ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽማቝ እቲ ዝነጸረ ትምህርትታት

ጽማቝ እቲ ዝነጸረ ትምህርትታት

በብግዜኡ፡ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብቲ ብዛዕባ ገሊኡ መዳያት ትንቢት ህዝቅኤል ዘሎና ግንዛበ ምትዕርራያት ገይራ እያ። እዛ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ! ዘርእስታ መጽሓፍ ከኣ፡ ተወሳኺ ዝነጸረ ትምህርትታት ሒዛ ኣላ። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ እስከ ርአ።

እቲ ኣርባዕተ ገጽ እቶም ህያዋን ፍጡራት ንምንታይ የመልክት፧

ዝቐደመ ግንዛበ፦ እቲ ኣርባዕተ ገጽ እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ወይ ኪሩቤል፡ ነፍሲ ወከፉ ንሓደ ኻብቲ ኣርባዕተ ቐንዲ ባህርያት የሆዋ የመልክት።

ዝነጸረ ትምህርቲ፦ እቲ ኣርባዕተ ገጽ እቶም ህያዋን ፍጡራት በብሓደ ኺርአ ኸሎ ንሓደ ኻብቲ ኣርባዕተ ቐንዲ ባህርያት የሆዋ ዜመልክት እኳ እንተ ዀነ፡ ብሓንሳእ ኪርአ ኸሎ ግና ንዅሉ ባህርያት የሆዋ የመልክት። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣርባዕተ ገጽ ንብሉጽ ዕቤት ሓይልን ክብርን የሆዋ የጕልሓልና።

ምኽንያት እቲ ለውጢ፦ ኣብ ቃል ኣምላኽ፡ ቍጽሪ ኣርባዕተ ብዙሕ ግዜ ንዅሉ ንዚሓቍፍ ወይ ንምሉእ ነገር እዩ ዜመልክት። ስለዚ፡ እቲ ኣርባዕተ ገጽ ብሓንሳእ ኪርአ ኸሎ፡ ኣርባዕተ ባህርያት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መሰረት እቲ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ እዩ ዚኸውን። ብተወሳኺ፡ ኵሎም እቶም ኣብቲ ገጻት ተጠቒሶም ዘለዉ ፍጡራት ንግርማን ንብርታዐን ንሓይልን የመልክቱ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኵሎም እዞም ብኣርባዕተ ገጽ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ እተገልጹ ንፍጥረት ዚውክሉ ኣርባዕተ ሓያላት ኣብ ትሕቲ ዝፋን የሆዋ እዮም ተራእዮም። እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዑል ገዛኢ ኸም ዝዀነ የጕልሕ።

እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ንመን የመልክት፧

ዝቐደመ ግንዛበ፦ እቲ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ንተረፍ ቅቡኣት የመልክት። እቶም ቅቡኣት በቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ኣቢሎም፡ ኣብ ግምባር እቶም “ብዙሓት ህዝቢ” ዚዀኑ ሰባት ምልክት ይገብሩ ኣለዉ።—ራእ. 7:9

ዝነጸረ ትምህርቲ፦ እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ንየሱስ ክርስቶስ የመልክት። ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ነቶም ብዙሓት ህዝቢ ኣባጊዕ ኢሉ ኺፈርዶም ወይ ምልክት ኪገብረሎም እዩ።—ማቴ. 24:21

ምኽንያት እቲ ለውጢ፦ የሆዋ፡ ኵሉ ፍርዲ ንወዱ ሂብዎ እዩ። (ዮሃ. 5:22, 23) ብመሰረት ማቴዎስ 25:31-33፡ የሱስ ንሰባት፡ “ኣባጊዕ” ወይ “ኣጣል” ኢሉ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኺፈርዶም እዩ።

እተን ኦሆላን ኦሆሊባን ዚብሃላ ኣመናዝር ኣሓት ነታ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ተባሂላ እተኸፍለት ህዝበ ክርስትያን ዜመልክታ ጽላሎት ድየን፧

ዝቐደመ ግንዛበ፦ እታ ዓባይ ኦሆላ (ሰማርያ፡ ርእሲ ኸተማ እስራኤል) ንካቶሊክ፡ እታ ንእሽቶ ኦሆሊባ (የሩሳሌም፡ ርእሲ ኸተማ ይሁዳ) ንፕሮተስታንት ተመልክት።

ዝነጸረ ትምህርቲ፦ እዘን ኣመናዝር ኣሓት ትንቢታዊ ጽላሎት ህዝበ ክርስትያን ኣይኰናን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ብዛዕባ እቶም እሙናት ዝነበሩ ሰባት፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ምስ ዚምንዝሩ፡ ከመይ ከም ዚስምዖ ኽንምሃር ይሕግዛና እየን። ብዛዕባ ዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖት እውን ከምኡ እዩ ዚስምዖ።

ምኽንያት እቲ ለውጢ፦ ኦሆላን ኦሆሊባን ትንቢታዊ ጽላሎት ህዝበ ክርስትያን ምዃነን ዚሕብር ቅዱስ ጽሑፍ የሎን። እስራኤልን ይሁዳን ንየሆዋ ኸም እሙናት ኣንስቱ ነይረን እየን፣ ህዝበ ክርስትያን ግና ምስ የሆዋ ኸምዚ ዓይነት ርክብ ነይርዋ ኣይፈልጥን እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 1623ን፡ እቶም ዘይእሙናት ህዝቢ ኣምላኽ ምስ ኣመናዝር ኪመሳሰሉ ኸለዉ፡ ናብ ቀደሞም ብዛዕባ ምምላስ ተስፋ ተዋሂቡ እዩ። እታ ኽፍሊ ዓባይ ባቢሎን ዝዀነት ህዝበ ክርስትያን ግና ተመሳሳሊ ተስፋ የብላን።

ህዝበ ክርስትያን በታ ኸሓዲት የሩሳሌም ተመሲላ ድያ፧

ዝቐደመ ግንዛበ፦ ህዝበ ክርስትያን ብየሩሳሌም ተመሲላ እያ። ስለዚ፡ ጥፍኣት የሩሳሌም ነቲ ንህዝበ ክርስትያን ዜጋጥማ ነገር ትንቢታዊ ጽላሎት ይኸውን እዩ።

ዝነጸረ ትምህርቲ፦ እቲ ኣብታ ዘይእምንቲ የሩሳሌም ዝነበረ ዅነታት፡ እንተላይ እቲ ኣምልኾ ጣኦትን ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ብልሽውናን፡ ነቲ ኣብ ህዝበ ክርስትያን ዚኸውን ዘሎ ነገራት የዘኻኽረና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ህዝበ ክርስትያን ብየሩሳሌም ከም እተመሰለት ጌርና ኣይንርእያን ኢና።

ምኽንያት እቲ ለውጢ፦ ነዚ ጽላሎት ወይ ተምሳል ዚብል ኣቀራርባ ዚኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት የልቦን። ህዝበ ክርስትያን፡ ዘይከም ጥንታዊት የሩሳሌም፡ ብንጹህ ኣምልኾ ጠሪሳ ተመላሊሳ ኣይትፈልጥን እያ። የሩሳሌም ንእተወሰነ ግዜ ኻብ የሆዋ ይቕረታ እኳ እንተ ረኸበት፡ ህዝበ ክርስትያን ግና ከምዚ ንምርካብ ተስፋ የብላን።

ብዛዕባ እቲ ንቑጻት ኣዕጽምቲ ዝመልኦ ስንጭሮ እተራእየ ራእይ ብኸመይ ተፈጺሙ፧

ዝቐደመ ግንዛበ፦ ብ1918፡ እቶም እተሰጕጉ ቅቡኣት ኣብ ትሕቲ ምርኮ ባቢሎን ኣትዮም፣ በዚ ኸምዚ፡ ንጥፈታቶም ደው ብምባሉ፡ ከም ሞት ኣብ ዝኣመሰለ ዅነታት ነይሮም። እቲ ሓጺር ምርኮ ኸኣ፡ የሆዋ ብ1919 ከም ብሓድሽ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ገበሮም ኣብቂዑ።

ዝነጸረ ትምህርቲ፦ እቲ ኸም ሞት ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ምርኮ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ እዩ ወሲዱ፣ ካብ 1918 ነዊሕ ኣቐዲሙ ድማ እዩ ጀሚሩ። ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ጀሚሩ፡ ብ1919 ድ.ክ. ድማ ኣብቂዑ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን፡ ነዊሕ እዋን ዚወስድ እኽሊ ዚዓብየሉ ወቕቲ ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

ምኽንያት እቲ ለውጢ፦ እቶም ጥንታውያን እስራኤላውያን ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ምርኮ ጸኒሖም፣ እቲ ምርኮ ብ740 ቅ.ክ. ተጀሚሩ፡ ብ537 ቅ.ክ. ኣብቂዑ። ህዝቅኤል ነቲ ኣዕጽምቲ “ንቑጽ” ወይ “ኣዝዩ ንቑጽ” ገይሩ ምግላጹ፡ እቶም በቲ ኣዕጽምቲ እተመሰሉ ዘበሉ ንኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ሞይቶም ከም ዚጸንሑ የመልክት። እቲ ኣዕጽምቲ ኸኣ በብቝሩብ ህያው ከም ዚኸውን እዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ምልጋብ እቲ ኽልተ ዕንጨይቲ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

ዝቐደመ ግንዛበ፦ እሙናት ኣባላት እቶም ተረፍ ቅቡኣት ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ንሓጺር እዋን ሓድነቶም ድሕሪ ምስኣኖም፡ ብ1919 ሓድነቶም ረኺቦም።

ዝነጸረ ትምህርቲ፦ እቲ ትንቢት፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ሓደ ኸም ዚገብሮም የጕልሕ። ድሕሪ 1919፡ ግዜ እናሰጐመ ምስ ከደ፡ ነቶም ኣባላት ተረፍ ቅቡኣት፡ ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ሓቢሮምዎም እዮም። ክልቲኦም ጕጅለ ሓደ ህዝቢ ዀይኖም ንየሆዋ የምልኽዎ ኣለዉ።

ምኽንያት እቲ ለውጢ፦ እቲ ትንቢት፡ ሓደ ዕንጨይቲ፡ ፈለማ ኣብ ክልተ ተሰይሩ፡ ጸኒሑ ግና ከም እተላገበ ኣይኰነን ዚገልጽ። ስለዚ፡ እቲ ትንቢት ብዛዕባ እተኸፍሉ እሞ ጸኒሖም ሓደ ብዛዕባ ዝዀኑ ጕጅለ ኣይኰነን ዚገልጽ። የግዳስ፡ ክልተ ጕጅለ ሓደ ኸም ዝዀኑ እዩ ዚገልጽ።

ጎግ ብዓል ማጎግ መን እዩ፧

ዝቐደመ ግንዛበ፦ ጎግ ብዓል ማጎግ፡ ሰይጣን ካብ ሰማያት ምስ ተሰጕጐ ዚጽውዓሉ ትንቢታዊ ስም እዩ።

ዝነጸረ ትምህርቲ፦ ጎግ ብዓል ማጎግ ነቶም ንንጹሃት ኣምለኽቲ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዜጥቅዑ ብሓደ ዝሰመሩ ኣህዛብ ምድሪ የመልክት።

ምኽንያት እቲ ለውጢ፦ እቲ ብዛዕባ ጎግ ብትንቢት እተገልጸ ነገር፡ ማለት ንኣሞራታት ምግቢ ዚኸውንን ኣብ ምድሪ መቓብር ዚውሃቦን ምዃኑ፡ ጎግ መንፈሳዊ ፍጡር ዘይምዃኑ ይሕብር እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ መጥቃዕቲ ጎግ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤልን መጽሓፍ ራእይን ተገሊጹ ዘሎ ኣህዛብ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚፍንውዎ መጥቃዕቲ ይመሳሰል እዩ።—ዳን. 11:40, 44, 45፣ ራእ. 17:14፣ 19:19

ህዝቅኤል ነታ ሃዋርያ ጳውሎስ ደሓር ዝገለጻ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ድዩ ብራእይ እናዞረ ርእይዋ፧

ዝቐደመ ግንዛበ፦ እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ፡ እታ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገለጻ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ እያ።

ዝነጸረ ትምህርቲ፦ ህዝቅኤል ነታ ብ29 ድ.ክ. ህልውናኣ ዝጀመረ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኣይኰነን ርእይዋ፣ የግዳስ፡ ፍጹም ኣብነት ንጹህ ኣምልኾ ድሕሪ ምርኮ ኸምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተገልጸ ዀይኑ ብኸመይ ናብ ቀደሙ ኸም ዚምለስ እዩ ራእይ ርእዩ። እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ እቲ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ካብ 29 ክሳዕ 33 ድ.ክ. ዝገበሮ እዩ ዜተኵር። ኣብቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ዝረኣዮ ራእይ ግና፡ ሊቀ ኻህናት ጠሪሱ ኣይተጠቕሰን፣ እቲ ራእይ ድማ ኣብቲ ኻብ 1919 ድ.ክ. ኣትሒዙ እተገብረ መንፈሳዊ ምምላስ እዩ ዜተኵር። ስለዚ፡ እቲ ኣብታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ዘሎ እተፈላለየ ዝርዝር ነገራትን ልክዓትን ጽላሎት ናይ ምንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ኣይንጽዕርን ኢና። የግዳስ፡ ብቐዳምነት ኣብቲ ራእይ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንንጹህ ኣምልኾ ዝሰርዖ መለክዒታት ዚህበና ትምህርቲ ኢና ኸነተኵር ዚግባእ።

ምኽንያት እቲ ለውጢ፦ እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ካብታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ብኣገዳሲ መገድታት ትፍለ እያ። ንኣብነት፡ ኣብታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ብዙሓት እንስሳታት ይስውኡ ነይሮም፣ ኣብታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ግና ሓደ መስዋእቲ ጥራይ እዩ “ሓንሳእ ንሓዋሩ” ኸም ዚቐርብ ተሓቢሩ ዘሎ። (እብ. 9:11, 12) ኣብቲ ክርስቶስ ቅድሚ ምምጻኡ ዝነበረ ዘመናት፡ የሆዋ ብዛዕባ እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ዓሚቝ ሓቅታት ዚገልጸሉ እዋን ገና ኣይኣኸለን ነይሩ።