኑ እተወፈዩ ህዝቡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምስ ዜምልኹ፡ ከም ዝጠለምዎ ይስምዖ እዩ። ነዚ ጥልመት እዚ ኸኣ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 16 ብጕሉሕ ገሊጽዎ ኣሎ።

11. የሆዋ ብዛዕባ የሩሳሌምን መበቈላን እንታይ ኢሉ እዩ ኣዘንትዩ፧

11 ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 16፡ ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ኻብ ዚርከብ ዘበለ ዅሉ ዝነውሐ የሆዋ እተዛረቦ ዘረባ ተመዝጊቡ ኣሎ። እዚ ዘረባ እዚ ኸኣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኻብ ዚርከብ ዘበለ ዅሉ ዝነውሐ ትንቢት እዩ። የሆዋ ነታ ጠላም ይሁዳ ኣብ እትውክል ከተማ የሩሳሌም ኣተኲሩ ኣሎ። ንመበቈላን ንጥልመታን ዚገልጽ ዜሕዝንን ዜስካሕክሕን ዛንታ ድማ ኣዘንትዩ ኣሎ። ንሳ ኣብ እተወልደትሉ እዋን ከይጸረየት ተደርብያ እያ ነይራ። ወለዳ ኸኣ እቶም ኣረማውያን ከነኣናውያን እዮም ነይሮም። እወ፡ የሩሳሌም ክሳዕ እቲ ዳዊት ወሪሩ ዚሕዛ፡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቶም ይቡሳውያን ዚብሃሉ ነገድ ከነኣናውያን እያ ነይራ። የሆዋ ግና ነታ ብሕጻንነታ እተደርበየት ደንገጸላ፣ ካብ ርስሓታ ኣጽርዩ፡ ዜድልያ ዘበለ ኣማልኣላ። ጸኒሓ ድማ ከም ሰበይቱ ዀነት። እቶም ደሓር ኣብታ ኸተማ እተቐመጡ እስራኤላውያን፡ ብዘመን ሙሴ ብፍታዎም ምስ የሆዋ ኺዳን ተኣታትዮም ነይሮም እዮም። (ዘጸ. 24:7, 8) ከምቲ ሃብታምን ሓያልን ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዙሕ ስልማት ዚስልማ፡ የሩሳሌም ርእሲ ኸተማ እታ ሃገር ምስ ዀነት እውን፡ የሆዋ ባሪኽዋን ኣሀብቲምዋን ሰሊምዋን እዩ።—ህዝ. 16:1-14

ሰሎሞን በቲ ጓኖት ኣንስቱ ዝገበራሉ ጸቕጢ ስለ እተጸልወ፡ ንየሩሳሌም ብኣምልኾ ጣኦት በኪልዋ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. ጥልመት በብቝሩብ ናብ ታሪኽ የሩሳሌም ዝኣተወ ብኸመይ እዩ፧

12 ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝዀነ እስከ ንርአ። የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ንስኺ ግና ብጽባቐኺ ተኣሚንኪ፣ ብሰንኪ ዝናኺ ድማ ኣመንዝራ ዄንኪ። ምንዝርናኺ ኸኣ ምስ ኵሉ ሓላፍ መገዲ ኣብዚሕኪ፣ ጽባቐኺ እውን ናቱ ዀይኑ።” (ህዝ. 16:15) ብግዜ ሰሎሞን፡ የሆዋ ንየሩሳሌም ብዙሕ ስለ ዝባረኻን ዘሀብተማን፡ ኣብታ ጥንታዊት ዓለም ካብ ኵሉ እትበልጽ ከተማ ዀይና ነይራ እያ። (1 ነገ. 10:23, 27) ግናኸ፡ ጥልመት በብቝሩብ ኺኣቱ ጀሚሩ ነይሩ እዩ። ሰሎሞን ነተን ብዙሓት ጓኖት ኣንስቱ ባህ ኬብለን ኢሉ፡ ንየሩሳሌም ብኣምልኾ ጣኦታት ኬበላሽዋ ጀሚሩ ነይሩ እዩ። (1 ነገ. 11:1-8) ገለ ኻብቶም ንዕኡ ተኪኦም ኣብ ዝፋኑ ዝደየቡ ኸኣ፡ ንብዘላ እታ ምድሪ ብናይ ሓሶት ኣምልኾ ብምብካል ዝገደደ ገይሮም እዮም። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ምንዝርናን ጥልመትን ከመይ ተሰሚዕዎ፧ “ከምዚ ዝበለስ ኪግበር ኰነ ኪኸውን ኣይነበሮን” ኢሉ ስምዒቱ ገሊጹ ኣሎ። (ህዝ. 16:16) እቶም ፋሉላት ህዝቡ ግና ብዝያዳ ናብቲ ብዕልግና እናጠሓሉ እዮም ከይዶም።

ገሊኦም እስራኤላውያን ንደቆም፡ ንኸም ሞሌኽ ዝኣመሰሉ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ይስውኡ ነይሮም

13. ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ብምንታይ እከይ እዮም ገበነኛታት ዝነበሩ፧

13 የሆዋ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ንእከይ እቶም ሕሩያት ህዝቡ ኼቃልዕ ከሎ እተሰምዖ ጓህን ክሳዕ ክንደይ ከም ዝፈንፈኖምን እሞ ገምቶ፦ “ነቶም ዝወለድክለይ ኣወዳትክን ኣዋልድክን ወሲድኪ፡ ምእንቲ ኺውሕጥዎምሲ ንጣኦታት ሰዊእክዮም፣—እቲ ምንዝርናኽስ እምብዛዶ ኣይበዝሐን፧ ንደቀይ ሓሪድክዮም፡ ብሓዊ ብምሕላፍ ከኣ ሰዊእክዮም።” (ህዝ. 16:20, 21) እዚ ዜስካሕክሕ ተግባር እዚ፡ ልቢ ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ እኩይ ምዃኑ እዩ ዜርኢ። ሰይጣን ንህዝቢ የሆዋ ኣስሒቱ ኸምዚ ዝበለ ዕልወት ከም ዚፍጽሙ ምግባር፡ ብዙሕ የሐጕሶ እዩ። የሆዋ ግና ኵሉ ይርኢ እዩ። ነቲ ዝኸፍአ ግፍዒ ሰይጣን ኬዐርዮ ይኽእል እዩ፣ ፍትሒ እውን ኬውጽእ እዩ።—እዮብ 34:24 ኣንብብ።

14. ኣብታ የሆዋ ዝመሰላ ምሳሌ ተጠቒሰን ዘለዋ ኽልተ ኣሓት የሩሳሌም መነመን እየን፧ ካብ ሰለስቲአንከ መነን እያ ዝኸፍአ እከይ ዝገበረት፧

14 የሩሳሌም ግና፡ እቲ እከያ ኣየስካሕክሓን። ምንዝርናኣ ኣይሓደገቶን። ካብ ካልኦት ኣመናዝር ብዝያዳ እተሕፍር ምንባራ፡ የሆዋ ገሊጹ ኣሎ፣ ከመይሲ፡ ምስኣ ኺምንዝሩስ ንሳ እያ እትኸፍሎም ነይራ! (ህዝ. 16:34) ኣምላኽ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ የሩሳሌም ከም “ኣዲኣ፡” ማለት ከምቶም ኣብታ ምድሪ ዝነበሩ ኣረማውያን ነገዳት ምዃና ገሊጹ እዩ። (ህዝ. 16:44, 45) ምስዚ ኣተኣሳሲሩ ኸኣ፡ እታ ኣቐዲማ ኣብ ሃይማኖታዊ ምንዝርና ዝኣተወት ሰማርያ ንየሩሳሌም ዓባይ ሓብታ ምዃና ሓቢሩ እዩ። እታ ብትዕቢታን ብብዕልግናኣን ካብ እትጠፍእ ነዊሕ ዝገበረት ሶዶም ድማ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ኻልአይቲ ሓብታ ምዃና ጠቒሱ እዩ። እምበኣር፡ የሆዋ ኼመሓላልፎ ዝደለየ ነጥቢ እዚ እዩ፦ የሩሳሌም ካብቲ ኣሓታ ሰማርያን ሶዶምን ዝገበራኦ ዚገድድ እከይ እያ ገይራ! (ህዝ. 16:46-50) ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ እተዋህቦም ማእለያ ዘይብሉ መጠንቀቕታታት ዕሽሽ ኢሎምዎን ብመገዲ ዕልወቶም ቀጺሎምን እዮም።

15. ንምንታይ ዕላማ እዩ የሆዋ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ፍርዲ ፈጺሙ፧ እዚኸ እንታይ ተስፋ እዩ ዚህብ፧

15 እሞ ደኣ የሆዋ እንታይ ከም ዚገብር እዩ ገሊጹ፧ “ንዅሎም እቶም ባህ ዘበልክዮም ኣፍቀርትኺ . . . እእክቦም ኣለኹ” ድሕሪ ምባል፡ “ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ” ኢሉ እዩ። እቶም ምስ ህዝቡ ኺዳን እተኣታተዉ ኣረማውያን ስልማታን ንብረታን ቀንጢጦም ኬጥፍእዋ ምዃኖም እዩ ገሊጹ። “ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኽን ብሰይፊ ኺሓርዱኽን እዮም” እውን ኢሉ እዩ። ስለምንታይ እዩ የሆዋ ነዚ ፍርዲ እዚ ፈጺምዎ፧ ንህዝቡ ኼጽንቶም ኢሉ ኣይኰነን። የግዳስ፡ “ንምንዝርናኺ መወዳእታ ኽገብረሉ” ብምባል ዕላማኡ ገሊጹ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ሃና ነድረይ ከውጽኣልኪ፡ ቍጥዓይ እውን ካባኺ ኺምለስ እዩ፣ ክሃድእ፡ ድሕሪኡ እውን ኣይክዅርን እየ” ኢሉ እዩ። ኣብ ምዕራፍ 9 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ዕላማ የሆዋ፡ ንህዝቡ ድሕሪ ምርኮ ናብ ዓዶም ምምላስ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣነ ነቲ ብመዓልትታት ንእስነትኪ ምሳኺ ዝኣቶኽዎ ኺዳን ክዝክሮ . . . እየ” ኢሉ ኣሎ። (ህዝ. 16:37-42, 60) የሆዋ ዘይከም ህዝቡ፡ ምሉእ ብምሉእ እሙን ምዃኑ ኣርእዩ እዩ!—ራእይ 15:4 ኣንብብ።

16, 17. (ሀ) ድሕሪ ደጊም ኦሆላን ኦሆሊባን ንህዝበ ክርስትያን ዜመልክታ ትንቢታዊ ጽላሎት እየን ዘይንብል ስለምንታይ ኢና፧ (“ኣመናዝር ኣሓት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) (ለ) ካብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 1623ን እንታይ ግብራዊ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

16 የሆዋ በቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 16 እተዛረቦ ነዊሕን ሓያልን ዘረባ ኣቢሉ፡ ብዛዕባ እቲ መለክዒታት ጽድቁን ብዛዕባ ፍትሑን ብዛዕባ ዕቤት ምሕረቱን ብዙሕ ይምህረና እዩ። ካብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 23 እውን ተመሳሳሊ ነገር ንምሃር ኢና። ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ብዛዕባ ምንዝርና ህዝቡ ዚገልጽ ንጹር መልእኽቲ ኣብ ልቦም የሕድርዎ እዮም። ከምቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝገበራኦ ጌርና ንየሆዋ ኸነጕህዮ ኸቶ ኣይንደልን ኢና። ስለዚ፡ ካብ ኵሉ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ክንርሕቕ ኣሎና። እዚ ማለት ከኣ ካብቲ ሓደ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስስዐን ፍቕረ ንዋይን እውን ክንርሕቕ ኣሎና። (ማቴ. 6:24፣ ቈሎ. 3:5) የሆዋ ብምሕረቱ ተደሪኹ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቀደሙ ምምላሱን ድሕሪ ደጊም ኪበላሾ ዘይፈቅድ ምዃኑን ወትሩ ኼሐጕሰና ኣለዎ። ምስ መንፈሳውያን እስራኤላውያን “ነባሪ ኺዳን” ኣቚሙ ኣሎ፣ እዚ ድማ ብጥልመት ወይ ብምንዝርና ኣይኪፈርስን እዩ። (ህዝ. 16:60) ስለዚ፡ ነዚ ምስ ንጹሃት ህዝቢ የሆዋ ንምሕባር ዘሎና ፍሉይ መሰል ኣኽቢርና ንርኣዮ።

17 ግናኸ፡ እቲ የሆዋ ኣንጻር እተን ኣብ ህዝቅኤል እተጠቕሳ ኣመናዝር እተዛረቦ ዘረባ፡ ብዛዕባ እታ “ዓባይ ኣመንዝራ” ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን እንታይ ይምህረና፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

“ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ”

18, 19. ኣብ መንጎ እተን ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዘለዋ ኣመናዝርን ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘላ ኣመንዝራን እንታይ ምስስል ኢና እንረክብ፧

18 የሆዋ ኣይልወጥን እዩ። (ያእ. 1:17) ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚስምዖ ስምዒት፡ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ እታ ዓባይ ኣመንዝራ ኣይተቐየረን። ስለዚ፡ ኣብ መንጎ እቲ ነተን ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዘለዋ ኣመናዝር ዝፈረደን ፍርድን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ መወዳእታ እታ “ዓባይ ኣመንዝራ” እተዋህበ መግለጽን ምስስል ምህላዉ ኣየገርመናን እዩ።

19 ንኣብነት፡ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዘለዋ ኣመናዝር ዝወረደ መቕጻዕቲ፡ ቀጥታ ኻብ የሆዋ ዘይኰነስ፡ ምስቶም ጠላማት ህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ መዳይ ካብ ዝመንዘሩ ኣህዛብ እዩ መጺኡ። ብተመሳሳሊ ድማ፡ እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ “ነገስትታት ምድሪ” ብመንፈሳዊ መዳይ ብምምንዛራ እያ ተዀኒና። መቕጻዕታኸ ኻበይ እዩ ዚመጽእ፧ እቶም ፖለቲካውያን ባእታታት “ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬጥፍእዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊ ኺህምኽዋን እዮም” ዚብል ነንብብ ኢና። መንግስትታት እዛ ዓለም እዚኣ ከምዚ ዝበለ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ስጕምቲ ዚወስዱ ስለምንታይ እዮም፧ ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ፡ ‘ሓሳቡ ኺገብሩ ኣብ ልቦም ኬእቱ እዩ።’—ራእ. 17:1-3, 15-17

20. ፍርዲ ባቢሎን ናይ መወዳእታ ኸም ዚኸውን ዚሕብር እንታይ እዩ፧

20 እምበኣር፡ የሆዋ ብኣህዛብ እዛ ዓለም እዚኣ ገይሩ፡ ኣብ ልዕሊ ዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ እንተላይ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ሃይማኖታት ህዝበ ክርስትያን ዝፈረዶ ፍርዲ ኺፍጽሞ እዩ። እቲ ፍርዲ ኸኣ ናይ መወዳእታ ኪኸውን እዩ፣ ይቕረታ ኣይኪግበረለንን እዩ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት መገዳ ኽትቅይር ዕድል ኣይኪውሃባን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ራእይ፡ ብዛዕባ ባቢሎን፡ “ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ” ተባሂሉ ኣሎ። (ራእ. 18:21) መላእኽቲ ኣምላኽ ብጥፍኣታ ኺሕጐሱ፡ “ንያህ ወድስዎ! ትካ እውን ንዘለኣለመ ኣለም ይዓርግ እዩ” ድማ ኪብሉ እዮም። (ራእ. 19:3) እቲ ፍርዳ ንዘለኣለመ ኣለም ኪጸንዕ እዩ። ድሕሪ ደጊም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክትትንስእን ንንጹህ ኣምልኾ ኸተበላሹን ኣይኪፍቀደላን እዩ። ካብቲ ብሓዊ ኸም ምንዳድ እተመሰለ ፍርድን ጥፍኣትን ባቢሎን፡ ብምሳልያዊ መገዲ ንዘለኣለም ትኪ ኺዓርግ እዩ።

እቶም ዓባይ ባቢሎን ዘስድዓቶምን ዝጸለወቶምን ኣህዛብ፡ ተገልቢጦም ኬጥፍእዋ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 19, 20 ርአ)

21. ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ እንታይ ዚብሃል እዋን ከም ዝጀመረ እዩ ምልክት ኪኸውን፧ እቲ እዋን እቲኸ ብምንታይ እዩ ዚዛዘም፧

21 መንግስትታት እዛ ዓለም እዚኣ ንዓባይ ባቢሎን ምስ ተገልበጥዋ፡ ፍርዲ ኣምላኽ ኪፍጽሙ እዮም፣ እዚ ድማ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ዓብዪ ቦታ ኺህልዎ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ነውጺ ዚዀነሉ ብርቱዕ ጸበባ ኺጅምር እዩ። (ማቴ. 24:21) እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸኣ በቲ የሆዋ ምስዚ እኩይ ስርዓት ዚገብሮ ውግእ ኣርማጌዶን ኪዛዘም እዩ። (ራእ. 16:14, 16) እዘን ዚስዕባ ምዕራፋት እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዚሕብራኦ፡ መጽሓፍ ህዝቅኤል ብዛዕባ ብርቱዕ ጸበባ ብዙሕ ትነግረና እያ። ካብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 1623ን ግና እንታይ ግብራዊ ትምህርትታት ኢና ኣብ ልብና ኸነሕድሮን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን እንደሊ፧

መንግስትታት እዛ ዓለም ንዓባይ ባቢሎን ምስ ተገልበጥዋ፡ ፍርዲ ኣምላኽ ኪፍጽሙ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 21 ርአ)

22, 23. ነቲ ብዛዕባ እተን ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤልን ኣብ መጽሓፍ ራእይን ዘለዋ ኣመናዝር እተዋህበ መግለጺ ምምርማርና፡ ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎትና ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧

22 ሰይጣን ነቶም ብንጹህ ኣምልኾ ዚመላለሱ ኼበላሽዎም ይደሊ እዩ። ካብ ንጹህ ኣምልኾ ኣልጊስና ብመገዲ እተን ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል እተጠቕሳ ኣመናዝር ከም እንመላለስ ካብ ምግባር ንላዕሊ ዜሐጕሶ ነገር የልቦን። እምበኣር፡ የሆዋ ኣብ ኣምልኾኡ መቐናቕንቲ ወይ ጥልመት ከም ዘይጻወር ክንዝክር ኣሎና። (ዘሁ. 25:11) ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከኣ ኣመና ኽንርሕቕ ኣሎና፣ እወ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ‘ርኹስ ዘበለ ኽንትንኪ የብልናን።’ (ኢሳ. 52:11) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ካብ ፖለቲካዊ ግጭታት እዛ ኸፋፋሊት ዓለም እዚኣ ገለልተኛታት ኢና። (ዮሃ. 15:19) ንሃገራውነት ከኣ ሰይጣን ከም ዜስፋሕፍሖ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ጌርና ኢና እንርእዮ፣ ስለዚ፡ ኣብኡ ኢድና ኸነእቱ ኣይንደልን ኢና።

23 ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ኣብታ ንጽህቲ መንፈሳዊት ቤተ መቕደሱ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ከም ዘሎና ወትሩ ንዘክር። ነቲ እተባረኸ መሰናድዎ ኣኽቢርና እናረኣና፡ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ምስ ምንዝርናኣን ዚተሓሓዝ ነገር ጠሪስና ኸይንትንኪ ቘራጽነትና ነደልድል!